እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
መንግስቲ ኢትዮጵያ ስለምንታይ ንዝቕባበ ክቈጻጸር ዘይከኣለ?
ሰናይት፡ ኣብ ዝሓለፈ ግንቦት፡ ሱዙኪ ዲዛየር 1200 ‘ሲሲ’ ዝዓይነታ መኪና፡ ብ1.38 ሚልዮን ብር ዓዲጋ።
ድሕሪ ፍርቂ ዓመት፡ ዋጋ እዛ መኪና 2.2 ሚሊዮን ብር ከም ዝበጽሐ፡ ቢቢሲ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ካብ ዝርከቡ ትካላት መሸጣ መካይን ኣረጋጊጹ።
እዛ ኣብ ህንዲ እትፈሪ ሳልሳይ ወለዶ ዲዛየር [ሰርድ ጀነሬሽን] መኪና፡ ካብ 2017 ዓ.ም [ኣ. ኣ] ጀሚራ’ያ ኣብ ዕዳጋ ውዒላ።
ዋጋ እዛ መኪና ብዶላር እንክትመን፡ ኣስታት 10 ሽሕ ይበጽሕ። እዚ፡ በቲ ሕጂ ኣብ ባንክ ዘሎ መጠነ ሸርፊ ወጻኢ ክቕመር እንከሎ፡ ልዕሊ ፍርቂ ሚልዮን ይኸውን።
ኣብ ኬንያ፡ ዋጋ እዛ መኪና ካብ 1.3 ክሳብ 1.4 ሚልዮን ሽሊን ኬንያ [11 ሽሕ ዶላር] ይግመት።
ናብ ዩጋንዳ ንኺድ፤ እዛ መኪና ኣብ ዕዳጋ ካምፓላ ብ43 ሚልዮን ሽሊን ዩጋንዳ [ኣስታት 11 ሽሕ ዶላር] ትሽየጥ።
ኣብ ኢትዮጵያ፡ ዝርአ ዘሎ ወሰኽ ዋጋታት ኣዝዩ ይንህር ከም ዘሎ ብተደጋጋሚ ይግለጽ።
ኤጀንሲ ማእከል ስታቲስቲክስ፡ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት፡ ወርሒ መጋቢት [2014] ኣብ ዘውጽኦ ጸብጻብ፡ እቲ ዝቕባበ ዋጋ ምስ ናይ ቅድሚኡ ዓመት ተመሳሳሊ እዋን ክነጻጸር እንከሎ፡ ብ34.7 ሚእታዊት ወሰኽ ከም ዘርኣየ ገሊጹ ነይሩ።
እቲ ወሰኽ ዋጋታት፡ ንመግቢ ኣብ ዘገልግሉ፡ ከም ኣሕምልቲ፡ ፍረታት፡ ኣእካል፡ ቀመማት፡ ዘይቲ፡ ጠስምን ቡንን ዝኣመለሱ ፍርያት ከም ዝዛይድ ይሕብር።
ሄኖክ፡ ቀዳማይ ዓመት ልደት ወዱ "ንእስ ብዝበለ ድግስ" ንምኽባር ኣስታት 40 ሽሕ ብር ከም ዘውጽአ ንቢቢሲ የዕልል።
"ምስ በዓልቲ ቤተይ፡ ብዙሕ ሰብ ከይንዕድም ተሰማሚዕና፣ ቤተሰብ ጥራይ ኢና ዓዲምና። መሸላለሚ 6 ሽሕ ብር ወዲኡ፣ እዚ ዅሉ ንባለንቺናን መብራህትን ጥራይ'ዩ። ንበዓልቲ ቤተይ ባህላዊ ክዳን፣ ንዓይን ንደቀይን ድማ ከምኡ 10 ሽሕ ብር ኣውጺእና። ስጋን ሽጉርትን ከምኡ'ውን ዘይትን ካልእን 11 ሽሕ፣ ንኬክ ድማ 3 ሽሕ ብር ኣውጺአ።"
