እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ዓለማዊ ትካል፡ ንኤርትራ ብብልሽውና ምስ ቀዳሞት ሃገራት ሰሪዑዋ፡ ኢትዮጵያኸ?
ኣብ መላእ ዓለም፡ ኣብ መንግስታዊ ኣገልግሎታት ዝፍጸም ብልሽውና ዓመታዊ ዝከታተል ትራንስፓረንሲ ኢንተርናሽናል፡ ናይ 2025 ደረጃ ብልሽውና ዕላዊ ገይሩ ኣሎ።
እቲ ጸብጻብ 182 ሃገራት ዝሰርዐ ክኸውን ከሎ፡ ንኤርትራ ካብተን ኣዝየን ብብልሽውና ዝተጠቕዓ ቀዳሞት ሃገራት ሰሪዑዋ። ኢትዮጵያ ምስ ጐረባብታ ሃገራት ብምንጽጻር ኣብ ዝሓሸ ቦታ ተቐሚጣ።
ብመሰረት፡ ዓመታዊ መዐቀኒ ኣረኣእያ ብልሽውና፡ ትራንስፓረንሲ ኢንተርናሽናል፡ ኢትዮጵያ ካብ 182 ሃገራት ኣብ መበል 96 ደረጃ ትርከብ።
ኢትዮጵያ ኣብ 2025 ኣብ ዝተኣከበ መዐቀኒ ኣረኣእያ ብልሽውና፡ 38 ነጥቢ ካብ 100 ብምምዝጋብ፡ ካብቲ ዓለማዊ ማእከላይ ውጽኢት 42/100 ዝወረደት ኰይና ተረኺባ።
ኤርትራ 13 ካብ 100 ብምርካብ፡ ካብተን ብብልሽውና ኣብ ዝኸፍአ ደረጃ ዝርከባ ሃገራት ሓንቲ ኰይና፡ ኬንያ 30 ካብ 100፡ ሱዳን ድማ 14 ካብ 100 ብምምዝጋብ ዳርጋ ኣብ ተመሳሳሊ ደረጃ ይርከባ።
ካልኦት ገራት እዚ ዞባ ዝዀና ሶማልያን ደቡብ ሱዳንን 9 ካብ 100 ነጥቢ ብምምዝጋብ፡ ካብ 182 ሃገራት ኣብ መወዳእታ ተሰሪዐን ይርከባ።
ማእከላይ ነጥቢ ሃገራት ትሕተ-ሳሃራ ኣፍሪቃ 32 ካብ 100 ኰይኑ፡ ናይዘን ሃገራት ቀርኒ ኣፍሪቃ ነጥቢ፡ ኣዝዩ ዝወረደ ደረጃ ኰይኑ ተመዝጊቡ።
እዚ 'ትራንስፓረንሲ ኢንተርናሽናል' ዝተባህለ ትካል፡ ዓመታዊ ብልሽውና ሃገራት ንምዕቃን ኣርባዕተ መስርሓት ከም ዘካይድ ይገልጽ።
ምምራጽ ምንጪ ሓበሬታ፣ ነቲ ምንጪ ሓበሬታ ዳግማይ ምሕሓይ፣ ነቲ ዝተዓቀነ ሓበሬታ ምቕማር፣ ነቲ ዘይርጕጽ ሓበሬታ ወይ ሃጓፋት ምግላጽ፣ የጠቓልል።
እዚ ካብ 13 ምንጭታት ሓበሬታ ዝእክብ ትካል፡ ኣብ ጽላታት ህዝባውያን ወሃብቲ ኣገልግሎታት ንዝርአ ዝተፈላለየ ብልሽውናታት ዝቕምር ኰይኑ፡ ብላዕ፡ ገንዘብ ህዝቢ ናብ ካልእ መዓላ ምውዓል፡ መንግስታዊ ኣብያተ ጽሕፈት ንውልቃዊ ረብሓ ምጥቃም፡ ብወገንነት ኣድልዎ ምክያድ፡ ንግላዊ ረብሓኻ ብዝጥዕም ሃገራዊ ውሳነ ምሕላፍ ... ወዘተ ዝብል ጸብጻባት ይምልከት።
ኤርትራ ንሓበሬታ 'ዕጽውቲ' ተባሂላ ስለ እትውቀስ፡ እቲ መረዳእታ ዝተኣከበሉ ኣገባብ ዝተገልጸ የሎን።
መዐቀኒ ኣረኣእያ ብልሽውና፡ ን182 ሃገራት ካብ 0 (ዝለዓለ ብልሽውና) ክሳብ 100 (ዝተሓተ) ብዝብል ደረጃ ዝሰርዕ ኰይኑ፡ ብመሰረት ክኢላታትን ኣካየድቲ እቲ ትካል፡ እቲ ደረጃ ኣብ መንግስታዊ ትካላት ሓንቲ ሃገር ዘሎ ዕምቈት ብልሽውና ዘመልክት እዩ።
