ክፍሊ ኣካል ዝጠፍአት ሰበይቲ ኣብ መንጋጋ ኣርባዕተ ሜትሮ ዝንውሓቱ ሓርገጽ ተረኺቡ

ኣብ መንጋግኡ ኣካል ሓንቲ ሰበይቲ ዝተረኸበ 4 ሜትሮ ዝንውሓቱ ሓርገጽ ከምዝተቐተለ ፖሊስ ፍሎሪዳ ገሊጹ።

እቲ ሓርገጽ ኣብ ከብድን ሽምጥን ሰብ እናሓየኸ ከምዝረኣየ ሓደ ምስክር ዓይኒ ንመራኸቢ ብዙሃን እቲ ከባቢ ተዛሪቡ።

ፖሊስ ከባቢ ፒነላስ፡ እቲ ሓርገጽ ከምዝተቐተለን ቅሪት ናይታ ጓል 41 ዓመት ሳብሪና ፐክሃም ኣብ ማይ ዝውሕዘሉ ከባቢ ከምዝተረኸበን ኣረጋጊጹ።

ምኽንያት ሞት ናይታ ውልቀ ሰብ ንምፍላጥ ምርመራ ይካየድ ኣሎ።

ኣካላት ናይታ ግዳይ ብዓርቢ ምስተረኸበ ነበርቲ ሓበሬታ ከምዝሃብዎ እዩ ፖሊስ ዝገልጽ።

ጃማርከስ ቡላርድ፡ ናብ ናይ ስራሕ ቃለ መሕተት ይኸይድ ኣብ ዝነበረሉ እዋን፡ እቲ ሓርገጽ ኣብ ኣፉ ናይ ባምቡላ ኣካል ዝመስል ነገር ሒዙ ርእይዎ።

“ኣብ ኣፉ ናይ ሰብ ኣካል ከምዘሎ ኣስተውዒለ፤ ከባቢ ሽምጢ ዝመስል፤ ንዕኡ ምስረአኹ ናብ ክፍሊ ምክልኻል ሓዊ እናጎየኹ ከይደ” ይብል።

“ንመጀመርታ ግዜ ሓርገጽ ስለዝረአኹ፡ ደስ ኢሉኒ ነይሩ፤ ነቲ ሒዝዎ ዝነበረ ምስረአኹ ግን ‘ባምቡላ ድዩ?’ ኢለ

“ጻዕዳን ዝፋሕሸወን ነይሩ።”

“ኣብ ኣፉ ነኺሱዎ ነይሩ. . . ናብ ውሽጢ እቲ መጻብቦ እውን እናሓምበሰ ኣትዩ፤ ሓቂ ምዃኑ ክኣምን ኣይከኣልኩን” ክብል ምስ 10 ታምፓ በይ ኣብ ዝገበሮ ቃለ መሕተት ተዛሪቡ።

እታ ግዳይ ኣብ ጥቓ እቲ ጫካ ኣብ ዝርከብ መንበሪ ግዳም ሓደራት ትነብር ከምዝነበረት ቤተሰባ ሓቢሮም።

ናይታ ግዳይ ጓላ ከምዝዀነት ዝገለጸት ብሪውና ዶሪስ ድማ ኣዲኣ ካብ ወይ ናብቲ እትሓድረሉ ከባቢ ነቲ ወሓዚ ኣቋሪጻ ኣብ እትኸደሉ እዋን እቲ ሓርገጽ ኣጥቂዕዋ ክኸውን ከምዝኽእል ኣብ ፌስቡክ ኣብ ዝጸሓፈቶ ሓበሬታ ገሊጻ።

“ዝዀነ ሰብ ብኸምዚ ክመውት ኣይግበኦን።”

ፖሊስ ንቅሪት ናይታ ግዳይ ካብቲ መጻብቦ ቅድሚ ምውጽኡ ነበረቲ ነቲ ሓርገጽ ከምዝቐተልዎ ሰብመዚ ይዛረቡ።

ብሰባትን ፖሊስን ዝተኸበበ ሓደ ገዚፍ ሓርገጽ ዘርእዩ ምስልታት ዜና እውን ተዘርጊሖም ነይሮም።

ሰብሞያ ምኽንያት ሞት ናይታ ውልቀ ሰብ ዕላዊ ክገብሩ ትጽቢት ይግበር።

ኣብቲ ከባቢ ቅድሚ ሕጂ ንኣሽቱ እንተዘይኰይኑ ክንዲ'ቲ ዝተረኸበ ሓርገጽ ተራእዩ ከምዘይፈልጥ እዮም ነበርቲ ዝዛረቡ።