ሃይለ መንቀርዮስ፡ ብዛዕባ ሓድሽ ወጥሪ ኤርትራን ኢትዮጵያን ምስ ቢቢሲ ትግርኛ ዘካየዶ ፍሉይ ቃለመሕትት

ኣምባሳደር ሃይለ መንቀርዮስ ብደረጃ ምክትል ዋና ጸሓፊ ሓላፊ ፓለቲካዊ ጉዳያት ሕቡራት ሃገራት ዝነበረን ንዝተፈላለየ ግጭታት ዓለም ንምፍታሕ ኣብ ዝተኻየደ ዲፕሎማስያዊ ተበግሶታት ናይቲ ውድብ ዝመርሐን'ዩ።

እቲ ገዲም ዲፕሎማሰኛ ድሕሪ ናጽነት ኤርትራ ኣምባሳደር ኤርትራ ኣብ ኢትዮጵያ፡ ከምኡ'ውን ኣብ እዋን ዶባዊ ኲናት ክልቲአን ሃገራት ቀዋሚ ወኪል ሃገሩ ኣብ ሕቡራት ሃገራት ብምዃን ክሳብ 2001 ሰሪሑ።

ካብ ላዕለዎት መራሕቲ ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራ ዝነበረ ሃይለ፡ ሓደ ካብቶም ቅዋም ክትግበርን ተሓታትነት ክረጋገጽን ኣለዎ ብምባል ንፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ዝበድሁ ብጕጅለ-15 ዝፍለጡ ሰበስልጣን መንግስቲ ምንባሩ'ውን ይፍለጥ።

እዚ ሳሕቲ ጥራይ ርይቶኡ ክህብ ዝስማዕ ምኩር ዲፕሎማሰኛ ንፈለማ እዋን ምስ ቢቢሲ ብዛዕባ እዋናዊ ምዕባለታት ኣዲስ ኣበባን ኣስመራን ቃለመሕትት ኣካይዱ'ሎ፡ ንመራሕቲ ክልቲኤን ሃገራት'ውን ቀጥታዊ መልእኽቲ ኣመሓላሊፉሎም ኣሎ።

ቢቢሲ ንገለ ካብቲ ኣምባሳደር ሃይለ ዝዛረበሉ ጉዳያት ሰላም፡ ዲፕሎማሲ፡ ኲናት፡ ዶብ፡ ኣፍደገባሕሪን ዝምልከት ርእይቶ መንግስቲ ኤርትራ ንምርካብ ንኤምባሲ እታ ሃገር ኣብ ብሪጣንያ ተወኪሱ'ሎ።

ምሉእ ትሕዝቶ ናይቲ ቃለመሕትት እንሆ፤

ቢቢሲ፤ ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝምዕብል ዘሎ ምትፍናንን ወጥርን ስግኣት ፈጢሩ ከም ዘሎ ይርአ'ሎ። ህዝቢ ክልቲአን ሃገራት፡ ሕጂ ከኣ ድሕሪ'ዚ ዅሉ ዝሓለፈ ኲናት እቲ ወጥሪ ናበይ ከምርሕ'ዩ ብዝብል ኣብ ከቢድ ሻቕሎት'ዩ ዘሎ'ሞ፡ ብወገንካ ከመይ ተንብቦ?

ሃይለ፤ እቲ ቀንዲ ጸገም ዝረኣየኒ፡ ኣብ ክልቲኡ ሃገራት ዘሎዉ ስርዓታት፡ ንዝዀነ ይዅን ግርጭትን ምፍልላያትን ብጐነጽ ምፍታሕ እምበር፡ ብሰላማዊ መንገዲ ብዘተ ምፍታሕ፡ ወይ ንናይ ክልቲኡ ናይ ሓባር ረብሓ ብዘደንፍዑ ስምምዓት ምፍታሕ ዝለመዱ ኣይኰኑን።

ነዊሕ ከይከድና በቲ ሓደ ወገን ካብ መጀመርታ 90ታት ጀሚርካ ከም መትከል ብመንገዲ ኢጋድ ገይርና ናብ 'ሪጅናል ኢንተግረይሽን' (ዞባዊ ምውህሃድ) ዝብል ዕላማ ተታሒዙ ተበጊሱ ነይሩ። እንተዀነ፡ ንእሽቶ ናይ ዶብ ግርጭት እኳ ኣብ መንጎ ኢትዮጵያን ኤርትራን ብሰላማዊ መንገዲ፡ ብዘተ ካብኡ እንተ ሓለፈ ድማ ብሕጋዊ መንገዲ፡ ከምቲ ኣብ መወዳእታ ዝተፈተነ ንኣብነት ብ'ኣርቢትረይሽን' (መንጎኝነት) ምኻድ ኣይለመዱን፡ ጐነጽ እዩ። ብርእይቶይ መንግስቲ ኢትዮጵያ ከምኡ እዩ፣ መንግስቲ ኤርትራ'ውን ከምኡ እዩ።

እዚ ስለዝዀነ ድማ እዩ ኣብ መንጎ ክልቲኡ ንዝፍጠር ጸገማት፡ ኵልሻዕ ናብ ሓይሊ ምጕያይ ዝመጽእ። ካብ 2018 ንኣብነት ኣቢይ ናብ ስልጣን ምስ መጽአ፡ ክቱር ዕርክነት ርኢናሎም። ሓደ 'ግዲ የለን ናይ መሬት፡ ናይ ባሕሪ ግዲ የብልካን፡ ነጻ ክፉት እዩ ንኢትዮጵያ' እቲ ሓደ 'ንስኻ ኢኻ ትመርሓና' ክወዳደሱ ይስማዕ ነይሩ። ብመሰረቱ ግን ናይ ባህሪ፡ ናይ መትከል ስምምዕ ስለ ዘይነበሮ፡ ኣብ መንጎ ኢትዮጵያን ኤርትራን ንዝነበረ ሽግር ብሰላማዊ መንገዲ ክፈትሑ ድልዋት ኣይነበሩን።

