እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ክልተ ደቃ ተዘሪፈንኣ ናብራ ዝፀልመታ ኢትዮጵያዊት ኣደ
ቅድሚ ዓሰርተታት ዓመታት ስእሊ ፍሉይ ነገር እዩ ነይሩ፣ ብፍላይ ድማ ኣብ ርሑቕ ገጠራት።
ቤት ስእሊ ኣብ ዘይበሎም ከባቢታት ዝነብሩ ተመሃሮ፡ ንናይ 6ይ ክፍሊ ይዅን 8ይ ክፍሊ ፈተና - ጀነራል - ከምኡ’ውን ንኻልእ ጉዳያት ስእሊ ንኽስኣሉ፡ ኣብ ቀረባ ናብ ዝርከቡ ንኣሽቱ ከተማታት ክጓዓዙ ግድን’ዩ ነይሩ።
ኣብ ሲዳማ ወረዳ ጭሪ፡ ቁሸት ላሌሳ ተወሊዳ ዝዓበየት ደጊቱ፡ ኣብቲ እዋን ጓል ዓሰርተ ሰልሰት ዓመት ጐርዞ’ያ ነይራ።
ሻሙናይ ክፍሊ እንከላ፡ ንናይ ጀነራል ፈተና ዝኸውን ስእሊ ተሳኢሎም ክመጹ ከም ዝተነግሮም ትዝክር። ሽዑ ኣብ ቀረባ ናብ እትርከብ ከተማ ክትከይድ ነይርዋ።
ስለዝዀነ ምስ መሓዛኣ ኣቋራጭ መንገዲ ተጠቒመን ከይደን ተሳኢለን። ብድሕሪኡ ግን እዋኑ ስለዝመሰየ፡ መሓዛኣ ብሞተር ብሽክለታ ክምለሳ ከም ዘለወን ኣትሪራ ሓቲታ።
ደጊቱ ነቲ ሕቶ ተቐቢላ ክልቲአን ኣብ ሓንቲ ሞተር ብሽክለታ ተሳፊረን ክጓዓዛ ጀሚረን። ብርክት ዝበሉ መንእሰያት’ውን ብሞተር ብሽክለታ ክዕጅብወን ጀሚሮም። ነቶም መንእሰያት ስለዘይትፈልጦም ግን ባህ ኣይበላን። ልባ ገለ ጥርጣረ ኣሕዲሩ።
"ንመሓዛይ 'እዞም ሰባት እንታይ እዮም ዝስዕቡና ዘለዉ?' ኢለ ሓቲተያ” ትብል።
ካብ መሓዛኣ ዝረኸበቶ መልሲ ግን፡ "እንታይ ገደሸኪ?" ዝብል ነይሩ። ብተደጋጋሚ እንተሓተትው’ውን፡ ተመሳሳሊ መልሲ ከም ዝረኸበት ትዝክር።
እታ መሓዛኣ’ውን ተሓባባሪት ክትከውን ከም እትኽእል ምስ ጠርጠረት ካብታ ሞተር ሳይክል ዘሊላ ወሪዳ።
ኣብ ከውሒ ወዲቓ ኢዳን እግራን ብእምኒ ስለዝተሃርመት ክትትንስእ ኣይከኣለትን።
ኣብቲ ከባቢ ዝነበሩ ሰባት ምእንቲ ክሕግዝዋ ጨዲራ።
ሓደ ካብቶም ዝዕጅቡ ዝነበሩ መንእሰያት ኣብቲ ዝወደቐትሉ ቦታ ጸጉራ ሒዙ ክሃርማ ጀሚሩ።
ጸጥታ ኣካላትን መራሕቲ እቲ ቁሸትን ኣብቲ ከባቢ ክበጽሑ ምስ ረኣየት፡ ደጊቱ ‘እፎይ’ ኢላ።
እቶም መንእሰይ ዝሃረምዋ ገጻ ሓቢጡ፡ እቲ ዝወደቐትሉ ከውሒ ድማ ቅልጽማን እግራን ጻሕቲርዋ’ዩ።
እቲ ኵነታት ፈተነ ጭውያ’ዩ ነይሩ።
ንሳን እቶም ነቲ ጭውያ ዝፈተኑ መንእሰያትን ብሓይልታት ጸጥታን ኣመሓዳሪ እቲ ከባቢን ተዓጂቦም ናብ ኣብ ቀረባ ዝርከብ መደበር ፖሊስ ተወሲዶም።
