ብርሃኑ ጁላ፡ ብስም 'ፅምዶ' ኣብ ዝግበር ርክባት ዝሃቦ መጠንቀቕታ

ብርሃኑ ጁላ

ምንጪ ስእሊ, Fana

ሓለቓ ስታፍ ሰራዊት ኢትዮጵያ ፊልድ ማርሻል ብርሃኑ ጁላ፡ ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ ድሕሪ ወዕል ፕሪቶርያ ዝወስዶም ዘሎ ተግባራት፡ ናብ ኲናት ንምእታው እኹል ምኽንያት ከም ዝዀኑ ተዛሪቡ።

እዚ ኣዛዚ ነዚ ክስታት ዘቕረበ፡ ነቲ ቅድሚ ሓሙሽተ ዓመት ኣብ ትግራይ ኲናት ክውላዕ መንቀሊ ኰይኑ ዝጥቀስ ኣብ ልዕሊ 'እዚ ሰሜን' ተፈፂሙ ዝበሃል መጥቃዕቲ ንምዝካር ትማሊ 24 ጥቅምቲ 2018 [ግ] ኣብ ዝተሰናድአ መድረኽ እዩ።

ፊልድ ማርሻል ብርሃኑ፡ "ህወሓት ውዕል ፕሪቶርያ ካብ ዝፍረም ጀሚሩ ዝፈፀሞም ተግባራትን ተንኮላትን ልዕሊ ዓቕሚ እዮም፡" ኢሉ።

ምስ ኤርትራ 'ፅምዶ' ብዝብል ዝካይዶ ዘሎ ዘይሕጋዊ ርክባት፡ ተመዛበልቲ ናብ ዓዶም ክምለሱ ዘይምፍቃድ፡ ዕጡቓት ምስልጣንን ኣብ ክልል ኣምሓራ ንዝንቀሳቐስ ዕጡቕ ጕጅለ [ፋኖ] ምድጋፍን ከም ኣብነት ኣልዒሉ።

"ምስ ሻብያ ናብ ዶብ ሰጊርካ 'ፅምዶ' ገለ ምባል፡ ሓዚልኩምኒ እንተ ዘይከይድኩም፡ ተመዛበልቲ ኣይትምለሱን፣ ዕጡቓት ምምልማል፣ ዕጥቆም ፈቲሖም ናብቲ ማሕበረሰብ ዝተጸንበሩ ተጋደልቲ ትግራይ [ዲ.ዲ.ኣር] ናብ ኣሃዱታት ክምለሱ ምግባር፣ ሰላም ኢትዮጵያ ንምዝራግ ኣብ ክልል ኣምሓራ ንዝንቀሳቐሱ ዕጡቓት ፋኖ ውጥንን ተተኰስትን ምሃብ ኣንፃር ሕገ መንግስቲ'ዩ፤ ኣንፃር ፕሪቶርያ እውን'ዩ፡" ኢሉ።

"ህወሓት ጕድኣት የብፅሕ እኳ እንተሃለወ፡ ኲናት እንተ ተወሊዑ ግን ዝያዳ ጕድኣት ከስዕብ እዩ። ምስ ግዜ ልቢ ዝገብር ሰብ ክፍጠር እዩ፡" ብዝብል መንግስቲ ዓቕሊ ከም ዝገበረ ኣብሪሁ።

ቅድሚ ሓሙሽተ ዓመት፡ ኣብ መንጎ መንስግስቲ ፈደራልን ህወሓትን ብዝተላዕለ ግጭት ንኽልተ ዓመት ዝፀንሐ ደማዊ ኲናት ሓድሕድ ኣበጊሱ።

እቲ ኣብ ክልል ትግራይ ዝጀመረን ፀኒሑ ናብ ጐረባብቲ ክልላት ኣምሓራን ዓፋርን ዝልሓመን ኲናት፡ ህይወት ኣማኢት ኣሽሓት ሰባት ዝቐዘፈ ኰይኑ፡ ከቢድ ማሕበራውን ቍጠባውን ዕንወት ኣስዒቡ ይርከብ።

እቲ፡ ከምዛ ሎሚ 25 ጥቅምቲ (ግ)፡ ቅድሚ ሰለስተ ዓመት ዝተበፅሐ ስምምዕ ፕሪቶርያ፡ ነቲ ደማዊ ግጭት ዘብቅዐ እኳ እንተዀነ፡ መንግስት ፈደራልን መራሕቲ ትግራይን ግን ኣብ ኣተገባብራኡ ክካሰሱ ፀኒሖም ኣለዉ።

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

ብቦርድ መረፃ ኢትዮጵያ ሕጋውነቱ ዝተሰረዘ ህወሓት ብወገኑ፡ ብሰንበት 23 ጥቅምቲ 2018 ኣብ ዘውፅኦ መግለፂ፡ "መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ካልእ ዙርያ ኲናት ንምክያድ ብቕሉዕ ይንቀሳቐስ ኣሎ፡" ክብል ብምኽሳስ፡ ማሕበረሰብ ዓለም ነዚ ተግባር ደው ከብል ኣተሓሳሲቡ።