ኣብ መወዳእታ ድሕሪ ክንደይ ህልቂት ናይ ስሳ፡ ሰብዓ ሽሕ ዝኸውን ዜጋታት ሞት፡ ብመንጎኝነት ዝደቀሰ ናይ ዶብ ሕቶ'ኳ ከተግብሩ ኣይተበገሱን። ሽዑ ቀልጢፍካ ብዙሕ ምሕዝነትን ካልእን ሰሚዕና። ብዙሕ ከም ዝተፈራረሙ ንሰምዕ። ዝዀነ ይኹን እቲ ትሕዝቶ ናይቲ ስምምዓት ግን ብጋህዲ'ኳ ኣይተገለጸን። ምኽንያቱ፡ እቲ ሓደ ቀንዲ መበገሲ ዕርክነቶምን ስምምዖምን ናይ ሓባር ጸላኢ ንምጥቃዕ እምበር፡ ናይ ሓባር መጻኢ ንምህናጽ ዝደረኾ ኣይነበረን።

እዛ ናይ ሓባር ጸላኢ ዝብልዋ ከኣ ህወሓት እያ። ህወሓት ንምጥፋእ እምበር ካልእ ኣይኰነን። ዋላ ሽዑኡ ኣብቲ እዋን እቲ ርእይቶይ ገሊጸ ነይረ። ሓደ ግዜ ኣብ ኢትዮጵያ ዓዲሞምና 'ከመይ ንኸይድ ኣለና? ጽቡቕዶ ንኸይድ ኣለና?' ሽልማት ናይ ኖበልን ገለን ምስ መጽአ። ዋእ! 'እዚ ምስ ኤርትራ ሰላም፡ ገይረ ናይ ሰላም ስምምዕ ተፈራሪምና' ትብሎ ዘለኻ ኣብ ኵነተ-ኲናት ስለ ዝነበሩ ክልቲኦም ሃገራት፡ ኲናት ንምፍታሕ እንድሕር ኰይኑ፡ ምስቲ ስርዓት ክትዛረብ፡ ምስቲ ስርዓት ክትፈትሖ ርዱእ እዩ። ምኽንያቱ፡ እቲ ኲናት ናይቲ ስርዓት እምበር ናይ ህዝቢ ኣይነበረን። ብህዝቢ ውሳነ ኣይመጽአን። ብባይቶ ውሳነ ኣይመጽአን።

እቲ ውልቀ መራሒ ስለ ዝወሰኖ እዩ፣ ብእኡ እዩ መጺኡ። ካልእ መንገዲ መፍትሒ ነይርዎ። ሕጂ ካብኡ ንደሓር ካብኡ ዝዓሞቐ ንሰላም ናይ ክልቲኡ ህዝብታት፡ ንመጻኢ ናይ ክልቲኡ ህዝብታት ንምውሳን እንድሕር ኰይኑ፡ ዋእ! ምስ ሓደ ሰብ ኴንካ ዲኻ ትፍጽሞ ደኣ? ትካላት የብሉን ድዩ? እቲ ህዝብስ ድምጹ ዘስምዓሉ መንገዲ የለን ድዩ? ናይ ክልቴኹም ጥራይ ክኸውን ዘይግብኦ፡ እሞ ከኣ ሕቡእ ክኸውንዶ ይግብኦ? እዚ ምናልባት ናይ ሓባር መጻኢ ንምህናጽ ዘይኰነ፡ ናይ ሓባር ጸላኢ ንምስዓር ዝዓለመ እዩ ዝመስል ኢለ ገሊጸ ነይረ ሽዑ።

ብግብሪ ከኣ ርኢናዮ። ብቐጥታ ናብ ምጥቃዕ ህወሓት ከይዶም፣ እቲ ውጽኢቱ ርኢናዮ። ኣብቲ ውጽኢቱ ስለ ዘይተሰማምዑ ጥራይ፡ ኣቢይ ንህወሓት ከዳኽሞም እምበር ከጥፍኦም ኣይኰነን እቲ ድሌቱ ነይሩ፣ ኢሳይያስ ከኣ ከጥፍኦም። ድሕሪ ሕጂ ብዝዀነ ይዅን ሓይሊ ከም ዘይብገሱ፡ ኣብዚ ክልቲኦም ስለ ዘይተሰማምዑ እዩ እቲ ኵራ ዝተጀመረ። እቲ ዝምድናኦም ካብ ፈለማ መትከላዊ ኣይነበረን። ናይ ሓባር መጻኢ፡ ሓደ ዕላማ ሒዝካ ምኻድ እንተ ዝነብር፡ ምእንቲ ህዝብታት ኤርትራን ኢትዮጵያን፡ ነቲ ንህዝብታት ኤርትራን ኤርትራን ዝረብሕ ክኸውን ምተገብአ ነይሩ።

እዚ ስለ ዘይኰነ፡ ንምዕብላል ድማ ስለ ዝነበረ፡ ክልቲኦም ኣብ ምትፍናን በጺሖም። ሕጂ ድማ ብጋህዲ እንሀለ ኣቢይ ኣብ ውሽጢ ኢትዮጵያ ዝኣክል ደገፍ ስለ ዘይብሉ እዩ ዝብሎ ዘሎ ይበሃል እምበር፡ ብዘይ ባሕሪ ክትነብር ኣይትኽእልን እያ ኢትዮጵያ፡ እንተ ብግዲ እንተ ብውዲ ድማ ክንረኽቦ ኢና እዚ ባሕሪ፡ እንተ ብግዲ ክትብል እንተዄንካ እሞ ክንወርር ኢና እውን ማለት እዩ። እዚ ክኸውን እንከሎ ከኣ ኣብ ሓድሕዶም ዘጋጩ ኵነታት ስለ ዝመጽአ ከኣ እንሀለ ሕጂ ናብ ኲናት ገጾም ክብገሱ ይረኣዩ ኣለዉ።

ቢቢሲ፤ እሞ ናበይ ገጹ እዩ ከምርሕ? ቀጥታዊ ኲናት ተኽእሎ ኣሎ ድዩ?

