ፕረዚደንት ኢራን ኣብ ልዕሊ ተቓወምቲ ተሪር ስጉምቲ ክወስድ ምዃኑ ኣጠንቂቑ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ፕረዚደንት ኢራን ኢብራሂም ራይሲ ድሕሪ እቲ ልዕሊ ሓደ ሰሙን ዝገበረ ተቓውሞታት ኣንጻር መንግስቲ፡ ኣብ ልዕሊ ተቓወምቲ ስጉምቲ ክወስድ ምዃኑ ኣፍሊጡ።
እቲ ፕረዚደንት ነቲ ናብ መብዛሕቲኡ ከባቢታት እታ ሃገር ዝተላብዐ ተቓውሞ “ብዕቱብ ንምፍታሕ” ቃል ኣትዩ'ሎ።
ማህሳ ኣሚኒ ጉልባብ ርእስን ገጽን ኣይተኸደንክን ብዝብል ኣብ ቀይዲ ፖሊስ ምእታዋ ስዒቡ ህይወታ ስለዝስኣነት ህዝባዊ ናዕብታት ከምዝተበገሰ ይፍለጥ። ከም ሳዕቤኑ ድማ ኣስታት 35 ሰባት ከምዝተቐተሉ ሰበ ስልጣን እታ ሃገር ገሊጾም።
እቲ ህውከትን ዕግርግርን ድማ ኣብ ካልኦት ከተማታት ቀጺሉ’ሎ።
ማህሳ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ፖሊስ ዝኣተወት ሕጊ ኣከዳድና ጉልባብ ርእሲ ጥሒሳ ብዝብል’ዩ። ፖሊስ ንማህሳ ኣብ ውሽጢ መኪና ኣእትዩ ከምዝወቕዓን ናብታ መኪና ክሳብ ምግጫው ዝበጽሕ ስጉምቲ ከምዝወሰደን’ዩ ዝግለጽ።
ፖሊስ ግን ኣብ ልዕሊኣ ሃስያ ከምዘብጽሐ ዘረጋግጽ መረዳእታ ከምዘየለ ብምጥቃስ ሃንደበታዊ ድኻም ልቢ ከምዘጋጠማ ኣፍሊጡ።
ፕረዚደንት ራይሲ ኣማዉታ ማህሳ ክጻረ ምዃኑ’ኳ እንተገለጸ ሚኒስተር ድሕት ውሽጢ ዓዲ ኣሕመድ ሻሃዲ ግን እታ መንእሰይ ዝኾነ ይኹን ዓይነት መውቃዕቲ ከምዘይበጽሓ ተዛሪቡ።
ንሱ “ብናይ ተቖጻጸርቲ ኣካላት መረዳእታ፣ መሰኻኽር ዓይኒ፣ ቪድዮታትን ውጽኢት ምርመራ ፎረንሲክን ዋላ ሓንቲ ማህረምቲ ከምዘይበጽሓ ተረጋጊጹ’ዩ” ኢሉ።
ኣብ ማሕበራዊ ገጻት ዝዘዋወሩ ዘለዉ ቪድዮታት ከምዘርእይዎ ኣብ ሕሉፍ ሒደት መዓልትታት ኣብ ብዙሓት ከተማታት እታ ሃገር ናዕብን ዕግርግርን ተኸሲቶም ኣለዉ።
ኣብ ከም ሰሜናዊ ምዕራብ ፒራንሻህር፣ ማሃባድን ኡርሚያን ዝበሉ ከባቢታት ድማ ሓይልታት ጸጥታ ኣብ ልዕሊ ተቓወምቲ ሰባት ጠያይቲ እንዳተኮሱ ተራእዮም።
ትማሊ ቀዳም ድማ ኣብ ርእሰ ከተማ ኢራን ቴህራንን ካልኦት ከተማታትን ተወሰኸቲ ናዕብታት ተላዒሎም ምንባሮም ተፈሊጡ።
ሰልፈኛታት ኣብ ሓደ ቦታ ንዘይምትእኽኻብ ናብ ብዙሓት ከባቢታት ይዘዋወሩ ከምዘለዉ’ዩ ዝግለጽ።
ተቓወምቲ ኣብ ልዕሊ ሓይልታት ጸጥታ ናይ ቤንዚን ተፈንጃሪ ክድርብዩ እንከለዉ ዘርእዩ ስእልታት ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ተጠቒዖም ኣለዉ።
እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ እቶም ለውጢ ዝጠልቡ ዘለዉ ኣካላት ውድብ ህዝብታት እስልምና ኢራን እቲ ብኣስገዳድ ዝትግበር ዘሎ ናይ ኣከዳድና መምርሒኡ ክስርዝን ሰለማዊ ሰልፍታት ክፍቀዱን ሓቲቶም።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ዓለምለኸ ተጣባቒ መሰላት ኣመንስቲ ኢንተርናሽናል ብወገኑ ሓይልታት ጸጥታ ኢራን ኣብ ልዕሊ ተቓወምቲ ኣስካሕኻሒ ብዝኾነ መገዲ ጠያይቲ ይትኩሱ ከምዘለዉ ጭቡጥ መረዳእታ ከምዝረኸበ ብምጥቃስ ኣጠንቂቑ’ሎ።
ዕጡቓት መንግስቲ ኢራን ኣብ ዝሓለፈ ረቡዕ ጥራይ 19 ሰባት ብጥይት ከምዝቐተሉ ተሓቢሩ'ሎ። ካብኣቶም ድማ እቶም ሰለስተ ዕሸላት ከምዝኾነ ተገሊጹ።
ቢቢሲ ብዛዕባ እዚ ጉዳይ ብናይ ባዕሉ መገዲ ከረጋግጾ ኣይከኣለን።
ፕረዚደንት ራይሲ ነቲ ተቓውሞ “ህውከት” ክብል ኣነኣኢስዎ። ኢራን “ድሕነትን ጸጥታን እታ ሃገር ንዝቓወሙ ሰባት ብዕቱብ ክትሰርሓሉ ኣለዋ” ድማ ኢሉ።
ብኣማኢት ዝቑጸሩ ሰባት ብሓይልታት ጸጥታ ተታሒዞም ኣብ ቤት ማእሰርቲ ኣለዉ። ኣብ ሰሜናዊ ምዕራብ እትርከብ ግዝኣት ጊላን 60 ደቂ ኣንስትዮ ዝርከብኦም 739 ሰባት ከምዝተኣሰሩ ኣዛዚ ፖሊስ ገሊጹ።
ካብቶም ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ፖሊስ ዝኣተዉ ገለ ሰባት ኣካላዊ መውቃዕቲ ከምዝተፈጸሞም ቢቢሲ ሰሚዑ'ሎ።
መንግስቲ ኣብ ልዕሊ ዘይሻራዉያን ሚድያታትን ተቖርቖርቲ ሰባትን ወፍሪ ዝጀመረ ኮይኑ ክሳብ ሕጂ 11 ጋዜጠኛታት ከምዝተኣሰሩ ኣብ ኣሜሪካ ዝመደበሩ ተጣባቒ መሰል ጋዜጠኛታት ኣፍሊጡ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







