ሮበርት መነንደዝ፡ ኣብ ብልሽውና 'ተጠላቑዩ' ተባሂሉ ዝተኸሰሰ ኣመሪካዊ ሰናተር

ብብላዕ ዝተኸሰሰ ኣመሪካዊ ሰነተር፡ ኣብ ገዛኡ ተሓቢኡ ዝተረኸበ ኣስታት ፍርቂ ሚልዮን ዶላር፡ 'ገንዘብኩም ሰብመዚ ከይወርስዎ' ካብ ዝብል ስግኣት ኩባውያን ወለዱ ዝምንጩ ከምዝዀነ ገሊጹ።

ሰነተር ኒው ጀርሲ ሮበርት መነንደዝ፡ ካብቲ ዝቐረቦ ክሲ ነጻ ከምዝወጽእን ኣብ ቀጻሊ ዓመት ደጊሙ ከምዝወዳደርን ተዛሪቡ።

ኣኽበርቲ ሕጊ፡ እቲ ሰነተርን ሰበይቱን ፖለቲካዊ ኣድልዎ ንምፍጻም ገንዘብ፡ ግማዳት ወርቅን ኣዝያ ክብርቲ መኪናን ከምዝተቐበሉ ይገልጹ።

እቲ ሰኔተር ካብ መዝነቱ ብፍቓዱ ክወርድ ካብ መሳርሕቱ ኣባላት ዲሞክራት ንዝቐረበሉ ለበዋ ዛጊድ ነጺግዎ ኣሎ።

መነንደዝ ብሰኑይ ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ “እዚ ዅሉ ሓቂ ምስቀረበ፡ ነጻ ክኸውን እየ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ናይ ኒውጀርሲ ሰነተር ኰይነ ክቕጽል እየ” ኢሉ።

ንሱ ኣብ ዝሓለፈ ዓርቢ ክሲ ካብ ዝቐርቦ ንደሓር ንፈለማ እዋን እዩ ናብ ሚድያ ቀሪቡ።

“ኣቱም ንፍርዲ ዝተሃወኽኩም፡ ኣኽበርቲ ሕጊ ኮነ ኢሎም ከሕንኽ ብዝኽእል ዝቐረጽዎ ውሱን ሓበሬታ ተሞርኲስኩም ኢኹም እትፈርዱ ዘለኹም” ክብል እውን ወቒሱ።

ኣብ ዝሓለፈ ዓመት፡ ኣብ ኒውጀርሲ ኣብ ዝርከብ ገዛኡ ፍተሻ ዘካየዱ ኣባላት ጸጥታ ፈደራል፡ ኣብ ፓስጣ ጃኬታትን ተስሓቢታትን ዝተቐመጠ ልዕሊ 480 ሽሕ ዶላር ከምኡ እውን 13 ግማድ ወርቅን ረኺቦም። ካልእ 70 ሽሕ ዶላር ድማ ኣብ ናይ በዓልቲ ቤቱ ሕሳብ ባንክ ተረኺቡ።

እቲ ዝቐረበ ክሲ ሰነተር መነንደዝ ኣብ ኢንተርነት፡ “ዋጋ ሓደ ኪሎ ወርቂ ክንደይ እዩ? “ኢሉ ሓበሬታ ከምዝኣለሸ የመልክት።

ኣብቲ ብሰኑይ ዝሃቦ መግለጺ ግን፡ “ንህጹጽ እዋን ዘድልየንን ምስቲ ስድራይ ኣብ ኩባ ገንዘቦም ዝተወረሱሉ ታሪኽ ብዝተኣሳሰርን ካብ ናተይ መጠራቐሚ ሕሳብ ኣሽሓት ገንዘብ ኣውጺአ ኣቐሚጠ እየ።

