ምልክት ዘየርኢ ኣብ መብዛሕተአን ደቂ ኣንስትዮ ዘጋጥም ጽኪ መንደቕ ማህጸን እንታይ’ዩ?

ካብ 75 ክሳብ 80 ሚእታዊት ደቂ ኣንስትዮ፡ ጽኪ መንደቕ ማህጸን የጋጥመን።

እዚ ኵነታት ዝዀነ ምልክት ከየርኣየ ከም ዝጸንሕ ክኢላታት ይዛረቡ።

ኣብ ዝተፈላለየ ከባቢታት ኢትዮጵያ ዝተፈላለየ ዓቐን ዘለዎም ጽኪ መንደቕ ማህጸን ብመጥባሕቲ ከም ዝተኣለዩ ክጽብጸብ ይስማዕ።

ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ዱርሃም ብመጥባሕቲ 20 ኪሎ ዝምዘን ጽኪ ከም ዝተኣልየ ቢቢሲ ምጽብጻቡ ይዝከር።

ጽኪ መንደቕ ማህጸን እንታይ እዩ? ብኸመይ የጋጥም? ብኸመይከ ይሕከም?

ቢቢሲ፡ ምስ ክኢላ ማህጸንን ጥንሲን ዶክተር ሞገስ በርዬ ጻንሒት ገይሩ ነይሩ።

ዶክተር ሞገስ፡ ተሓጋጋዚ ፕሮፌሰር ሕክምና ማህጸንን ጥንሲን ከምኡ’ውን ኣብ ዩኒቨርሲቲ ወልድያ መምህርን እዩ። ንሱ፡ ሕክምና ጽኪ መንደቕ ማህጸን፡ ነቲ ጽኪ ንምእላይ ምሉእ ማህጸን ብመጥባሕቲ ምእላይን ዝኣመሰሉን ዝተፈላለዩ ፍወሳታት ዘካየደ ክኢላ እዩ።

ጽኪ መንደቕ ማህጸን ብእንግሊዝኛ ‘ዩተሪን ፋይብሮይድስ’ ወይ ‘ማዮማስ’ ይበሃል። ጽኪ መንደቕ ማህጸን እንታይ እዩ ዝብል ንምርዳእ ግን ክፋላት ማህጸን ምርኣይ የድልየና።

እዞም ክፍልታት ኣፍደገ ማህጸን፣ መንደቕ ማህጸን ፍረ ማህጸንን እዮም።

መንደቕ ማህጸን ናይ ገዛእ ርእሱ ክፍልታት ኣለዎ። ወርሓዊ ጽግያት ክውሕዝ ዝገብር ኣካል ኣሎ። ብድሕሪኡ ጭዋዳ ማህጸን ኣሎ። ብድሕሪ ጭዋዳ ማህጸን ካልእ ሽፋን ኣሎ። እዚ ሽፋን እዚ ግዳማውን ናይ መወዳእታን ባእታ እዩ።

"ጽኪ መንደቕ ማህጸን ካብቲ ኣካላት ጭዋዳ’ዩ ዝዓቢ" ይብል ዶክተር ሞገስ።

ዋህዮ ጭዋዳ ማህጸን ክራባሕ ከሎ "ከም ድንሽ ዓይነት ቅርሺ ዘለዎ ኰይኑ ዝተፈላለየ ዓቐን ድማ ሒዙ ይርከብ።"

ቀስ እናበለ ዝዓቢ እንተዀነ'ኳ፡ እናወሰኸ እዩ ዝመጽእ፤ እቲ ጽኪ’ውን ዝተፈላለየ ዓቐን ዝሕዝ እዩ።

ጠንቁ እንታይ እዩ?

