እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ትራምፕ 'መታለሊ እዩ' ተባሂሉ
ዶናልድ ትራምፕ፡ መጠን ሃብቱ ብኣማኢት ሚልዮናት ዶላር ንባንክታትን ንትካላት መድሕን "ብተደጋጋሚ" ከምዘታለለ፡ ዳኛ ኒውዮርክ ወሲኑ።
እዚ ውሳነ፡ ዋና ዓቃቢ ሕጊ ኒውዮርክ ኣብ ልዕሊ እቲ ፕረዚደንት ነበር ኣብ ዝመስረተቶ ሲቪላዊ ክሲ ንዘቕረበቶ ቀንዲ ጉዳይ መዕለቢ ዝገብር እዩ።
"እቶም ኣብዚ ዘለዉ ሰነዳት ተኸሳሲ ኣብ ንግዲ ዝጥቀመሎም ዝነበሩ ናይ ምትላል ዋጋታት ብንጹር ዝሓዙ እዮም" ክብል እቲ ዳኛ ጽሒፉ።
እዚ ውሳነ፡ እቲ ጉዳይ ዝመጽእ ሰኑይ ኣብ መጋባእያ ቅድሚ ምቕራቡ ንሚስተር ትራምፕ ዓቢ ጽፍዒት እዩ ተባሂሉ።
ጠበቓ ትራምፕ ትማሊ ሰሉስ ምሸት ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ነቲ ውሳነ ዳኛ "ምቕባር ፍትሒ" ክብል ገሊጽዎ።
ዋና ዓቃቢ ሕጊ ላቲሽያ ጀምስ፡ ኣብ ዝሓለፈ መስከረም ኣብ ልዕሊ ትራምፕ ኣብ ዘቕረበቶ ክሲ፡ ንሱ፡ ክልተ ዓበይቲ ደቁን ትካሉን፡ ኣብ መንጐ 2011ን 2021ን ብዛዕባ ጽሩይ ሃብቱን ዋጋ ንብረቱን ሓስዮም ዝብል ይርከቦ።
ሚስ ጀምስ፡ ተኸሰስቲ ኣብ ልቓሕ ባንክን ውዕላት መድሕንን ዝሓሸ ውዕላት ንምርካብ፡ ከምኡ'ውን ዝወሓደ ግብሪ ንምኽፋል፡ ናይ ሓሶት መዛግብቲ ንግድን ፋይናንሳዊ መግለጺታትን ከምዘውጽኡ ገሊጻ።
ሕጂ ኣብ ዝተረፉ ሽዱሽተ ክስታት ብይን ክወሃብ ትጽቢት ዝግበር ኰይኑ፡ 250 ሚልዮን ዶላር መቕጻዕትን ሚስተር ትራምፕ ኣብታ ዝዓበየላ ግዝኣት ንግዳዊ ምንቅስቓሳት ከይገብር ክእገድን ክትሓትት እያ።
እቲ መስርሕ ፍርዲ፡ ካብ 2 ጥቅምቲ ክጅምርን እንተወሓደ ክሳብ ታሕሳስ ክቕጽልን መደብ ተታሒዙሉ ኣሎ።
ኣብቲ ‘ሳመሪ ጃጅመነት’ [ጽማቝ ብይን] ተባሂሉ ዝፍለጥ ቅድመ-ፍርዲ፡ ሚስ ጀምስ ንዳኛ ኣርተር ኢንጎሮን ካብ ቤት ፍርዲ ግዝኣት ኒውዮርክ ኣብ ማንሃታን ብዛዕባ ጉዳያ ውሳነ ክህብ ሓቲታቶ ነይራ።
ገለ ሓቅታት ካብ ክትዕ ወጻኢ ዝዀኑ ምርካብ ነቲ ፍርዲ ከም ዘቀላጥፎ ተማጒታ።
ጠበቓታት ሚስተር ትራምፕ ብወገኖም፡ ህዝቢ ብተግባራት ሚስተር ትራምፕ ከምዘይተጐድአን እቲ ኣብ ሕቶ ዝኣቱ ዘሎ ልቓሕ ቅድሚ ነዊሕ እዋን ከምዝተፈጸመን ብምምጓት፡ እቲ ክሲ ክንጸግ ጸዊዖም።
ሚስተር ትራምፕ ዝዀነ በደል ከምዘይፈጸመ ብምኽሓድ፡ ነቲ ኣብ ኒውዮርክ ዝተኻየደ ጉዳይ ካልእ ፖለቲካዊ "ሃድን ጠንቆልቲ" ብምባል፡ ኣንጻሩ ዝተልዓለ ዓቃቢ ሕጊ ዘምጽኦ ክብል ብሰሉስ ነጺግዎ።
