ኢትዮጵያ፡ 'ብምትላል ሸርፊ ወጻኢ' ዝተጠርጠሩ 112 ሰባት ተኣሲሮም ልዕሊ 500 ሕሳባት ተኣጊዱ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ኣብ ዘይሕጋዊ ንግዲ ሸርፊ ባጤራ ወጻኢ ተሳቲፎም ዝተባህሉ ሓያሎ ጥርጡራት ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ከምዝኣተዉን ብርክት ዝበሉ ሕሳባት ባንክ ከምዝተዓጽዉን ትካላት ጸጥታን ድሕነትን መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣፍሊጦም።
ኣገልግሎት ሃገራዊ ስለያን ጸጥታን፡ ኣገልግሎት ፋይናንሳዊ ድሕነት፡ ፈደራል ፖሊስ፡ ከምኡ'ውን ትካላት ጸጥታ ክልላት፡ ኣብ ዘይሕጋዊ ምስግጋር ገንዘብ ኢድ ኣለዎም ተባሂሎም ዝተጠርጠሩ ውልቀሰባትን ክቕይዱ እንከለዉ ሓያለ ሕሳባት ባንክ ኣጊዶም።
በዞም ትካላት ጸጥታ ብዝተወስደ ስጕምቲ፡ 112 ኢትዮጵያውያንን ዜጋታት ዝተፈላለያ ሃገራትን ብገበን ተጠርጢሮም ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ከምዝኣተዉን 519 ሕሳባት ባንክ ከምዝተዓጽዉን ኣገልግሎት ሃገራዊ ስለያን ጸጥታን ኣፍሊጡ።
እቶም ኣብ ቀይዲ ዝኣተዉ ጥርጡራት፡ "ምስቲ መንግስቲ ዘካይዶ ዘሎ ማክሮ ቍጠባዊ ጽገናታት ኣብ ዝጻረር ዝተወደበ ንጥፈታት ዘይሕጋዊ ሸርፊ ወጻኢ" ከምዝተዋፈሩ ይግለጽ።
እቶም ጥርጡራት ኣብ ዘይሕጋዊ ስራሕ ሓዋላ፡ ምስግጋር ገንዘብ፡ ምስዋር ባጤራ ወጻኢ፡ ምህዳም ካብ ግብሪ፡ ዘይሕጋዊ ወይ ብዘይሕጋዊ መንገዲ ዝተረኽበ ገንዘብ ሕጋዊ ምግባርን ካልኦት፡ "ኣብ ቍጠባ እታ ሃገር ልዑል ጉድኣት ዘስዓቡን ንኣሸበርቲን ዕጡቓት ጕጅለታትን ዝድግፉን" ገበናት ክሳተፉ ምጽንሖምን መግለጺ እቲ ኣገልግሎት ስለያ ይሕብር።
እቶም ኣብ ቀይዲ ዝኣተዉ ውልቀሰባት፡ ዘይሕጋውያን ዓለምለኻውያን ትካላት ምትሕልላፍ ገንዘብ፡ መተግበሪታት ዘይሕጋዊ ምትሕልላፍ ባጤራ ወጻኢን ክሪፕቶካረንሲን፡ ዘይሕጋውያን ሓዋሎን ደላሎን ምዃኖም ተፈሊጡ።
ብተወሳኺ፡ ሕጋዊ ፍቓድ ንግዲ ዘይብሎም ኣብ ዘይሕጋዊ ምስግጋር ገንዘብ ዝተዋፈሩን ብርክት ዝበለ ገንዘብ ብምንቅስቓስ ኣብ ሃገራዊ ቍጠባ ርኡይ ጉድኣት ዘውረዱ ኣምጻእትን ለኣኽትን ስጕምቲ ከምዝተወሰደ እቲ መግለጺ ኣፍሊጡ።
ካብቶም ጥርጡራት፡ ካብ ደገ ዝለኣኽ ብዙሕ ባጤራ ወጻኢ ኣብ ዘለዎ ክተርፍ ብምግባር ፍቓዶም ዝተሰረዘ ዘይሕጋውያን ሓዋሎ፡ ከምኡ'ውን ዘይሕጋዊ መተግበሪ መሰጋገሪ ባጤራ ወጻኢ ዝጥቀሙ ዝነበሩ ከምዘለዉ እቲ መግለጺ ወሲኹ የመልክት።

ምንጪ ስእሊ, NISS
ብተወሳኺ ሕጊ ሃገራዊ ባንክ ብምጥሓስን ፍቓድ ዘይብሎምን መተግበሪ ክሪፕቶካረንሲ ተጠቒሞም ብዘይሕጋዊ መንገዲ ባጤራ ወጻኢ ዘሰጋግሩ ዝነበሩ ውልቀሰባት ስጕምቲ ከምዝተወሰደ ተጠቒሱ።
እቲ ትካል ጸጥታ: ነቲ ተግባር ብዝምልከት ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ሓያሎ ጥርጡራትን ናይቶም ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ዝኣተዉ ዝተፈላለዩ ውልቀሰባትን ንብረቶምን ኣሳእሎምን ተዘርጊሑ።
ኣብ መፋርቕ: ጥቅምቲ ኣመሓዳሪ ሃገራዊ ባንክ ኢትዮጵያ እዮብ ተካልኝ (ዶክተር)፡ መንግስቲ ኣብ ልዕሊ ትካላት ሓዋላ፡ ለኣኽቲ ገንዘብ፡ ከምኡ'ውን ብዘይሕጋዊ መንገዲ ገንዘብ ዘስግሩን ዝቕበሉን ተሪር ስጕምቲ ከምዝወስድ ኣፍሊጡ ነይሩ።
እቲ ኣመሓዳሪ፡ መንግስቲ ኣብ ምወላ ግብረሽበራ ወይ ዘይሕጋዊ ምስግጋር ገንዘብ ዝነጥፋ ትካላት ምህላወን ክምዘረጋገጸን፡ "ዝተዋደደን ኵለመዳያዊ ስጉምቲ" ክወስድ ከምዝተዳለወን ሓቢሩ ነይሩ።







![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







