ኣብ ባቡር ትሕቲ ምድሪ ብሓዊ ክትቃጸል ዝተገበረት ሰበይቲ ሞይታ

ኣብ ኒውዮርክ - ብሩክሊን ኣብ ባቡር ትሕቲ መሬት ብሓዊ ምስ ዝተቓጸለት ሰበይቲ ብዝተኣሳሰር ሓደ ሰብኣይ ኣብ ቀይዲ ኣትዩ።

ኮሚሽነር ፖሊስ ጀሲካ ቲሽ ነቲ ብሰንበት ዘጋጠመ ፍጻመ "ሓደ ሰብ ኣብ ልዕሊ ካልእ ፍጡር ሰብ ክፍጽሞ ካብ ዝኽእል ኣዝዮም ጽዩቓት ገበናት ሓደ" ክትብል ገሊጻቶ።

ንሳ፡ እታ ሰበይቲ ናብ ብሩክሊን ኣብ እትኸይድ ባቡር ኣብ ዝነበረትሉ እዋን፡ ሓደ ውልቀሰብ ቀሪቡ ንክዳውንታ ብላይተር ከም ዘንደዶ ገሊጻ።

እታ ግዳይ ኣብቲ ቦታ ከም ዝሞተት ዝጠቐሰት ኮሚሽነር ጀሲካ ከኣ እቲ ጥርጡር ድሒሩ ብባቡር እናተጓዕዘ እንከሎ ካብ ተመሃሮ ካልኣይ ደረጃ ብዝተዋህበ ጥቆማ መሰረት ከም ዝተታሕዘ ተዛሪባ።

ቅድሚ እቲ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ኣብ መንጐ ግዳይን ተጠርጣርን ዝዀነ ርክባት ከም ዘይነበረ ዝገለጸ ፖሊስ፡ ክልቲኦም ሰባት ይፋለጡ እዮም ዝብል እምነት ከም ዘየለ'ውን ሓቢሩ።

ኣብቲ መደብር ኣብ ሓለዋ ዝነበሩ ኣባላት ፖሊስ ናብቲ ባርዕ ኣብ ዝጓየዩሉ እዋን እቲ ሰብኣይ ካብ ባቡር ወሪዱ ከይዱ።

"መኰንናት ኣብ ላዕለዋይ ደረጃ ናይቲ ጣብያ ሓለዋ ይገብሩ ነይሮም። ትኪ ጨንይዎምን ርእዮምን ካብኡ ንምጽራይ ወሪዶም" ትብል ኮሚሽነር ፖሊስ ጀሲካ ቲሽ።

"ሽዑ ኣብ ውሽጢ ባቡር ደው ኢላ ዝነበረት ሰበይቲ ምሉእ ብምሉእ ብሃልሃልታ ተሸፊና ርእዮም"።

ፖሊስ መንነት ግዳይን ነቲ መጥቃዕቲ ዝደረኸ ነገርን ንምፍላጥ ገና ይሰርሕ ኣሎ ተባሂሉ።

እቲ ጥርጡር ካብታ ባቡር ቁሩብ ርሕቕ ኣብ ዝበለ መንበር ኰፍ ኢሉ ነቲ ፍጻመ እናረኣየ ምጽንሑ'ውን እታ ኮሚሽነር ተዛሪባ።

ድሒሩ ሰለስተ ኣብ ዕድመ ካልኣይ ደረጃ ትምህርቲ ዝርከቡ ነበርቲ ኒውዮርክ ናብ 911 ደዊሎም ነቲ ጥርጡር ኣብ ካልእ ባቡር ከም ዘለልይዎ ሓቢሮም ክትብል ንጋዜጠኛታት ገሊጻ።

ናብቲ ተራእዩሉ ዝተባህለ ቦታ ዝኸዱ ኣባላት ፖሊስ ከኣ ኣብ ውሽጢ ባቡር ረኺቦሞ።

እቲ ሰብኣይ ኣብ ጁባኡ ላይተር (መወልዒ ስጋራ) ሒዙ ከም ዝተረኽበ ፖሊስ ኣፍሊጡ'ሎ።

ኮሚሽነር ጀሲካ ቲሽ "ነቶም ናብ 911 ደዊሎም ሓገዝ ዝገበሩ መንእሰያት ከመስግኖም እደሊ" ኢላ።

እቲ መንነቱ ዘይተገልጸ ሰብኣይ፡ ኣብ 2018 ካብ ጓቲማላ ናብ ኣሜሪካ ከም ዝተሰደደ ኣባል ይግለጽ።

መርመርቲ፡ እታ ግዳይ ሓዊ ኣብ ዝተቓጸለትሉ እዋን ደቂሳ ድያ ነይራ ኣይኰነትን ንምርግጋጽ ይጽዕሩ ከም ዘለዉ'ዩ ተሓቢሩ።