ሃይለ፤ በዚ ዝኸዶ ዘሎ ኲናት ኣይመጽእን ኢልካ ክትሓስብ ኣይትኽእልን ኢኻ። እንታይ ዓይነት ኲናት ይኸውን ግን ምናልባት ክትግምት ይከኣል እዩ። ክልቲኦም ናይ ጐነጽ ስምዒት ይሃልዎም፡ ናይ ህዝቢ ድሌት ዘይኰነ ናይ ነብሶም ምቍጽጻር፡ ሓይሊ ምድልዳል ቀዳምነት ዝህቡ እዮም ዋላ በል እምበር፡ እቲ ተኽእሎ ከመይ ይመስል እንተ በልካ፡ ምናልባት ኣቢይ ኣነ ብሓይሊ ይዅን ብዝዀነ ይዅን መንገዲ ኣፍደገ ባሕሪ ክህልወኒ ክገብር እየ ኢሉ ከመሳምስ እንተ ፈተነ፡ እዚ ሓንቲ ልኡላዊት ሃገር ንኻልእ ልኡላዊት ሃገር ኣጥቂዓ መሬት ክትሕዝ ምግሃስ ኣህጉራዊ ሕጊ እዩ። ምግሃስ ናይ ዝዀነ ይዅን 'ፕሪንሲፕል' (መትከል) ናይ ዝምድና ኣብ መንጎ ሃገራት እዩ።

ከምኡ ኢሉ ንኤርትራ ክወርር እንተዀይኑ፡ ኤርትራ ከም ናይ ኣፍሪቃ ዩክረይን እያ ትኸውን ዘላ ማለት እዩ። 'ክትበልዓ ዝደለኻ ኣባ ጕምባሕስ ዛግራ በላ' እዩ። እዚ ድማ ግጭት ከስፍሕ እዩ፣ ናይ ኤርትራን ኢትዮጵያን ግጭት ጥራይ ኣይኰነን ክኸውን። በዚ ኢትዮጵያ ንኤርትራ ምውራር፡ ናብ ባሕሪ ገጻ ክትኣቱ ምምጥጣር፡ ብእኡ ዝትንከፋ ብዙሓት ሃገራት ክህልዋ እየን። ስዑዲ ኣላ ንኣብነት ኣብ ስግርና። ግብጺ ኣላ...፣ ብዝዀ ይኹን መንገዲ ኤርትራ 'ተወሪረ እየ፡ ሓገዝ የድልየኒ ኣሎ' እንድሕር ኢላ ዝዀነት ትኹን ሃገር ግቡእ ኣለዋ፡ መሰል ኣለዋ፡ ንዝተወረት ክትሕግዝ ክትመጽእ ድሕር ትብለሉ ኣሎ ኢለ ኣይኣምንን። ስዑዲ፡ ኢትዮጵያ ኣብ ቀይሕ ባሕሪ እንድሕር እግራ ከተንብር ኰይና፡ ዝመጽእ ለውጢ ናይ ሓይሊ ሚዛን ኣብ ከባቢ ቀይሕ ባሕሪ ኣጸቢቓ ትፈልጥ እያ። እዚ ንዓኣ፡ ንናታ ረብሓ'ውን ዝሃሲ ክኸውን እዩ። ስለዚ፡ ንሳ'ውን 'ዴፊኒትሊ ኢንተረስት' [ረብሓ] ክህልዋ እዩ ንኤርትራ ንምድጋፍ።

ብወገን ኤርትራ ድማ ኢድ ምትእትታው ኣብ ውሽጢ ኢትዮጵያ እንታይ ኣምጽኦ? ከመይ ገይሩ ንረብሓ ኤርትራ ይኸውን ኢልካ ብዘይምሕሳብ እየ ዝብለካ፡ ፋሕ ፋሕ ናይ ኢትዮጵያ፡ ዕግርግር ናይ ኢትዮጵያ፡ ንኤርትራን ንዅሉ እቲ ከባቢን ዕግርግር ዝፈጥር እዩ ክኸውን። ብሰላማዊ መንገዲ ናብ ልዝብ፡ ናብ ዘተ፡ ናብ ሰላም ገጾም ክኸዱ፡ ብምልኡ እቲ ቀርኒ ኣፍሪቃ ከምቲ ቀደም እውን ዝበሃል ዝነበረ፡ ናብ ምትሕባበርን ምትሕግጋዝን ገጹ ክኸይድ ዝብል ቅዱስ ዕላማ፡ ንዕኡ ምድፋእ እዩ ነይሩ እቲ ዝሓሸ።

ከም ኤርትራ ዝኣመሰለት፡ ንእሽቶ ውሱን ዓቕሚን ህዝቢን ዘለዋ ሃገር፡ ናብ ሰላም ክትደፍእ ይግብኣ ነይሩ። ክልቲኦም በብናቶም 'ሰርቫይቫል' ዝደፍእዎ ዘለዉ ይመስለኒ፤ ሽግር ከምጽእ ኣይክእልን እዩ ኢልካ ምድህላል ዘድሊ ኣይኰነን።

ኣበይ ክበጽሕ እዩ ኢልካ እንተ ሓሲብካ ግን፡ ክልቲኦም ኣብቲ ዝሓስብዎ ዘለዉ ዕላማ ዘብጽሕ መንገዲ ኣይኰነን። ኣብ ውሽጢ ኢትዮጵያ ብቐረባ ዝዕዘብዎ ከም ዝሕብርዎ፡ ኣቢይ ናብ ኲናት ገጹ ክደፍእ ዝብሎ ዘሎ 'ቀይሕ ባሕሪ ብዝዀነ ይዅን ባሕሪ ከረክበኩም እየ፣ ሃይለስላሰ ዘይገበሮ፡ ቅድሚ ሕጂ ዝነበሩ ነገስታት ዘይገበርዎ፡ ኣነ ኣፍ ደገ ባሕሪ ንኢትዮጵያ ከምጸኣላ እየ፡ እዚ እዩ ክኸውን ናተይ ሓድጊ ንኢትዮጵያ እምበር እዚ ሓጽቢ እዚ ናይ ናይል፡ ናይ መለስ ሓድጊ እዩ፡ ናተይ ሓድጊ ግን ንኢትዮጵያ ኣፍደገ ባሕሪ ከርክባ እየ' ክብል ስለ ዝጸንሐ፡ ነቲ ህዝቢ ኢትዮጵያ ምናልባት ኣብ ትሕቲኡ መጠርነፊ፡ ሕራይ ኢሉ ንዕኡ ንምእማን ዝገብሮ ዘሎ ሜላ ይኸውን ዝብል ርእይቶ ዘለዎም ብዙሓት ኣለዉ። ስለዚ ንዂናት ኢሉ ዘይኰነ ንውሽጣዊ ምርግጋእ፡ ውሽጣዊ ደገፍ ክረክብ ኢሉ እዩ ከምኡ ዝብል ዘሎ ይበሃል። ግን፡ በትሪ ሒዝካ ክዘብጠካ እየ፡ ክፈግኣካ እየ ኢልካ ክትወጣወጥ እንተ ጀሚርካ፡ እቲ ተወጣውጠሉ ዘለኻ'ውን ቀዲሙ ክሃርመካ ይኽእል'ዩ። 'ሚስካልኩሌሽን' ከጋጥም ይኽእል'ዩ። ኲናት ከይደለኻዮን ከይተዳለኻሉን ክውላዕ ይኽእል'ዩ።

