ኣብ ዓሌታዊ መጥቃዕቲ ዝተቐርቀሩ ኣፍሪቃውያን ስደተኛታት ኣብ ቱኒዝያ

ጓል ሓደ ዓመት ጓላ ኣብ ሕቖኣ ሓዚላ ኣብ ጽርግያ ደው ዝበለት ሉዊስ ፋሎን እቶም መሸፈኒ ኣፍን ኣፍንጫን ዝለበሱ መጥቃዕቲ ዝፈጸሙ ሰባት ኣብ ገማግም ባሕሪ ቱኒዝያ ኣብ እትርከብ ከተማ ስፋክስ ዝርከብ ገዝኣ ሰይሮም ብምእታው ዘባረርዋ ህሞት ትዝክር።

"ምንእሰያት ቱኒዝያ መጥቃዕቲ ዝፈጸምሉ ሰዓት 2'ዩ ነይሩ። ናባና እምኒ ደርብዮም፤ ናብ ጎሮሮይ ድማ ካራ ኣቕሪቦም" ትብል።

"ንጓለይ ሒዘ ብዘይ ክዳን ሃዲመ። እናጎየኹ ከለኹ ሓንቲ ቱኒዝያዊ ጎረቤተይ ኮቦርታ ደርብያትለይ"

"ገንዘበይ ወሲዶም ኩሉ ዝነበረና ሰቢሮምዎ"

ፋሎን ቅድሚ ሓደ ዓመት ኣቢሉ ዝሓሸ ቁጠባዊ ዕድላት ንምድላይ ካብ ኣይቮሪኮስት ዝመጸት ኮይና ኣብ እንዳ ቡን እያ ትሰርሕ።

ንሳ፡ ቅድሚ ሓደ ሰሙን ኣቢሉ ምስ ሓያሎ ካብ ትሕቲ ሰሃራ ኣፍሪቃ ዝመጽኡ ስደተኛታት ኣብ ዝነበረ ባእሲ ሓደ ወዲ 41 ዓመት ናይቲ ከባቢ ሰብኣይ ብኻራ ድሕሪ ምቕታሉ ኣብ ዘጋጠመ ጽልኢ ወጻእተኛታት ዘንቀሎ ዓመጽ መጥቃዕቲ በጺሕዋ እዩ።

ጉጅለ ጋዜጠኛታት ቢቢሲ ናብታ ከተማ እናተጓዕዘት ከላ ኣብታ መኪና ዝነበረ መጠን ሙቐት 40C (104F) በጺሑ ነይሩ። ኣብ ቅድሚት ዝረኣናዮ ነገር ድማ ኣብ ጥቓ እቲ ሓመድ ዝበዝሖ ጽርግያ ደው ኢሎም "ሰላም" ዝብል ምልክታት ዝሓዙ ብዙሓት ስደተኛታት እዮም።

ደቂ ዓዲ ኣብ መኪና ኮይኖም በቲ ከባቢ ክሓልፉ ከለዉ ደገፎም ንምግላጽ ድምጺ ጥሩምባ መኪና ይስማዕ ነበረ። ገሊኦም ደቂ ዓዲ ከኣ መግብን ማይን ክዕድሉ ርኢና።

ግን ድማ ኣብ ልዕሊ እዞም ስደተኛታት ዝነበረ ጽልኢ ገና ከምዘይተወገደ ዘጠራጥር ኣይነበረን።

ቪድዮታት ናይቲ መጥቃዕቲ ብሰፊሑ ተዘርጊሑ ኣሎ። ሓደ ካብቶም ቪድዮታት ድማ መሸፈኒ ኣፍን ኣፍንጫን ዝለበሰ ሓደ ፈጻሚ መጥቃዕቲ"ጸለምቲ ኣፍሪቃውያን ንዓናን ንደቂ ኣንስትዮናን ስግኣት እዮም" ኢሉ ክጭድርን ካልኦት ሰባት ነቶም ስደተኛታት ክሃርሙ ከለዓዕልን የርእይ።