“እዚ እዋኑ ዝሓለፎ ኣካይዳ ክመስል ይኽእል እዩ፤ እዚ ገንዘብ ግን ካብቲ ኣብ ዝሓለፈ 30 ዓመታት ብሕጋዊ መንገዲ ዝኣከብሉ ናይ ውልቀ ሕሳበይ ዘውጻእክዎ እዩ” ኢሉ።

ካብ ኩባውያን ስደተኛታት ስድራ ዝተወለደ መነንደዝ፡ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን እቲ ክስን ካብ መዝነቱ ክወርድ ዝቐርብ ጻውዒትን ካብቶም “ንሓደ ላቲናዊ ብዘይኰነ ንምፍራድ ዝጓየዩን ካብ ሓላፍነቱ ከውርድዎ ዝደልዩን” ዝመጸ እዩ ክብል ተሰሚዑ ነይሩ።

ኣብ ልዕሊ እቲ ሰነተርን በዓልቲ ቤቱ ናዲንን ኣኽባሪ ሕጊ ዘቕረቦ 39 ገጽ ክሲ፡ ንመንግስቲ ግብጽን ኣብ ኒውጀርሲ ዝርከቡ ተሓባበርቱ ትካላት ንግድን ብምውጋን ኣብ ውሽጢ ዓድን ወጻእን ፖለቲካዊ ጸቕጢ ንምፍጣር ብላዕ ከምዝተቐበሉ ይጠቅስ።

ኣብ መንበሪ ገዛ መንደዝ ኣብ ዝርከብ ጋራጅ፡ ብሓደ ነጋዳይ ዝተገዝአት ናይ ምቾት መርሰደስ-ቤንዝ ዝዓይነታ መኪና ከምዝተረኸበት እውን መርመርቲ ገሊጾም።

እቶም ሰብኣይን ሰበይትን ነታ መኪና ምስተቐበሉ፡ ወ/ሮ ናዲን ንበዓልቤታ “እንቋዕ ደስ በለካ ፍቕረይ፤ ወነንቲ ኣብ 2019 ዝፈረየት መርሰደስ ኴንና ኣለና” ዝብል መልእኽቲ ከምዝጸሓፈትሉ ኣብቲ ክሲ ቀሪቡ ኣሎ።

መነንደዝ ኣብቲ ብሰኑይ ዝሃቦ መግለጺ እቲ ምስ ግብጺ ተተሓሒዙ ዝነበሮ ሓላፍነት ንግብጺ ኣብ ጉዳይ ሰብኣዊ መሰላት ተሓታቲት ኣብ ምግባር ከምዝተኩር ተዛሪቡ።

ኣብ ዝሓለፈ ቀዳመ ሰናብቲ ኣባል ኮንግረስ ዲሞክራት ኒውጀርሲ ዝዀነ ኣንዲ ኪም፡ “እታ ግዝኣት ዝሓሸ ሰብ የድልያ እዩ” ብምባል ንመነንደዝ ንምትካእ ከምዝወዳደር ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ጽሒፉ ነይሩ።

ንሱ ነቲ ሓገግቲ ሰልፊ ዲሞክራት፡ መነንደዝ ብቕልጡፍ ካብ ስልጣኑ ክወርድ ዘቐረብዎ ጻውዒት ስዒቡ እዩ ነቲ ጐስጓስ ጀሚሩ ዘሎ።

ካብ 2006 ጀሚሩ ኣብ ኮንግረስ ዘገልገለ ሮበርት መነንደዝ ምስ ብላዕ ዝተሓሓዝ ክሲ ክቐርበሉ እዚ ናይ ሎሚ ንፈለማ እዋን ኣይኮነን።

ኣብ 2015 ካብ ሓደ ናይ ፍሎሪዳ ናይ ዓይኒ ዶክተር ብላዕ ተቐቢሉ ዝብል ከሲ ቀሪብዎ ነይሩ።

እንተዀነ ዳያኑ ብዘይምስምማዖም እቲ ክሲ ተቛሪጹ።