ኤርትራ ከኣ ኢዳ ሒዛ ስቕ ኣይበለትን ሕጂ እውን። ምስ ዝተፈላለዩ ጕጅለታት ዝምድናታት ይገብሩ ከም ዘለዉ ሓበሬታ ኣሎኒ። ምትእስሳር ይገብሩ ኣለዉ ኣብ ትግራይ፤ እንሀለ ፍርቂ ትግራይ ዳርጋ ምስ ኤርትራ ልፍንቲ ክንገብር፡ ንሱ እዩ ከዋጽኣና ዝኽእል ዝብል ኣሎ። ምስ ፋኖ'ውን ከምኡ። ብቐንዱ ክተኣማመነሉ ዝኽእል ሓይሊ፡ ቅርሕንቲ ኣለዎ ዝብሎ ዝነበረ ኣቢይ ተኸፋፊሉ ኣሎ። ኣብ ውሽጢ ኢትዮጵያ ምስ ተቓወምቲ ኣይዘራረቡን እዮም ዘለዉ ክትብል ኣይትኽእልን ኢኻ - ሕጂ። ጫፍ ምናልባት ስርዓት ናይ ኢሳይያስ ምስ ህወሓት (ብውሕድ ክፋሉ) ጥራይ ዘይኰነ ዝቀራረብ ዘሎ፡ ኣምሓራ ኣለዉ ዝቃወሙ ዘለዉ፡ በዚኣቶም ኣቢሉ ብዅሉ ንኣቢይ ንምክባብ ኣይሰርሕን ዘሎ፡ ኣይጽዕርን ዘሎ ክትብል ኣይትኽእልን ኢኻ።

እንተዀነ፡ ክልቲኦም ክፈልጥዎ ዘለዎም፡ ናይ ሓባር ዕንወት እዩ ከምጽእ - ኲናት እንተ መጺኡ። ዋላ ብድሮናት ይበልዎ ዋላ ብዝዀነ ይበልዎ፡ ቀሊል ናይ ሓጺር እዋን ዓወት ኣብ መንጎ ክልቲኡ ከምጽእ እዩ ኢልካ ክትኣምን ዘይከኣለሉ ኵነታት እዩ ዘሎ።

ቢቢሲ፤ ማሕበረሰብ ዓለም፡ (ሕቡራት ሃገራት፡ ሕብረት ኣፍሪቃ፡ ኢጋድን ካልኦት ጸለውቲ ሃገራት) ነቲ ወጥሪ ንምህዳእ እንታይ ተራ ክጻወቱ ይኽእሉ?

ሃይለ፤ ኢጋድ እኮ ዳርጋ የላን። ኣየናይ ናይ ሓባር ስጉምቲ ወሲዳ ትፈልጥ ብጀካ ኣብ ፈለማ 90ታት? ብናተይ ርእይቶ ኢትዮጵያን ኤርትራን ምስተፈላለያ ክልቲአን ቀንዲ ደፋእቲ ናይ ኢጋድ፡ ናብ ሓድነት ከብጽሓና ዝኽእል፡ ናብ ምትሕብባር ከብጽሓና ዝኽእል 'ኢንስትሩመንት ኦቭ ኢንተግሬሽን' ክንልውጦ ኣለና ዝብል ተበግሶ ዝመጸ ብኤርትራ፡ ብኢትዮጵያ፡ ኣብቲ እዋን'ቲ እውን ብዩጋንዳ፡ እዘን ሓደስቲ ኮታ ብቓልሰን ናጽነት ዝበጽሓ እሞ ሰላም ዘለዎ ምትሕብባር ዘለዎ መጻኢ ክሃንጻ ዝብገሳ ዝነበራ ሃገራት ብኣኣተን እዩ ዝድፋእ ነይሩ።

ድሕሪኡ ግን ኢጋድ ዳርጋ ናብታ ናይቲ እዋን ኣቦ መንበርነት ዝሓዘት ሃገር፡ ናታ እዩ ኮይኑ እምበር ክሳብ ክንድ'ቲ ብሓባር ክሰርሕ ዝጸንሐ ኣካል ኣይነበረን። ሕጂ ዳርጋ የለን። ስለዚ ዓቕሚ ዘለዎ መን እዩ ኣብቲ ኢጋድ? ኢትዮጵያ ናብቲ ግጭት ገጻ እንድሕር ትኸይድ ኰይና፣ ኤርትራ ናብቲ ምግጫው ገጻ እንድሕር ትኸይድ ኰይና፣ ብዓል ኬንያ ብዓል ዩጋንዳ ቅሩብ ፍንትት ዝበላ እየን ካብቲ ቀርኒ ኣፍሪቃ፡ ሶማልያ ናታ ሽግር ኣለዋ፣ ሱዳን ናታ ሽግር ኣለዋ፣ መን እያ እሞ እታ ኢጋድ ክትከውን? የላን እታ ኢጋድ።

ንክልቲአን ሃገራት ጥራይ ዘይኮነ፡ ነቲ ከባቢ እውንን ክሃሲ ዝኽእል፡ ነዚ ናይ ቀይሕ ባሕሪ ከም ናጻ መንቀሳቐሲ ናይ ንግዲ እውን ክትንክፍ ዝኽእል፡ ክጸሉ ዝኽእል ስለዝዀነ፡ እተን ዘገድሰን ካልኦት ሃገራት እውን 'ያዕ' ኣብ ዝብላሉ ኵነታት ክበጽሓ ተስፋ ትገብር። እቲ ሕቡራት ሃገራት፡ ሰኲሪቲ ካውንስል ይዅን ኣፍሪቃ ሓድነት ነዚ ጽኑዕ ዝዀነ መርገጺ ክወስደሉ ምተገብአ። በዚ ዘሎ ግን ኣነ ጽኑዕ መርገጺ ካብኣቶም ይመጽእ እዩ ኢለ ኣይኣምንን።

ቢቢሲ፤ ዝምድና ክልቲኦም መራሕቲ ብዓይኒ ዲፕሎማሲ ብኸመይ ትገልጾ? ስለምንታይ ካብ ጥቡቕ ርክብ ናብ ምትፍናን በጺሑ ትብል? ቅድሚ ዶባዊ ኲናት ምስ ነፍስሄር መለስ ዜናዊ ዝነበረ'ውን ብተመሳሳሊ ኣገባብ'ዩ ሃንደበት ካብ ምሕዝነት ናብ ኲናት ኣንቆልቊሉ?

