ኣብ ጌጋ በረራ ንበይኑ ዝተጓዓዘ ቈልዓ

ሓደ ወዲ ሽዱሽተ ዓመት ቈልዓ፡ ኣብ ነፋሪት መንገዲ ኣየር ስፕሪት "ብጌጋ" ድሕሪ ምእታዉ፡ ኣብ ካልእ ከተማ ኣመሪካ ወሪዱ።

ካስፐር ካብ ፊላደልፍያ ምስ ዓባዩ ኣብ ፎርት ማይርስ ፍሎሪዳ ንምርኻብ ይጓዓዝ ነይሩ።

ኣብ መወዳእታ ግን -ካብ ፎርት ማየርስ ናይ ኣርባዕተ ሰዓታት መኪና - ዝርሕቕ ናብ ኦርላንዶ ተጓዒዙ።

መንገዲ ኣየር ስፕሪት ይቕሬታ ሓቲቱ፤ ንዓባዩ ድማ፡ ንካስፐር ንምውሳድ ዝገበረቶ ወጻኢታት ክመልሰላ ምዃኑ ሓቢሩ።

እታ ክኣትዋ ዝነበሮ ነፋሪት ምስ ዓለበትን ወዲ ወዳ ኣብኣ ምስ ዘይነበረን፡ ንወ/ሮ ራሞስ ስንባደ ፈጢሩላ።

"ኣብ ውሽጢ ነፋሪት ናብታ ኣገልጋሊት በረራ ጐይየ፡ 'ወደይ ኣበይ ኣሎ? ኣብ ፊላደልፍያ ዝተወሃበኪ?" ኢላ ትሓታ።

እቲ ኣገልጋሊት ነፋሪት፡ "ኣይፋልን፡ ምሳይ ቈልዑ ኣይነበረንን" ከም ዝበለታ ትዛረብ።

ጽቡቕ ኣጋጣሚ ኰይኑ፡ ካስፐር ኣብ ኦርላንዶ ምስ ዓለበ ነዊሕ ከይጸንሐ ንዓባዩ ክድውለላ ክኢሉ።

ብድሕሪኡ ወይዘሮ ራሞስ ካብ ፎርት ማይርስ ብመኪና ተጓዒዛ ወዲ ወዳ ክትወስድ ክኢላ።

"ክድውሉለይ እሞ፡ [ከምኡ'ውን] ወዲ ወደይ ናብ ኦርላንዶ ከመይ ከም ዝበረረ ክሕብሩኒ እደሊ እየ" ኢላ ሚስ ራሞስ።

"ብኸመይ እዩ ከምኡ ኰይኑ? ካብታ ነፋሪት ባዕላቶም ድዮም ኣውሪዶሞ? ካብታ ነፋሪት ዘሊሉ ድዩ ወጺኡ?"

መንገዲ ኣየር ስፕሪት ይቕሬታ ንምሕታት ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ "ንዅሎም ኣጋይሽና ድሕነት ጕዕዞን ሓላፍነትን ብዕቱብ ንወስዶ ጉዳይ ስለዝዀነ፡ ውሽጣዊ መርመራ ነካይድ ኣለና። በዚ ኣጋጣሚ ንስድራቤት ይቕሬታ ንሓትት" ኢሉ።

ከምዚ ዓይነት ሓደጋታት ልሙድ እኳ እንተዘይኰነ፡ ሰብ ዘይብሎም ትሕቲ ዕድመ ቈልዑ ከምኡ’ውን ካልኦት ተጓዓዝቲ ኣብ ዝሓለፈ እዋን ብጌጋ በረራታት ተጓዒዞም ይፈልጡ እዮም።

ኣብ 2009 ክልተ ዝተፈላለያ ሰብ ዘይብለን ኣዋልድ ኣብ ውሽጢ ኣመሪካ ኣብ ጌጋ በረራታት መንገዲ ኣየር ኮንቲነንታል በሪረን ነይረን።

እቲ መንገዲ ኣየር "ኣብ መንጐ ሰራሕተኛታት ዝተፈጠረ ዘይምርድዳእ" ክብል ወቒሱ።

ከምኡ’ውን ኣብ 2019 ሓደ ወዲ ናብ ሽወደን ክገይሽ እናተገብኦ፡ ናብ ጀርመን እትበርር ነፋሪት መንገዲ ኣየር ዩናይትድ ኣትዩ።