እቲ ፈራሚ ስምምዕ ቀዋሚ ምቍራፅ ተዅሲ ዝዀነ ህወሓት፡ ብመሰረት ውዕል ፕሪቶርያ፡ መንግስቲ ክፍፅሞ ዝግባእ ግዴታታት ከም ዘይተግበረ፡ ኣብ መግለፂኡ ከሲሱ።

እቲ ቅድሚ ሰለስተ ዓመት ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ከተማ ፕሪቶርያ፡ ነቲ ደማዊ ኲናት ንምቍራፅ ዝተኸተመ ስምምዕ፡ ምሉእ ብምሉእ ተግባራዊ ከይኰነ፡ እነሆ ሰለስተ ዓመት ኣቝፂሩ ኣሎ፣ ሕድሕዶም ድማ ክካሰሱ ይስምዑ።

ህወሓት ኣብ ዝሃቦ መግለፂ፡ እቲ ተፃብኦ በቲ ስምምዕ ክዛዘም ነይርዎ፣ እንተዀነ ግን፡ "ሰለስተ ዓመት ምሉእ ብሰላሕታ [ቀፃሊ] ምፅናት ዓሌት ይፍፅም ኣሎ፡" ክብል ገሊፁ፤ እዚ ክሲ ብፍላይ ምስ ተመዛበልቲ ምዕራብ ትግራይ ዘሕልፍዎ ዘለዎ ፀበባ ዝተኣሳሰር እዩ።

ፊልድ ማርሻል ብርሃኑ ጁላ፡ ኣብቲ 'መጥቃዕቲ እዚ ሰሜን'፡ ንምዝካር ኣብ ዝተኻየደ ስነ-ስርዓት ኣብ ዝሃቦ መደረ፡ ንዘመናት ህዝቢ ትግራይ ንምክልኻል ዓስኪሩ ኣብ ዝፀንሐ ሰራዊት ዝተፈፀመ መጥቃዕቲ፡ "ዘሕፍር ክሕደትን ታሪኻዊ በሰላን፡" ክብል ከሲሱ።

ወሲኹ ድማ ህወሓት ኣብ እዋን ኲናት ምፅናት ዓሌት ፈፂሙ ኢሉ ምስ ዝኸሰሶ 'ሻዕብያ' [መንግስቲ ኤርትራ] ምሕዝነት ከም ዝፈጠረን እዚ ድማ ካልእ ኣብነት ጥሕሰት ምዃኑን ሓቢሩ።

"እዚ ሓይሊ ን50 ዓመታት ጥልመት ክፍፅም ጸኒሑ'ዩ። ግብፃውያን ንሻዕብያ ቈፂሮም፡ ሻዕብያ ድማ ንኢትዮጵያ ከጐድእ ወደብ ባሕሪ ከሊኡና፣ ሃገር ክመቓቐል ነዚ ውድብ ይልእኽ፡" ኢሉ።

እቲ ኢታማጆር፡ ዘረብኡ፡ "ንውሱን ጕጅለ" እምበር፡ ንህዝቢ ትግራይን ንዅሎም ኣባላት ህወሓትን ዝምልከት ከም ዘይኰነ ኣስሚርሉ።

"ሕጂ'ውን ንኣደታት ትግራይ ከብክዩ ይሰርሑ ኣለዉ። ህዝቢ ትግራይ ነብሱ ሓራ ከውፅእ ኣለዎ። እዚ ቍራፅ 'ጕጅለ ህወሓት' መፃኢ ህዝቢ ትግራይ ክውስን የብሉን፡" ይብል፡ እቲ ሓለቓ ስታፍ።

ኲናት ብሓደ ወገን ጥራይ ደው ምባል ከም ዘይከኣል ዝገለፀ ፊልድ ማርሻል ብርሃኑ፡ "ንሃገራዊ ረብሓና፡ ንሰላምና ክንቃለስ ኣለና። ዶብና ሰጊሩ እንተ መፂኡ ድማ ንዕኡ ኢና ተወዲብናን ተዓጢቕናን ዘለና፡" ክብል ኣጠንቂቑ።

ምኒስትሪ ጉዳያት ወፃኢ ኢትዮጵያ፡ ኣብ መወዳእታ መስከረም፡ መንግስቲ ኤርትራን ህወሓትን ኣብ ልዕሊ ኢትዮጵያ፡ "ቅሉዕ ኲናት" ንምክያድ "ውዲት" ፈፂሞም፡ ክብል ናብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ዝፀሓፎ ደብዳበ ከሲሱ።

ህወሓት ብወገኑ፡ ነቲ ደብዳበ ኣብ ዝሃቦ ምላሽ፡ ኣብ ልዕሊኡ ዝቐረቡ ክስታት ሓሶትን ፖለቲካዊ ድራኸን እዩ ብምባል ነፂግዎ።

ምኒስተር ዜና ኤርትራ የማነ ገብረመስቀል'ውን፡ ነቲ ናይ ኢትዮጵያ ደብዳበ፡ "ድፍረትን ኣዝዩ መደናገሪን" ክብል ኰኒኑዎ።

ኣብ ኲናት ትግራይ ብሓደ ዝተሰለፉ ኢትዮጵያን ኤርትራን፡ ንውዕል ፕሪቶርያ ስዒቡ ርክቦም ዝሻሕከረ ኰይኑ፡ ጉዳይ ቀይሕ ባሕሪ፡ ነቲ ወጥሪ ኣጋዲዱዎ ይርከብ።