ሃይለ፤ እቲ [ምስ ፕረዚደንት/ቀዳማይ ምኒስተርን መለስ] ዝነበረ ዝምድና ውልቃዊ ጥራይ ኣይነበረን ኣብቲ መጀመርያ። ናይ ሓባር ጸላኢ [ደርግ] ክሳብ ዝነበረ፡ ነቲ ናይ ሓባር ጸላኢ ንምድኻም ዝተገብረ ምትሕግጋዝ፡ መትከላዊ ምትሕግጋዝ፡ ነንዕላማኻ ብምእማን፡ ብክልቲኡ ወገናት ኣብ ቅኑዕነት እቲ ሽዑ ዝቃለሱሉ ዝነበሩ ዕላማ ዝተመስረተ ዝምድና እዩ ነይሩ። መለስን ኢሳይያስን ብቐረባ ምርድዳእ ነይርዎም። ነይረሉ እየ ኣነ እውን። እፈልጦ እየ። ግን ናይ ወልቀሰብ ጥራይ ኣይነበረን፡ እንተላይ መትከላዊ እዩ ነይሩ። ኣብ ውሽጢ ኢትዮጵያ፡ ሓንቲ ኢትዮጵያ ክትህነጽ፡ እዛ ሓንቲ ኢትዮጵያ ድማ ማዕርነታዊ ዝዀነ ናይ ዝተፈላለያ ብሄራት ዘሳትፍ ስርዓት ክትከል ክልቲኡ ውድባት ዝሰማምዓሉ ነገር እዩ ነይሩ።

ምናልባት ኢሳይያስ እዚ ናይ ኢትዮጵያ ብዓሌት ዝተመርኮሰ ፈደሬሽን ምዃኑ ጽቡቕ ኣይኮነን ዝብል ርእይቶ ነይርዎ። ምዕብላል እዩ ዝፈቱ ኢሳይያስ። ካልእ መዋጽኢ ግን ኣይነበሮምን። ስለዚ ኣብኡ ክልቲኦም ሓደ ኣጠማምታ ነይርዎም ክትብል ኣይትኽእልን። ኣብ ኣጠማምታ፡ ኣብ ውሽጣዊ ኣሰላልፋ ናይ ሓይልታት ወይ ዝፍጠር ፈደራላዊ ስርዓት ብዙሕ ደገፍ ኣይነበሮን ኢሳይያስ። ንሱ ሓደ ምእኩል መንግስቲ ክህሉ'ዩ ዝኣምን ነይሩ።

ግን ንውሳነኦም ኣኽቢርካ ምኻድ፡ ምርድዳእ ነይሩ። ምርድዳእ ምቕባል ማለት ኣይኰነን። ግን ምርድዳእ ነይሩ። ኢሳይያስ ዓብላሊ ጠባይ ኣለዎ። መለስ ብዘተ፡ ብምስምማዕ ይኣምን። ኢሳይያስ ቅንዕ ኢሉ ይእመነላ እምበር 'እዚኣ ብዝዀነ ይዅን መንገዲ ብሓይሊ ክትፍጸም ኣለዋ' ዝብል እምነት ኣለዎ። እዚ ክልቲኡ ዘይሰማማዕ ጠባያት እዩ ኣብ መንጎ ክልቲኦም ዝነበረ - ሓደ። ካልኣይ ኢሳይያስ ኣብ ውሽጢ ህዝባዊ ግንባር ምሉእ ምቍጽጻር ነይርዎ። ብዅሉ መንገዲ ተቓዋሚ ኣይነበረን፤ 'ተቓዋሚ የብለይን' ዝብል እምነት ነይርዎ። እዚ ድማ እናቐጸለ፡ እናቐጸለ፡ እናቐጸለ ናብ ምሉእ ዲክታተርነት [ምልኪ] ከይዱ።

ኣብ ኢትዮጵያ መለስ ከምኡ ዝኣመሰለ ስልጣን ኣይነበሮን። ብፍላይ ብፍላይ ብዙሕ-ሰልፋዊ እዩ እቲ ሃገር። ንሱ ጥራይ ዝውንኖ፡ ንሱ ጥራይ ዝቈጻጸሮ ኣይነበረን። ካልኣይ ድማ ኣብ ውሽጢ ህወሓት እውን ንርእሱ ከምቲ ኢሳይያስ ኣብ ውሽጢ ህዝባዊ ግንባር ዝነበሮ፡ ኣብ ውሽጢ መንግስቲ ዝነበሮ ምሉእ ስልጣን ኣይነበሮን። ፍልልይ ነይርዎም ከም ባህርያት። ስለዚ ሓደን ተመሳሳልን ጠባይ ወይ ኣረኣእያ እዩ ነይርዎም ክትብል ኣይትኽእልን ኢኻ። ግን ምስምማዕ ነይርዎም። ኣብቲ ከባቢ፡ ናይ ቀርኒ ኣፍሪቃ ናይ ሓባር 'ኢንተግሬሽን' ገጽካ ክኽየድ ኣብኡ እውን ናይ ሓባር ምስምማዕ ነይርዎም።

ንኢጋድ ክሃንጹ ብሓባር ኰይኖም ህዝቢ ክልቲኡ ሃገራት ደፋኢ ክኸውን ኣብኡ ምስምማዕ ነይርዎም። ኣብ ብዙሕ ይሰማምዑ ነይሮም። ኣብ መንጎ ክልቲኦም ግርጭት ክርከብ ምስ ጀመረ ግን ንዕኡ ንምፍታሕ ክሰማምዑ ኣይከኣሉን። ዲሞክራስያዊ ኣገባብ ጸኒዑ ኣይሰረተን። ክልቲኡ ብወተሃደራዊ ሓይልታት፡ ካብ ፖለቲካዊ ሓይልታት ዝያዳ ወተሃደራዊ ሓይልታት እዩ ነይሩ ክበሃል ይከኣል ኣብቲ እዋን ቃልሲ። ድሕሪኡ'ውን ከምኡ ቀጺሉ እዩ። ሳዕቤናቱ ኸኣ እንሀለ ርኢናዮ።

