ጣልያን፡ ልዕሊ 200 ምስ ማፍያታት ጥቡቕ ርክብ ዝጸንሖም ብድምር ን2200 ዓመታት ክእሰሩ ተፈሪዶም

ትማሊ ኣብ ታሪኽ ዓዲ ጣልያን ኣብ ጉዳይ ማፍያታት ዝዓበየ መስርሕ ፍርዲ ኣብ ዝተብሃለሉ መጋባእያ፡ ልዕሊ 200 ክሱሳት ብድምር ን2200 ዓመታት ክእሰሩ ተፈሪዶም።

እዚ ሰለስተ ዓመት ዝወሰደ መስርሕ ቤት ፍርዲ እቶም ክሱሳት ምስቲ ‘ንደራንገታ’ ዝብሃል ዓመጻት፡ ጭውያን ምስግጋር ዕጸፋርስን ዝፍጽም ጉጅለ ማፍያ ርክብ ከምዘለዎም ስለዘረጋገጸ’ዩ ነዚ ብይን ክህብ ክኢሉ።

ሓደ ካብዞም ትማሊ ዝተፈረዱ ኣባል ባይቶ ዓዲ ጣልያን ዝነበረ ይርከቦም፤ እንተኾነ እቲ መስርሕ ፍርዲ ናይ ይግባይ መሰል ዝሓለወ’ዩ።

እቲ ንደራንገታ ዝደተብሃለ ጉጅለ ማፍያ ኣብ መላእ ኣውሮጳ እቲ ኣዝዩ ጸላዊ ገበናዊ ጉጅለ’ዩ።

ቤት ፍርዲ፤ እቲ ጉጅል ኣብ መላእ ዓዲ ጣልያን ብፍላይ ኸኣ ኣብ ደቡብ ዓዲ ጣልያን ኣብ ልዕሊ ሕብረተሰብን ሕጋጋት ፖሎቲካን እንከይተረፈ ለውጥታት ክገብር ዝኽእል ከምዝኾነ ኣብቲ ቤት ፍርዲ ተነጺሩ።

ክኢላታት፤ እቲ ገበናዊ ጉጅለ ንሰብ መዚ፣ ንኣውፈርትን ንፖለቲከኛታትን ብምፍርራሕ መስርሓትን ውሳኔታትን ናይ ምቕያር ሓይሊ ከምዘለዎ’ዮም ዝገልጹ።

ሓደ ካብቶም ትማሊ ፍርዲ ዝተውሃቦም ኣብ እዋን ቀዳማይ ሚኒስተር እታ ሃገር ነበር ሲልቭዮ በርሎስኮኒ ዳኛን ኣባል ባይቶን ዝነበረ ጅያንካርሎ ፒተሊ ኮይኑ ምስቲ ገነናዊ ጉጅለ ይተሓበበር ከምዝነበረ ዝለዝተረጋገጸ ን11 ዓመታት ክእሰር ተፈሪዱ ኣሎ።

ምስ'ዞም 200 ትማሊ ፍርዲ ዝተውሃቦም ተኸሲሶም ዝነበሩ ካልኦት ልዕሊ 100 ግን ቤት ፍርዲ ዝኾነ ኣበር ስለዘይረኸበሎም ካብ ገበን ነጻ ኢሉ ኣፋንይዎም ኣሎ።

እቶም ነቲ ናይ ትማሊ መስርሕ ዳይነት ዝሃቡ ፈራዶ ንድሕነቶም ስለዝተሰገአ ኣብ ትሕቲ ጽኑዕ ሓለዋ ናይ ፖሊስ’ዮም ዘለዉ።

እዚ ኣብ ክፍለ ግዝኣት ካላብርያ ብብዝሒ ዝርከበ ገበናዊ ጉጅለ 80 ሚኢታዊት ኣብ ኣውሮጳ ዝካየድ ንግዲ ዕጸፋርስ ብእኡ’ዩ ዝካየድ።

