እስራኤል እትሓስቦ ዘላ ‘ሓድሽ ቅርጺ ማእከላይ ምብራቕ’ እንታይ ይመስል?

ቀዳማይ ሚኒስተር ነታንያሁ ካርታታት ማእከላይ ምብራቕ ኣብ ዘቕረበሉ ህሞት

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ቀዳማይ ሚኒስተር እስራኤል በንጃሚን ነታንያሁ ‘ሓድሽ ማእከላይ ምብራቕ’ ዝብል ሓረግ ተጠቒሙ’ሎ። ሚዛን ሓይሊ ምቕያርን ዝተፈለየ ፖለቲካዊ ካርታ ናይቲ ዞባ ምስኣልን ሓድሽ ዕላማ እስራኤል ኣይኰነን።

እንተዀነ ካብ 1990 ጀሚሩ ዝረአ ዘሎ ቅልጡፍ ምዕባለታትን ቀጻሊ ምርጻማትን "ሕጂ ካብ ዝዀነ እዋን ንላዕሊ ቀሪቡ" ዝብል እምነት ዘለዎም ሰባት ኣለዉ።

ኣካታዒ ካርታታት እስራኤል

ሰበስልጣን እስራኤል ኣብ ኣህጉራዊ መድረኻት ካርታታት እስራኤል ሒዞም ከምዝተራእዩን ኵሎም ድማ ብዛዕባ መንግስቲ ወይ ግዝኣት ፍልስጤም ዘይብሎምን’ዮም።

ቀዳማይ ሚኒስተር እስራኤል ኣብዚ ቀረባ እዋን ኣብ ሓፈሻዊ ጉባኤ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ዘስምዖ መደረ፡ ክልተ ካርታታት ኣቕሪቡ።

እቲ ቀዳማይ ምስ እስራኤል ስምምዕ ሰላም ዘለወን ወይ ምስ እስራኤል ዝምድናአን ናብ ንቡር ንምምላስ ኣብ ልዝብ ንዝርከባ ሃገራት ቀጠልያ ሕብሪ ዘለዎ ከባቢታት ዘጠቓለለ ኰይኑ፡ ንግብጺ፡ ሱዳን፡ ኢማራት ዓረብ፡ ስዑዲ ዓረብ፡ ባሕሬንን ዮርዳኖስን ዘጠቓለለ እዩ።

እቲ ካልኣይ ካርታ ጸሊም ሕብሪ ዝተለኽዩ ከባቢታት ዘጠቓለለ ኰይኑ፡ ነታንያሁ ምስ እስራኤል ጽቡቕ ዝምድና ዘይብለን ኢሉ ዝጠቐሰን ኢራንን ኣብቲ ዞባ ዝርከባ መሻርኽታን ማለት ሶርያ፡ ዒራቕን የመንን፡ ከምኡ’ውን ሊባኖስን ዘጠቓለለ እዩ።

ፕረዚደንት ቱርኪ ረሲፕ ጣይብ ኤርዶጋን ኣብዚ ቀረባ እዋን ኣብ ዘስምዖ መደረ ብዛዕባ እቲ "ናይ እስራኤላውያን ጽሉእ ድሌት” ኢሉ ዝገለጾ ሓሳብ ኣጠንቂቑ።

ንሱ ኣስዒቡ፡ “ኣብ መንጐ ጢግሪስን ኤፍራጥስን ዘሎ መሬታት ዓድና ክምነዩን ብካርታታት ኣቢሎም ብግልጺ ክእውጁን እዮም፤ ድሌቶም ኣብ ቓዛ ጥራይ ዝተወሰነ ኣይኮነን” ኢሉ።

ኣብ ማእከል ማእከላይ ምብራቕ ካርነጊ ላዕለዋይ ተመራማሪ ዝዀነ የዚድ ሳይግ፡ ከምዚ ዓይነት ድሌት ንቕጽበታዊ ኣጀንዳ ነታንያሁ ወይ ሓቀኛ ዕላማ መንግስቱ ጽቡቕ ምልክት’ዩ ዝብል እምነት የብሉን።