ምስ ቀዳማይ ምኒስተር ኣቢይ ኣሕመድ ድማ፡ ኣነ ከም ዝመስለኒ እቲ ቀንዲ ንክልቲኦም ዘሰማምዖም፡ እቲ ዘበኣሰ እቲ ናይ ዶብ ሕቶ እንድሕር ነይሩ፡ ስለምንታይ እዩ ቀዳማይ ሕቶኡ ዘይገበሮ ኢሳይያስ? እዛ ዶብ በታ እዛ ስምምዕ ተፈሪማታ ዘላ ትተሓንጸጽ. . .ቀዳምነት ዘይሃባ ስለምንታይ እዩ? መትከላዊ ኣይነበረን እቲ ዝምድናኦም ካብ መጀመሪኡ። ኣንጻርካ ንዝዀነ ንምጥቃዕ እምበር ንህዝብኻን ሃገርካን ብዘርብሕ፡ ናብ ሰላም ብዘምርሕ ናይ ሓባር መጻኢ ምህናጽ ኣይነበረን ክብል ይኽእል ኣነ ብወገነይ።

ቢቢሲ፤ ብወገን ኤርትራ፡ እቲ ዶብ ኣብ ካርታ ተነጺሩ'ዩ፡ ውዱእቲ እያ እዮም ዝብሉ።

ሃይለ፤ ውድእቲ? ውድእቲ እተትኸውን ደኣ እሞ ኢትዮጵያውያን እንተላይ ሰብመዚ ትግራይ ክሳብ ሕጂ ናህና እዩ ኢሎም ይማጎትሉ ኣለዉ። ናህና እዩ ኢሎም ኵልሻዕ ይመጣጠርሉ ኣለዉ?! ኢሳይያስ ድማ ናይ ኤርትራ እዩ ይብል ኣሎ። ናይ ኤርትራ ኸኣ'ዩ። ምኽንያቱ ተፈሪዱ'ዩ። ክሳብ ሕጂ ጠንቂ ናይ ምግጫው እኮ ይኸውን ኣሎ። ሓደ ካብቲ ክስታት - ኣቢይ ዘርግሒዎ ዘሎ ወረቐት ርኢኻዮ ትኸውን ኢኻ - ኤርትራ ከምዚ ገይራትና፡ ከምዚ ገይራትና፡ ኣብ ውሽጥና ኢዳ ኣእትያ ኣላ፡ መሬትና ሒዛ ኮፍ ኢላ ኣላ፡ መሬት ኢትዮጵያ ሒዛ ኮፍ ኢላ ኣላ - እዚ ኵሉ ክብል እንከሎ እየ ዝብለካ፡ ጠንቂ ናይቲ ምግጫው ገይሩ የምጽኦ ኣሎ ንሱ'ውን ማለት እዩ።

ዋላ'ኳ ኣሚኑ እንተነበረ በቲ ዝተወሰኖ፡ ዝተበየኖ መሰረት ተቐቢልና ኢና - ሽዑ ንሽዑ 'ሕራይ እታ መሬትና ኣብ ባይታ ኣመልኪትኩም ኣረክቡና' ቀዳመይቲ ሕቶ ናይ ኢሳይያስ ክትከውን ምተገብአ ነይሩ። ንሱ ግን ኣይገበረን። ናይ ዶብ ሕቶ እኮ ኣይኰነን ንዓና ዘበኣሰና። እቲ ቀንዲ ናይ ወያነ ምጥፋእ እዩ ከም ቀዳማይ ዕላማ ገይሩ ዝወሰዶ። ኢሳይያስ ኣብ ምጥፋእ ምስተሰማምዐ ናይ ዶብ ሕቶ፡ ብዝሰምዖ ኣነ፡ ኣየልዓለን።

ቢቢሲ፤ 'ኲናት ፍሽለት ዲፕሎማሲ እዩ' ይብሃል'ዩ። ከም ገዲም ሃገራዊ፡ ኣህጉራዊን ዓለምለኻዊን ዲፕሎማሰኛ ግደ ዲፕሎማሲ ኣብ ምውጋድ ግጭታት እንታይ'ዩ ትብል?

ሃይለ፤ ዲፕሎማሲ ማለት'ኮ ብዝተኸኣለ መንገዲ፡ በቲ ቅቡል ዝዀነ፡ ውሁብ ዝዀነ ኣህጉራዊ ሕጊ ተቐይድካ፡ ብናይ ሓባር ረብሓ፡ ናይ ህዝቢ ረብሓ ጠሚትካ፡ ኣብ ዝዀነ ይዅን ትወስዶ ስጕምቲ ክሳራኻን መኽሰብካን ገሚትካ ምኻድ ማለት'ዩ። ናይ ነዊሕ ጠመተ እንተሃልዩካ፡ እዚ ህዝብታት እዚ ብሰላም ክነብረሉ ዘይክእል፡ ንሓድሓዱ እናተሓጋገዘ ክነብረሉ ዘይክእል ምኽንያት የለን። ናይ ምዕብላል እምበር ናይ ህዝቢ ረብሓ ከይሓሰብካ ትኸይድ እንተዄንካ ግን ንዲፕሎማሲ ኢኻ ዕሽሽ ትብል ዘለኻ።

ዲፕሎማሲ እኮ ካልእ ትርጕም የብሉን። ብሰላማዊ መንገዲ፡ በቲ ዘሎ ሕጊ ኣኽቢርካ፡ ንናይ ክልቲኡ ረብሓ ዝያዳ ዘቐድም፡ ሃስያ ከወግድ ዝኽእል ወይ ከጉድል ዝኽእል መንገዲ ምጥቃም ማለት እዩ። ኣብቲ ዲፕሎማስያዊ መዳይ ንኣብነት ኣብ ውሽጢ ሕቡራት መንግስታት ከልዕልዎ ይኽእሉ ነይሮም፣ ኣብ ውሽጢ ኢጋድ፡ ይጥቀም ኣይጥቀም፡ ከልዕልዎ ይኽእሉ ነይሮም ግጭታት እንድሕር ሃልይዎም።

