እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ንሓዋ ካብ ናይ ሞት ፍርዲ ሓራ ንምውጻእ ን56 ዓመታት ዝተቓለሰት ሂደኮ
ኣብ ወርሒ መስከረም ቤት ፍርዲ ጃፓን ነቲ ኣብ ዓለም ንነዊሕ እዋን ናይ ሞት ፍርዲ ተፈሪዱዎ ዝነበረ እሱር ኢዋኦ ሃካማታ ነጻ ከም ዝዀነ ብይን ምስ ሃበ ኣይ ሓጐስ ኣይ ሓዘን ዝዀነ ዝተሓዋወሰ ስምዒት ፈጢሩ ነይሩ።
ጓል 91 ዓመት ሓፍቱ ሂደኮ ሃካማታ፡ ኣብ ሃማማሱ ጃፓን ካብ ዝርከብ ገዝኣ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃበቶ ቃለ መሕትት "ሓራ ከም ዝተባህለ ምስ ነገርክዎ፡ ስቕ'ዩ ኢሉ። እቲ ዝነገርኩዎ ሓበሬታ ተረዲእዎ ድዩ ኣይተረድኦን ክፈልጥ ኣይከኣልኩን" ኢላ።
ሓዋ ኣብ 1968 [ኣቆጻጽራ ኤውሮጳ] ንኣርባዕተ ኣባላት ሓንቲ ስድራቤት ብምቕታሉ ካብ ዝፍረዶ ንድሓር፡ ሂደኮ፡ እቲ ፍርዲ ዳግማይ ክረአ ክትቃለስ ጸኒሓ።
መስከረም 2024 ኣብ መበል 88 ዓመት ዕድሜኡ ናይ መወዳእታ ውሳነ ዝተዋህቦ ኰይኑ እዚ ናይ ቤት ፍርዲ ክትዕ ኣብ ጃፓን እቲ ዝነውሐ ተባሂሉ ተመዝጊቡ'ሎ።
ኣብ ጃፓን ንሞት ዝተፈርዱ እሱራት፡ እቲ ውሳነ ክፍጸም ምስ በለ ቅድሚ ሒደት ሰዓታት ጥራይ ክስቀሉ ምዃኖም ስለ ዝንገሮም ነፍሲ ወከፍ መዓልቲ ናይ መወዳእታ መዓልቶም ድያ ዝብል ርግጸኛታት ከይኰኑ'ዮም ዘሕልፉዎ።
በዚ ምኽንያት ድማ ተሓለቕቲ ሰብኣዊ መሰላት፡ እሱራት ብኸቢድ ናይ ኣእምሮ ሕማም ክጥቅዑ ስለ ዝገብር ከምዚ ዓይነት ተግባር ጨካንን ኢ-ሰብኣዊን ብምባል ክኹንኑ ጸኒሖም እዮም።
ሃካማታ ልዕሊ ፍርቂ ዕድሚኡ ንበይኑ እሞ ድማ ብዘይፈጸሞ ገበን መዓልታዊ ከም ዝቕተል እንዳሓሰበ ዘሕለፈን ዓመታት ጸሊም በሰላ ገዲፈናሉ ኣለዋ።
ኣብ 2014 ጕዳይ ሃካማታ ዳግማይ ክርአ ድሕሪ ምውሳኑ ኣብ ትሕቲ ጥቡቕ ክንክን ሓፍቱ ሂደኮ'ዩ ጸኒሑ።
ሪፖርተራት ቢቢሲ ናብቲ ክልቲኦም ኣሕዋት ዝቕመጥሉ ኣፓርታማ ምስ በጽሑ፡ እቶም ክልተ ኣረጋውያን ኣሕዋት ምስ እቶም ዝሕግዝዎም ወለንታውያን ኣብ ደገ ኰፍ ኢሎም ነይሮም።
ሃካማታ፡ ዘይፈልጦ ሰብ ክርኢ እንከሎ ይጭነቕ።
ሂደኮ ንብዙሕ ዓመታት ኣብ "ናይ ገዛእ ርእሱ ዓለም" ይነብር ስለ ዝነበረ ከም ዘማዕበሎ'ያ እትገልጽ።
"ምናልባት ዘይክንርድኦ ንኽእል። ናይዚ ምኽንያት ድማ ንልዕሊ 40 ዓመታት ኣብ ንእሽቶ ቤት ማእሰርቲ ስለ ዝተዓጽወ እዩ። . . . ከም እንስሳ ክነብር'ዮም ገይሮምዎ" ትብል ብሕርቃን።
ህይወት ሞት ፍርዲ ዝተፈረዶ ሰብ እንታይ ይመስል?