ዶክተር ሞገስ ከም ዝብሎ፡ ነዚ ኵነታት ዘቃልዑ ዝተፈላለዩ ምኽንያታት ኣለዉ።

እቲ ጠንቂ ምስ እንርኢ፡ ሓደ ዋህዮ መንደቕ ማህጸን ክበዝሕን ዝተፈላለየ ዓቐን ክህልዎን ዝገብር ዘይምዕሩይነት ሆርሞናት እዩ። እዚ ዝገብር ድማ ሆርሞን ፕሮጀስትሮን እዩ።

ምብዛሕ ድሕሪ ምጅማሩ መጠኑ ክውስኽ ዝገብር መጠን ሆርሞን ኢስትሮጅን ምዃኑ እቲ ዶክተር ይገልጽ።

‘ፖሊሲስቲክ ኦቫርያን ሲንድሮም’ ዝበሃል ሕማም ባህርያዊ ምዝባዕ ሆርሞን ኣሎ።

መጠን ሆርሞናት ኢስትሮጅንን ፕሮጀስትሮንን ኣብ ኣካላትና ክውስኽ ከም ዝኽእል ይገልጽ።

ተቓላዕነት ክንርኢ ከለና፡ እቲ ሓደ ኣብ ዕድመ ምውላድ (ካብ 20ታት ክሳብ 40ታት) እዩ ዝረአ።

ኣብዚ ዕድመ’ዚ ግን “ብዙሓት ኣሎ ድዩ የለን ኣይፈልጡን። ብዙሓት ደቂ ኣንስትዮ ንኻልእ ሕክምና ኣልትራሳውንድ ክገብራ እንከለዋ ኣብ መንደቕ ማህጸነን ዝተፈላለየ ዓቐን ዘለዎ ጽኪ ከም ዘለወን ይፍለጥ" ክብል የብርህ።

መብዛሕትአን ዝዀነ ምልክታት ዘይብለን’ኳ እንተዀና፡ 'ንእሽቶ ጽኪ ኣለክን' ይበሃላ።

ካልኦት ተቓላዕቲ ድማ ጽግያየተን ኣቐዲሙ ዝጀመረ ደቂ ኣንስትዮ እየን።

ዶክተር ሞገስ ከም ዝብሎ፡ ብዙሕ ጥንሲ ዘይነበረን ወይ መኻን ደቂ ኣንስትዮ ከም ተቓላዕቲ ይቑጸራ።

ልዕሊ መጠን ዝረጐዳ ደቂ ኣንስትዮ’ውን ተቓላዕቲ ከም ዝዀና እቲ ክኢላ ይሕብር።

ብተወሳኺ ጀነቲካዊ ተቓላዕነት እውን ከም ዘሎ ይገልጽ። ንጸለምቲ፡፣ጸዓዱ፣ ኤስያውያንን ካልኦት ዓሌታውያንን ዘነጻጸሩ መጽናዕትታት፡ ጸለምቲ ደቂ ኣንስትዮ ዝያዳ ተቓላዕቲ ምዃነን የመልክት።

ኣብ ክንደይ ደቂ ኣንስትዮ የጋጥም?

ብመሰረት ዶክተር ሞገስ ካብ 100 ደቂ ኣንስትዮ ኣብ 10 ክሳብ 15 ጽኪ መንደቕ ማህጸን የጋጥም።

እዚአን ምልክት ዘርአያ እየን።

ምልክታት ሕማም ዘይብለን ክንርኢ ከለና፡ ካብተን ኣልትራሳውንድ ዝገብራ 100 ደቂ ኣንስትዮ ክሳብ ኣብ 70 ሚእታዊት ዘጋጥም እዩ።

ምልክት ጽኪ መንደቕ ማህጸን "ምልክት መንሽሮ ኣይኰነን" ይብል እቲ ሓኪም።

ምልክታቱ እንታይ እዮም?

ምልክታት’ዚ ኵነታት ካብ ሰብ ናብ ሰብ ይፈላለ’ዩ።

"ኣብ መብዛሕትኡ እዋን፡ እቲ ቀዳማይ ነገር፡ ምልክት ዘይምህላው'ዩ" ብምባል ከምዚአን ዝበላ ምልክት ዘይብለን ከም ዝበሃላ እቲ ዶክተር ይገልጽ።