ሄኖክ፡ ድሕሪ ልደት ወዱ ንመጓዓዝያ ካልኦት ወጻኢታትን ክድምር እንከሎ፡ 40 ሽሕ ከም ዝበጽሐ ምስ ተገንዘበ፡ ደንጽይዎ ምእማን ከም ዝሰኣነ ይዛረብ።
እዚ ጥራይ ኣይኰነን፤ ትምህርቲ ክጅመር እንከሎ ንበዅሪ ወዱ ሓደ ደርዘን ጥራዝ ንምግዛእ 880 ብር ከም ዘውጽአ ሓቢሩ።
ኣብዚ ሕጂ እዋን፡ ኣብታ ሃገር ዘሎ ዝቕባበ ዋጋ፡ ተጠቀምቲ ማሕበራዊ ሚዲያ ብዙሕ የዘራርብ ኣሎ።
ኣብ ኣዲስ ኣበባ፡ ዕዳጋ ኣሕምልትን ፍረታትን ተባሂሉ ኣብ ዝፍለጥ ከባቢ 'ሃይሌ ጋርመንት' ኣብ ዓውዲ ንግዲ ተዋፊሩ ዝርከብ ሓደ መንእሰይ፡ ካብ ቀረባ ኣዋርሕ ንነጀው ብፍላይ ዋጋ ኮሚደረን ጻዕዳ ሽጉርትን ኣዝዩ ከም ዝኸበረ ገሊጹ።
"ሓደ ኪሎ ኮሚደረ [ከም ደረጃ ጽርየቱ] ካብ 55 ክሳብ 70 ብር፣ ጻዕዳ ሽጉርቲ ድማ ክሳብ 250 ብር ይሽየጥ።"
ዝቕባበ እንታይ'ዩ?
ዝቕባበ ክበሃል እንከሎ ብቐሊሉ፡ ዋጋ ናይቲ ዝሽየጥ ኣቕሓ ወይ ኣገልግሎት ምውሳኽ ማለት እዩ።
ቬነዝወላ፡ ኣብ ዓለም እቲ ዝለዓለ ዝቕባበ ዘለዋ ሃገር እያ። ኣብ መጀመርታ እዚ ዓመት [2022] ኣብታ ሃገር ዝተመዝገበ ዝቕባበ ዋጋ፡ 1198.0 ሚእታዊት ነይሩ።
በዚ ምኽንያት፡ ኣብ ዕዳጋ ዝርአ ወሰኽ ዋጋ ብቕልጡፍ ስለ ዝለዋወጥ፡ ትካላት ንግዲ ኣብ ዘቕርብዎም ፍርያት ተመን ዋጋ ምቕማጥ ሓዲጐም፡ ዓማዊል መዓልታዊ ዘሎ ዋጋ ሓቲቶም ክገዝኡ ይገብሩ ነይሮም።
ከምዚ ዓይነት ወሰኽ ዋጋ፡ ልዑል ዝቕባበ ዋጋ [ሃይፐር ኢንፍሌሽን] ተባሂሉ ዝጽዋዕ ኰይኑ፡ ወጻኢታት መንግስቲ ልዕሊ ዓቐን ክኸውን እንከሎን፡ መንግስቲ ወጻኢታቱ ንምሽፋን ገዚፍ መጠን ገንዘብ ብብዝሒ ክሕትም እንከሎን ዘጋጥም ቁጠባዊ ቅልውላው እዩ።
‘ሃይፐር ኢንፍሌሽን’ መብዛሕትኡ ግዜ ኲናት፡ ናይ ስርዓት ለውጢ ወይ ማሕበረ-ቍጠባዊ ቅልውላው ክህሉ እንከሎ ዝኽሰት እዩ።
ቬነዝወላ፡ ቅድሚ ሕጂ ካብ ሃገራት ደቡብ ኣሜሪካ ዝልዓለ እቶት ነፍሲ ወከፍ ዜጋ ዝነበራ ሃገራ እያ።
መብዛሕትኡ እቶት እታ ሃገር ካብ ንግዲ ነዳዲ ዝርከብ ስለ ዝነበረ፡ ኣብ 1980ታትን 1990ታትን ዋጋ ነዳዲ ክወርድ እንከሎ ቁጠባኣ ኣብ ሓደጋ ወዲቑ።
ብ2014፡ ዋጋ ሓደ በርሚል ነዳዲ ካብ ዝነበሮ 100 ዶላር ብ2016 ናብ ትሕቲ 30 ዶላር ክወርድ እንከሎ፡ ኣብ ቁጠባ እታ ሃገር ዓቢይ ክሳራ ወሪዱ።