“እቲ ኣብዚ እዋን’ዚ ነታንያሁ ከሕልፎ ዝደልዮ ዘሎ ሓድሽ ማእከላይ ምብራቕ፡ እስራኤል ንዝተረፈ ግዝኣታት ፍልስጤም ክትገዝእ ምኽኣል’ዩ” ይብል ሳየግ።

እስራኤል ኣብ ምዕራባዊ ገማግም ባሕሪ እተካይዶ ናይ ሰፈራ መደባታ ካብ ምትግባር ንድሓሪት ትብል ኣይትመስልን። ዋላ’ኳ ዓረብን ዓለምለኻውን ነቐፌታታት እንተሃለወ ቁጽሪ ሰፈራታት ክትውስኽ ምዃና ብግልጺ ኣፍሊጣ ኣላ።

“ኣብ የማናዊ መንግስቲ እስራኤል ‘ኣብ ፍታሕ ክልተ ሃገራት’ ዘይኣምኑ ብርክት ዝበሉ ሚኒስተራት ኣለዉ። ሕጂ ድማ ካብ ናይ 1993 ስምምዓት ኦስሎ ካብ ሃገረ ፍልስጤም ዝረሓቕና ንመስል። እንተዀነ ኣመሪካ ነዞም ንግዝኣታት ፍልስጤም ዘየጠቓልሉ ካርታታት እስራኤል ተጽድቘም ኣይመስለንን” ክብል ኣብ ዋሽንግተን ኢንስቲትዩት ላዕለዋይ ተመራማሪ ፖሊሲ ማእከላይ ምብራቕ ዴቪድ ሸንከር።

"ኣብ ሓድሽ ማእከላይ ምብራቕ ኣጠማምታ እስራኤል ካብ ስግኣታት ኢራን ነጻ ዝዀነ ዞባ'ዩ" ይብል ሸንከር።

ብስጉምቲ እስራኤል ዝተቖጥዑ ኢራናውያን ባንዴራኣ ኣቃጺሎም

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

'ስግኣት ኢራን' ዘይብሉ ማእከላይ ምብራቕ

ክኢላ ጸጥታን ጥሮተኛ ሓላፊ ስለያ እስራኤልን ሚሪ ኣይዘን ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ “እስራኤል ሓድሽ ማእከላይ ምብራቕ ክትሕንጽጽ ኣይትደልን እያ፤ እንተዀነ ኣብ ኢራን ዝርከብ ስርዓት ነቲ ዞባዊ ስርዓት ከምዘየሽከርክሮ ምርግጋጽ እዩ” ይብል።

“ቃላት ነታንያሁ ድሕሪ’ቲ ብ7 ጥቅምቲ 2023 ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ሓማስ ዘጋጠሞ ዓለማዊ ውርደት ኣከሓሒሱ ተሰማዕነቱ ናብ ቦታኡ ንምምላስን መደብ ኒዩክልየር ኢራን ንኸብቅዕን ዝዓለመ’ዩ” ይብል ሳየግ።

እስራኤል ንሕምብርቲ ደቡባዊ ከባቢ በይሩት ዒላማ ዝገበረ ሰፊሕ መጥቃዕቲ ድሕሪ ምክያዳ ዝተፈጸመ ቅትለት ዋና ጸሓፊ ሕዝቦላህ ሓሰን ነስረላህ፡ ከም ጂኦፖለቲካዊ ነጥበ መቐይሮ ናይቲ ኲናት ይረአ።

ኢራን ኣብ ግዝኣታ ናይ ዝተፈጸመ ቅትለት ፖለቲካዊ ሓላፊ ሓማስ እስማዒል ሃኒየ ሕነ ንምፍዳይ ንነዊሕ እዋን ንምዕራባውያን ዘስግእ ዝነበረ ዝተፈላለየ ኣጽዋር ተጠቒማ ናብ እስራኤል ብርቱዕ ባሊስቲክ ሚሳይላት ክትትኩስ እንከላ፤ እስራኤል ድማ ኣብ ሓደ እዋን ኣብ ዝመረጸቶ ግዜ ንመጥቃዕቲ ኢራን ምላሽ ክትህብ ቃል ኣትያ።

