እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ፀጋታት ቱሪዝም ትግራይ ዘላሊ ምርኢት ስእሊ ኣብ ናይሮቢ
ኣብ ትግራይ ዘለው መስሕባት ቱሪዝም ንበፃሕቲ ዓድን መራሕቲ ኣጋይሽ ወፃእን ንምልላይ ዝዓለመ ምርኢት ስእሊ ፀጋታት ቱሪዝም ትግራይ ኣብ ናይሮቢ-ኬንያ ተኻይዱ።
ኣብቲ ብ’ኣፍሪካ ቱር ጋይድ’ ዝተዳለወ ምርኢት ስእሊ፡ ኣብቲ ክልል ዝርከቡ ጥንታውን ታሪኻውን ሓድግታት፣ ባህላዊ መግብታትን በዓላትን ዘርእዩ ኣስታት 45 ስእልታት ቀሪቦም።
ኣዳላዊት እቲ ምርኢት ስእልን መስራቲት ‘ኣፍሪካ ቱር ጋይድ’ን ዝዀነት ንግስቲ ሰለሞን፣ መስራቲ 'ሓድጊ ቱሪዝም' ዓንዶም ገብረየሱስ፣ መስራቲ ትግራይ ‘ማውንቴይን ትሬኪንግ’ ሓጐስ ገብረማርያምን ካልኦት ውልቀሰባትን ዝስኣሉዎም ስእልታት’ዮም ቀሪቦም።
ዕላማ እቲ ምርኢት ስእሊ፡ እቲ ብሰንኪ እቲ ንኽልተ ዓመታት ዝተኻየደ ኲናት ትግራይ ዝተሃስየ ኢንዳስትሪ ቱሪዝም እቲ ክልል ንምንቕቓሕን ምንቅስቓስ በጻሕቲ ዓዲ ንምትብባዕን ምዃኑ፡ ኣዳላዊት እቲ መድረኽ ንግስቲ ንቢቢሲ ገሊጻ።
“ድሕሪ ኲናት፡ ኣብ ትግራይ ዘሎ ምንቅስቓስ በጻሕቲ ዓዲ ከምቲ ዝድለ ኣይኰነን፤ ብደገ ዘለው በጻሕቲ’ውን ብዛዕባ ትግራይ ዝፈልጡዎ ነገር የለን። ሕዚ ብዛዕባ እቲ ኲናት ጥራይ’ዩ ኣብ ርእሶም ዘሎ። ስለዚ ከም ብሓዱሽ ቱሪዝም ትግራይ ንምንቕቓሕ ብዓቕመይ ክፈጥሮ ዝኽእል መንፈስ እንተሎ ብዝብል’የ ኣዳልየዮ” ትብል።
ብተወሳኺ፡ “ኩሎም ኣፍሪቃውያን ኣብ ትግራይ ዘሎ ሃፍቲ ኣይፈልጡን፤ ናብ ኢትዮጵያ ክመጽኡ እንከለው ድማ ትግራይ ከይረገጹ ክኸዱ ኣይደልን፤ ምኽንያቱ ትግራይ መሰረት ስልጣነ ኣፍሪቃውያን ስለ ዝዀነት። በዚ ምኽንያት ተዓጽዩ ክተርፍ የብሉን ብዝብል እየ ኣብ ናይሮቢ ከዳልዎ መሪጸ” ኢላ።
ኣብ ኣፍሪቃ፡ ኬንያን ታንዛንያን ብልዑል ዋሕዚ ቱሪዝም ዝፍለጣ ሃገራት እየን። እቲ ምርኢት ስእሊ ድማ፡ ኣብ ናይሮቢ ካብ ዘለው ኣወሃሃድትን መራሕትን ጉዕዞ በጻሕቲ ዓድን ክኢላታት ቱሪዝምን ተሞክሮ ንምውሳድ’ውን ዝዓለመ ምንባሩ ንግስቲ ገሊጻ።
እቲ ንኽልተ ዓመታት ዝተኻየደ ደማዊ ኲናት ትግራይ፡ ኣብ ሰብን ንብረትን ካብ ዘስዓቦ ዕንወትን ብርሰትን ብዝሰገረ ነቲ ብቐጥታን ብተዘዋዋርን ንብርክት ዝበሉ ሰባት ሒዙ ዝጸንሐ ዓውዲ ቱሪዝም እቲ ክልል’ውን ሃስዩዎ ይርከብ።
ኣብ ዝሓለፉ ኣዋርሕ ንሰብመዚ ቱሪዝም ኢትዮጵያ ብምጥቃስ ዝወጽኡ ጸብጻባት፡ ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ብሰንኪ ለበዳ ኮቪድ-19 ከምኡ’ውን ኣብ ክልል ትግራይ ዝተኻየደ ኲናትን ስዒቡ፡ እቲ ኢንዱስትሪ ክልተ ቢልዮን ዶላር ከም ዝኸሰረ የመልክቱ።
እቲ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ወርሒ ሕዳር ኣብ መንጐ መንግስቲ ፌደራልን መራሕቲ ትግራይን ዝተበጽሐ ስምምዕ ምቁራጽ ተጻብኦታት ስዒቡ ድማ፡ ሚኒስትሪ ቱሪዝም እቲ ብኲናት ሓድሕድ እታ ሃገር ዝተጸልወ ኢንዳስትሪ ዳግማይ ንክትንስእ ጻዕርታት ይገብር ከም ዘሎ ይግለጽ።
ቢሮ ቱሪዝም ትግራይ’ውን፡ ገለ ካብቶም ግዳያት እቲ ኲናት ዝዀኑ መስሕባት በጻሕቲ ዓድን ንዕኦም ዘአንግዱ ቦታታትን ዳግም ናብ ኣገልግሎት ክምለሱ ንምግባር ስልጠናታት ብምሃብ፣ ድሕነት እቶም ቦታታት ዝተረጋገጸ ክኸውን ኣብ ምግባርን ምንቅስቓስ ቱሪዝም እቲ ክልል ናብ ንቡር ንምምላስን ዘኽእሉ ስራሕቲ ክሰርሕ ከም ዝጸንሐ ይግለጽ።