ክኢላታት ንካልእ ሕክምና ኣብ ዝግበር መርመራ እዮም ጽኪ ከም ዘለወን ዝነግርወን።

ካብዚ ወጻኢ ምዝባዕ ወርሓዊ ጽግያት፡ መፍሰስቲ ደም ምብዛሕ ወይ ምውሓድ ወይ ድማ ቅድሚ ግዜኡ ምምጸእ ቀንዲ ምልክታት እዮም።

ከቢድ መፍሰስቲ ደም ዘጋጥመን ድማ "ዋሕዲ ደም" ከም ዘስዕበለን እቲ ክኢላ ይዛረብ።

መፍሰስቲ ደም በዝሐ ኣይበዝሐ ብዘየገድስ ወርሓዊ ጽግያት ምስ ዝመጽእ ከቢድ ቃንዛ ዘጋጥመን ኣለዋ።

ዋላ እኳ ኣብ እዋን ወርሓዊ ጽግያት ውሱን ቃንዛ ዘጋጥመን እንተሃለዋ፡ ምልክት ጽኪ መንደቕ ማህጸን ግን ምንቅስቓስ፡ ካብ ገዛ ምውጻእ ወይ ናብ ስራሕ ምኻድ ዝዓግት ካብ ሕምብርቲ ንታሕቲ ዝስማዕ ከቢድ ቃንዛ ኣለዎ። እዚ ድማ ‘ዲስሜኖርያ’ ይበሃል።

ካልእ ምልክት ምስ ዓቐን ዝተኣሳሰርን እዚ ኣብ ዓቐንን ቦታን ጽፍሕን ናይቲ ጽኪ ዝምርኮስን’ዩ።

ካብ ሓደ ንላዕሊ - ካብ ሰለስተ ክሳብ ዕስራ - ዝተፈላለየ ዓቐን ዘለዎም ጽኪ ክህልዉ ይኽእሉ።

"ስለዚ ብዛዕባ ምልክታት ሕማም ክንዛረብ ከለና፡ ካብ ዓቐኑ፡ ቁጽሩን ካብ ዘለዎ ክፋል ማህጸንን ዝረአ’ዩ" ይብል ዶክተር ሞገስ።

ምስ ምውሳኽ ስፍሓት ጽኪ ዝተኣሳሰር፡ ምልክት ጸቕጢ እዩ። ገሊአን ኣብ ትሕቲ ሕምብርቲ ናይ ክብደት ስምዒት ይስምዐን።

ገሊአን እቲ ጽኪ እናዓበየ ምስ ከደ ከብደን ከም ዝመልአ ይስምዐን። ምሕባጥ ከብዲ እውን ይርአ።

ካብ ምሕባጥ ሓሊፉ ኣብ ከባቢ ሸምበቆ ሽንቲ፡ ኪኖ እቲ ጽኪ ዝስማዕ ጸቕጢ ከም ዘሎ ይገልጽ። እቲ ጽኪ ንመተሓላለፊ ሽንቲ እንተዓጽዩ፡ ኩሊት ማይ ክዕቅብ ክገብሮ ይኽእል።

ንመዓንጣ ስለዝጸቅጥ፡ ድርቀት ከስዕብ ይኽእል።

ኣብ ሸምበቆ ሽንቲ ጸቕጢ እንተፈጢሩ ድማ፡ ብብዝሒ ክሸና ይግደዳ። ንእሽቱ ሽንቲ ስለዝፈስስ ብተደጋጋሚ ክመላለሳ ይገብረን።

እቲ ጽኪ ናብ መወዳእታ ማህጸን እንተቐሪቡ፡ ብዘይካ ሽዑ ንሽዑ ዝመጽእ፡ ምዕቃብ ሽንቲ ክኽሰት እዩ። ክሳብ ብሓገዝ ቱቦ ምሻን ከብጽሕ ይኽእል።

ጽኪ መንደቕ ማህጸንን መኻንነትን

ዶክተር ሞገስ ከም ዝብሎ፡ ጽኪ መንደቕ ማህጸን መኻንነት ከስዕብ ይኽእል’ዩ።

"መኻን ሰበይቲ ክትመጽእ ከላ፡ ፈለማ ጽኪ መንደቕ ማህጸን’ዩ ኢልና ኣይንሓስብን። ካልኦት መኻንነት ከስዕቡ ዝኽእሉ ኵነታት ኣለዉ ድዮም የለዉን ዝብል መርመራ ምዝ ገበርና እቲ እንኮ ውጽኢት ምስ ጽኪ መንደቕ ማህጸን ዝተኣሳሰር እንተዀይኑ፡ ጠንቂ ናይቲ መኻንነት ከም ዝዀነ ይቑጸር” ይብል።