ኣብ ውሽጢ ሕብረት ኣፍሪቃ ከልዕልዎ ይኽእሉ ነይሮም። እዚኣተን ብዙሕ ሓይሊ ሃልይወን ብዙሕ ሓይሊ ተጠቒመን ክፍትሕኦ ዝኽእላ ኣይኮናን። ግን እንተወሓደ ንረብሓ ናይቲ ህዝብታት ከምዘቐድሙ ንህዝብታቶም እውን መፍለጡ። ሃሳይነት ኲናት ከረድኡ ምኸኣሉ። ነዚ እንተተረዲኡ ድማ ህዝቢ'ውን ንባዕሉ ናብቲ ኲናት ገጾም ንኸይከዱ ደፋኢ ምዀነ። እዚኣቶምን ግን ንዲፕሎማሲ ከም 'ገይረ ነይረ፡ ኢለ ነይረ' መበሊ እምበር ኣብኡ ተመርኲስና ፍታሕ ክንረክብ ኢና ዝብል እምነት ዝነበሮምን ዘለዎምን ኣይመስለንን። እዚ ኣቢይ ተጓይዩ ክገብሮ ዝረኣናዮ ግን ብወገነይ 'ኢለ ነይረ' ንምባል እምበር ብሰላም ንምፍትሑ ድልየት ስለዘለዎ ኣይመስለንን።

ቢቢሲ፤ ቀዳማይ ምኒስተር ኣብይ ግን ናብ ኣሕዋትና ጥይት ክንትኩስ ኣይንደልን፡ ብሰላማዊ መንገዲን ዝርርብን ክኸውን ኣለዎ ክብል'ውን ይስማዕ እዩ።

ሃይለ፤ ንሱ ጥራይ እንተዝኸውን 'ኮንሲስተንት' [ጽኑዕ] መልእኽቲ እንተዝኸውን ሓደ ነገር ነይሩ። 'ኮንሲስተንት' ኣይኮነን። ንሱ ቅድሚ ሕጂ ዝበሎ ከኣ እዩ - 'እንተስ ብግዲ እንተስ ብውዲ ብዘይ ባሕሪ ምውናን ክንነብር ኣይንኽእልን ኢና፡ ስለዚ ናይ ግድን ክንረኽቦ ኢና' ስለዘውጽኣ እዩ እኮ ሰብ ዘይኣምኖ ዘሎ። ነታ ሓንሳእ ዝበላ ክመልሳ ኣይክእልን እዩ። በቲ ዝገብሮ ዘሎ ምድላዋት እውን።

ቢቢሲ፤ ናይ ሰላም ድምጺ የለን ውሒዱ፡ ከበሮ ኲናት ጥራይ'ዩ ክድሰቕ ዝስማዕ ዝብሉ ኣለዉ። መን'ዩ ንሰላም ክጽውዕ ዘለዎ፡ ተራ ዜጋታትን ሃገራትን ማሕበረሰብ ዓለምን እንታይ'ዩ ክኸውን ዘለዎ ትብል?

ሃይለ፤ መበገሲ ትኸውን ዘላ ከኣ እዛ 'ኣፍደገ ባሕሪ ብሓይሊ ክንሕዝ ኢና' ምባል ናይ ኣቢይ ኣሕመድ ሓደ፡ ኢድ ምእታው ኣብ ውሽጢ ጉዳያት ኢትዮጵያ ከኣ ናይ ኢሳይያስ፤ እዚአን እየን እተን ሽግር ዝፈጥራ ዘለዋ፣ ዘይምትእምማን ዝፈጥራ ዘለዋ፡ ክልቲኦም ናብ ምፍጣጥ ገጾም ዘብጽሕኦም ዘለዋ። ስለዚ በቲ መንግስታት ካብ ዘይተገበረ፡ ህዝቢ'ኸ? ኣብ መወዳእታ እቲ ወጽዓ ናብ መን እዩ ክመጽእ? እቲ ዕንወት መን እዩ ክሽከሞ? መን እዩ ዝህሰየሉ? ዝብል እንተርኢኻ፡ እቲ ህዝቢ እዩ ክህሰ። ህዝቢ ናይ ኢትዮጵያ፡ ህዝቢ ናይ ኤርትራ እዩ ክህሰ።

ሕጂ በብወገንካ ኴንካ ኣጣቓዕቲ ካብ እትኸውን፡ ነናይ መንግስትኻ ጠበቓ ኣብ ክንዲ ምዃን ናብ ህልቀት ገጹ እናምርሐ እናረኣኻዮ ከለኻ ብውሽጢ ኢትዮጵያ ይኹን ብውሽጢ ኤርትራ ዘሎ ህዝቢ፡ ዘሎ ዓቕሚ ዘለዎ፡ ውዳበ ዘለዎ፡ ቅኑዕ ድሌት ናይ ጽቡቕ ጉርብትና፡ እኳ ደኣ እንተተኻኢሉስ ኣብ መወዳእታ ከምዚ ናይ ኤውሮጳ ናብ ሓደ ገጹ ክኸይድ ክፍትን ኣለዎ። ምናልባት በዚ ቀርኒ ኣፍሪቃ ክንጅምር ንኽእል። ካብ ሱዳን ካብ ካርቱም ክሳብ ሞቓዲሾ ዘሎ ህዝብታት ተመሳሳሊ ኵነታት ዘለዎ ህዝቢ እዩ።

'ንኹላትና ዕንወት እዩ ዘምጽአለና ኲናት፡ እምበር ረብሓ ኣይኮነን' ዝብል ድምጺ ካብ ምሁራት ይዅን ካብ ውድባት ይዅን፡ ኮታ ናይ ነዊሕ ጠመተ ዘለዎም ኣካላት ክመጽእ ኣለዎ። ክለዓል ኣለዎ። ካብ ውሽጢ ህዝቢ ኤርትራ፡ ካብ ውሽጢ ህዝቢ ኢትዮጵያ፡ ካብ ውሽጢ ናይዚ ከባቢ ዘሎ ህዝቢ ጻዕሪ ክግበር ኣለዎ ናብ ኲናት ምውላዕ ከይኸዱ እንደገና። ካብዚ ዕንወት እዚ ህዝቢ ንምድሓን ዝደሊ ሰብ እንድሕር ሃልዩ፡ ሕጂ እያ እታ ግዜ፣ ኣብዚ ምውጥዋጥ ዘለወሉ፡ እቲ ዕንወት ምስተኸተለ ኣይዀነን። ስለዚ እዚ ኲናት ንምውጋድ በብወገንና ክንትስኣሉ፡ ክንቃለሰሉ ይግባእ በሃላይ እዩ። ኣነ ንዓኣ እየ ድምጸይ ዝሕውስ ዘለኹ። ስለዚ ተስፋ ንገብር።

ቢቢሲ፤ ኣብ መወዳእታ ብቐጥታ ንፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ መልእኽቲ ከተሕልፍ ዕድል እንተሃብኩኻ እንታይ ምበልካዮ?

