እቲ ውልቀ-መላኺ ካብ ስልጥን ንምውራድ ዝሓገዘ ራፐር

ቱኒዝያዊ ራፐር ኣል ጀነራል ‘ረ'ኢስ ሊ'በለድ’ ወይ ‘ሚስተር ፕረዚደንት’ ዝብል ትረጕም ዘለዎ ዜማኡ ኣዝዩ ኣብ ዝገነነሉ እዋን፡ ወዲ 21 ዓመት ጥራይ እዩ ነይሩ - ኣብ መወዳእታ 2010።

ኣብ ጸልማትን ጎሓፍ ዝመለኦን ጎደና ደው ኢሉ - ቅድሚኡ ዝዀነ ሰብ ብዘይደፈሮ መንገዲ- ናብቲ ናይ ሽዑ ውልቀ መላኺ እታ ሃገር ዝነበረ ዜን ኣል-ዓቢዲን ቤን ዓሊ - ብሲዑ ኣትዩዎ።

ብወለዱ ዝተዋህቦ ስም፡ ‘ሓማዳ ቤን ዓምር’ ዝዀነ፡ ሓዊ ሓዊ ዝጨኑ ዝነበረ መንእሰይ፡ እታ ነትጒ ዝኾነት ደርፉ፡ ንቍጠዐ፣ ብስጭትን ተስፋ ምቑራጽን ሓደ ምሉእ ወለዶ ድምጺ ዀይና።

"ሳዕቤን ከም ዝህሉዋ ፈሊጠ ነይረ፡ እዚ ድማ ብሰንኪ ንእስነተይ ኣፍሪሑኒ። እቲ ዝገበርክዎ ሓደገኛ ምዃኑ ተረዲኡኒ" ክብል ንቢቢሲ ይገልጽ።

ኣ'ጀነራል ቀልጢፉ ፍሉጥ ይኸውን ነይሩ፤ ግን ቆቢዕ 'ቤዝቦል' ካብ ግንባሩ ንታሕቲ ድፍእ ኣቢሉ ስለዝረአ፡ ሓቀኛ መንነቱ ዝፈልጡ ውሑዳት እዮም ነይሮም።

ይዅን እምበር፡ ኣብ መላእ ሃገር ደርፉ እናዜሙ ዝጭርሑ ዝነበሩ ሰልፈኛታት ስለዝበዝሑ፡ ኣብ መወዳእታ ቆቢዕ ኣ'ጀነራል ተቐሊዓ፡ ኣብ ቀይዲ ኣትዩ።

"እዚ መወዳእታ ህይወተይ መሲሉኒ ነይሩ። ምኽንያቱ ኣብቲ እዋን'ቲ ኣብ ሚኒስትሪ ውሽጣዊ ጉዳያት እንተ ኣቲኻ ዳግማይ ኣይትወጽእን ኢኻ ነይርካ።"

እንተዀነ፡ እግዚኣብሄር ይመስገን፡ ምናልባት እውን ብዘገርም ኣጋጣሚ፡ ኣ'ጀነራል ድሕሪ ቅሩብ መዓልታት ሓራ ወጺኡ።

ኣብቲ እዋን እታ ደርፉ ኣብ ቱኒዝያ ናይ ‘እምብለይ’ ዜማ ጥራይ ዘይኮነትስ፡ ኣብ መላእ ማእከላይ ምብራቕ -ካብ ጐደናታት ግብጺ ክሳብ ባሕሬን ንዝነበሩ ደለይቲ ዲሞክራሲ ዝዀኑ ሰልፈኛታት ጻውዒት ምትእኽኻብ ኰይና ነበረት።