ኣብ ካልእ ቪድዮ ድማ ሓደ ሰብኣይ "ነዞም ኩሎም ስደተኛታት ክንሰጎም ኣለና። ኣብዚ ክነብሩ ኣይንደልን" ኢሉ ብዓውታ ይዛረብ።

እዛ ከተማ ንምንታይ ናብ ከምዚ ዝኣመሰለ ዓመጽ ከም ዝወደቐት ንምርዳእ ምስቶም ኣማኢት ስደተኛታት ኣብ ደገ ኣብ እምኒ ደቂስና ሓደርና።

ብዙሓት ሰባት ኣብቲ ብ4 ሓምለ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ዝበጽሖም ምዃኑ ዝገለጹልና ዝርአ ኣካላዊ መጉዳእቲ ነይርዎም። ሓንቲ ነቲ ዝነበረ ብርቱዕ ሙቖት ክትጻወሮ ዘይክኣለት ሰበይቲ ዳርጋ ውነኣ ስሒታ ተገዲማ ትረአ።

ኣብታ መጥቃዕቲ ዝተፈጸመላ ምሸት ህጻናት ዝርከብዎም 25 ሰባት ናብ ሆስፒታል ኣትዮም ሕክምና ክረኽቡ ግድን ነይሩ። ሓደ ስደተኛ ድማ ክልቲኡ እግሩ ዝተሰብረ ወዲ 7 ዓመት ሓዉ ኣብ መንጎኦም ከምዝነበረ ይዛረብ።

ኣብቲ ቦታ ፖሊስ'ኳ እንተነበሩ ነቲ መጥቃዕቲ ንምቁጽጻር ምትእትታው ከምዘይገብሩ ኣብታ ምሸት ዝተቐድሐት ሓንቲ ቪድዮ ተረጋግጽ።

ርእይቶ ንምርካብ ብደተጋጋሚ ሕቶ'ኳ እንተቕረብና ፖሊስ ግን ክዛረበና ፍቓደኛ ኣይኮነን።

ይኹን እምበር ንጽባሒቱ ንግሆ ሰበስልጣን ንልዕሊ 100 ስደተኛታት ካብታ ከተማ ብሓይሊ ኣውጺኦም ናብ ዶብ ቱኒዝያን ሊብያን ብመኪና ብምፍናው ምላሽ ሂቦም።

ብድሕሪኡ ተወሰኽቲ 1000 ስደተኛታት ካብታ ከተማ ብሓይሊ ናብ ዶባት ሊብያን ኣልጀርያን ከምዝተወስዱ ከባቢያዊ ሰበስልጣን ቱኒዝያ ምዝራቦም ተሓቢሩ።

ኣብ ዶብ ቱኒዝያን ሊብያን ብዘለዉ ስደተኛታት ዝተቐድሑን ናብ ተጣባቒ መሰላት ሂዩማን ራይትስ ዎች (HRW) ዝተላእኹን ቪድዮታት፡ ሓያሎ ሰባት ክፉት ቁስልን ከቢድ ኣካላዊ መጉዳእትን ከምዘለዎም የርእዩ።

ብሰበስልጣን ከምዝተሃረሙ’ውን ይዛረቡ።

ሂዩማን ራይትስ ዎች እቶም ስደተኛታት፣ ሓተትቲ ዑቕባን ተማሃሮን "ጃምላዊ መቕጻዕቲ" ብዝበሃል ደረጃ ከምዝተባረሩ ይገልጽ። ገሊኦም ብሕጋዊ ገሊኦም ድማ ብዘይሓጋዊ መንገዲ ኣብ ቱኒዝያ ዝነብሩ ምዃኖም’ውን ወሲኹ ሓቢሩ።