ወተሃደራውያን ተሽከርከርቲ እስራኤል ኣብ ዶባት ሊባኖስ

ምንጪ ስእሊ, EPA

ወተሃደራዊ ፍታሕ እኹል ኣይኰነን

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

ኣመሪካ፡ እስራኤል ኣብቲ ዞባ ስትራተጂያዊ ልዕልናኣ ንምርግጋጽ ርኡይ ደገፍ ካብ ምግባር ሓሊፋ ኣብቲ እናወሰኸ ዝኸይድ ዘሎ ወጥሪ ድማ ኣብቲ ዞባ ወተሃደራዊ ህላወኣ ኣሐይላ ኣላ።

እዚ ደገፍ እዚ ግን እስራኤል ነቲ ዋሽንግተን ኣብ ወግዓዊ መደረታታ እትደግሞ ቀይሕ መስመራት ማለት ንፕሮጀክት ኒዩክለራዊ ኢራንን ፍታሕ ክልተ ሃገራትን ዒላማ ብምግባር ከይትሰግሮ ዝተመርኮሰ እዩ።

ኣይዘን፡ “እስራኤል እትወስዶ ዘላ ወተሃደራዊ ስጕምቲ፡ ኢራን ኣብቲ ዞባ ናብ ዝርከቡ ወከልታ እትልእኮ ኣጽዋርን ስነ-ሓሳብን ንምምካት ከምኡ’ውን ወተሃደራዊ ዓቕማ ንምድኻም ዝዓለመ እዩ” ኢሉ።

ኣብ ኢንስቲትዩት ዋሽንግተን ላዕለዋይ ተመራማሪ ደቪድ ሸንከር፡ እስራኤል ኣብቲ ዞባ ንዝርከቡ ‘ወከልቲ’ ኢራን ኣብ ምድኻም ውጽኢታዊ ስራሕ ኣመዝጊባ ክትከውን ትኽእል እያ ዝብል እምነት ኣለዎ፤ እንተዀነ ብዘይ ደገፍ ሃገራት ዓረብ ሓድሽ ስርዓት ክትፈጥር ኣይትኽእልን።

ንሱ ኣስዒቡ፡ “ሓማስ ብዘይ ሰበስልጣን ፍልስጤምን ጻዕርታት ዓረብን ኣህጉራዊ ዲፕሎማሲን ዳግማይ ክቐውም ይኽእል እዩ፤ ሕዝቦላህ'ውን ብተመሳሳሊ ብዘይ ጻዕሪ ማሕበረሰብ ሊባኖስ ክቐወም ይኽእል’ዩ” ይብል።

ኣይዘን፡ እስራኤል ምስተን "ስግኣት ኢራን" ዝካፈላ መሓዙት ሃገራት ጸጥታዊ፡ ቁጠባውን ቴክኖሎጂያውን ሽርክነት ከተሐይል ትጽዕር ከምዘላ ይገልጽ።

ዋሽንግተን ኣብቶም ዝሓለፉ ዓመታት ኣብቲ ዞባ ቍጠባውን ወተሃደራውን መሳለጥያታት ብምቕራብ እስራኤል ንዓረብ ዞባዊ ስግኣት ዘይኮነትስ ብኣንጻሩ ምስ ኢራን ኣብ ምግጣም ስትራተጂያዊ መሻርኽቲ እያ ዝብል ሓሳብ ኣስፋሕፊሓ።

ዝምድና እቲ ዞባ ናብቲ ንቡር ንምምላስ እስራኤል ኣብ ዝሓለፉ ኣርባዕተ ዓመታት ምስ ሞሮኮ፡ ኢማራትን ባሕሬንን ስምምዕ ኣብርሃም ዝፈረመት ኰይና ድሕሪ መጥቃዕቲ 7 ጥቅምቲ ሓማስ ስዒቡ ዝመጸ ኲናት እስራኤልን ቓዛን ግን ተዘሓሒሉ ይርከብ።

እስራኤል ምስታ ኣብቲ ዞባ ንኢራን እትቃወምን ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ልዕልናኣ ትሰግእን ስዑዲ ዓረብ ዝምድናኣ ናብ ንቡር ንምምላስ ክትጽዕር ጸኒሓ እያ።

