እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኣብ ልዕሊ ሰራሕተኛ ኤምባሲ ብረት ዝዓመረ ኣምባሳደር ካብ ሓላፍነቱ ተኣልዩ
ኣምባሳደር ዓባይ ብሪጣንያ ኣብ ሜክሲኮ፡ ናብ ሓደ ሰራሕተኛ ኤምባሲ ጠበንጃ ድሕሪ ምዕማሩ ካብ ሓላፍነቱ ከም ዝተኣልየ ተገሊጹ።
እቲ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ዝተዘርግሐ ቪድዮ፡ ኣምባሳደር ጆን ቤንጃሚን ብረት ናብ ሓደ ሰራሕተኛ ከመልክት የርኢ።
እቲ ጸብጻብ ንፈለማ ግዜ ብጋዜጣ ፋይናንሻል ታይምስ እዩ ተሓቲሙ።
ኣብ ትሕቲ እቲ ቪድዮ "ኣብ ሜክሲኮ ብሰንኪ ምስግጋር ዕጸፋርስ መዓልታዊ ሰባት ይቕተሉ እዮም፤ እዚ ሰብ ግን ብሓዊ ይላገጽ ኣሎ" ዝብል ጽሑፍ ተለጢፉ ይርከብ።
እቲ ኣምባሳደር ድማ ‘ዝተሰሓሓተ’ ዋዛ እዩ ክብል መልሲ ሂቡ።
ቤት ጽሕፈት ጉዳያት ወጻኢ ዓባይ ብሪጣንያ፡ ብዛዕባ እቲ ተጓንፎ ወግዓዊ ዝዀነ ነገር እኳ እንተዘይበለ፡ ስም እቲ ኣምባሳደር ኣብ ዝርዝር ልኡኻት ዓባይ ብሪጣንያ ኣብ ሜክሲኮ የለን።
ኣብ መርበብ ሓበሬታ ዓባይ ብሪጣንያ፡ እቲ ኣምባሳደር ካብ 2021 ክሳብ 2024 ሓላፊ ምዃኑ ተጻሒፉ ኣሎ።
ነቲ ኣምባሳደር ዝመስል ሰብ፡ ብረት ሒዙ ናብ መኪና ተሰቒሉ፡ ኣብ ልዕሊ ዝተፈላለዩ ሰባት ዒላማ ክገብር ይረአ። ብድሕሪት ከኣ ሰሓቕ ይስማዕ።
ሓደ ሰብኣይ ድማ እቲ ብረት ኣብ ዝተዓመረሉ እዋን፡ ሕማቕ እናተሰመዖ ክጓዓዝ ኣብቲ ቪድዮ ይርአ።
እቲ ኣምባሳደር ቅድሚ ናብ ሜክሲኮ ምኻዱ፡ ኣብ ጋናን ቺለን ይሰርሕ ነይሩ።
ንሱ፡ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ብሰፊሑ ብምጽሓፍ ዝፍለጥ ኰይኑ፡ ኣብ ኤክስ ብዙሓት ሰዓብቲ ኣለዉዎ።
ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ብዛዕባ ፓስፖርትን ካልእ ጉዳያትን ንዝሓተቱ ሰባት ብቐጥታ መልሲ ብምሃብ ይፍለጥ።
ኣብ ፖለቲካ ኣፍሪቃ፣ ኩዕሶ እግሪን ሮክ ሙዚቃን ርእይቶ ይህብ።
ምስ ካልኦት ኣምባሳደራት ክነጻጸር እንከሎ፡ ብቐሊሉ ክትዛረቦ እትኽእል፡ ምቕሉል ዝዓይነቱ ዲፕሎማት እዩ።
እዚ ሙዚቃ ኣብዚሕ ከምዝፎቱ ዝንገረሉ ኣምባሳደር፡ ንስነ-ጥበባውያን ዓዲ እንግሊዝ ናብ ሜክሲኮ ክመፅኡ ብምዕዳምን ሓደ ሓደ ግዜ ድማ ኣብ ገዝኡ ብምእንጋድን ይፍለጥ።
ኣብ 2021 ኣብ ሜክሲኮ ኣምባሳደር ካብ ዝኸውን ንደሓር ንጡፍ ኮይኑ ይሰርሕ ኣሎ፤ ኣብ ጻንሒቱ ድማ፡ ናብ 32 ሃገራት ተጓዒዙ ኣሎ።
ኣብ መንገዲ ሓደ ካርተል ዕጸፋርስ ንከባብታት ሲናሎኣን ዱራንጎን ተቖፃፂሩ ነይሩ።
ነዚ ስዒቡ እዩ፡ ናብቲ ሰራሕተኛ ኤምባሲ ብረት ዝዓመረ።
እመኑ ኣይትእመኑ ኣብ ሜክሲኮ ልዕሊ 30 ሽሕ ሰባት ተቐቲሎም ኣለዉ።
ሜክሲኮ ጽኑዕ ሕጊ ኣፅዋራት ኣለዋ።
እቲ ኣምባሳደር ነቲ ተግባር ከም ዋዛ እኳ እንተቖፀሮ፡ እቲ ኣጽዋር ጥይት ከም ዝነበሮን፡ እቲ ተግባር ኣብ ሓደ ካብቶም ሓደገኛታት ከባቢታት ሜክሲኮ ዝተፈጸመ ምዃኑን ግን ዝያዳ ኣጋዲድዎ።
ቤት ጽሕፈት ጉዳያት ወጻኢ ዓባይ ብሪጣንያ ንጋዜጣ ፋይናንሻል ታይምስ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ "ብዛዕባ እቲ ፍጻመ ንፈልጥ ኢና። ግቡእ ስጉምቲ ድማ ወሲድና ኣለና" ክብል መልሲ ሂቡ።
ቢቢሲ ካብ ኣምባሳደርን ቤት ፅሕፈት ጉዳያት ወፃኢን መብርሂ ሓቲቱ ኣሎ።