ብምኽንያት ዋንጫ ኣፍሪቃን ኤስያን ካብ ፕሪሚየር ሊግ ዝበዅሩ ተጻወትቲ በዓል መን’ዮም?

ኦናና፡ ሳላሕን ሶንን

ጸወታታት ዋንጫ ሃገራት ኣፍሪቃን ኤስያን ኣብዚ ወርሒ ጥሪ ክካየድ’ዩ። ብሰንኪ እዚ ሓያለ ተጻወትቲ ፕሪሚየር ሊግ ንሃገራውያን ጋንታታት ወኪሎም ንምጽዋት ነናብ ሃገሮም ክምለሱ’ዩ።

ጸወታታት ዋንጫ ኣፍሪቃ ኣብ ኣይቮሪኮስት’ዩ ክካየድ፤ ቐጠር ከኣ ንዋንጫ ሃገራት ኤስያ ከተአንግድ’ያ።

ጋንታታት ፕሪሚየር ሊግ ብሰንኪ ጸወታታት ሃገራት ኣፍሪቃን ኤስያን ሓያለ ካብ ተጻወትተን ክኸስራ’የን።

ሊቨርፑል ነቲ ቀንዲ ኣመዝጋቢ ሸቶኣን ሓለቃ ሃገራዊት ጋንታ ግብጺ መሓመድ ሳላሕ ክትከስር’ያ ።

ኣሰልጣኒ እዛ ክለብ የርገን ክሎፕ ነዚ ኣብ ግምት ብምእታው፡ ክዳሎ ከምዝጸንሐ ብምግላጽ “ዋንጫ ሃገራት ኣፍሪቃ ከምዝህሉን ሞ ሳላሕ’ውን ክኸይድ ከምዝዀነ እፈልጥ’የ፤ ዋታሩ’ውን ንሃገሩ ወኪሉ ኣብ ዋንጫ ሃገራት ኤስያ ንኽሳተፍ ክኸይድ’ዩ ስለዚ ከም ኣመጻጽኣኡ ክንቅበሎ ኢና፤ ነዚ ሃጓፍ ክንብድሆ ኢና” ኢሉ።

ኣሰልጣኒ ቶተንሃም ኣንጅ ፓስትኮግሉ ምስ ሃገሩ ኣውስትራልያ ብምዃን ኣብ 2015 ዋንጫ ክዕወት ዝኽኣለ ኣሰልጣኒ እዩ። ውድድራት ዋንጫ ኣፍሪቃን ኤስያን ንተጻወትቲ ኣዝዩ ወሳኒ ምዃኑ ከኣ ይሕብር።

“ኣዝዩ ኣገዳሲ ምዃኑ’የ ዝርዳእ ኣብቲ ውድድር’ውን ዓቢ ክብሪ ኣለኒ፡ ብዙሓት ኣውሮጳውያን፡ ውድድራት ኣውሮጳ ጥራይ ኣገዳሲ ገይሮም ይርእይዎ’ዮም። ውድድራት ሃገራት ኤስያን ኣፍሪቃን’ውን ማዕረ ክብሪ ክወሃቦ ይግባእ’ዩ” ይብል።

ንምዃኑ ሃገራት ምምራጽ ተጻወትተን ወዲአን ድየን?

ሓጺር መልሲ ናይዚ ሕቶ፡ ገና ውዱእ ዝርዝር ኣስማት ተጻወትቲ ሃገራውያን ጋንታታት ብወግዒ ኣይወጽአን ዘሎ። ስለዚ ብሕጂ’ውን ካብዞም ካብ ፕሪሚየር ሊግ ክበዅሩ’ዮም ዝበሃሉ ዘለዉ ተጻወትቲ ዝውሰኹ ወይ ዝጐድሉ ክህልዉ ይኽእሉ’ዮም።

ኣንጐላ፡ አልጀሪያ፡ ቡርኪናፋሶ፡ ካሜሩን፡ ኬፕ ቨርደ፡ ዲሞክራስያዊት ሪፖብሊክ ኮንጐ፡ ግብጺ፡ ኢኳቶሪያል ጊኒ፡ ጋና፡ ጊኒ፡ ጊኒ ቢሳው፡ ኣይቮሪኮስት፡ ጃፓን፡ ሞሪታንያ፡ ሞሮኮ፡ ሞዛምቢክ፡ ናሚቢያ፡ ናይጀሪያ፡ ሰነጋል፡ ደቡብ አፍሪቃን ቱኒዝያን ናይ መወዳእታ ዝርዝር ተጻወትተን ዘቕረባ ሃገራውያን ጋንታት እየን።

ጋምቢያ፡ ማሊ፡ ዛምቢያን ታንዛኒያን ክሳብ 55 ዝዀኑ ተጻወትቲ ጠርኒፈን ተጻወትቲ ኣብ ምሕራይ ከምዘለዋ ዝገልጻ ዘለዋ ሃገራት’የን።

ኵለን ተሳተፍቲ ዋንጫ ኣፍሪቃ ክሳብ ሕጂ ናይ መወዳእታ 27 ዝተመረጹ ተጻወትቲ ከፍልጣ’ኳ ትጽቢት ዝግበር እንተዀነ፡ ገና ዘየፍለጣ ከምዘለዋ ግን መርበብ ሓበሬታ ካፍ የርኢ።

አውስትራልያ፡ ዒራቕ፡ ማሌዥያ ንደቡብ ኮርያን ናብ ዋንጫ ኤስያ ሒዘናኦም ዝኸዳ ኣፍሊጠን ኣለዋ።

ቻይና፡ ሆንግ ኮንግ፡ ህንዲ፡ ኢንዶንዥያ፡ ዮርዳኖስ፡ ኪርኪጊስታን፡ ሊባኖስ፡ ቐጠር፡ ሶሪያ፡ ታጃኪስታን፡ ሕቡራት ኢማራት ዓረብን ቬትናምን ግን ክሳብ ሕጂ ነቶም ብግዝያውነት ሒዘናኦም ዘለዋ 50 ዝዀነ ተጻወትቲ’የን ኣቕሪበን ዘለዋ።