ሱዳን፡ ካብ ሃገራት ኣፍሪቃ እታ ዝለዓለ ዝቕባበ ዘለዋ ሃገር ኰይና፡ ኣብ መጀመርታ እዚ ዓመት [2022] ኣብታ ሃገር 245.1 ሚእታዊት ዝቕባበ ተመዝጊቡ።
በዚ ምኽንያት ኣብ ዓለም ካልአይቲ ዝለዓለ ዝቕባባ ዋጋ ዘለዋ ሃገር ኰይና እያ።
ካብ ቀረባ ዓመታት ንነጀው፡ ኣብ ሱዳን ዋጋ መግብን መስተን ብምውሳኹ ከምኡ’ውን ኣብ ጸሊም ዕዳጋ ዘሎ ዋጋ ዶላር ብምኽባሩ፡ ልዑል ዝቕባበ ዋጋ ክርአ ጀሚሩ።
ብሰንኪ'ዚ ድሕሪ ዝስዓበ ተቓውሞ፡ ፕረዚደንት ነበር ዑማል ሓሰን ኣልበሽር ብ2019 ካብ ስልጣኑ ከም ዝተኣለየ ይዝከር።
ብሓፈሻ ኣብ ሃገራት ትሕቲ ሰሃራ ዝተመዝገበ ዝቕባበ ናብ 12.2 ሚእታዊት ክዓቢ እንከሎ፡ እዚ ድማ መብዛሕትአን ሃገራት ሓያልን ኣድማዕን ስርዓት ንግዲ ስለ ዘይብለን እዩ ክብል ቢዝነስ ኢንሳይደር ኣፍሪቃ ይገልጽ።
ዝቕባበ፡ ኣብ ስሪላንካ ዝነበረ ፖለቲካዊ ዘይምርግጋእ ንኽጕሃሃር ጠንቂ ብምዃን፡ ህዝባዊ ተቓውሞታት ኣልዒሉ እዩ፤ ነዚ ብሰንኩ'ውን ፕረዚደንት እታ ሃገር ካብ ስልጣኑ ወሪዱ።
ዝቕባበ፡ ኣብዚ ሕጂ እዋን ንብዙሓት ሃገራት ዝፍትን ዘሎ ቅልውላው ኰይኑ፡ ዋጋ ቀረብ ጸዓትን መግብን ምውሳኹ፡ ሕጽረት ካልኦት ቀረባት ምህላው፡ ከምኡ'ውን ለበዳ ኮሮናቫይረስ እቲ ጸገም ክጋደድ ካብ ዝገበሩ ምኽንያታት ምዃኖም ሰብ ሞያ ይዛረቡ።
ኣብ ኢትዮጵያ እንታይ'ዩ ዘጋጥም ዘሎ?
ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ወርሒ ግንቦት [2019 ዓ.ም] ዝተመዝገበ ዝቕባበ 37.2 ሚእታዊት'ዩ ነይሩ።
እዚ ኢትዮጵያ ድሕሪ 2011 ዓ.ም [ኣ.ኤ] ዘመዝገበቶ ዝለዓለ መጠን ዝቕባበ እዩ።
ጸብጻብ ኤጀንሲ ማእከል ስታቲስቲክስ ከም ዘመልክቶ፡ ኣብ ነሓሰ 2014 ዓ.ም ዝተመዝገበ ዓመታዊ ሓፈሻዊ ዝቕባባ 32.5 ሚእታዊት በጺሑ'ዩ።
ኣብቲ እዋን ዝተመዝገበ መጠን ዝቕባበ ትሕት ዝበለሉ ምኽንያት፡ ናህሪ ዋጋ መግቢ ተዛማዲ ምርግጋእ ስለ ዘርኣየ'ዩ ይብል።
ይዅን'ምበር፡ ኢትዮጵያ ኣብ ኣፍሪቃ ዝለዓለ ዝቕባበ ካብ ዘለወን ሃገራት ሓንቲ እያ።
ብፖለቲካዊ ናዕብን ዘይምርግጋእን ትናወጽ ዘላ ሱዳን፡ 245.1 ሚእታዊት ዝቕባበ ብምምዝጋብ ኣብ ኣፍሪቃ ቀዳመይቲ ከም ዝዀነት ስታቲስታ ዝተባህለ ዓለምለኻዊ ትካል የረድእ።
