እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ትራምፕ፡ ተደጋጋሚ ምስ ዳኛ ዘጨቓጭቘ ዘሎ እንታይ እዩ?
ዶናልድ ትራምፕ ኣብ ኒውዮርክ ኣብ ዝተኻየደ መጋባእያ ምላሽ ኣብ ዝሃበሉ እዋን ብተደጋጋሚ ምስ ሓደ ዳኛ ክጋጮ ተራእዩ እዩ።
እቲ ፕረዚደንት ነበር ኣብ መጋባእያ ኣብ ዝጸንሓሉ ዳርጋ ኣርባዕተ ሰዓታት፡ ንባንኪታት ኣደናጊሩ ዝብል ክሲ ክምጕት እንከሎ፡ ምስቲ ጉዳይ ብዝተኣሳሰር ጥርዓናት ኣቕሪቡ። እቲ ዳኛ፡ ትካል ትራምፕ ምትላል ከምዝፈጸመ ወሲኑ ኣሎ፤ እዚ ድማ መቕጻዕቲ ዘስዕብ እዩ።
ዓቀብቲ ሕጊ 250 ሚልዮን ዶላር መቕጻዕትን ከቢድ ገደባት ንግዲ ክግበረሉ ይጠልቡ ኣለዉ። ወዲ 77 ዓመት ትራምፕ፡ ሰኑይ ኣብ ፈደራላዊ ቤት ፍርዲ ማንሃታን ኣብ ዝቐረበሉ እዋን፡ ብዛዕባ ዋጋ ዝተፈላለዩ ንብረታት ተሓቲቱ።
ንኣብነት ኣብ ፍሎሪዳ ዝርከብ ርስቱ ማር-ኣ-ላጎ፡ ኣብ ኒውዮርክ ዝርከብ ትራምፕ ታወርን ኣብ ስኮትላንድ ዝርከብ ሜዳ ጐልፍን ይርከብዎም።
እዞም ንብረታት፡ ዝሓሸ ልቓሕን ፖሊሲ መድሕንን ንምውሓስ ኣብ መግለጺታት ኩባንያታት ኮነ ኢሎም ልዕሊ ዓቐን ዋጋ ከምዝተመኑ እዩ ዝኽሰስ።
ኣብዚ እዋን፡ ሕጹይ ፕረዚደንታዊ ሪፓብሊካን 2024 ኰይኑ ኣብ ቅድሚት ዝወዳደር ዘሎ ትራምፕ፡ ኣብ ዝሃቦ ምስክርነት፡ ኣኽበርቲ ሕጊ እቲ ተመን ብኸመይ ከምዝተበጽሐን ፋይናንሳዊ መግለጺታትን ኣብ ዝሓተትሉ እዋን፡ ኣብ ጐድኒ እቶም ተመን ዋጋታት ደው ኢሉ።
ትራምፕ፡ ነቲ ምምዛን ዋጋታት ‘ኣዝዩ ዓቃባዊ’ ክብል ቅድሚ ምግላጹ፡ "ካብቲ ፋይናንሳዊ መግለጺታት ብቢልዮናት ዶላር ዝዛይድ ዋጋ ኣሎኒ" ኢሉ።
እቲ ክብርታት ንብረት ብውልቃዊ ምልክቱ ከምዝተደገፈን እዚ ድማ ኣብ ፋይናንሳዊ መግለጺታት ተረኺቡ ከምዘይፈልጥን ገሊጹ።
"ህንጻታተይ ርእየ እንታይ ዋጋ ከም ዘለዎም ክነግረካ ይኽእል እየ" ክብል ኣብቲ ምልውዋጥ ሓሳባት ተዛሪቡ።
እቲ ክሲ ብዋና ዓቃቢ ሕጊ ኒውዮርክ ለቲሽያ ጀምስ ዝቐረበ ኰይኑ፡ ሚስተር ትራምፕ ምስ ደቁ ኤሪክን ዶናልድ ጁንየርን ካልኦት ኣካየድቲ ስራሕ ትካል ትራምፕን ንዓመታት ንብረት ኩባንያ ኮነ ኢሎም ከምዘጋነኑ ይኸስስ።
ኣብ ቤት ፍርዲ ዝነበረትን ኣብ እዋን ምስክርነት ብቐጥታ ናብ ሚስተር ትራምፕ እትጥምት ዝነበረትን ሚስ ጀምስ፡ ድሒራ ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃበቶ መግለጺ፡ "ተዘዋዊሩ፡ ጸሪፉና፡ ንሕና ግን ከምኡ ኢና ተጸቢና" ኢላ።
"እቲ ቍጽሪ ኣይሕሱን'ዩ። ፍትሒ ክሰፍን እዩ።"
እቲ ፕረዚደንት ነበር ኣብቲ መጋባእያ ኣብ ዝጸንሐሉ ግዜ፡ ውዑይ ዝርርብን፡ ሓድሓደ ግዜ ድማ ጥውይውይ ዝበለ መልስታትን እዩ ነይሩ።
እዚ፡ ካብቲ ዝተቘጥዐ ዝመስል ዝነበረ ዳኛ ኣርተር ኢንጎሮን ሓያለ መግናሕቲ ኣስዒቡ።
"በጃኻ ሕቶታት ጥራይ መልስ፡ መደረ ኣየድልን" ኢሉ እቲ ዳኛ።