እቲ ገበናዊ ጉጅለ ኣብ ዓመት ክሳብ 60 ቢልዮን ዋግኡ ዕጸፋርስ ካብን ናብን ከምዘንቀሳቕስ ከኣ ይግመት።

እቲ ኣብ ከተማ ላመዝያ ዝተኻየፈደ መስርሕ ፍርዲ ብኣዝጹ ጽኑዕ ሓለዋ ዝተኻደ ኮይኑ ክሱሳት ኣብ ትሕቲ ጽኑዕ ብሓጺን ዝተሰርሐ ጋብያ ኣትዮም’ዮም ነቲ መስርሕ ፍርዲ ዝከታተልዎ ነይሮም፤ እቲ ገፊሕ ቤት ፍርዲ ልዕሊ 600 ጠበቓታትን ልዕሊ 900 መሰኻኽርን ከአንግድ ይኽእል።

እቶም ክሱሳት ብቕትለት፣ ጭውያ፣ ምዝውዋር ዕጸ ፋርስ፣ ምግሃስ ሕግታታን ካልእን ክስታት ቀሪብሎም።

ኣብቲ ሰለስተ ዓመታት ዝወሰደ መስርሕ ቤት ፍርዲ እቲ ገበናዊ ጉጅለ ኣብ ኣውሮጳ፣ ደቡብ ኣሜሪካን ኣውስትራልያን ዘሎ መርበባቱ ክፍለጥ ከምዝተኻአለ ተገሊጹ።

እዚ መስርሕ ፍርዲ ድሕሪ እቲ ኣብ 1980ታት ዝተኻየደ መስርሕ እቲ ዝዓበየ ኮይኑ ዳያኑ ኣሽሓት ሰዓታት ዝወሰደ ቃል መሰኻኽር ከምዝሰምዑ ተገሊጹ።

እዚ ንደራንገታ ዝተብሃለ ጉጅል ማንኩሶ ብዝብሃል ስድራ ዝተመሰርተን 150 እንዳታትን ዘለዎ ኮይኑ ኣብ ዞባ ቪቦ ቫልንሽያ’ዩ ቀንዲ መደበሩ።

ጣልያን ካብ 2016 ጀሚራ ኣብ 11 ዞባታት ጽዑቕ መርመራታት ኣብ ዝጀመረትሉ ከም ኣካል ናይቲ ሽዑ ዝካየድ ዝነበረ መርመራታት፡ ካብዞም ክሱሳት መብዛሕትኦም ኣብ ታሕሳስ 2019’ዮም ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ኣትዮም።

ኣብቲ እዋን ልዕሊ 2500 ዝኾኑ ኣባላት ፖሊስ ኣብቲ ንደራንገታ ዝርከብሉ ዞባ ቮቦ ቫለንሽያ ተዋፊሮም መርምራታት ከምዘካየዱ ሰነዳት ይሕብሩ።

ልዕሊ 50 ዝኾኑ ኣባላት ማፍያ ዝነበሩ ምስቲ ቤት ፍርዲ ክተሓባበሩ ስለዝተሰማምዑ ነቲ መስርሕ ቤት ፍርዲ ሓጋዚ ከምዝነበረ ደያኑ ገሊጾም።

እዞም ኣባላት ማፍያ ነበር ከምዝሓበርዎ፡ እቲ ጉጅል ብረታት ኣብ ውሽጢ መቓብር ከምዝሓብእ፡ ዕጸፋርስ ካብን ናብን ንምዝውዋር ኣምቡላስ ከምዝጥቐሙን ተኽሊ ‘ማሪዋና’ ንምልማዕ ካብቲ ንህዝቢ ዝተዘርገሐ መስመራት ማይ ብዘይኣፍልጦ መንግስቲ ቱቦታት ኣላጊቦም ከምዝጥቀሙን ከቃልዑ ክኢሎም።