በብግዜኡ ብናህሪ ዋጋታት እትሕመስ ዙምባብወ፡ 86.7 ሚእታዊት ብምምዝጋብ ኣብ ካልኣይ ደረጃ ትርከብ።
ኢትዮጵያ ድማ ስታቲስታ ኣብ ሳልሳይ ደረጃ ክሰርዓ እንከሎ፡ ትሬዲን ኢኮኖሚክስ ብ32.5 ሚእታዊት ኣብ ራብዓይ ደረጃ ከም እትርከብ ይሕብር።
ክኢላ ፋይናንስን ኦዲትን ጥላሁን ግርማ፡ ኣብ ኢትዮጵያ ዘሎ መጠን ዝቕባበ፡ "ብደረጃ ዓለም ምስ ዝኽሰት ዘሎ ነገራት ዝተሓሓዝ'ዩ፡" ይብል።
"ዓለም ከምዚ ዝበለ ናህሪ ዋጋታት ርእያ ኣይትፈልጥን" ብምባል ብዙሓት ሃገራት ኣብዚ ጸገም ከም ዝወደቓ ይገልጽ።
እቲ ኣብ መንጐ ሩስያን ዩክረይንን ዝካየድ ዘሎ ውግእ፡ ዋጋ ነዳዲ፡ ምህርቲ ስርናይ፡ ዘይትን ካልኦት ሃለኽቲ መግብታትን ክውስኽ ምኽንያት ኰይኑ'ዩ።
ዋጋ ነዳዲ ክውስኽ እንከሎ፡ "መንግስቲ ኢትዮጵያ ድማ ንነዳዲ ዝገብሮ ዝነበረ ድጐማ ምልዓሉ እቲ ጸገም ዝያዳ ክብእስ ገይርዎ'ዩ። ብፍላይ ኣብ ኢትዮጵያ ዋጋ ነዳዲ ክውስኽ እንከሎ ዋጋ ኵሎም ፍርያት'ዩ ሓፍ ዝብል፡" ይብል ኣቶ ጥላሁን።
ብኻልእ ወገን፡ እቲ ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ዝቕጽል ዘሎ ኲናት ሓድሕድ፡ ናብራ ኣብ ምኽባር ናይ ባዕሉ ግደ ኣለዎ፡ ብምባል እቲ ግጭት ጠጠው እንተዘይኢሉ፡ እቲ ኵነታት ክጋደድ ከም ዝኽእል ይገልጽ።
ካብ ቀረባ ዓመታት ናብዚ፡ ብናህሪ ዝውስኽ ዘሎ ዋጋ ተሽከርከርቲ ብኣብነት ዝጠቅስ እቲ በዓል ሞያ፡ ሕጽረት ዶላር ካልእ ምኽንያት ልዑል ዝቕባበ ዋጋ እታ ሃገር ክኸውን ከም ዝኽእል ሓቢሩ።
"ናብ ውሽጢ ዓዲ መኪና ዘእትዉ ሰብ ሃብቲ ከምቲ ዝደልይዎ ዶላር ኣይረኽቡን። ተፈቒዱሎም ዶላር ረኺቦም ከእትውወን እንከለው ክኣ፡ ከሲቦም'ዮም ዝሸጡወን፡" ኢሉ።
ኣብ ተሽከርከርቲ ዘሎ ዋጋ ጥራይ ዘይኰነ፡ ኣብ ካልኦት ጠለባት ዘሎ ናህሪ ዋጋ፡ ዶላር ኣብ ጸሊም ዕዳጋ ምስ ዘለዎ ዋጋ ዝተሓሓዝ ምዃኑ እቲ ኦዲተር የረድእ።
"ሓደ ዶላር ልዕሊ 90 ብር'ዩ ዝሽየጥ ዘሎ፤ ኣብ ባንክ ድማ 53። መኪና ዘእትው ነጋዶ፡ ንይምሰል'ዮም ዶላር ካብ ባንክ ዝሓቱ እምበር ኣብ ጸሊም ዕዳጋ'ዮም ዝገዝኡ። ኣብ ጸሊም ዕዳጋ ዘሎ ዋጋ'ዮም ድማ ናብ ዓደግቲ ዘመሓላልፉዎ።"