ባሕረይን፡ ኢራን፡ ዖማን፡ ፍልስጤም፡ ስዑድ ዓረብ፡ ታይላንድን ኡዝበኪስታንን ብወገነን ብግዚያውነት ዝመረጻኦም ተጻወትቲ ናብ ፈደረሽን ኩዕሶ እግሪ ኤስያ’ኳ እንተኣቕረባ ክሳብ ሕጂ ብወግዒ ኣይተገለጸን ዘሎ።

ኣየኖት ጋንታታት ፕሪሚየር ሊግ ንመን ክኸስራ’የን?

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

ኖቲንግሃም ፎረስት - 6

ኦላ ኣይና (ተኸላኻላይ ናይጀሪያ)

ሰርጅ ኦሪየር (ተኸላኻላይ ኣይቮሪኮስት)

ዊሊ ቦሊ (ተኸላኻላይ ኣይቮሪኮስት)

ቺኩ ኩያተ (ኣከፋፋሊ ሰኔጋል)

ሙሳ ኒያካተ (ተኸላኻላይ ሰኔጋል)

ኢብራሂም ሳንጋረ (ኣከፋፋሊ ኣይቮሪኮስት)

ብሬንትፎርድ - 4

ሳማን ጎዶስ (ኣከፋፋሊ ኢራን)

ኪም ጂ-ሶ (ተኸላኻላይ ደቡብ ኮርያ)

ፍራንክ ኦንያካ (ኣከፋፋሊ ናይጀሪያ)

ዮኣን ዊሳ (ኣጥቃዓይ ዲሞክራስያዊት ሪፓብሊክ ኮንጐ)

ዎልቭስ - 4

ህዋንግ ሄ-ቻን (ኣከፋፋሊ ደቡብ ኮሪያ)

ጀስቲን ሃብነር (ተኸላኻላይ ኢንዶኒዥያ)

ራያን ኣይት-ኑሪ (ተኸላኻላይ አልጀሪያ)

ቡባከር ትራኦረ (ኣከፋፋሊ ማሊ)

ማንቸስተር ዩናይትድ - 3

ሶፊያን ኣምራባት (ኣካፋፋሊ ሞሮኮ)

ኣማድ ዲያሎ (ኣጥቃዓይ ኣይቮሪኮስት)

ኣንድሬ ኦናና (ሓላዊ ልዳት ካሜሮን)

ኣርሰናል - 3

መሓመድ ኤልኔኒ (ኣከፋፋሊ ግብጺ)

ታኬሂሮ ቶሚያሱ (ተኸላኻላይ ጃፓን)

ኣከፋፋሊ ሃገራዊት ጋንታ ጋና ቶማስ ፓርተ ኣብ ዝርዝር ብግዝያውነት ዝተመረጹ’ኳ እንተኣተወ ብሰንኪ ማህረምቲ ምስታ ሃገራዊት ጋንታ ኣይተጸንበረን፤ ኣርሰናል ግን ምኽሳራ ኣይተረፋን።

ቶተንሃም - 3

ይቭ ቢሱማ (ኣከፋፋሊ ማሊ)

ሶን ሄንግ-ሚን (ኣጥቃዓይ ደቡብ ኮርያ)

ፓፔ ማታር ሳር (ኣከፋፋላይ ሰኔጋል)

ፉልሃም - 3

ፎዴ ባሎ ቱረ (ተኸላኻላይ ሰኔጋል)

ካልቪን ባሴይ (ተኸላኻላይ ናይጀሪያ)

ኣሌክስ ኢዎቢ (ኣከፋፋሊ ናይጀሪያ)

ሊቨርፑል - 2

ዋታሩ ኤንዶ (ኣከፋፋሊ ጃፓን)

መሓመድ ሳላሕ (ኣጥቃዓይ ግብጺ)

በርንማውዝ - 2

ዳንጐ ኦውታራ (ኣጥቃዓይ ቡርኪናፋሶ)

አንትዋን ሰሜንዮ (ኣጥቃዓይ ጋና)

ብራይተን - 2

ሳይመን ኣዲንግራ (ኣጥቃዓይ ኣይቮሪኮስት)

ካኦሩ ሚቶማ (ኣጥቃዓይ ጃፓን)

ዌስትሃም - 2

ናዬፍ ኣገርድ (ተኸላኻላይ ሞሮኮ)

መሓመድ ቍዱስ (ኣከፋፋሊ ጋና)

ሼፊልድ ዩናይትድ - 2

ያስር ላሩቺ (ተኸላኻላይ ኣልጀሪያ)

ኣኒስ ቤን ስሊማን (ኣከፈፋሊ ቱኒዝያ)

አስቶንቪላ - 1

በርትራንድ ትራኦረ (ኣከፋፋሊ ቡርኪናፋሶ)

ቸልሲ - 1

ኒኮላስ ጃክሰን (ኣጥቃዓይ ሰኔጋል)

ክሪስታል ፓላስ - 1

ጆርዳን ኣየው (ኣጥቃዓይ ጋና)

ኤቨርተን - 1

ኢድሪሳ ጉዬ (ኣከፋፋሊ ሰኔጋል)

ሉተን - 1

ኢሳ ካቦረ (ተኸላኻላይ ቡርኪናፋሶ)

* ማንቸስተር ሲቲ፡ ኒውካስልን በርንለይ ዝጐድሉ ተጻወትቲ የብለንን።