ኣብ ኢማራት ዓረብ ቢልዮን ዶላር ዝግመት ዕጸፋርስ ተታሒዙ

ፖሊስ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ፡ 13 ቶን ከኒና ኣምፈታሚን (ዕጸፋርስ) ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ከምዝኣተወ ኣፍሊጡ።

እቲ ልዕሊ ሓደ ቢልዮን ዶላር ዝግመት ‘ብካፕታጎን’ ዝፍለጥ ከኒና፡ ኣብ ውሽጢ ኣቝሑ ገዛ ተሓቢኡ ክኣቱ ክብል እዩ ኣብ ናይ መርከብ ኮንተይነራት ተረኺቡ።

ፖሊስ ዱባይ፡ ነቲ 86 ሚልዮን ከኒናታት ዝተሓብኡሉ ዕንጸይቲ ፓነላትን ማዕጾታትን ክቐዱ ከለዉ ዘርኢ ቪድዮ ዘርጊሑ'ሎ።

እቲ "ሓሺሽ ድኻ ሰብኣይ" ተባሂሉ ዝጽዋዕ ካፕታጎን፡ ኣብ ወሽመጥ ዓረብ መንእሰያት ካብ ዝጥቀሙሉ ዕጸፋርስ ሓደ ምዃኑ ይንገር።

ፖሊስ፡ እቲ ዘይሕጋዊ ዕጸፋርስ ከበይ ከምዝተበገሰ ኣይጠቐሰን። እንተዀነ፡ ካፕታጎን ኣብ ሶርያ ብብዝሒ ከም ዝፈሪ ይእመን።

ኣብቲ ኲናት ሓድሕድ ኣብ ዝለዓለ ጥርዙ ኣብ ዝበጽሓሉ እዋን፡ ዕጡቓት ጕጅለታት እታ ሃገር፡ ኣብ እዋን ኩናት ትብዓቶም ንምዕባይ ይወሃቦም ከምዝነበረ ይግለጽ።

ብሰንኪ ኣብታ ሃገር ዘሎ ድኽነት ብዙሓት ሶርያውያን'ውን ኣብቲ ብቢልዮናት ዝግመት ዘይሕጋዊ ንግዲ ካፕታጎን ክሳተፉ ከምዝተገደዱ ይንገር።

ኣብ ምፍራይ ምክፍፋልን እዚ ዕጸፋርስ፡ ወተሃደራትን ካልኦት ምስ መንግስቲ ሶርያ ርክብ ዘለዎም ንግዳዊ ትካላትን ተዋፊሮም ከምዝሰርሑ ጸብጻባት ይሕብሩ።

ፖሊስ ዱባይ፡ 13 ቶን ዝምዘን ከኒና ዝሓዙ ሓሙሽተ ኮንተይነራት መርከብ ኣብ ትሕቲ ቍጽጽር ኣእትዩ ከምዘሎ ሓቢሩ።

ሓደ ኣህጉራዊ ጕጅለ ነቲ ኣብ ኮንተይነራት ተሓቢኡ ዝነበረ ዕጸ-ፋርስ ናብ ኢማራት ዓረብ ክሰዶን ድሕሪኡ ናብ ካልእ ሃገር ከግዕዞን መደብ ከምዝነበሮ ሓላፊ ክፍሊ ጸረ-ዕጸ-ፋርስ ፖሊስ ሜጀር ጀነራል ዒድ መሓመድ ታን ሓረብ ገሊጹ።

በቲ ስርሒት ሽዱሽተ ሰባት ኣብ ቀይዲ ኣትዮም ኣለው፤ ክሳብ ሕጂ ካብ ዝተታሕዙ እቲ ዝዓበየ ዕጸፋርስ ምዃኑ ይእመን።

ኣብ 2020 ኣብ ኢጣልያ 14 ቶን ከኒናታት ካፕታጎን ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ከኣትዉ እንከለዉ፡ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት'ውን ስዑዲ ዓረብ ኣብ ጽዕነት ሓርጭ ብኮንትሮባንድ ዝተሰጋገሩ 46 ሚልዮን ከኒናታት ኣምፈታሚን ሒዛ ምንባራ ይፍለጥ።