ዲያስፖራ ዝኸፍልዎ 2% 'ሕጋዊ ግብሪ'ዩ' - ኤርትራ

ኤርትራ ነቶም ኣብ ወጻኢ ዝነብሩ ዜጋታታ እተኽፍሎ ኣዘራራቢ 2% ግብሪ ብሃገራዊ ባይቶ ዝጸደቐ ሕጋዊ ውሳነ ከምዝኾነ ገሊጻ።

ኤምባሲ ኤርትራ ኣብ ሕቡራት ሃገራት ብሓሙስ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ "ግብሪ ዳያስፖራ" ንዝብል መግለጺ ሕቡራት ሃገራት ብምኹናን፡ "ምኽፋል ዝተፈላለዩ ግብርታት ልኡላዊ መሰል ዝኾነት ሃገር ኮይኑ፡ ንዜጋታታ ጥራይ ዝምልከት ጉዳይ እዩ" ኢሉ።

ኤምባሲታት ኤርትራ ንኣብ ወጻኢ ዝነብሩ ኤርትራውያን ነቲ "ዘይሕጋዊ" ተባሂሉ ዝግለጽ ግብሪ በስገዳድ ከምዘኽፍሉ ዝገልጽ ክስታት ብቐጻሊ ክወጽእ ምጽንሑ ይፍለጥ።

እቲ "መልሲ ንተቖጻጻሪ ጉጅለ ሶማልያን ኤርትራን፡ 2014" ዝብል ኣርእስቲ ዝተዋህቦ መግለጺ ናይቲ ኤምባሲ እንታይ ከምዘገበሶ ብንጹር እኳ እንተዘይገለጸ፡ ኣብዚ ሰሙን’ዚ ኣብ መርበብ ሓበሬታ ኣልጀዚራ ''ግብሪ ዲያስፖራ ኣብ ኤርትራ ዓመጽን ጭቆናን ይምውል ኣሎ” ብዝብል ኣርእስቲ ተዘርጊሑ ምንባሩ ይዝከር።

መንግስቲ ኤርትራ ነቲ ክሲ ቅሉዕ ሓሶት ዝመልኦ፡ ዘይቅኑዕን ዘሕዝንን እዩ ክብል ገሊጽዎ።

ሕቡራት ሃገራት ኣብ 2013 ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ መንግስቲ ኤርትራ ካብቲ ኣፈራሪሑን ኣስገዲዱን ዝእክቦ ግብሪን ናይ ዕደና ገንዘብን ተጠቒሙ ኣብ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ዘይምርግጋእ ይፈጥር ከምዘሎ ከሲሱ ነይሩ'ዩ።

መግለጺ ኤምባሲ ኤርትራ ኣብ ኒውዮርክ ነዚ ንምእራም ከምዝወጸ'ውን ኣሚቱ'ሎ።

እቲ ተቖጻጻሪ ጉጅለ ናብ ሶማልያ ኣጽዋር ከይኣቱ ንምግታእ ዝዓለመ ኮይኑ፡ ኣብ 2009 ኣብ ልዕሊ'ታ ንእስላማዊ ጉጅለ ኣል-ሸባብ ኣጽዋር ትህብ'ያ ዝበላ ኤርትራ እገዳ ክግበር ዝኣመመ'ዩ።

ኤርትራ ነቲ ክሲታት ክትነጽጎ ዝጸንሐት ኰይና፡ ኣብ መወዳእታ 2018 እቲ እገዳ ምልዓሉ ይዝከር።

እቲ ኤምባሲ፡ ኤርትራ ኣብ 1991 ሓርነታ ድሕሪ ምጉንጻፋ፡ ኤርትራውያን ብወለንትኦምን ብዘይተወደበ መንገዲን ንዳግመ-ህንጻ ንምድጋፍ ብዝነበሮም ድሌትን ቅሩብነትን ዝማዕበለ ግብሪ ምዃኑ የብርህ።

ወግዓውነት ለቢሱ ተማእኪሉ ክፍጸም ድማ ጠለባት ይቐርብ ነይሩ ይብል እቲ ኤምባሲ።

"ከም ውጽኢቱ ኸኣ፡ ኣብ 1994 ሃገራዊ ባይቶ፡ ንማሕበራውን ልምዓታውን መደባት ንምምዋል ብዝብል ንጹር ዕላማ ኣዋጅ ዳግመ ሕወየትን ተሓድሶን ኣጽዲቑ" ይብል።