ኣባላት ምምሕዳር’ቲ ከባቢ "ኣጆኺ፡ በጺሕናልኪ ኣለና" እናበሉ ንብዓታ ክሕብሱ ከለዉ፡ ደጊቱ ህድኣት ተሰሚዕዋ።
እቶም ኣባላት ጸጥታ፡ ኣቦኣን ኣዲኣን መጺኦም ከም ዝወስድዋ’ውን ነገሮምዋ።
"ኣብታ ከተማ ኣብ ትርከብ ሓንቲ ንእሽቶ ገዛ ኣእትዮምኒ፡ ወለደይ ኣይመጹን፡ እናመሰየ ምስ ከደ ዝዀነ ፍርሒ ተሰሚዑኒ” ትብል ደጊቱ።
"ወለደይ ኣበይ ኣለዉ?" ኢላ ሓቲታ። ምምሕዳር’ታ ቁሸትን ሓይልታት ጸጥታን፡ ይመጹ ኣለዉ እናበልዋ ጸልማት ብብርሃን ተተኪኡ።
ብጽባሒቱ ሓይልታት ጸጥታ፡ እቲ ኣብ ቀይዲ ዝኣተወ ጨዋዪን መሻርኽቱን ከም ዝሃደሙ ሓቢሮምዋ።
ደጊቱ ብዘይምእማን ዳርጋ ሓሚማ፤ እናበኸየት ኣቦኣ መጺኡ ክወስዳ ለሚና። ክመጽእ’ዩ ካብ ምባል ሓሊፉ ዝረኸበቶ ኣይነበረን።
ብድሕሪኡ እቲ ዝጨወያ ምስ መሻርኽቱ መጺኦም ክወስዳ ተገይሩ።
ደጊቱ ክተእውይ ጀሚራ። ህዝቢ’ቲ ከባቢ ወጺኡ ነቶም መራሕቲ እቲ ቁሸት ንምንታይ ከምኡ ትገብሩ ክብል ሓቲቱ፤ መልሲ ግን ኣይረኸበን።
እቶም ጨወይቲ፡ ንደጊቱ ሒዞም ኣብቲ ከባቢ ናብ ዝርከብ ጫካ ወሰዶምዋ።
ኣዲኣ ሓራስ’ያ ነይራ፤ እንተዀነ ጓላ ከም ዝተጨወየት ምስ ሰምዐት፡ ዕሸላ ገዲፋ ጥራሕ እግራ ናብ እንዳ’ቶም መራሕቲ ጎይያ ከይዳ። ይኹን’ምበር፡ ዝሰምዓ ሰብ ኣይረኸበትን።
እቶም ጨወይቲ ካብ ፖሊስ ይኹን ካብቶም መራሕቲ’ቲ ከባቢ ዘጋጠሞም ተቓውሞ ስለዘይነበረ፡ ንደጊቱ ከም ዝደለይዎ ሃሪሞምዋ። ኣብቲ ጫካ ብቲ ዝጨወያ ሰብ ተዓሚጻ።
ኣደ ሽዱሽተ ኣዋልድ ዝዀነት ኣዲኣ ወይዘሮ ብዙነሽ ኣርጊሶ፡ እንኮ ንብረታ ከብቲ እዮም ነይሮም፤ ስለዝዀነ ድማ ሐንቲ ምራኽ ሸይጣ፡ መመልከቲ ኣጽሒፋ . . . ክሲ መስሪታ።
እቶም ሓይልታት ጸጥታ ግን፡ እታ ኣደ "ጓለይ ድለዩለይ፡ ንሞተር ብሽክለታ ይኹነኩም" እናበለት እትህቦም ገንዘብ እናተቐበሉ ነቶም ጨወይቲ ሓበሬታ የቐብሉን ክሃድሙ ይገብሩን ከም ዝነበሩ ስድራቤት ደጊቱ ትገልጽ።
እቲ ጨዋዪን መሻርኽቱን’ውን ዝተሓብኡሉ ጫካ ኣንለወጡ ኣሰርኦም የጥፍኡ ነይሮም። "ኣብ ሓደ መዓልቲ ኣርባዕተ ወይ ሓሙሽተ ጫካ ዝቐየርናሉ እዋናት ኣሎ" ክትብል ንቢቢሲ ሓቢራ።
"ዋላ ክሸይን ካብ ዓይኖም ክርሕቕ ኣይፈቐዱለይን" ብምባል ደጊቱ ተዘክሮኣ ተካፍል። ብከምዚ ኵነታት እናደኸመት ምስ ከደት፡ ዘምጽኡላ መግቢ ኣይበልዕን ክትብል ጀሚራ።
ስለምንታይ ናብ ገዝኡ ዘይወሰደኪ? ሕቶ ቢቢሲ እዩ ነይሩ።