ካብ ክልተ ክሳብ ኣርባዕተ ሚእታዊት ካብተን መኻንነት ዘጋጠመን ደቂ ኣንስትዮ ብሰንኪ ኣብ መንደቕ ማህጸን ዝርከብ ጽኪ ምዃኑ’ውን ይገልጽ።

እቲ ጽኪ ኣብ መእተዊ ሻምብቆ ማህጸን ወይ ኣብ ጥቓ መእተዊ ማህጸን እንተጋጢሙ፡ ዘርኢ ወዲ ተባዕታይ ከይሓልፍ ክኽልክል ይኽእል።

እቶም "ውጽእ ዝበሉ" ዝበሃሉ ምልክታት ኣብ ኣዝየን ውሑዳት ደቂ ኣንስትዮ ዝርኣዩ እዮም።

ቁጽሪ ቀያሕቲ ዋህዮታት ደም ሓደ እዩ።

እቲ ሓኪም ከም ዝብሎ” ካብ ሕበጥ ከብዲ ወጻኢ እቲ ጽኪ ዝዓብየሉ ቦታ ካብ ጭዋዳታት መንደቕ ማህጸን ናብ ከንፈር ርሕሚ ወይ ‘ላብያ’ ክመጽእ ከም ዝኽእል ይገልጽ።

ኣብ ከንፈር ርሕሚ’ውን ዝሓበጠ ጽኪ ክረክብ ይኽእል።

ኣየናይ ዓይነት ጽኪ’ዩ ዝያዳ ሓደገኛ?

ምልክታት ዘለዎ ማይዮማ ምልክታት ዘርኢ ሕበጥ ማህጸን እዩ።

ምልክታት ምስ ዘርእይ ኣብ ጥዕናን መዓልታዊ ንጥፈታትን ፀገም ፈጢሩ ኣሎ ማለት እዩ።

“እዚ ምስ ዓቐን ዝተኣሳሰር ኣይኰነን። ዓቐኑ ንእሽቶ ኰይኑ'ውን ምልክታት ከርኢ ይኽእል'ዩ" ይብል እቲ ሓኪም።

ብርግጽ እቲ መጠን ብዝዓበየ ቁጽሪ፡ ምልክታት ናይ ምርኣይ ተኽእሎኡ ዝለዓለ እዩ።

እንተዀነ ቁጽሮም ብዙሕ ኰይኑ ዓቐን ካብ ኣርባዕተ ክሳብ ሓሙሽተ ሴንቲ ሜተር ክዀኑ ከለዉ ከቢድ መፍሰስቲ ደም ከስዕቡ ይኽእሉ።

ከቢድ መፍሰስቲ ደም እንተስዒቦም ከምኡ’ውን ሸምበቆ ሽንቲ እንተዓጽዮምን ዓቐኖም ልዕሊ ሸሞንተ ሴንቲ ሜተር ስፍሓት ሃልይዎም ቃንዛ እንተፈጢሮምን "ሕክምና ኣድላዪ እዩ" ይብል ዶክተር ሞገስ።

ዓቐኖም ትሕቲ ሸሞንተ ሴንቲ ሜተር ኰይኑ ምልክታት እንተዘይርእዮምን ግን "ተወሳኺ ሕክምና ኣየድልን። ምክትታል ግን የድሊ" ይብል።

ኣብ ከምዚ ኵነታት ዘለዋን ደቂ ኣንስትዮ፡ ኣብ ሽዱሽተ ወርሒ ወይ ኣብ ዓመት ኣልትራሳውንድ ክገብራ ይምከር። እቲ ሕበጥ ክንደይ ዝኣክል ወሲኹ ዝብል ኣብ መርመራ ክርኣይ’ዩ።