እቲ ኣብ 1993 ዝቖመ መሰጋገሪ ሃገራዊ ባይቶ፡ ካብ 2002 ጀሚሩ ብዘይወግዓዊ ኣገባብ ከምዝፈረሰ ይዝከር።

ኣብዚ እዋን'ዚ፡ እታ ሃገራዊ ምርጫ ኣካይዳ ዘይትፈልጥ ሃገር ብዘይዝኾነ ሃገራዊ ባይቶን ቅዋምን ብፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ትመሓደር ኣላ።

እቲ እንኮ ተሪፉ ዝነበረ ፈጻሚ ኣካል እታ ሃገር ዝኾነ ካቢነ ሚኒስተራት'ውን ድሮ ብዘይተገልጸ ምኽንያታት ደስኪሉ ይርከብ።

ቅድሚ ናጽነት'ውን ንቃልሲ ንናጽነት ንምሕያል ኣብ ወጻኢ ዝነበሩ ኤርትራውያን ተመሃሮን ሰራሕተኛታትን ካብ 10 ክሳብ 20 ሚእታዊት ይኸፍሉ ምንባሮም ኣብቲ መግለጺ ሰፊሩ'ሎ።

"እቲ ኣካል ሕግን ስርዓተ-ግብርን ኤርትራ" ዝኾነ 2% "ንኤርትራውያን ጥራይ ዒላማ ዝገበረ ኮይኑ፡ ነቶም ኤርትራዊ መበቆል ዘለዎም ዜጋታት ካልኦት ሃገራት" ከምዘይምልከት የነጽር።

ኣብ 2010፡ 14.5 ሚልዮን ዶላር ኣመሪካ ግብሪ 2% ከምዝተኣከበ ዝገለጽ እቲ ኤምባሲ፤ ኣብ 2013 ናብ 24.7 ሚልዮን ዶላር ክብ ከምዝበለ ይጠቅስ። ኣብ ውሽጢ'ቲ ኣርባዕተ ዓመታት ድማ ኣስታት 73 ሚልዮን ከምዝተኣከበ ኣብሪሁ።

እቲ ዝእከብ ገንዘብ ንሕውየት፡ ምጥያስ ተጋደልቲ፡ ምድባስን ስድራቤት ስውኣትን ንስንኩላት ኲናት ንምድጋፍ ከምዝውዕል ዝገለጸ እቲ መብርሂ፡ ኣብተን ኣርባዕተ ዓመታት መንግስቲ ብንጽጽር 112 ሚልዮን ዶላር ወጻኢ ከምዝገበረ ይሕብር።

እቲ ክሳብ ሕጂ ሕጋዊ ክለሳ ዘይተገብረሉ ኣዋጅ፡ ንኩነታት መነባብሮ (ከም ናይ ቆልዑ፡ ናብራ፡ ከምኡ'ውን ፍሉይ ወጻኢታት) ናይቶም ዝኸፍሉ ሰባት ኣብ ግምት ዘየእተወ ከምዝኾነ ተንተንቲ ይገልጹ።

ኣብ ዝሓለፈ ልዕሊ 20 ዓመታት ብኣማኢት ኣሽሓት፡ ነቲ ኣብታ ሃገር ዘሎ ግዱድን ገደብ-ኣልቦን ሃገራዊ ኣገልግሎትን ምግሃስ መሰላትን ብምህዳም ናብ ስደት ክውሕዙ ምጽንሖም ጸብጻባት የረድኡ።

እታ ድኹም ቁጠባ ከምዘለዋ ዝንገረላ ኤርትራ፡ ሓንቲ ካብተን ዝደኸያ ሃገራት ዓለም እያ።

ካብ ወጻኢ ናብ ቤተሰብ ዝስደድ ገንዘብ (ረሚታንስ) ከኣ ሓደ ካብ ቀንዲ ቁጠባዊ ምንጭታት እቶት ምዃኑ ይግለጽ።

ኣብ ዝመጽእ መዓልታት ንዘቤታዊ ጉዳያት ኣመልኪቱ ቃለ-መሕትት ከምዘካይድ ዝተገልጸ ፕረዚደንት ኢሳይያስ፡ ዜጋታት እታ ሃገር ዝጠልብዎ ፖለቲካዊ፡ ቁጠባውን ማሕበራወን ለውጥታት ክገብር ትጽቢት ይግበረሉ።