“ኣብቲ እዋን እቲ፡ ኣደይ ክሲ ኣቕሪባ ነይራ። ኣነ እውን ኣይተሰማማዕኩን። ገዝኡ እንተ ወሲዱኒ ፖሊስ መጺኦም ክኣስርዎ እዮም። ንዕኡ እዩ ዝኸውን” ትብል ደጊቱ።
“ክሳዕ ሽዑ ኣቦይ፡ ጓለይ’የ ዝደሊ ይብል ነይሩ። ኣደይ’ውን ኣይተሰማምዐትን። ነቲ መውስቦ [ልመና ሽማግለታት] ኣይተቐበሉን።"
ደጊቱ ንኽልተ ወርሒ ኣብ ጫካ ክትቅመጥ ከላ፡ ዓበይቲ ዓዲ ብተደጋጋሚ ንስድራኣ ይልምኑ ነይሮም። ኣብ መወዳእታ እቶም ሽማግለታት ዘምጽእዎም ህያባት ተቐቢሎም።
ኣቦ እቲ ጨዋዪ ምስ ኣቦ ደጊቱ ተዓሪቖም።
ኣብዚ እዋን እዚ፡ ደጊቱ እንኮ ተስፋኣ ባዕላ ከም ዝዀነት ተረዲኣ።
ኣቦኣ ምስቶም ሽማግለታት ከም ዝተሰማምዐ ምስ ሰምዐት፡ ነቲ ዝቐረበላ መግቢ ክትበልዕን ምስቲ ጨዋያኣ ብሕያውነት ክተውግዕን ጀሚራ።
እዚ ድማ ነቶም መንእሰያት ክዘናግዑ ገይሩ፤ እቲ ዝጨወያ መንእሰይ’ውን ናብ ገዛ ስድራቤቱ ወሲድዋ።
“ኣብ ገዛ ኣዲኡ በጺሕና፤ ከባቢ ሰዓት 12 ስለ ዝነበረ ክሽን ደልየ ኢለ ናብ ድሕሪት ገዛ ከይደ” ትብል።
እታ ስድራቤት ነታ ሓድሽ ጋሻ ክትቅበል ብታሕጓስ እናሓንበበት ከላ ግን ደጊቱ ካብቲ ክትሽነን ዝኸደትሉ ቦታ ሃዲማ። ብጫካ ገይራ ብዙሕ ጎይያ።
ድሕሪ ናይ ክልተ መዓልቲ ጉዕዞ ኣብ ወረዳ ጭሪ ምስ በጽሐት፡ ናብ መደበር ፖሊስ ኣቕኒዓ።
ኣቦኣ ምስ ስድራ ጨዋየይ ተሰማሚዑ መውስቦ እኳ እንተተቐበለ፡ ኣዲኣ ግን ከም ዘይትሰማማዕ ተስፋ ነይርዋ።
ግን ኣብ ኣብኡ ከላ፡ እቲ ጨዋዪ፡ ኣሕዋቱ፡ ኣቡኡን መሻርኽቱን ብሓባር መጺኦም።
እታ ጓል ጥርዓና ዝሰምዕን ንዝበደላ ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር ሕጊ ዘእቱ ኣካልን ኣይረኸበትን።
ሓደ ኣባል ሓይልታት ጸጥታ፡ ኣብቲ ከተማ ኣዝማድ እንተሃልዩዋ ሓቲቱ እወ ምስ በለቶ ምስ ዘመዳ ኣራኺብዋ።
ኣቡኣ ናብ እንዳ ዘመዱ ከም ዝኣተወት ምስ ሰምዐ፡ መጺኡ ተመለሲ ክብል ኣጠንቀቕዋ።
ብተወሳኺ፡ ኣዲኣ ነቲ ክሲ ክትስሕብ ስለዘጠንቀቓ፡ ኣዲኣ ናብኣ እናመጸት ክትበኪ ነይራ።
ደጊቱ ግን ኢዳ ኣይሃበትን።
እቲ ዘጸጋዓ ዘመዳ ብሰንካ ምስ ኣዝማዱ ክፈላለ ተገዲዱ።
ድሕሪ ሓደ ወርሒ፡ ናብ ሃዋሳ ከይዳ ምስ ቤት ጽሕፈት ጉዳይ ደቂ ኣንስትዮ ተራኺባ።
እቲ ቤት ጽሕፈት ኣብታ ከተማ ኣብ ዝርከብ መዕረፊ ደቂ ኣንስትዮ ኣቐሚጥዋ፤ ጉዳያ’ውን ምክትታል ጀሚሩ።
