እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ትራምፕ፡ ‘ናዕቢ ካፒቶል’ ብዝምልከት ቃሉ ክህብ ተኣዚዙ
ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ካፒቶል ዝተፈጸመ ናዕቢ ዝምርምር ፓነል ኮንግረስ፡ ፕረዚደንት ኣመሪካ ነበር ዶናልድ ትራምፕ ንኣባላት ባይቶ ቃሉ ክህብ ዘገድድ ሕጋዊ ጻውዒት ኣውጺኡ።
እቲ ንዕኡ ዝበጽሖ ሰነድ፡ "ኣብ ማእከል፡ ናይቲ ዝኾነ ፕረዚደንት ኣመሪካ ገይርዎ ዘይፈልጥ፡ ንመረጻ ንምግልባጥ ዝተፈተነ ናይ መጀመርታን እንኮን ጻዕሪ ንስኻ ኢኻ ነይርካ" ይብል።
ከምኡ ድማ፡ "እዚ ንጥፈት ዘይሕጋውን ዘይሕገ-መንግስታውን ምዃኑ ፈሊጥካ ኔርካ" ዝብል ይርከቦ።
ጠበቓ ሚስተር ትራምፕ ብወገኑ፡ እቶም ኣብቲ ኮሚተ ዝነበሩ ኣባላት ባይቶ "ስርዓታት ይጥሕሱ ኣለዉ" ክብል ከሲስዎም።
እቲ ፕረዚደንት ነበር፡ ነቲ መርመራ፡ ኣብ ዝመጽእ ወርሒ ቀዲሙ ዝካየድ መፋርቕ [ሚድተርም] መረጻ ኣመሪካ ኣብ ዝቐርበሉ ዘሎ እዋን፡ መረጽቲ ካብቲ ምሕደራ ዲሞክራት ንምስሓብ ዝተዳለወ ተንኮል እዩ ክብል ወቒሱ።
ሚስተር ትራምፕ ነቲ ጻውዒት እንተዘይተኸቲሉ ገበናዊ ክሲ ክቐርበሉ ይኽእል እዩ።
ኮሚተ መርማሪ ናዕቢ 6 ጥሪ፡ ሰነዳት ንምቕራብ ክሳብ 4 ሕዳር ግዜ ኣለዎ፣ ቃሉ ክህብ ድማ ኣብ 14 ሕዳር ወይ ከባቢኡ ክቐርብ ኣለዎ።
ትራምፕ ንኮንግረስ ምስክርነት ምሃብ ወይ ነቲ ዝተሓተተ ጽሑፍ ምላሽ ምሃብ እንተኣቢዩ፡ እቲ ኮሚተ ነቲ ጉዳይ ናብ ሚኒስትሪ ፍትሒ ከሰጋግሮ ይኽእል'ዩ - እዚ ድማ ገበናዊ መስርሕ ከስዕብ ይኽእል'ዩ።
እቲ ጻውዒት ዝቐረበ፡ ስትራተጂስት ትራምፕ ነበር ስቲቭ ባኖን 6500 ዶላር ተቐጺዑ፡ ኣብ ልዕሊ ኮንግረስ ንዕቐት ኣርኢኻ ተባሂሉ ንኣርባዕተ ኣዋርሕ ክእሰር ድሕሪ ምፍራዱ፡ ድሕሪ ሒደት ሰዓታት እዩ።
ንሱ፡ ነቲ ኮሚቴ ምስክርነት ይኹን ሰነድ ምላሽ ምሃብ ምስ ኣበየ እዩ ተፈሪድዎ።
ካልእ ሓጋዚ ትራምፕ ፒተር ናቫሮ፡ ብተመሳሳሊ ምትሕብባር ድሕሪ ምእባዩ፡ ኣብ ዝመጽእ ወርሒ ንኮንግረስ ንዕቐት ብምርኣይ ገበን፡ ኣብ ፍርዲ ክቐርብ እዩ።
እቲ ሽውም ኮሚተ፡ ደገፍቲ ትራምፕ ብ6 ጥሪ 2021 ኣብ ህንጻ ካፒቶል ኣመሪካ ብዕስለ ዝፈጸምዎ ዓመጽ ይምርምር ኣሎ።
እቲ 7 ዲሞክራትን ክልተ ሪፓብሊካንን ዝሓቖፈ ፓነል፡ እቲ ሪፓብሊካን ኣብቲ ናዕቢ ዘለዎ ተራ ክምስክር ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ብሙሉእ ድምጺ ወሲኖም።
ኣባላት ባይቶ ሚስተር ትራምፕ ንደገፍቱ ንውጽኢት ፕረዚደንታዊ መረጻ 2020 ክነጽጉ ብምግባሩ፡ ጆ ባይደን ተዓዋቲ ምዃኑ መረጋገጺ ንኸይረክብ ኣብ ዝግበር ጻዕሪ ኣብ ኣዳራሻት ኮንግረስ ከዐንቅፉ ከምዝገበሮም ይዛረቡ።
ኣደ መንበር ቤኒ ቶምፕሰንን ምክትል ኣደ መንበር ሊዝ ቸኒን ኣብቲ ዝወጽአ ደብዳበ፡ እቲ ኮሚተ "ካብ ዓሰርተታት ናይ ቀደም ሹመኛታትካን ሰራሕተኛታትካን ሓዊሱ፡ ንስኻ ብውልቅኻ ነቲ ብዙሕ ክፋላት ዘለዎ ጻዕሪ ምግልባጥ መረጻ ከምዘዳለኻዮን ከም ዝተቆጻጸርካዮን፡ ልዕሊ ዓቕሚ መርትዖታት ኣኪቡ ኣሎ" ይብል።
ሕጋዊ ጉጅለ ጠበቓ ሚስተር ትራምፕ፡ ነቲ ጻውዒት ነጺግዎ።
"ሕጂ'ውን፡ንሕግታትን ግቡእን ልምዳውን መስርሕ ብምጥሓስ፡ እቲ ሽማግለ ቅዳሕ እቲ ጻውዒት ከምዝዘርግሐ ኢና ንርዳእ" ይብል ጠበቓ ዴቪድ ዋሪንግተን።
"ከምቲ ኣብ ዝኾነ ተመሳሳሊ ጉዳይ ዝግበር፡ ክንገምግሞን ክንትንትኖን ኢና፡ ነዚ ተራእዩ ዘይፈልጥ ስጉምቲ ድማ ከም ኣድላይነቱ መልሲ ክንህብ ኢና።"
ሪፓብሊካን፡ ከምቲ ብሰፊሑ ትጽቢት ዝግበረሉ፡ ድሕሪ ናይ ሕዳር መፋርቕ ምርጫ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ዳግማይ እንተተቖጻጺሮምዎ፡ ስራሕ ናይቲ ናይ 6 ጥሪ ኮሚተ ክብቅዕን እቲ ፓነል ክፈርስን እዩ።