ፕሮፌሽናል ቦክሰኛ ነበር ኢዋኦ ሃካማታ ኣብ ፋብሪካ መመስርሒ ሚሶ ይሰርሕ ኣብ ዝነበረሉ እዋን ሬሳ ሓላፊኡን በዓልቲ ቤቱን ክልተ ንኣሽቱ ደቈምን ተረኺቡ።
ኣርባዕቲኦም ብኻራ ተቐቲሎም ከም ዝተረኸቡ ድማ እቲ ምርመራ ይገልጽ።
እቶም ሰብመዚ፡ ሚስተር ሃካማታ ነታ ስድራቤት ቀቲሉ፡ ገዝኦም ኣቃጺሉ፡ 556 ዶላር ብጥረ ገንዘብ ከም ዝዘመተ ከሲሶም።
ኣብታ ፖሊስ ኣብ 1966 ንሓዋ ክኣስሩ ዝመጹላ መዓልቲ "እንታይ ከም ዝተፈጠረ ዋላ ሓንቲ ኣፍልጦ ኣይነበረናን" ክትብል ነቲ ዝነበረ ህሞት ትዝክሮ።
ገዛ ስድራቤቱን ገዛውቲ ክልተ ዓበይቲ ኣሓቱን ተፈቲሹ፤ ሃካማታ ድማ ብፖሊስ ተወሲዱ።
ኣብ መጀመርታ ንኹሉ ክስታት እኳ ነጺግዎ እንተነበረ ድሒሩ ግን ኣብ መዓልቲ ክሳብ 12 ሰዓታት ዝበጽሕ መግረፍትን መርመራን ምስ ተገበረሉ ነቲ ገበን ከም ዝፈጸሞ ተኣሚኑ።
ሃካማታ ድሕሪ ክልተ ዓመት ብቕትለትን ምቅጻል ገዛውትን ናይ ሞት ፍርዲ ተፈሪድዎ።
ሂደኮ ሓዋ ናብቲ ናይ ሞት ፍርዲ ዝተፈረዶም ሰባት ዝእሰረሉ ክፍሊ ምስ ተዘዋወረ'ያ ናይ ባህርያት ለውጢ ኣስተብሂላ።
ብፍላይ ሓደ መዓልቲ ክትበጽሖ ከይዳ፡ ዝበላ ነገር ፈጺማ ኣይትርስዖን እያ።
"ትማሊ ኣብ ጐኒ ክፍለይ ዝነብር ዝነበረ ሰብኣይ ዝተፈርዶ ሞት ፍርዲ ግብራዊ ኰይኑ ሞይቱ" ኢሉዋ።
" 'ነብስኺ ተኸናኸኒ' ኢሉኒ፤ ድሕሪኡ ሙሉእ ብምሉእ ተቐይሩ ኣዝዩ ስቕታ ዘብዝሕ ሰብ ኰይኑ"።
ኣብ ጃፓን ናይ ሞት ፍርዲ ዝተፈረዶም ሰባት ናይ ንጉሆ ጩቕጩቕ ዝብል መዝሙር ኣዕዋፍ ታሕጓስ ጥራይ ዘይኰነስ ናይ ጭንቀት መልእኽቲ'ውን እዩ ዝፈጥረሎም።
ነፍሲ ወከፍ መዓልቲ እቲ ናይ ሞት ፍርዲ መዓዝ ከም ዝፍጸም እንዳሓሰቡ ምውዓሎም ንሃካማታን ካልኦትን ጸገም ጥዕና ኣእምሮ ጢሩሎም ኣሎ።