ብሉምበርግ፡ ብረቡዕ ኣብ ዘውጽኦ ጸብጻብ፡ ዶላር ኣብ ጸሊም ዕዳጋ ኢትዮጵያ ዘለዎ ዋጋ ክሳብ 92 ብር ከም ዝበጽሐ ኣስፊሩ'ሎ።
ብኣንጻሩ፡ ባንክታት ብ52.5 ብር የሽርፋኦ ከም ዘለዋ፡ ካብ ባንክ ንግዲ ኢትዮጵያ ዝተረኽበ ሓበሬታ የመልክት።
ዶላር፡ ኣብ ጸሊም ዕዳጋን ባንክን ዘለዎ ፍልልይ፡ ኲናት ሰሜን ኢትዮጵያ ዘስዓቦ ጽልዋ እዩ ክብል ንምኽትል ፕረዚደንት ማእከላይ ባንክ ፍቓዱ ድጋፌ ጠቒሱ ብሉምበርግ ጸብጺቡ'ሎ።
ኣብ ዓለም፡ ብልዑል ዝቕባበ ዝሽገራ ሃገራት
- ኣብ ትሕቲ ሰሃራ ዘለዋ ሃገራት - ምውሳኽ ዋጋ ነዳዲ፡ ዋጋ ድኹዕን መግቢ ካብ ሕርሻ ናብ መሸጣ ድኳናት ዝጓዓዘሉ ዋጋ ክዛይድ ምኽንያት ኰይኑ’ዩ። ኣብ ኣፍሪቃ 282 ሚልዮን ሰባት ዝተመጣጠነ መግቢ ከም ዘይረኽቡ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ይገልጽ።
- ቱርኪ - ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ወርሒ ጥቅምቲ፡ ብኣሽሓት ዝቝጸሩ ዜጋታት ኣብ ከተማታት ኢስታንቡልን ዲያርባሪክን ሰልፊ ተቓውሞ ከም ዝገበሩ ይዝከር።
- ኣብ ኢስታንቡል ብኣሽሓት ዝቝጸሩ ዜጋታት ኣብ ድኳናት መንግስቲ ሕብስቲ ንምዕዳግ ነዊሕ ሪጋ ሒዞም ምርኣይ ተለሚዱ’ዩ። ናይ ውልቂ ድኳናት ዋጋ ስለ ዘይንክዩ፡ ካብኦም ክትገዝእ ዘይሕሰብ’ዩ።
- ብራዚል - ብፍርያት ከብቲ ካብ ዓለም ቀዳመይቲ እንተዀነት’ውን፡ ዋጋ ስጋ ኣዝዩ ልዑል’ዩ። ኣብ ዝሓለፉ ኣዋርሕ፡ ብዝሒ ናይቶም ስጋ ዝገዝኡ ሰባት ብ67 ሚእታዊት ጐዲሉ ኣሎ። ካብ 213 ሚሊዮን ብራዚላውያን እቶም 27 ሚእታዊት ኣብ ትሕቲ ድኽነት ከም ዝነብሩ ጉቴሮ ቨርጋስ ዝተባህለ ትካል ይገልጽ። እዞም ሰባት ኣብ ወርሒ 49 ዶላር ጥራይ’ዮም ዝረኽቡ።
- ስሪላንካ - ዕቝር ሸርፊ ወጻኢ እታ ሃገር ተጸኒቂቝ’ዩ። ባንክታት ሸርፊ ወጻኢ ስለ ዘይብለን፡ መንግስቲ፡ መግቢ ዝጽዕና መራኽብ ናብታ ሃገር ከይኣትዋ ከልኪሉ ነይሩ። ብፍላይ፡ ሩዝ፡ ስርናይን ጸባን ዋጋኦም ኣዝዩ ክቡር’ዩ። በዚ ምኽንያት ዜጋታት እታ ሃገር ቍጥዐኦም ገሊጾም፤ መንግስቲ ኸኣ ነዚ ንምርግጋእ ሓደ ቢልዮን ዶላር ሰሊዑ፡ ኣብ ደሞዝ ሰራሕተኛታትን ጥሮታን ምምሕያሽ ገይሩ’ዩ።
መፍትሒኡ እንታይ'ዩ?