እታ ኣብ 2004 ጭውያ ኣጋጢምዋ ዝተዓመጸት ደጊቱ ክሳዕ 2005 ዝዀነ ፍትሒ ኣይረኸበትን።
ብድሕሪ'ዚ ካብ ሻሙናይ ክፍሊ ዘቋረጸቶ ትምህርቲ ክትቅጽል ድሌት ስለዝነበራ ኣብ ከተማ ይርጋለም ኣብ ዝርከብ ማእከል ታሊታ ራይዝ ኣፕ ተጸንቢራ። እዚ ማእከል ንጾታዊ ዓመጽ ተቓላዕቲ ዝዀና ደቂ ኣንስትዮ ብምዕቋብ ንፍትሒ ዝቃለስ ትካል’ዩ።
ደጊቱ ካብ ዝተፈላለዩ ዝተጠርጠሩ ሕማማት ናጻ ምዃና ኣረጋጊጻ ትምህርታ’ውን ክትቅጽል ተገይራ።
ይኹን’ምበር ፍትሒ ንምርካብ ምስ ደቂ ኣንስትዮን ህፃናትን እቲ ዞባ ንሓያሎ ዓመታት ዝገበረቶ ጻዕሪ ኣይተዓወተትን።
ስድራ እቲ ጨወይቲ ብዙሕ ገንዘብ ብምውፋር፡ ጉቦ ብምሃብ፡ ደብዳበ ብምጽሓፍን ምፍርራሕን ከይተረፈ ፍትሒ ክትረክብ ክገብርዋ ከም ዘይከኣሉ ትዛረብ።
እቲ ጨዋዪ ምፍርራሕ ምስ ኣብዝሐ፡ ደጊቱ ናብ ኣዲስ ኣበባ ተላኢኻ። ደጊቱ ኣዲስ ኣበባ ምስ ኣተወት ምስ ስድራኣ ዝነበራ ርክብ ተቛሪጹ። ንሳ ግን ኣብ ትምህርታ ኣተኲራ።
ካልኣይ ደረጃ ትምህርታ ምስ ወድአት ብዛዕባ ኵነታት ስድራኣ ምስ ሓተተት ካልአይቲ ሓፍታ ተጨውያ ከም ዝተመርዓወት ሰሚዓ።
ሳልሰይቲ ሓፍታ ክትጭወ ከም እትኽእል ምስ ሰምዐት ድማ፡ ሓፍታ ኣብ ወረዳ ጭሪ ተቖጺራ ስራሕ ክትጅምር ገይራ።
ኣደ ደጊቱ ነቲ ክሲ ንምቁራጽ ብዘይምስምምዓ፡ እቶም ናይቲ ከባቢ ሽማግለታት እውን ካብቲ ትውፊት ወጻኢ ኰይንኪ ኢሎም ክትግለል ገይሮም።
ኣብ ማሕበራዊ ህይወት ምስ ካልኦት ክትጽንበር ኣይፍቀደላን፤ ዝሰርሓቶ መግቢ’ውን ዝበልዕ ዝዀነ ሰብ ኣይነበረን።
ብድሕሪ’ዚ ምስ ብዓልቤታ ናብ ግጭት ኣትያ፤ ብዓልቤታ ካልአይቲ ሰበይቲ ተመርዕዩ፡ ወዲ’ውን ወሊደ። በዚ ምኽንያት ድማ ኹሉ ንብረቱ ነታ ካልአይቲ ሰበይቲ ኣረኪቡዋ።
ወይዘሮ ብዙነሽ ሰለስተ ውላድ ሒዛ ትነብረሉ ዝነበረት ገዛ ባዲሙ፤ ቀዳመይቲ ውላዳ ሃለዋታ የለን፡ ካልአይቲ ውላዳ ተጨውያ፡ ሳልሰይቲ ውላዳ ካብ ዓዲ ግዒዛ።
ብሰንኪ’ዚ ኣእምሮኣ ተረቢሹ።
ጽልልቲ ተባሂላ ገዛ ዘካርያ ስለዝሰኣነት ድማ ካብ ከተማ ወጻኢ ገዛ ክትከራየላ ከም ዝተገደደት ደጊቱ ትዛረብ፡ ንኣዲኣ ክትሕክማ ናብ ይርጋለም ከም ዘምጽአታ’ውን ትገልጽ።
ንሳ፡ ኣሓታ'ውን ናብ ይርጋለም ከም ዘምጸአት ትሕብር።
ደጊቱ ኣብዚ ሕጂ እዋን ትምህርታ ወዲኣ ብሕሳብ ናይ መጀመርያ ዲግሪ ረኺባ ኣብቲ ዘዕበያ ትካል ከም ኣካውንታንት ኰይና እናሰርሐት ትርከብ።