እንተዀነ ስዑዲ ዓረብ ኣብ ጋዜጣ ፋይናንሻል ታይምስ ኣብ ዘውጽኣቶ ጽሑፍ፡ እታ ሃገር ምስ እስራኤል ዘለዋ ዲፕሎማስያዊ ዝምድና ክቕጽል ዝኽእል ሃገረ ፍልስጤም ምስ እትምስረት ጥራይ ከምዝዀነ ኣፍሊጣ እያ።

ጅኦፖለቲካውን ቁጠባውን ለውጥታት፡ እስራኤል ከም ሃገር ኣብ ዝኣወጀትሉ ናይ 1948 ውሳነ፡ ምምቕቓል ፍልስጤም ብምቅዋም ንእስራኤል ኣፍልጦ ምሃብ ዝኣበያ ከም ግብጺ፡ ሶርያ፡ ሊባኖስን ዮርዳኖስን ዝኣመሰላ ሃገራት ዓረብ ኣብ ምቕያር ዓቢ ተራ ተጻዊቱ እዩ።

እስራኤል ኣብቲ ዞባ ዘለዋ ቅብሉነት ንምውሳኽ ቁጠባዊ ሽርክናኣ ተሐይል

ምንጪ ስእሊ, Reuters

ቍጠባዊ ሽርክነት

ቅድሚ 7 ጥቅምቲ 2023፡ እስራኤል ምስ ኣብቲ ዞባ ዝርከባ ሓሙሽተ ሃገራት ኣብ ምክልኻል፡ ሳይበር ድሕነት፡ ቴክኖሎጅን ጸዓትን ዘጠቓለለ ውዕላት ከቲማ ነይራ እያ።

ካብ 7 ጥቅምቲ 2023 ጀሚሩ ዝካየድ ዘሎ ኲናት፡ ኣብ መንጐ እስራኤልን ገለ ሃገራት ዓረብን ዝካየድ ዝነበረ መጠን ንግዳዊ ምትሕግጋዝ ኣዝሒልዎ ክኸውን ይኽእል’ዩ።

እንተዀነ ወግዓዊ መረዳእታ እስራኤል ከምዘመልክቶ፡ ኣብ ቀዳማይ ፍርቂ ናይዚ በጀት ዓመት፡ ንግዳዊ ምትሕብባር እስራኤልን ሓሙሽተ ሃገራት ዓረብን ከምዝወሰኸ ይሕብር። እተን ሃገራት ድማ ኢማራት ዓረብ፡ ግብጺ፡ ባሕሬንን ሞሮኮን ከምዝዀና ተፈሊጡ ኣሎ።

እስራኤላዊት ጋዜጣ ማኣሪቭ ኣብ መንጐ ኢማራትን እስራኤልን ዝተኸተመ ስምምዕ ኣብ መንጐ ክልቲአን ሃገራት ብስዑዲ ዓረብን ዮርዳኖስን ዝሓልፍን ናብ ግብጺ እውን ዝዝርጋሕን መስመር ንግዲ ንምምስራት ዝተኸተመ ስምምዕ ኣቃሊዓ። ጋዝ እስራኤል ንገለ ካብ መስመራት ሓይሊ ኤሌክትሪክ ግብጺ እውን ቀንዲ ምንጪ ቀረብ እዩ።

"እስራኤል ሓድሽ ዞባዊ ስርዓት ንምቕራጽ ዲፕሎማሲ፡ ቍጠባዊ ሽርክነትን ድልዱል ናይ ምክልኻልን ወተሃደራዊ ስጕምትን ከተዋሃህድ ኣለዋ" ይብል ሸንከር።

“ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ዝመጽእ ዘሎ ለውጢ፡ ካብ ኣህጉራዊ ኵነታት፡ ካልእ ኣህጉራዊ ግጭታት ኣመሪካ፡ ሩስያን ቻይናን ከምኡ’ውን ለውጢ ውሽጣዊ ፖለቲካ ኣውሮጳ ተነጺሉ ክርአ ኣይክእልን’ዩ” ይብል ሳየግ።