"ካብ ክልተ ሰዓት ናይ ንጉሆ ክሳብ ክልተን ፈረቓን ኣብ ዘሎ ግዜ እሱራት ብዛዕባ ናይ ሞት ፍርዲ ዝሕበሩሉ ሰዓት ስለ ዝነበረ እቲ ኣዝዩ ወሳኒ ሰዓት'ዩ ነይሩ" ክትብል ን34 ዓመታት ናይ ሞት ተፈሪድዋ ዝነበረት መንዳ ሳካ ጽሒፋ።
"ማዕጾ ክፍልኻ ክሃርሙ ድዮም ኣይክሃርሙን ስለ ዘይትፈልጥ ዘስካሕክሕ ጭንቀት ክስምዓካ ይጅምር። ክሳብ ክንደይ ዘስካሕክሕ ምንባሩ ክገልጾ ኣይክእልን እየ"።
ኣብ 2009 ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል ኵነታት ናይ ሞት መቕጻዕቲ ኣመልኪቱ ኣብ ዘውጽኦ ጸብጻብ፡ "እቲ ዘይተርፍ ናይ ሞት ፍርዲ ዝፈጠሮ ስግኣት ጨካን፥ ኢ-ሰብኣውን ኣዋርድን" እዩ ኢሉ።
እቲ ጸብጻብ፡ እሱራት ኣብ "ዓቢ ጸገም ጥዕና ኣእምሮ" ከም ዝወደቑ ይሕብር።
ምስ ግዜ ሂደኮ ጥዕና ኣእምሮ ሓዋ እናተበላሸወ ይኸይድ ከም ዘሎ ኣስተብሂላ።
ሓደ መዓልቲ "መን ምዃነይ ትፈልጢ ዲኺ?" ኢሉ ሓቲቱኒ። ኣነ ድማ 'እወ እፈልጥ እየ ንስኻ ኢዋኢ ሃካማታ ኢኻ' ኢለ መሊሰሉ። ካብኡ ንድሓር ንሱ 'ኣይ ካልእ ሰብ ክትረኽቢ ኢልኪ ዝመጻእኺ ክትኰኒ ኣለኪ' ኢሉ ሓዲጉኒ ከይዱ" ኢላ።
ካብቶም ኣብ ልዕሊ ሃካማታ ዝቐረቡ መርትዖታት፡ ኣብ ስራሕ ቦታኡ ኣብ ዝርከብ ናይ ማይ መትረብ ዝተረኽቡ ቀይሕ ሕብሪ ዘለዎም ክዳውንቲ እዮም።
እቲ መርትዖ ድሕሪ ሓደ ዓመትን ክልተ ወርሕን ክርከብ እንከሎ፡ ኣኽበርቲ ሕጊ ናቱ ምዃኑ ገሊጾም።
ኣብ ዝሓለፈ ዓመታት ግን ጠበቓታት ሃካማታ ኣብ ክዳውንቱ ዝተረኽበ ዲኤንኤ ምስ ናቱ ዘይዛመድ ከም ዝዀነ ይምጉቱ ነይሮም።
እቲ ዝቐረበ መርትዖ ኰነ ኢልካ ዝተጸዓወደ'ዩ ክብሉ ሞጒቶም።
ኣብ 2014 ዳኛ፡ ሃካማታ ካብ ቤት ማእሰርቲ ክወጽእን እቲ ጕዳይ ዳግማይ ክረአን ውሳነ ሂቡ።
ብመሰረት ውሳነ ቤት ፍርዲ፡ ክሳብ ዝሓለፈ ወርሒ ጥቅምቲ ዝተናውሐ ሕጋዊ ምጕት ዝወሰደ ኰይኑ፡ 'ሓወይ ገበነኛ ኣይኰነን' ኢላ ኣብ ቤት ፍርዲ ዝተኻትዐት ሓፍቱ ሂደኮ'ያ ነይራ።
