እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኣባል ባይቶ ሰኔጋል ንምንታይ’ዩ ንመሳርሕቱ ኣብ ኣኼባ ቤት-ምኽሪ ወቒዕዋ?
ኣብ ሰኔጋል ሓደ ኣርቃቒ ሕጊ ኣብ ኣኼባ ባይቶ እታ ሃገር ንመሳርሕቱ ምውቕዑ ስዒቡ፡ ኣብ ባይቶ እታ ሃገር ዕግርግር ተፈጢሩ።
እቲ ኣርቃቒ ሕጊ ነታ ጓልኣንስተይቲ መሳርሕቱ እንትወቕዓ፡ እቲ ፍፃመ ብቐጥታ ፈነወ ተሌቬዥን እታ ሃገር ይመሓላለፍ ነይሩ።
ካብ ፖለቲካዊ ውድብ ተቓውሞ ኣባል እቲ ባይቶ ዝኾነ ማሳታ ሳምብ ካብ መድረኽ ብምውራድ፡ ናብታ ኤሚ ንዲየ ኒቢ ዝተብሃለት ኣባል ገዛኢ ውድብ ቤኖ ቦክ ያካር ዝኾነት ኣርቓቒት ሕጊ ብምኻድ ኣካላዊ መውቃዕቲ ፈፂሙ። በዚ ድማ እቲ ኣብቲ ባይቶ ኣብ ጉዳይ ባጀት ዝቐርብ ዝነበረ ፀብፃብ ተኾሊፉ።
ወይዘሪት ኤሚ'ውን፡ ነቲ ብማሳታ ኣብ ልዕሊኣ ዝተፈፀመ መውቃዕቲ ሱቕ ኢላ ኣይሓለፈቶን፤ ካልኦት ኣባላት እቲ ባይቶ ቅድሚ ምግልጋሎም ብመንበር ነቲ ኣርቃቒ ሕጊ ብምውቃዕ ሕነኣ ፈድያ።
እቲ ዕግርግር ክግታእ ብዘይምኽኣሉ ከኣ፡ እቲ ዝካየድ ዝነበረ ኣኼባ ቤት-ምኽሪ ተቛሪፁ።
ማሳታ ሳምብ፡ ኣብ መድረኽ እቲ ባይቶ ኰይኑ፡ ኤሚ ኒቢ ኣቐዲማ ዝሃበቶ ርኢቶ “ስዲ (ስርዓት ዘይብሉ)” ከምዝኾነ ንኣባላት እቲ ባይቶ ከምዝተዛረበ መራኸብቲ ሓፋሽ ፀብፂበን።
ብዘቆናፅብ ርኢቶ እቲ ኣርቃቒ ሕጊ ዝሓረቐት ወይዘሪት ኤሚ ድማ፡ ካብ ኮፍ ዝበለትሉ ተላዒላ “ኣይግድሰንን” ክትብል መሊሳትሉ።
ነዚ ስዒቡ ሳምብ መደርኡ ብምቁራፅ እናተሃንደደ ናብኣ መፅዩ፡ ወቒዕዋ።
ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ሓምለ ዝተኻየደ መረፃ ኣርቀቕቲ ሕጊ ስዒቡ፡ ገዛኢ ውድብ እታ ሃገር ዝበዝሕ መቐመጢ ካብ ዝሰኣነሉ ግዘ ጀሚሩ፡ ኣብ መንጎ እቲ ገዛኢ ውድብን ተቓወምቲ ፖለቲከኛታትን ውጥረት ዓሪጉ ኣሎ።