ዳኛ ኢንጎሮን ንሓደ ካብ ጠበቓታት ሚስተር ትራምፕ፡ "ዓሚልካ ክትቈጻጸሮ ትኽእል ዲኻ? እዚ ፖለቲካዊ ሰልፊ ኣይኰነን፡ እዚ ቤት ፍርዲ'ዩ" ኢሉ።
ወሲኹ ድማ "ክትቈጻጸሮ እልምነካ ኣለኹ" ኢሉ። "እንተዘይክኢልካ ኣነ ክገብሮ እየ።"
ዳኛ ኢንጎሮን ኣብ መወዳእታ ውጽኢት ናይቲ ፍርዲ ክውስን እዩ፡ ከምኡ’ውን ብሚልዮናት ዝቝጸር መቕጻዕቲ፡ ንተኸሰስቲ ኣብ ኒውዮርክ ንግዲ ናይ ምክያድ ዓቕሞም ክምንጥሎም ይኽእል እዩ።
ሚስተር ትራምፕ ኣብ ሓደ እዋን ኣብ ቤት ፍርዲ "እቲ ዳኛ ኵሉ ግዜ ኣንጻረይ ስለ ዝውስን፡ ሕጂ’ውን ኣንጻረየ ክውስን ምዃኑ ርግጸኛ እየ" ኢሉ።
ዳኛ ኢንጎሮን "ብዝደለኻዮ መንገዲ ከተጥቅዓኒ ትኽእል ኢኻ፡ ግን በጃኻ ሕቶታት መልስ" ክብል መልሲ ሂቡ።
ከምቲ ክልተ ደቁ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ዝሃብዎ ምስክርነት፡ እቲ ፕረዚደንት ነበር፡ ሓላፍነት ናይቲ ፋይናንሳዊ ጸብጻባት ዝወሰዱ ኣካውንታንት ትካል ትራምፕ ምዃኖም ገሊጹ።
ሚስተር ትራምፕ፡ “እቲ ዝገበርክዎ፡ እቶም ኣካውንታንት ነቲ ጸብጻብ ንኸቕርቡ ዘድሊ ዝዀነ ይዅን ፍቓድ ምሃብ'ዩ ነይሩ" ኢሉ።
ካብ ቤት ፍርዲ ክወጽእ ከሎ፡ እቲ ዛዕባ ክሲ "ምትላል" ብምዃኑ ብምጥቃስ፡ ምስክርነቱ "ኣዝዩ ጽቡቕ ከምዝኸደ" ከምዝኣምን ገሊጹ።
ገለ ተንተንቲ ሕጊን ፖለቲካን ሚስተር ትራምፕ ዝኽተሎ ዘሎ ኣገባብ ክርክርን ኣካይዳን ኣብ ግምት ዝኣቱ ስትራተጂ ምዃኑ ክገልጹ እንከለዉ፡ ገለ ድማ ነቲ ኣዝዩ ትጽቢት ዝግበረሉ ህሞት ከም ዕድል ንጐስጓስ ከምዝተጠቕመሉ ገሊጾም።
ሚስተር ትራምፕ ዝሃቦ መልሲ፡ ሕጋዊ ኣማኸርቱ "ድሮ ተሳዒሮም እዮም" ዝብል እምነት ከምዘለዎ ዘመልክት እዩ፡ ክብል ዓቃቢ ሕጊ ፈደራል ነበር ሬናቶ ማሪዮቲ ንቢቢሲ ገሊጹ።
“ነቲ ሕማቕ ውጽኢት ከጸባብቝ ይፍትኑ ኣለዉ" ይብል ሚስተር ማሪዮቲ።
ካልእ ዓቃቢ ሕጊ ፈደራል ነበር ኬቪን ማክሙኒጋል፡ "እቲ ዳኛ ጽልኢ ወይ ቅድመ ፍርዲ ንኽህልዎን ደሓር ኣብ ቅድሚ ይግባይ ከቕርቦን ዝደልዮ ነገር ንኽገብር ክድርኾ ይፍትን ኣሎ ይመስለኒ" ኢሉ። "ምናልባት ድሒሩ ጸግዒ ንናይ ምሓዝ ጉዳይ ተራእዩ ኢሉ ንኽከራኸር ክጥቀሙሉ ይኽእል'ዩ።"
ንትራምፕ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ካብ ቤት ፍርዲ ወጻኢ ብዝሃቦ ርእይቶ፡ እቲ ዳኛ 15 ሽሕ ዶላር ቀጺዑዎ ኣሎ።
ጓል ትራምፕ ኢቫንካ ንረቡዕ መርትዖ ክትህብ ትጽቢት ይግበር።
እቲ ኣብ ኒውዮርክ ዝጋባእ ዘሎ ሲቪላዊ ክሲታት፡ ዶናልድ ትራምፕ ተጸሚዱሉ ካብ ዘሎ ሓያሎ ሕጋዊ ክርክር ሓደ እዩ።
ትራምፕ፡ ተወሳኺ ኣርባዕተ ገበናዊ ክስታት ኣለዎ፤ ክልተ ምስቲ ውጽኢት መረጻ 2020 ንምቕልባስ ዝገበሮ ጻዕሪ ዝተኣሳሰሩ፡ እቲ ሓደ ብዛዕባ ኣተሓሕዛ ምስጢራዊ ሰነዳት መንግስቲ፡ ካልእ ድማ ምስ ገንዘብ ዝተኣሳሰር ናይ ሓሶት ሕሳብ ዝገልጽ እዩ።