ነቲ ዳኛ ድማ "ኣዝዩ ፖለቲካዊ ጸግዒ ዝሓዘ" ክብል ከሲሱ።
ጠበቓታቱ ኣብ ዝሃብዎ መግለጺ፡ እቲ ውሳነ "መሰረታዊ ሕጊ፡ መትከላት ሕሳብን ንግድን ዕሽሽ ዝበለ” ክብሉ ገሊጾም።
ከም ኣካል ናይቲ ናይ ሰሉስ ውሳነ፡ ትካል ትራምፕ ናይ ኒውዮርክ ንግዳዊ ፍቓድ ክስርዝን፡ ኣብ ውሽጢ 10 መዓልታት ድማ ነቲ መስርሕ ክከታተሉ ዝኽእሉ ነጻ ተቘጻጸርቲ ክርእዩዎ ተኣዚዙ።
እዚ ውሳነ፡ ነቲ ሕጂ ኣብ ፍሎሪዳ ዝነብር ተወላዲ ኒውዮርክ ከቢድ ክሳራ እዩ።
እቲ ዳኛ ዝሃቦ ውሳነ፡ ትካሉ ዘፍርስ’ኳ እንተዘይኰነ፡ ኣብ ልዕሊ ከም ትራምፕ ታወርን ኣብ 40 ዎል ስትሪት ዝርከብ ህንጻ ትራምፕን ዝኣመሰሉ ንብረታት ኒውዮርክ ዘለዎ ዋንነት ከብቅዕ ይኽእል እዩ።
ዳኛ ኢንጎሮን ብተወሳኺ’ውን፡ ንሓሙሽተ ጠበቓታት ትራምፕ ቀዲሙ ብቤት ፍርዲ ዝተነጽገ ምጕት ብምቕራቦም ነፍሲ ወከፎም 7500 ዶላር ብፍሉይ ቀጺዕዎም።
ብዓርቢ ኣብ ቤት ፍርዲ ኣብ ዝተኻየደ ክትዕ፡ ሓደ ምስ ቤት ጽሕፈት ሚስ ጀምስ ዝሰርሕ ጠበቓ፡ እቲ ፕረዚደንት ነበር፡ ነቲ ትካሉ ዝቘጸሮም ገምገምቲ ዝህብዎ ገምጋም ዋጋታት ካብ መጠን ንላዕሊ ዘዕብዩ መግለጺታት ከምዝፈረመ ገሊጹ።
ጠበቓ ትራምፕ ክሪስቶፈር ኪሰ ግን ከምኡ ምግባሩ ሚስተር ትራምፕ ‘ፈላጥን’ "ካልኦት ዋላ ሓንቲ ኣብ ዘይርእይዎ ነገር፡ ዋጋ ዝህብ ምዃኑ ዘርኢ'ዩ” ኢሉ ይምጕት።
እቲ ዳኛ ኣብቲ ጽማቝ ፍርዱ ግን፡ ኣካይዳ ሚስተር ትራምፕ ብዛዕባ ሃብቱ ካብ ምጅሃር ንላዕሊ ምዃኑን፡ ንሱን ትካሉን ብዛዕባ ፋይናንሳዊ ጉዳያቱ ብተደጋጋሚ ከምዝሓሰዉን ገሊጹ።
ኣብ ኒውዮርክ ኣብ ዝርከብ ትራምፕ ታወር ዝርከብ ፔንታሆስ ብሰለስተ ዕጽፊ ናይቲ ጭቡጥ ስፍሓቱ ብምግላጽ ልዕሊ ዓቐን ዋጋ ሂብዎ።
ትራምፕ ክሳብ ሕጂ ነቲ ኣብ ኒውዮርክ ዝካየድ ፍርዲ ከደናጉዮ ይጽዕር ከምዘሎን ነቲ ዳኛ ከሲሱዎን ኣሎ።
ይግባይ ዝርኢ ቤት ፍርዲ ኣብዚ ሰሙን ብዛዕባ እቲ ክሲ ውሳነ ክህብ ተዳልዩ ኣሎ።
ኣንጻሩ እንተ ወሲኑ፡ ሚስተር ትራምፕ ነቲ ዝተረፈ ጉዳያቱ ኣብ ቤት ፍርዲ ክቃለስ ክግደድ እዩ።
ኣብ ዝመጽእ ዓመት ምስ ፕረዚደንት ጆ ባይደን ዳግማይ ንኽወዳደርን ናብ ዋይት ሃውስ ንኽምለስን ጐስጓስ ኣብ ዝገብረሉ ዘሎ እዋን፡ እዚ ካብቶም ዝተረፉ ሓያሎ ሕጋዊ ክስታት ሓደ ጥራይ እዩ።
ንሕጹይነት ሪፓብሊካን ንምዕዋት ኣብ ቅድሚት ዝስራዕ ዘሎ ትራምፕ፡ ኣብ ኣርባዕተ ገበናዊ ጉዳያት፡ 91 ገበናት ክሲ ይቐርበሉ ኣሎ። ንሱ፡ በቶም ጉዳያት ገበነኛ ከምዘይኰነ እዩ ዝኣምን።