ሰብመዚ ዶብ ነቲ ክሲ ብዝምልከት ርእይቶ ክህቡ ፍቓደኛታት ኣይኮኑን።

ይኹን'ምበር ፕረዚደንት ቱኒዝያ ካይስ ስዒድ ብቀዳም ኣብ ዘሕለፎ መልእኽቲ ኣብ ልዕሊ ስደተኛታት ዝተፈጸመ ሕማቕ ኣተሓሕዛ ንዝብል ክሲ ብምንጻግ እኳ ደኣስ ሓገዝ ይረኽቡ ከምዘለዉ ገሊጹ።

ሕጂ ኣብ ጎደናታት ከተማ ስፋክስ ተዛማዲ ሰላም ተመሊሱ ኣሎ። ግን ድማ ንብዙሓት እንዳ ቡን እታ ከተማ ብምርኣይ ነቲ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ምርግጋጽ ይከኣል።

ኣብቲ ከባቢ ወናኒት ድኳንን ተጣባቒት መሰላትን ሚርያም ብሪብሪ፡ በቲ ዝሓለፈ ሰሙን ዘጋጠመ ዓመጽ ከምዝተቖጥዐት ግን ከኣ ከምዘይገረማ ትዛረብ።

"ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ማዕበል ዓሌታዊ ቪድዮታት ነይሩ። ፍንፉን ጽሑፋት ይርኢ ነይረ። ስለዚ ከምዚ ዓይነት ምልዓል ናብ ዓመጽ ክሰጋገር ከምዝኽእል ስክፍታ ነይሩኒ" ትብል።

ንፕረዚደንት ሰይድ እውን ትወቅስ። ኣብ መጀመርታ ናይዚ ዓመት "ስደተኛታት ሃገራት ትሕተ ሰሃራ ኣፍሪቃ ‘ዓመጽን ገበንን’ ናብዛ ሃገር የምጽኡ ኣለዉ” ክብል ኣዝዩ ናዕቢ ዘጓሃሃር ርእይቶ ሂቡ ምንባሩ ይዝከር።

ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ከተማ ስፋክስ ንዝተፈጸመ ዓመጽ ብምጉህሃር ዝተነቕፈ ሓደ ተጠቃሲ ናይ ፌስቡክ ኣካውንት ‘ሳይብ-ኤትሮቶየር’ ዝበሃል ኮይኑ፡ ትርጉሙ ድማ "ማርሻቤዲታት ኣጽርዩ" ማለት እዩ።

ሒደት መዓልታት ቅድሚ እቲ መጥቃዕቲ ኣብቲ ፌስቡክ ዝጥቅዑ ዝነበሩ መልእኽትታት፡ ከተማ ስፋክስ ካብቶም ስደተኛታት "ክትድሕን" ከምዘለዋ ዝጣበቑ ጽሑፋት ነይሮም።

ተቐጻጻሪ ናይቲ ኣብ ፌስቡክ ዘሎ ጉጅለን ፍሉጥ ጸላውን ዚድ ማሎውሊ፡ እቶም ጽሑፋት ንዓመጽ ዘጓሃህሩ ነይሮም ንዝብል ክሲ ብትሪ ይነጽጎ።

ምስ ቢቢሲ ኣብ ዝገበሮ ቃለ መሕትት ድማ ሰባት ንምንታይ ኣብታ ለይቲ እቲኣ ናብ ጎደናታት ወጺኦም ኣብ ዝብል ጥራይ ርእይቶ ክህብ ከምዝኽእል ገሊጹ።

"ንዓኣቶም ናይ ሓርነት ጉዳይ እዩ ነይሩ። ስደተኛታት ንዓዶም ከምዝተቖጻጸሩን ኣብዚ ክሰፍሩ ምዃኖምን ስለዝሓሰቡ እዩ"