ኣብ ኢትዮጵያ፡ ኣብ መግብን ምስ መግቢ ዝተሓሓዙ ነገራትን ከምኡ'ውን እታወታት ህንጻን፡ ልዑል ናህሪ ዋጋታት ክምዝገብ ተራእዩ።
መንግስቲ ኣብ ዝተፈላለዩ እዋናት ተመን ሸቐጣትን ናውትን እንተኣውጽአ'ውን፡ ልዕሊ ሰሙን ዝጸንሕ ዕድመ የብሎምን።
ንኣብነት፡ ኣብ ቀረባ ዋጋ ስሚንቶ ምውሳኹ ስዒቡ ሚኒስትሪ ንግድን ዞባዊ ምትእስሳርን ሓድሽ ተመን ዋጋ ወግዓዊ ከም ዝገበረ ይዝከር።
ስሚንቶ፡ ካብ ፋብሪካ ዝወጽኣሉ ሓድሽ ዋጋ እቲ ዝትሓተ 510 ብር ኰይኑ፡ እቲ ዝለዓለ ደማ 683.44 ከም ዝዀነ እቲ ሚኒስትሪ ይገልጽ።
ይዅን'ምበር፡ እዚ ተመን ምስ ወጽአ፡ ስሚንቶ 1050 ብር ይሽየጥ ከም ዘሎ ሓደ ስሙ ክጥቀስ ዘይደለየ ደላሊ ንቢቢሲ ተዛሪቡ።
"መንግስቲ፡ ነዚ ጸገም ናይ ሓጺር እዋን መፍትሒ ንምሃብ፡ ኣብ ሃለኽቲ መግብታት ድጐማ ክገብር ኣለዎ" ዝብል ኣማኻሪ ፋይናንስ ጥላሁን፡ እንተዀነ ዘላቒ መፍትሒ ክገብረሉ ከም ዘለዎ የተሓሳስብ።
"ንኣብነት፡ ኣነ ኣብ ቀረባ ንመኪናይ መድሕን ክኸፍል ከይደ፡ ንሓደ ዓመት 125 ብር እዮም ኣኽፊሎምኒ። እዚ እንታይ ይገብረሎም?" ብምባል ኣብ ስርዓት ኣተኣኻኽባ ግብሪ ሕቶ የልዕል።
"እቲ መስርሕ ብግቡእ ክርአ ኣለዎ። ግብሪ ማለት ካብ ዘለዎ ወሲድካ ንዘይብሉ ከም ምሃብ እዩ። ኣብዚ መንግስቲ ብኣድማዕነትን ክሰርሕ ኣለዎ፡" ኢሉ።
ምስዚ ጸገም ብዝተሓሓዝ ቅድም ኢሉ ዘዘራረብናዮ ክኢላ ስነ ቝጠባ ጉቱ ቴሶ [ዶ/ር]፡ “እቲ ጸገም ኣዝዩ ዝተሓላለኸ ስለ ዝዀነ” ናይ ሓጺር ግዜ መፍትሒ ክህልዎ’ዩ ኢሉ ከም ዘይኣምን ተዛሪቡ ነይሩ።
ተቐማጢ ለንደን ምሁር ስነ ቝጠባ ዓብዱልመናን መሓመድ ድማ፡ “መንግስቲ ካብ ሃገራዊ ባንክ ዝልቅሖ ገንዘብ ክንኪ፡ ኣገዳስነቶም ዘተሓትት ፕሮጀክታት ደው ብምባል፡ ካልኦት ፕሮጀክታት ድማ ንግዜኡ’ውን እንተዀነ ደው ከብል” ይምዕድ።
“ዓቕሚ ምግዛእ ብር ብመንጽር ሸርፊ ወጻኢ ክጐድል ምግባር፡ ዋጋ ካብ ወጻኢ ዝኣትው ኣቝሑ ክውስኽ ስለ ዝገብር፡ ደው ክብል ኣለዎ። መንግስቲ እዞም ስጕምታት ዝወስድ እንተዀይኑ፡ ኣብ ውሽጢ ሓደ ዓመት ለውጢ ክርአ ይኽእል’ዩ” ዝብል እምነት ኣለዎ።
ባንክ ዓለም ድማ፡ ልዑል ዝቕባበ ዋጋ ዘመዝገባ ሃገራት መነባብሮ ህዝበን ኣብ ምምሕያሽ ትኵረት ክገብራ ከም ዘለወን የተሓሳስብ።