ገጽ ኣ'ጀነራል ኣብ ቀዳማይ ገጽ መጽሔት ታይም ተኾሊዑ ወጺኡ። መጽሔት ታይም፡ ካብ 100 ጸለውቲ ሰባት ዓለም ገይራ ሓርያቶ።

ኣብ መፋርቕ ጥሪ 2011፡ ቤን ዓሊ ካብታ ሃገር ሃዲሙ።

ኣ'ጀነራልን ኵሎም እቶም ኣብቲ ብ 'ጃስሚን ሪቮሉሽን’ ዝፍለጥ ዝነበረ ናብ ጐደናታት ዝወጹን ሰልፈኛታት ተዓዊቶም ነይሮም።

እቲ ዘሕዝን ግን ዲሞክራሲ ንብዙሓት ኣብ ቱኒዝያ ከምቲ ዝተጸበዩዎ ዘይኰነ፡ ዓቢ ተስፋ ምቝራጽ ኣስዒቡ።

ዘይከምተን ኣብ እዋን ‘ጽድያ ዓረብ’ ዝተልዓላ ካልኦት ሃገራት፡ ተኸታተልቲ መንግስታት ንዕጫ መብዛሕትኦም ቱኒዝያውያን ንምምሕያሽ ብዙሕ ኣይገበሩን።

መብዛሕትኦም ፖለቲከኛታት ነቲ ንቑልቁል-ኣፉ ዝድፋእ ዝነበረ ቁጠባ ካብ ምድሓን ንላዕሊ ኣብ ትርጕም ዘይብሉ ምትህልላኽን ናይ ገዛእ ርእሶም ኣገዳስነትን ከተኵሩ ተራእዮም።

ዲሞክራሲ ማለት፡ ብብዙሓት ምስ ስርዓት ኣልቦነት፡ ፖለቲካዊ ዕንቀፋት ምፍራስ ሕግን ስርዓትን ተመሳሳሊ ትርጉም ዘለዎ ኰይኑ ክረአ ግዜ ኣይወሰደሉን።

እዚ ዅሉ ኰይኑ፡ ኣብ ፕረዚደንታዊ መረጻ 2019፡ ካይስ ሰይድ ብዓቢ ዓወት ክምረጽ ክኢሉ።

እቲ መላጥ፡ ፕሮፌሰር ሕጊ ነበር፡ ነታ ሃገር ካብ ፖለቲካውን ቍጠባውን ህውከት ከድሕና ቃል ኣትዩ።

እቲ ስዒቡ ዝገበሮ ግን፡ ከምቲ ብነቐፍቱ ምስ ‘ዕልዋ መንግስቲ’ ዝመሳሰል ኰይኑ ተሪፉ።

እቲ ፕረዚደንት፡ ኣብ ሓምለ 2021 ነቲ ባይቶ ድሕሪ ምእጋዱ፡ ንነብሱ ብኣዋጅ ክገዝእ ስልጣን ሂቡ። ድሕሪኡ ነዊሕ ከይጸንሐ ነቲ ባይቶ በቲንዎ።

ካብኡ ንደሓር ድማ ብዝደኸመ ባይቶ ተተኪኡ፡ ብዓቢኡ ነቲ ፕረዚደንት ናይ ምቅዋም ስልጣን ኣይነበሮን።

ሚስተር ሰይድ ቀጺሉ ነቲ ንናጽነት ኣብያተ ፍርዲ ዝሕሉ ዝነበረ ላዕለዋይ ቤት ምኽሪ ፍርዲ ኣፍሪሱ፡ ልዕሊ 50 ዳያኑ ካብ ስራሕ ኣባሪሩ።

ሚስተር ካይስ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ነቲ ብመብዛሕትኦም ተቓወምቲ ጕጅለታት ዝተነቕፈ ረፈረንደም ድሕሪ ምዕዋቱ ነቲ ቅዋም ዳግማይ ከም ዝመሓየሽ ብምግባር ዝያዳ ስልጣን ንነብሱ ደሊቡ።