ሃይለ፤ እዛ ዝበልኩኻ እኮ እያ። ንሰላማዊ ፍታሕ፡ ንዘተ ዕድል ሃብዎ፡ ሓደ። ካልኣይ ድማ ብፍላይ ብፍላይ ናብ ኢሳይያስ መልእኽቲ ከሕልፍ እንተዝኸውን፡ ዲሞክራስያዊ ስርዓት ኣብ ውሽጢ ኤርትራ ንኽህነጽ ብሓባር ዝተቓለስናሉ፡ ብሓባር ዝተለምናዮ መስርሕ ዓጋቲ ኣትይኹን። ባይቶ እንተዝነብረና ሕጂ፡ ኣብ ውሽጢ ኤርትራ ዘተ ዘፍቅድ ዕድል ነይሩ እንተዝኸውን፡ ትካላዊ ዘተ ዘፍቅድ ዕድል ነይሩ እንተዝኸውን፡ እዚ ኣብ ክንዲ ብራድዮን ብገለን ገይርና ብሓባር ምዘተናሉ፤ ፍታሕ ከኣ ምረኸብና።

እዚ ለበዋ ተላቢኻ ሕጂ ካብ እምኒ ጸባ ምጽባይ ይኸውን። 'አ ቢት ቱ ሌት!' ግን ተስፋ ኣይትቐብጽን። ኣብ ውሽጢ ኤርትራ ናይ ህዝቢ ድምጺ ዘስምዕ ስርዓት ከይተተኽለ፡ ኵሉሻዕ ካብ ሓደ ኲናት ናብ ካልእ ኲናት፡ ካብ ሓደ ግጭት ናብ ካልእ ግጭት፡ እሞ ህዝቢ እናተሳቐየ. . . እዚ ዝሓለፈ 30 ዓመት ኣብ ክንዲ ምግጫው፡ ኣክንዲ ምልኪ፡ ትካላቱ ሃኒጹ፡ ዲሞክራስያዊ ትካላት ገይሩ እናዘተየ፡ ዕድል ረኺቡ ንብረቱ ተጠቒሙ ዓዱ ከማዕብል ዕድል ረኺቡ ነይሩ እንተዝኸውን ኣበይ ኣበይ በጺሕና ምዀንና ሕጂ። ኣነ ንህዝቢ ኤርትራ እየ ዘመሓላልፍ ዘለኹ፡ ንኢሳይያስ ጥራይ ዝሓልፍ ኣይኮነን።

ቢቢሲ፤ ንቀዳማይ ምኒስተር ኣቢኸ?

ሃይለ፤ ኣብ መንጎ ክልቲኡ ሃገራት ኲናት ምውላዕ ማለት ሕጂ፡ እቲ ህዝብታት ካብ ድንቁርና፡ ካብ ጥሜት፡ ካብ ድኽነት ወጺኡ ንነብሱ ከማዕብለሉ ዝኽእል ጻዕሪ፡ ጸዓት ክገብር ኣብ ዝግብኦ ቦታ እንከሎ፡ ሕጂ ናብ ኲናት ምእታዉ፡ ንክልቲኡ ዘህልቕ፡ ዓቕሚታቱ ዘዳኽም፡ ንመጻኢ ዕድላቱ እውን ናብ ዝጸበበ፡ ናብ ግጭት፡ ናብ ህልኽ ገጹ ዘምርሕ እዩ ዝኸውን።

ነዚ ንምዕጋት ንረብሓ ህዝቢ ኢትዮጵያ ዝሓልዩ ኢትዮጵያውያን እንድሕር ሃልዮም፡ ንረብሓ ህዝቢ ኤርትራ ዝሓልዩ ኤርትራውያን ድማ ነዚ ዝሕሰብ ዘሎ ኲናት ብዝዀነ ይዅን መንገዲ ክቃወሙ፡ ዝዀነ ይዅን ዘሎ ሕቶታት ኣብ መንጎ ክልቲኡ ሃገራት ብዘተ ክፍታሕ፡ ብሕጊ ክፍታሕ፡ ብኣህጉራዊ ሕጊ ተቐይድካ ክፍታሕ ለበዋ የቕርብ። እቲ ክመጽእ ዝኽእል ዕንወት ሕሰብዎ ጥራይ። መን ሰዓረ ኣይኮነን፤ ክልቲኡ ህዝብታት እዩ ክደኪ፣ ክልቲኡ ህዝብታት እዩ ክጠሚ። ህዝብታት እዩ ክሃልቕ፡ ኣብ ምንትምንታይ? ብቐሊሉ ክፍታሕ ዝኽእል፡ ኢትዮጵያ ባሕሪ ክትጥቀም ትደሊ ኣላ፡ መርሓባ! ገፊሕ ባሕሪ ኣሎ ንዅሉ ክኣክል ዝኽእል። ትኸፍለሉ፡ ትጥቐመሉ።

እዚ ኣይኰነን ግን፡ ምዕብላል ስለዝድለ ዘሎ እዩ። ክውንን እየ ትብል ስለ ዘላ እዩ። እዚ ንሓዋሩ እውን ሓደጋ እዩ። ንዅሉ እቲ ህዝብታት፡ ንህዝቢ ሶማል ይዅን፡ ንህዝቢ ጅቡቲ። ስለዚ ኲናት ናይ ሓባር ምዕናው እዩ፡ ንድሕሪት ክመልሰና እዩ። እቲ ናብ ኲናት ከኽይድ እዩ ዝበሃል ዘሎ፡ ብዲሞክራስያዊ መንገዲ፡ ብሰላማዊ መንገዲ ክፍታሕ ዘይክእል ኣይኰነን።