“እዞም ተጻወትቲ ብፕሮፈሽናላት ጋንታታት ጠመተ ንኽረኽቡ ክንሰርሕ ኢና” ኣሰልጣኒ ሙሴ ኣስሄል

ሎሚ ኣብ ዝጅመር ንመበል 58 ግዜ ዝካየድ ዘሎ ቱር ዲ ላቫኔር ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ ትሕቲ 23 ዓመት እታ እንኮ ኣፍሪቃዊት ሃገራዊት ኮይና ትሳተፍ ኣላ።

ኣሰልጣኒ ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ ሙሴ ኣስሄል ምስ ቢቢሲ ትግርኛ ኣብ ዝገበሮ ሓጺር ቃለ መሕተት፡ እዛ ብሽዱሽተ ተጻወትቲ ዝቖመት ሃገራዊት ጋንታ፡ ነዚ ውድድር እኹል ምድላዋት ገይራ ከምዘላ ገሊጹ።

ሙሴ ኣስሄል ን20 መዓልታት ኣብ ኤርትራ ምድላዋት ክካይዱ ከምዝጸንሑ ብምሕባር፡ ኩሎም ተጻወትቲ ኣብ ጽቡቕ ኣቓውማ ከምዘለዉ ገሊጹ።

እታ ብኣሰልጣኒ ሙሴ ኣስሄል እትእለ ሃገራዊት ጋንታ ቅድድም ብሽክለታ ኤርትራ ትሕቲ 23 ዓመት፡ ኣብ ቻምፕዮን ኤርትራ፡ ተሸለምቲ ወርቅን ብሩር መዳልያን ዝኾኑ ተቐዳደምቲ ሓቒፋ’ያ ናብ ፈረንደሳ ኣምሪሓ።

ተሸለምቲ ወርቅን ብሩርን መዳልያ ቻምፕዮን ኤርትራ ትሕቲ 23 ዓመት፡ ንያት ርእሶምን ሚልክያስ ቅዱስን፡ ከምኡ ኸኣ ሴላ ወልደሚካኤልን ካብ ውሽጢ ኤርትራ፡ ከምኡ'ውን ምሰ ጋንታ ኩቤካ ዝወዳደሩ ኤፍሬም ገብረህይወትን ናሆም ዘርኣይን ምስ ፕሮ ታች ኮንቲነንታል ቲም ዝቐዳደም መሓሪ ተወልደ ኸኣ ኣብ ደገ ካብ ዝወዳደሩ ተጻወትቲ ወሲኻ፡ ብሓፈሻ ብ6 ተቐዳደምቲ ክትውከል እያ።

ኣሰልጣኒ ሙሴ ኣስሄል፡ እቶም ምስ ደቡብ ኣፍሪቃዊት ጋንታ ኩቤካ ክወዳደሩ ዝጸነሑ ገብረህይወትን ናሆም ዘርኣይን ካብ ትማሊ ጀሚሮም ተጸንቢረሞም ከምዘለዉ ኣብሪሁ።

ንያት ርእሶምን [ሓዉ ንገዲም ተቐዳዳማይ ሜሮን ርእሶም] ሴላ ወልደሚካኤልን ኣባላት ክለብ ቴሌ ክኾኑ እንከለዉ ሚልክያስ ቅዱስ [ሓዉ ንፕሮፈሽናል ተቐዳዳማይ መርሃዊ ቅዱስ] ኣባል ጋንታ ኣስቤኮ እዩ።

ሎሚ ብናይ 4 ኪሎሜትር ‘ፕሮሎግ’ ዝጅምር ውድድር ቱ ላቫኔር ተቐዳደምቲ ብሓፈሻ ኣብ 10 መድረኻት 1137 ኪሎ ሜትር ብምሽፋን ዕለት 28 ክዛዘም እዩ።

ኣሰልጣኒ ሙሴ “ኣብዚ ውድድር ልዕሊ ዝኾነ ነገር ንሰርሓሉ፡ እዞም ሒዝናዮም ዘለና ተቐዳደምቲ ከመይ ኢሎም ብፕሮፈሽናላት ጋንታታት ጠመተ ረኺቦም ካብ 2023 ምስ ፕሮፈሽናላት ጋንታታት ይጥርነፉ” ዝብል ምዃኑ ገሊጹ።

ዓመታዊ ኣብ ካሜሮን ናይ ትሕቲ 23 ዓመት ውድድራት ይካየድ እዩ፡ ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ ኣብቲ ውድድር ክልተ ግዜ ቀዳመይቲ ስለዝወጽአት ኣብ 2009 ከምኡ ኸኣ ኣብ 2012 ኣብ ቱር ዲ ላቫኔር ዘሳትፋ ትኬት ክትረክብ ክኢላ ምንባራ ይዝከር።

ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ግን ዙር ካሜሮን ናይ ትሕቲ 23 ዓመት ብሰንኪ ለበዳ ኮሮናቫይረስ ስለዘይተኻደ፡ ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ ብሓፈሻ ኣብ ናይ ትሕቲ 23 ዓመት ብዘመዝገበቶ ነጥቢ’ያ ኣብዚ ናይ ሎሚ ዓመት ቱር ዲ ላቫኔር ትሳተፍ ዘላ።

ኤርትራ ኣብ 2009 ብዳንኤል ተኽለሃይማኖት ክትውከል እንከላ፡ ኣብ 2012 ናትናኤል ብርሃነ፤ኤልያስ ኣፈወርቂ፤ሜሮን ኣማንኤል፤መኽሰብ ደበሳይ፤ተስፎም ዑቕባማርያምን እቶም ንሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ ብምውካል ኣብ ቱር ላቫኔር ዝተሳተፉ እዮም።

መርሃዊ ቅዱስ'ውን ኣብ 2013 ምስ ናይ ዩሲኣይ ጋንታ ብምዃን ኣብዚ ውድድር ተሳቲፉ ምንባሩ ዝዝከር እዩ።

ኣሰልጣኒ ሜሴ ኣስሄል “ካብ ኣፍሪቃ ብደረጃ ሃገራዊት ጋንታ ንሕና ጥራይ ንሳተፍ ስለዘለና፡ እቲ ዝስምዓና ሓላፍነት ከቢድ እዩ፡ ንደገፍትና፤ ንሃገርናን ንኣፍሪቃን ዘኹርዕ ጽቡቕ ውጽኢት ከነመዝግን ብዓል ምሉእ ተስፋ’የ” ኢሉ።

ኣብዚ ውድድር ኤርትራ ትርከበን 24 ሃገራውያን ጋንታታትን ሓንቲ ናይ ዩሲኣይን ክለብን ክልተ ክለባት ፈረንሳን ክሳተፋ እየን።

ምስታ ብዩሲኣይ ዝቖመት ጋንታ ሴንተር ሞንድያል ዲ ሳይክሊስም፡ ኢትዮጵያውያን ሓጎስ በርሀ፤ ኪያ ሮጋራን ነጋሲ ሃይሉ ኣብርሀን፤ ኣልጀርያዊ ሓምዛ ናሚር፤ ርዋንዳዊ ኤሪክ ሙሃዛን ደቡብ ኣፍሪቃዊ ትራቪስ ስተድማንን’ውን ይሳተፉ ኣለዉ።

እዚ ውድድር እተን ናይ መወዳእታ ሰለስተ መድረኻት ተረርቲ ዓቐበት ዘለወን ኮይኑ ንተጻወትቲ ኣዝዩ ክብድህ ከምዝኽእል ብኣጋ ተገሚቱ ኣሎ።

ካብ ሃገራት ኣፍሪቃ እታ እንኮ ኣብዚ ውድድር ትሳተፍ ዘላ ሃገራዊት ጋንታ ቅድድም ብሽክለታ ኤርትራ እያ።

ኣብዚ ውድድር ሃገራውያን ጋንታታት ጀርመን፤ ኦስትርያ፣ ኣውስትራልያ፣ ቤልጂም፣ ኮሎምብያ፣ ኢጣልያ፣ ካዛኪስታ፣ ፈረንሳን፣ ሕቡራት መንግስታ ኣመሪካ፣ ካናዳን ዝርከብኣን 24 ሃገራውያን ጋንታታት ክሳተፋ እየን።

ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ ኣብ ዝሓለፈ ዓመታት ካብ ሃገራት ኣፍሪቃ ብዓበይትን ብናይ ትሕቲ 23 ዓመትን ጸብለል ብምባል ቀዳመይቲ ብምዃን ኣብ ምምራሕ ትርከብ'ያ።

ኣብ 1961 ዝጀመረ ቱር ዲ ላቫኔር መድረኻቱ ምስ ቱር ዲ ፈራንስ ዝመሳሰል ኮይኑ፡ ንትሕቲ 23 ዓመት ዕድሚኦም ተቐዳደምቲ ዕድል ንምሃብ ዝካየድ ውድድር እዩ።

ተቐዳዳማይ ሕብረት ሶቬት ነበር ሰርጄ ሱኮርቸንኮቭ እቲ እንኮ ኣብዚ ውድድር ክልተ ግዜ ዝተዓወተ ምዃኑ ሰነዳት ይሕብሩ