ቀጺሉ ካብ ፖለቲከኛታት፡ ጠበቓታትን ጋዜጠኛታትን ክሳብ ምሁራትን ደለይቲ ፍትሕን ብዓሰርተታት ዝቝጸሩ ተቓወምቱ ምእሳር ጀሚሩ።

ንኣ'ጀነራል፡ ሰዓት ናብቲ ፍርሕን ዓፈናን ዝነበረሉ እዋን ተመሊሳ ትቖጽር ዘላ ትመስል።

"ካብ ዝነ እዋን ንላዕሊ ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር ኣለና። ኣብ ህሉው ኩነታት ዲና ንነብር ዘለና ወይስ ኣብ 2010 ተመሊስና- ኣይፈልጥን። ኣነ ሓደ ካብቶም ብዙሓት ሃገርና ኣብ ሓደጋ ከምዘላ ዝስምዖም እየ። ሕጂ'ውን ኣብ ስንባደ ኢና ዘለና። በዚ ደረጃ ዓፈና ክመጽእ ትጽቢትና ኣይነበረን"።

ሚስተር ሰይድ ብዓቢኡ ተቓውሞ ኣብ ምዕፋን ውጽኢታዊ ክኸውን እንከሎ፡ ዋጋታት ኣብ ምውራድ ግን ኣይከኣለን።

ዝቕባበ ዋጋ፡ ንብዙሓት መግብታት ዘይትንከፉ ገይሩዎም ኣሎ፤ ከም ሩዝ፡ ሽኮርን ዘይትን ዝኣመሰሉ ቀንዲ መግብታት ድማ ከቢድ ሕጽረት ኣሎ።

እዚ ዅሉ፡ ንገለ ሰባት መግቢ ንምርካብ ኣብ ወሰን ጽርግያ ዝርከብ ጐሓፍ ክዛውኑ የገድዶም ከምዘሎ ሓደ ሸያጢ ዕዳጋ ኣመልኪቱ።

ምውሳኽ ድኽነት ካብቲ ብፍላይ ሽቕለት ኣልቦነት መንእሰያት ዝበዝሐሉ ርእሰ ከተማ ቱኒዝ ኣብ እትርከብ ኣብ ቃልሲ እትርከብ ከባቢ ኤታድሃመን ዝያዳ ርኡይ ዝዀነሉ ቦታ የለን።

ምጥቃም ሓሽሽ እናዓበየ ምስ ከደ ንቡር እናዀነ መጺኡ ኣሎ።

ካልኦት ኣሽሓት ተስፋ ዝቖረጹ ቱኒዝያውያን፡ ምስቶም ካብ ትሕቲ ሰሃራ ኣፍሪቃ ዝመጹ ስደተኛታት እናወሰኸ ዝኸይድ ዘሎ ብምጽንባር፡ ብንኣሽቱ ጀላቡ ናብ ኣውሮጳ ንምብጻሕ ይጽዕሩ ኣለዉ።

እቲ ዘሕዝን ብዙሓት ኣይበጽሕዎን እዮም፤ ካብ 2014 ጀሚሩ ኣስታት 28 ሽሕ ሰባት ብዘይሕጋዊ መንገዲ ንማእከላይ ባሕሪ ክሰግሩ ኣብ ዝፈተኑሉ እዋን ሞይቶም።

ብዙሓት ካብቲ ኣዝዩ ሓደገኛ ጕዕዞ ይድሕኑ እዮም። ክሳብ ሕጂ ኣብዚ ዓመት ልዕሊ 60 ሽሕ ስደተኛታት ናብ ኢጣልያ ኣትዮም፡ እዚ ድማ ካብቲ ኣብ 2022 ዝነበረ ተመሳሳሊ እዋን ብዕጽፊ ዝዛይድ እዩ።

ቁጽሪ እናወሰኸ ምስ ከደ፡ ሕብረት ኣውሮጳ ነዚ ዋሕዚ ደው ንምባል ይጽዕር ኣሎ። እዚ ንመራሒ ቱኒዝያ ኣዝዩ ሰፊሕ ኣታዊ ዘምጽእ ምዃኑ ይርአ ኣሎ።

