ኣብ ሃገሩ ተጠጂኡ ዝጸንሐ ፖለቲካዊ ቅልውላው ዘበርዓነ ኣፍሪቃዊ መራሒ

ፕረዚደንት ሰኔጋል ማኪ ሳል፡ ንሳልይ እብረ ከም ዘይወዳደር ብምእዋጅ ሃገሩ ክትኣትዎ ካብ እትኽእል ፖለቲካዊ ቅልውላው ከድሕና ተራእዩ ኣሎ።

ተንታኒ ፖለቲካ ኣልዮነ ታይን፡ ንውሳነ እቲ ፕረዚደንት ምስ ‘‘ምምካን ዝተጻወደ ፈንጂ’’ እዩ ዘመሳስሎ።

ምኽንያቱ እቲ ፕረዚደንት ኣብቲ ክትዕ ዘልዓለ ንሳልሳይ ግዜ ንምወድዳር ዝነበሮ ድልየት እንተቐጺሉ፡ ፍሉጥ ተቓዋሚ ኦስማነ ሶንኮ ሓድሽ ሰልፊ ተቓውሞ ከምዝጽውዕ መጠንቀቕታ ምሃቡ ይጠቅስ።

እቲ ወዲ 61 ዓመት ፕረዚደንት እቲ ትጽቢት ዝተገበረሉ ብሰኑይ ምሸት ብቴሌቪዥን ዝሃቦ መግለጺ፡ ንብዙሓት ዘገረመ እዩ።

ማኪ ሳል ንሳልሳይ እዋን ክወዳደር ክፍቀደሉ ክሓትት ካብቲ መሪሕ ውድብ ድፍኢት እናሓየለ ዝመጸ ኰይኑ፡ ሓገግትን ከንቲባታትን ዝርከቡዎም ንኣብዝሓ ህዝቢ ዝውክሉ ሰባት እውን እቲ ፕረዚደንት ንቐጻሊ ሓሙሽተ ዓመታት ክመርሖም ክሓትዎ ጸኒሖም።

ንሱ ከም ዘይወዳደር ምስ ገለጸ፡ ኣብ ርእሰ ከተማ እታ ሃገር ዳካር ኣብ ዝርከብ ቤተ መንግስቲ ከባቢ ተኣኪቦም ዝከታተሉ ዝነበሩ ደገፍቱ ናብ ብኽያት ኣትዮም።

ሳል ኣብ መግለጺኡ "እንታይ ከምዝተዛረብኩ ግልጺ ኣፍልጦ ኣለኒ፤ ይዝክሮ እየ" ዝበለ ኰይኑ መረጻ 2019 ካልኣይን ናይ መወዳእታኡን ምዃኑ ተዛሪቡ ምንባሩን ቃሉ ከምዘኽብርን ገሊጹ።

ነቐፍቱ ግን ዝተፈለየ ርእይቶ እዩ ዘለዎም፤ ኣብ መረጻ 2019 ድሕሪ ምዕዋቱ፡ ሓደ ጋዜጠኛ ኣብ 2024 ንሳልሳይ ግዜ ክወዳደር እንተዀይኑ ብፈረንሳይኛ ንዘቕረበሉ ሕቶ፡ "እወ! እውን ኣይብልን ኣይፋል! እውን ኣይብልን" ክብል ንዝሃቦ መልሲ ይጠቕሱ።

ሕገ መንግስቲ ሰኔጋል ሓደ ፕረዚደንት ካብ ክልተ እብረ ንላዕሊ ክወዳደር ዝኽልክል ብምዃኑ እዩ ምስሕሓብ ተፈጢሩ።

ኰይኑ ግን ደገፍቲ ፕረዚደንት ሳል እቲ ሕጊ ኣብ ካልኣይ እብረ እቲ መራሒ ስለ ዝወጽአ፡ እቲ ቀዳማይ እብረ ክቝጸር የብሉን ዝብል ክትዕ ሒዞም እዮም ክሳብ ቀረባ መዓልታት ክማጐቱ ጸኒሖም።