ይዅን'ምበር፡ እቲ መዐቀኒ ኣብ ሓንቲ ሃገር ክሳብ ክንደይ ብልሽውና ከም ዘሎ ብቐጥታ ዝመዝን ኣይኰነን።
ኣብ መዐቀኒ ኣረኣእያ ብልሽውና፡ ልዕሊ ፍርቂ ካብቲ 100 ነጥቢ ዘመዝገባ ሃገራት ኣብ ጽቡቕ ኵነታት ከም ዘለዋ ይቝጸር።
ዓለምለኻዊ ማእከላይ ነጥቢ ብልሽውና፡ ኣብ 2025 ናብ 42 ወሪዱ ኣሎ፣ እዚ ድማ ኣብ መላእ ዓለም ኣብ ምሕደራ ዘሎ ሰፊሕ ብድሆታት እናገደደ ምምጽኡ ዘንጸባርቕ እዩ።
ትራንስፓረንሲ ኢንተርናሽናል፡ በቲ 10 ለካቲት 2026 ዝዘርግሖ መዐቀኒ ኣረኣእያ ብልሽውና፡ ኣብ 2025 ዝተኣከበ መረዳእታ መሰረት ዝተሰናደአ ምዃኑ እዩ ዝገልጽ።
ብዚ መሰረት፡ ብዙሓት ሃገራት ትሕቲ ሰሃራ ኣፍሪቃ ብመንጽር ብልሽውና ካብተን ዝገደዳ ሃገራት ዓለም ምዃነን ይሕብር።
እቲ መረዳእታ ከም ዘመልክቶ ትሕተ-ሳሃራ ኣፍሪቃ ከቢድ ናይ ምሕደራ ብድሆታት ከም ዘጋጥመንን መብዛሕትአን ሃገራት ትሕቲ ዓለማዊ ማእከላይ ነጥቢ ከም ዘመዝገባን የመልክት።
እዚ ድማ ኣብ ትካላት መንግስቲ ግልጹነት ዘይምህላውን ድኹም ኣፈጻጽማን ዘንጸባርቕ እዩ።
ይዅን'ምበር፡ ደረጃ ብልሽውና ኢትዮጵያ ካብ ብዙሓት ጐረባብታ ብተዛማዲ ዝሓሸ ኰይኑ፡ ካብቲ ዝሓለፈ ዓመት ብሓደ ደረጃ ምምሕያሽ ኣርእዩ።
እቲ ጸብጻብ ከም ዘመልክቶ፡ መብዛሕትአን እተን ኣብቲ ጸብጻብ ዝተኻተታ 49 ሃገራት ኣፍሪቃ፡ ካብ 2012 ጀሚረን ምንቍልቋል ከም ዘርኣያ ይሕብር።
ኣብቲ ናይ 2025 ደረጃ፡ ካብ 49 ሃገራት ኣፍሪቃ፡ እተን ኣርባዕተ ጥራይ እየን ልዕሊ 50 ነጥቢ ዘመዝገባ።
ሶማልያን ደቡብ ሱዳንን መበል 9ይ ክዀና እንከለዋ፡ ኤርትራ መበል 13፡ ሱዳን ድማ መበል 14 ደረጃ ሒዘን ኣለዋ።
እቲ ጸብጻብ ኣብ ኣፍሪቃ ዝካየድ ዘሎ ጻዕርታት ጸረ ብልሽውና፡ ብዝሕቱል ስቪካዊ ምሕደራ ክኸውን ከሎ፡ ዜጋታት ፍትሒ ናይ ምርካብ መሰሎም ዝደኸመን ዝተዛበዐን ምዃኑ ኣረጋጊጹ።
ብደረጃ ዓለም ዝወሓደ ደረጃ ብልሽውና ዘለወን ሃገራት፡ ዴንማርክ፡ ፊንላንድን ኒውዚላንድን እየን።
ኣብዚ ጸብጻብ ዴንማርክ (89)፡ ፊንላንድ (88)፡ ሲንጋፖር (84) ኣብ ምቍጽጻር ብልሽውና መሪሕ ደረጃ ዝሓዛ ኰይነን፡ ካብተን ሓያላን ዝበሃላ ሃገራት፡ ኣመሪካ (64)፡ ቻይና (43)፡ ሩስያ (22) ደረጃ ኣመዝጊበን ኣለዋ።
ኣብዚ ዓለማዊ ጸብጻብ ብዛዕባ ብልሽውና ኣብ መሓውራት መንግስቲ፡ ሲሸልስ 68 ካብ 100 ብምሓዝ ካብ ሃገራት ትሕተ-ሰሃራ ኣፍሪቃ እታ ዝሐሸት እያ ተባሂላ።
ቀጺለን ድማ ኬፕ ቨርደ (62)፡ ቦትስዋና (58) ከምኡ'ውን ሩዋንዳ (58) ይኽተለኣ።