ኣብ መጀመርታ ናይዚ ዓመት ከም ሓላዊ ዶብ ኣውሮጳ ኰይኑ ክሰርሕ ፍቓደኛ ከምዘይኰን እኳ እንተገለጸ፡ ኣብ መጀመርታ ናይዚ ሰሙን ሚስተር ሰይድ፡ ንንግዲ ዘይሕጋዊ ምስግጋር ህዝቢ ቱኒዝያ ንምምካት ዝሕግዝ ኣስታት 118 ሚልዮን ዶላር (90 ሚልዮን ፓውንድ) ካብ ሕብረት ኣውሮጳ ተቐቢሉ ኣሎ።

ተወሳኺ ሓደ ቢልዮን ዶላር ብሕብረት ኣውሮጳ ኣብ ቱኒዝያ ንወፍሪ ይቐርብ ኣሎ። እዚ ግን ምስ ካብ ኣይኤምኤፍ ዝቐርበሉ ናይ 2 ቢልዮን ዶላር ልቓሕ ፓኬጅ ዝምርኮስ እዩ።

እቲ ናይ IMF ስምምዕ፡ ብዙሕ ወጻኢታት ዝሓትት ድጎማታት ክቖርጽን ንጥፈታት መንግስቲ ከጉድሎን ዝጠልብ እዩ።

ሚስተር ሰይድ ኣዝዩ ተፈታዊ ከምዘይገብሮ ስለዝፈልጥ፡ እዚ ካልእ ናዕቢ ከይተረፈ ከስዕበሉ ከምዝኽእል ይጥርጥር እዩ።

ንግዚኡ እንተወሓደ ብዘገርም መልክዑ ተፈታዊ ኮይኑ ይቕጽል ኣሎ።

ዋላ'ኳ ብዛዕባ እታ ሃገር ዝወስዶ ዘሎ ኣንፈት ኣዝዮም ዝጭነቑ ሰባት ቍጽሮም እናወሰኸ እንተመጸ።

እዚኦም፡ ብዛዕባ ስደተኛታት ዘስመዖም ተዃሳሕቲ መደረታት፡ ምእሳር ፖለቲካዊ ተቓወምቲ፣ ክሳብ ኮነ ኢልካ ንባይቶን ፍርዳዊ ኣካልን ምድኻሙ ንመጻኢ የተሓሳስቦም ኣሎ።

ሓደ ካብዚኦም፡ ኣ' ጀነራል እዩ። ንሱ ተመርዕዩ ስድራኡ ከዕቢ ጀሚሩ ኣሎ።

እቲ ናይ ቀደም መለዓዓሊ ናዕቢ፡ ሕጂ ኣብ ሓደ ካብቶም ብሉጻት ከባቢታት ቱኒዝ ኣብ ዝርከብ ዓቢ ክቡር ገዛ ይነብር ኣሎ።

ኣብ ሃገሩ ከም ብሓድሽ እናዓበየ ዝኸይድ ዘሎ ዓፈናን ውድቀትን ድሕሪ ምርኣዩ፡ እቲ ራፐር ናብ ምጽሓፍ ደርፊ ክምለስ ግዴታ ከም ዝተሰምዖ ይዛረብ።

ግጥሚ ናይታ ዳሕረወይቲ ዝወጸት ደርፊ፡ ነቐፌታ ሚስተር ሰይድ ከምዘጠቓልል ይጽዕር፤ ዋላ'ኳ ኣብዚ ግዜ እዚ ብርግጽ ናዕቢ ዘለዓዕል እንተዘይኰነ።

ኣ'ጀነራል ነዚ ቃልሲ ንሓድሽ ወለዶ ራፐራት ምግዳፉ ዝሓሰበ ይመስል።

"ኣ'ጀነራል ኵሉ ግዜ ኣ'ጀነራል ክኸውን'ዩ፤ ምናልባት ግን ሕጂ ካባይ ንላዕሊ ሰውራዊ ክኸውን ዝኽእል ሰብ ክህሉ ይኽእል'ዩ።"