ዓቐንን ቁጽርን ጽኪ

ብማእከላይ ገምጋም ሓደ ጽኪ ጥራይ ምስ ዝህሉ ውሑድ ቁጽሪ ይበሃል።

ዶክተር ሞገስ ንጽኪ መንደቕ ማሕጸን "ከም ድንሽ" ክብል ይገልጾ።

ስፍሓቶም ብማእከላይ ገምጋም ክልተ ወይ ሰለስተ ሴንቲ ሜተር ክኸውን ይኽእል። እዚኦም መብዛሕትኡ ግዜ ምልክት ዘይብሎም እዮም።

ካብ ሸሞንተ ሴንቲሜተር ዝዓብዩ ኰይኖም ብቑጽሪ ልዕሊ ሰለስተ ምስ ዝኾኑ ግን ምልክት ይረአ።

ብዚ መጠን ሰለስተ ወይ ኣርባዕተ ኰይኖም ምስ ዝርከቡ፡ ከቢድ ወርሓዊ ጽግያት ከጋጥም ይኽእል።

"ዕስራ ወይ ሰላሳ ምስ በጽሑ ብዙሕ ይበሃል" ይብል ዶክተር ሞገስ፡ ሽዑ ብዓቐኖም ይውስኹን ኣብ ዝተፈላለየ መንደቕ ማህጸን ይዓብዩን ክብል ይውስኽ።

ገለ ደቂ ኣንስትዮ ሓደ ጽኪ ጥራይ ዘለወን እኳ እንተዀና ክሳብ 25 ኪሎ ግራም ክብደት ክበጽሕ ይኽእል’ዩ።

መርመራ ክሳብ ዘይተገብረ፡ መን እንታይ መጠንን ብዝሕን ከም ዘለዋ ምፍላጥ ከም ዘይከኣል እውን ወሲኹ ይሕብር።

ህክምና

ሕክምና ዝግበረለን ምልክታት ንዘለወን ደቂ ኣንስትዮ ጥራይ ምዃኑ እቲ ዶክተር ይገልጽ።

እቲ ሕክምና ድማ ኣብ ምልክታት፡ ጽንኩርነትን ዓቐንን ናይቲ ሕበጥ ይምርኮስ።

ብዙሕ ደም ምስ ዝፈስስን ናብ ዋሕዲ ደም ምስ ዘብጽሕን፡ እቲ ሕበጥ ብመጥባሕቲ ክእለ ኣለዎ።

ምልክት እንተዘይሃልዩ ግን ኣብ "ምዕዛብ ምዕራፍ" ከም ዝጸንሓ’ዩ ዶክተር ሞገስ ዝገልጽ።

ምልክታት ምስ ተራእዩ እቲ ቀዳማይ ኣማራጺ ብመድሃኒት ምሕካም እዩ።

ንኣብነት ናይ ወርሓዊ ጽግያት ጸገም እንተ ኣጋጢሙን ቅልል ዝበለ ቃንዛ እንተሃልዩን፡ ሆርሞናት ይእዘዙ።

ቃንዛ ወርሓዊ ጽግያት ኣብ ዝህልወሉ እዋን መቐነሲ ቃንዛ ይወሃብ።

ንዓቐን ናይቲ ሕበጥ ከጉድሉ ዝኽእሉ ካብ ሰለስተ ክሳብ ሽዱሽተ ወርሒ ዝውሰዱ ሆርሞናዊ መድሃኒታት እውን ኣለዉ።

መድሃኒታት ነቲ ሕበጥ ክንክይን ናብ መጥባሕቲ ከየምርሕን ንምግባርን ይሕግዙ።

ኣብ መወዳእታ 40ታት ዕድመ እትርከብ ጓል ኣንስተይቲ፡ እቲ ጽኪ ንምንካይ ዝሕግዝ መድሃኒት ክወሃባ ይኽእል።

ካልእ ኣማራጺ ድማ መጥባሕቲ እዩ፤ ኰይኑ ግን እታ ጓል ኣንስተይቲ ክትወልድ ትደልይ ድያ ኣይትደልይን ኣብ ዝብል ዝምርኮስ’ዩ።

“ክትወልድ እንተዘይደልያ፡ ወይ ምውላድ እንተኣቋሪጻ፡ እቲ ዝበለጸ ኣማራጺ ምሉእ ማህጸን ምእላይ እዩ። ክትወልድ እንተደሊያ ግን ነቲ ጽኪ ፈልፊልካ ምውጻእ ኣማራጺ እዩ" ይብል ዶክተር ሞገስ።