ኣብ ቀጻሊ እንታይ ክኸውን ከምዝግባእ ንጹር ሓሳብ ኣለዎ።

"እቲ ቅልጡፍ ፍታሕ ዝኸውን ሰበስልጣን ንኹሎም ኣብ ማእከል ከተማ ስፋክስ ዝርከቡ ሰባት ኣኪቦም ናብ ሃገሮም ክሰጉዎምን ናብ መዓስከር ከእትውዎምን እዩ" ይብል ማሎውሊ።

ኣብ ማእከል ከተማ ስፋክስ ኣብ ጥቓ ንእሽቶ መአከቢ ጎሓፍ ኣስታት 300 ስደተኛታት ካብታ ካብ ገዝኦም ዝተባረሩላ መዓልቲ ንደሓር መዓስከር ሰሪሖም ይነብሩ ኣለዉ።

ብዘይካ ዝድቅሱሉ ካርቶን ከምኡ’ውን ካብታ ብርትዕቲ ጸሓይ ዘጽልሉለን ውሑዳት ኣግራብ ካልእ የብሎምን። ካብቲ መጉሓፊ ዝወጽእ ናይ ዝበስበሰ መግቢ ጨና ድማ ከቢብዎም ኣሎ።

"ካልእ እንጸንሐሉ ቦታ ስለዘይብልና ኣብዚ ምስ ስድራይ ኣርባዕተ መዓልታት ኣሕሊፈ ኣለኹ። ኣዝየ ደኺመ ኣለኹ። ተስፋ ምቁራጽ'ውን ይስምዓኒ ኣሎ" ትብል ሚርያም ዝተባህለት ኣደ ክልተ ቆልዑ ካብ ሴራሊዮን።

ወሲኻ ድማ ዘይከኣል እኳ እንተኾነ ንኽትምለስ ዝሕግዛ ልቓሕ ኣብ እትደልየሉ ደረጃ በጺሓ ከምዝበጽሐት ትዛረብ።

ኣብዚ እዋን እቶም ካብ ገዝኦም ዝተሰጎጕ ስደተኛታት ነቲ ከቢድ ዋዒ ብምጽዋር ኣብ ጎደናታት ኣብ ዘሎ ኣዝዩ ውሑድ ጽላል ኣጽሊሎም ነቲ ካብ ገለ ነበርቲ እቲ ከባቢ ዝመጽእ መግቢ እናተጸበዩ መዓልታት የሕልፉ ኣለዉ።

ሓደ ነባሪ እቲ ከባቢ "እዞም ሰባት ጠሚዮምን ኣብ ደገ ደቂሶምን ርእየ" ይብል።

ኣስዒቡ ድማ "ስለዚ ምስ ኣዕሩኽተይ ሳንድዊች ክንሰርሕ ወሲንና። ትማሊ ድማ ማይን ርጉኦን ኣምጺእናሎም። ኩሉ ብነጻ እዩ፤ ብጸጋ ኣምላኽ" ኢሉ።

ካልእ መራሒ ታክሲ ብወገኑ ንሱን በዓልቲ ቤቱን ድሕሪ እቲ ዝሓለፈ ሰሙን መጥቃዕቲ ንሓንቲ ኣደ ምስ ጓላ ከምዘዕቆቦ ይዛረብ።

"ነቶም ስደተኛታትን ንከተማይን ይሓዝነሎም። ስለዚ ሓንቲ ስድራቤት ከአንግድ ወሲነ። መጽለልን በዓልቲ ቤተይ እትሰርሖ መግብን እህቦም። ሰበስልጣን ቱኒዝያ ሕጋውነት ክህቦም ይግባእ" ክብል እቲ መራሒ ታክሲ ተላብዩ።

ኣብዚ ሕጂ ብዘሎ ኩነታት ሰበስልጣን ይኹኑ እቶም ስደተኛታት ናብ ዝኾነ ፍታሕ ወይ ናይ መወዳእታ መዕለቢ ዝቐረቡ ኣይመስሉን።