እቶም ከም መርትዖ ዝቐረቡ ክዳውንቲ ኣብ ዝተረኽቡሉ እዋን ቀይሕ ምልክት [ናይ ደም ምልክት] ከም ዝነበሮም ዓቃቢ ሕጊ ገሊጹ።
ጠበቓታት ግን እቲ ክዳን ንነዊሕ እዋን ኣብኡ ዝጸንሐ እንተዝኸውን ነይሩ እቲ ደም ጸሊም ክኸውን ነይርዎ ብዝብል ተኻቲዖም።
እዚ ድማ እቲ ዳኛ ንሃካማታ ዝመርመሩ ፖሊስ ኰነ ኢሎም መርትዖ ከም ዝፈብረኹ ንኽኣምን እኹል መርትዖ እዩ ነይሩ።
ዳኛ ብተወሳኺ እቲ ጸብጻብ መርመራ ሓዊሱ ካልእ መርትዖታት ኣብ ልዕሊ ሃካማታ ዝተፈብረኸ ምዃኑን ካብቲ ገበን ንጹህ ምዃኑን ገሊጹ።
ድሕሪ እዚ ውሳነ ቀዳማይ ግብረ መልሲ ሓፍቱ ብንብዓት ዝተሰነየ ሓዘን እዩ ነይሩ።
"እቲ ዳኛ 'ገበነኛ ኣይኰነን' ምስ በለ፡ ኣዝየ ተሓጒሰ፡ ይበኪ ነይረ። ብዙሕ ዝነብዕ ሰብ ኣይኰንኩን፤ ግን ንሓደ ሰዓት ብዘይምቁራጽ ነቢዔ" ኢላ።
ዝተነፍገ ፍትሒ
እቲ ቤት ፍርዲ ኣብ ልዕሊ ሃካማታ ዝቐረበ መርትዖ ዝተፈብረኸ እዩ ዝብል ውሳነ ከቢድ ሕቶታት ኣልዒሉ ኣሎ።
ኣብ ፍትሒ ጃፓን ዝነጥፍ ፕሮፌሰር ስነ-ማሕበረሰብ ዴቪድ ቲ ጆንሰን፡ ንዝሓለፉ 30 ዓመታት ንጕዳይ ሃካማታ ይከታተሎ ነይሩ።
ሃካማታ፡ ንዓሰርተው ዓመታት ኣብ ቤት ማእሰርቲ ዘሕለፈሉ ምኽንያት "እቲ ንጠበቓታት መከላኸሊ ወሳኒ ዝነበረ መርትዖታት ክሳብ 2010 ንህዝቢ ስለ ዘይተገልጸ'ዩ" ኢሉ።
እቲ ውድቀት "ዘሰንብድን መከሓሓሲ ዘይቐርበሉን" ምንባሩ ፕሮፌሰር ጆንሰን ንቢቢሲ ተዛሪቡ።
ሓፍቱ ሂደኮ ሕመረት ናይቲ በደል እቲ ግዱድ ኑዛዜን እቲ ምፍርራሕን ምዃኑ ትዛረብ።
ፕሮፌሰር ጆንሰን ግን ናይ ሓሶት ክስታት ብሰንኪ ሓደ ጌጋ ጥራይ ከም ዘይፍጸም ይዛረብ።
የግዳስ ካብ ፖሊስ ክሳብ ዓቃቢ ሕጊ፡ ካብ ኣብያተ ፍርዲ ክሳብ ባይቶ ኣብ ኩሉ ደረጃታት ዝረኣዩ ውድቀታት ብሰፊሑ ይርከቡ።
እቲ ንሃካማታ ነጻ ዝገበሮ ዳኛ፡ ፍትሒ ንምርካብ ክንድዚ ዝኣክል ግዜ ስለ ዝወሰደ ይቕሬታ ሓቲቱ።