እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኣብ ሰማይ መስኮታ ተገንጺሉ ዝወደቓ ነፋሪት ኣብ ፖርትላንድ ክትዓልብ ተገዲዳ
ትማሊ ዓርቢ ሓንቲ ናይ ህዝቢ መጓዓዝያ ነፋሪት ኣብ ሰማይ እንከላ ሓደ ክፋል ዓንዳ ተገንጺሉ ብምኻዱ ኣብ ኣሜሪካ ግዝኣት ኦሪገን ክትዓልብ ከምዝተገደደት ተገሊጹ።
መንገዲ ኣየር ኣላስካ ቦይንግ 737 ናብ ካሊፎርንያ ተበጊሳ ኣስታት 35 ደቓይቕ ምስበረረት፡ መስኮት ሓዊሱ ደጋዊ ክፋላ ተገንጺሉ ድሕሪ ምውዳቑ ናብ ፖርትላንድ ተመሊሳ።
ፈደራላዊ ኤጀንሲ ኣቬየሽን ኣሜሪካ፡ “ሰራሕተኛታት እታ ነፋሪት ጸገም ከምዘጋጠመ ድሕሪ ምሕባሮም ብሰላም ከምዝተመለሰት" ገሊጹ።
ኣላስካ ኣብታ ነፋሪት 177 ተጓዓዝትን ሰራሕተኛታትን ከምዝነበሩ ሓቢሩ።
ቦይንግ ነቲ ፍጻመ ከምዝፈልጦን "ዝያዳ ሓበሬታ ንምእካብ ይሰርሕ ከምዘሎን" ገሊጹ።
"ጉጅለ ቴክኒክ ቦይንግ ነቲ ዝካየድ መርመራ ንምድጋፍ ድሉው ኮይኑ ኣሎ" ኢሉ።
ብመሰረት መርበብ ሓበሬታታት ምክትታል በረራታት ፍላይታዌርን ፍላይትራዳር24ን እታ ነፋሪት ቦይንግ 737 ማክስ 9 ከምዝኾነት ኣረጋጊጾም።
መንገዲ ኣየር ኣላስካ እቲ ፍጻመ ምስተበገሰት ቁሩብ ጸኒሑ ከምዘጋጠመን እታ ነፋሪት ናብ ፖርትላንድ ብሰላም ከምዝተመልሰትን ኣፍሊጡ።
"እዚ ዓይነት ተርእዮ ሳሕቲ ዘጋጥም እኳ እንተኾነ፡ ሰራሕተኛታትና ነቲ ኩነታት ብውሑስ መንገዲ ንምእላይ ብዝግባእ ዝሰልጠኑ'ዮም ነይሮም" ይብል እቲ መንገዲ ኣየር።
ኣብቲ ናብ ማዕከናት ዜና ዝተላእከ ምስልታት፡ ብለይቲ ናይታ ነፋሪት መስኮት ተኸፊቱ ዘርኢ ኮይኑ፡ ንመከላኸሊ ዝኸውን ንብረትን ካልእ ፍርስራስን እውን ይርአ።
ካልኦት ስእልታት ድማ፡ እቲ ናብቲ ዝተጎድአ ክፋል ዝቐረበ መንበር፡ ተጓዓዝቲ ሰብ ዘይብሉ ዝበልዎ ናይ መስኮት መንበር፡ ብዘይ መንጸፍ ንቕድሚት ተጸጊዑ ዘርእዩ እዮም።
ብመሰረት እቶም ስእልታት፡ እቲ ዝተጎድአ ከባቢ ኣብ መበል ሳልሳይ መስርዕ ናይታ ነፋሪት፡ ብድሕሪ ክንፍን ሞተርን እዩ ነይሩ።
እቲ ጉድኣት በጺሕዎ ዝተብሃለ ክፋል ዓንዲ ነፋሪት ብገለ ኦፕሬተራት ከም ተወሳኺ ኣብ ግዜ ሓደጋ መውጽኢ ማዕጾ ክጥቀሙሉ ዝኽእሉ ይመስል።
ሃገራዊ ቦርድ ድሕንነት መጓዓዝያ ነቲ ፍጻመ ይምርምሮ ከምዘሎ ኣብ ኤክስ ጽሒፉ።
ቦይንግ 737 ማክስ፡ ድሕሪ ተኸታታሊ ጉዳያት ድሕነትን መርመራታትን፡ "ኣብ ታሪኽ እቲ ዝበዝሐ ምጽራይ ዝተገብረሉ ናይ መጓዓዝያ ነፋሪት" ተባሂሉ ይግለጽ።
ኣብ መጋቢት 2019 ክልተ ብማክስ ዝተሰርሓ ነፈርቲ ወዲቐን ኣብኣተን ተሳፊሮም ዝነበሩ ሰባት ስለዝሞቱ ንዓመትን ፈረቓን ዝኸውን ነፈርቱ ንኸይበራ ተወሲኑ ከምዝነበረ ዝዝከር እዩ።
ነፈርቲ ማክስ ዳግማይ በረራ ንኽጅምራ ነፍሲ ወከፍ ነፋሪት ርኡይ ምምሕያሻት ተገይሩለን እዩ። እንተኾነ እቲ ለውጢ ካብ ደገ ዘይርአን ተጓዓዝቲ ከስተባህልዎ ዘይከኣልን እዩ።
ኣስታት ሓደ ሽሕ ሰለስተ ሚኢትን 737 ማክስ ዝዓይነተን ነፈርቲ ናብ ዓማዊል ተሸይጠን ኣብ ኣገልግሎት ከምዝርከባ ሓበሬታ ቦይንግ የመልክት።