ገለ ኣማኸርቱን ኣብ ሰበ ስልጣን ሳል ላዕለዋይ ቦታታት መሪሕነት ትካላት ዝርከቡ ኣዝማዱን፡ እቲ ፕረዚደንት ንሳልሳይ ግዜ ክወዳደር ከምዝደፋፍእዎ ንቢቢሲ ቅርበት ዘለዎም ምንጪታት ቤተ-መንግስቲ ይገልጹ።

ንሳቶም ሓደሽ መራሒ እንተመጺኡ ዝሓዝዎም ሓላፍነታት ክስእኑን ካብቲ ክዓቢ ትጽቢት ዝግበረሉ ጽላት ነዳድን ጋዝን እታ ሃገር ዝረኸብዎ ቍጠባዊ ረብሓ ከይጐድሎምን ስግኣት ከምዘለዎም ይግለጽ።

መንግስቲ ሳል ናብ ምልኪ ይኸይድ ኣሎ ብምባል ዝኸሱ ተቓወምቲ፡ ብወገኖም እቲ መራሒ ደጊሙ ክወዳደር ዝግበር ተበግሶታት ኣትሪሮም ክቃወሙ ጸኒሖም።

ኣብዚ እዋን ኣብ ናይ ገዛ ማሕዩር ዝርከብ ተቓዋሚ ሶንኮ፡ ኣብ መጋቢት፡ መብዛሕትኦም መንእሰያት ንዝዀኑ ደገፍቱ ኣብ ዝጸውዖ ሰልፊ ተቓውሞ ምስ ፖሊስ ብዝተፈጠረ ጐንጺ ብውሑድ 16 ሰባት ተቐቲሎም።

ሶንኮ፡ ቅድሚ ፕረዚደንት ሳል መግለጺ ምሃቡ፡ ንሳልሳይ እብረ ዝወዳደር እንተዀይኑ "ኵሎም ሰኔጋላውያን ክለዓሉን ክቃወምዎን" ጸዊዑ ነይሩ።

እንተዀነ፡ እቲ ፕረዚደንት ኣብ ዘረባኡ ንጸቕጢ ተቓወምቲ ሸብረኽ ከም ዝበለ ኣመልኪቱ።

"ሰኔጋል ብደረጃ ዓለም ዘለዋ ምስሊ ዲሞክራሲ፡ ምርግጋእ . . . ክዕቅብ" ከምዝደሊ ተዛሪቡ።

ውሳነ ፕረዚደንት ሳል ምስ ውሳነ ብዙሓት መራሕቲ ኣፍሪቃ እንክነጻጸር ብኣንጻሩ እዩ።

ፕረዚደንት ኣይቮሪኮስት ኣላሳን ኦታራ፡ ኣብቲ ኣካታዓይ ዝነበረ መረጻ ሳልሳይ እብረ 2022 ተዓዊቱ።

ሕጊ እታ ሃገር ከምዘይፈቅድ ዝገለጹ ተቓወምቲ እታ ሃገር ነቲ መረጻ ውዱቕ ገይሮምዎ ነይሮም።

መራሒ ቶጎ ብተመሳሳሊ ክልተ እብረ ጥራይ ዝፈቅድ ሕጊ እታ ሃገር ብምምሕያሽ ንራብዓይ ኣብረ ኣብ ስልጣን ተኾይጡ ይርከብ።

ገለ ተንተንቲ ውሳነ ፕረዚደንት ማኪ ሳል፡ ኣብታ ሃገር ዲሞክራሲ ንድሕሪት ክይጉተት ዝሕግዝ ከም ዝዀነ ክገልጹ እንከለዉ፡ ኮምሽነር ሕብረት ኣፍሪቃ ሙሳ ፋኪ እቲ መራሒ ንዘይምውዳር ብምውሳኑ ንኢዱ።

ነበር ቀዳማይ ሚኒስተር ሰኔጋል ኣሚናታ ቱረ ግን፡ ማኪ ሳል ሕገ መንግስቲ ዝፈቕዶ ገይሩ እምበር "ዝፈጸሞ ጅግንነት’’ የለን ኢላ።