እተን ናይ መወዳእታ 'ምሒለን ደናግል ዝዀና' ኣልባንያውያን

“ኣልባንያ፡ ናይ ደቂ ተባዕትዮ ዓለም እያ ነይራ፤ ንኽትነብር፡ እዚ እንኮ መንገዲ እዩ ነይሩ” ትብል ገስቲኒያ ግሪሻጅ።

እዛ ኣብ ጐቦታት ሰሜን ኣልባንያ እትርከብ ጓል ኣንስተይቲ፡ ጓል 23 ዓመት እናሃለወት፡ ንህይወታ ዝቕይር ሓደ ነገር ወሲና።

ኣብቲ እዋን፡ ገስቲኒያ ግሪሻጅ፡ ቃለ መሓላ ምናነ ፈጺማ፡ ዝተረፈ ህይወታ ከም ወዲ ተባዕታይ ክትነብሮ ቃል ኣትያ።

እዚ ኣብ መንጎ ኣኽራን ዝበዝሖ ጐቦታት ዝርከብ ከባቢ፡ ሓደ ካብቶም ክሳብ ሕጂ ውሑዳት ልምዲ ቡርነሻ ዝካየደሉ ዘሎ ከባቢታት እዩ።

እቲ ንዘመናት ዝጸንሐ ልምዲ፡ ደቂ ኣንስትዮ ከም ደቂ ተባዕትዮ ንክነብራ ንዓበይቲ ዓዲ ማሕላ ዝኣትዋሉ ትውፊት እዩ።

እዘን ኣንስቲ፡ “ቡርነሻት” ወይ ማሕላ ዝኣተዋ ደናግል ተባሂለን ይፍለጣ።

ሕጂ ጓል 57 ዓመት ዝዀነት ገስቲኒያ፡ “ኣብ ዓለም ብዙሓት ዘይተመርዓዉ ሰባት ኣለዉ ግን ቡርነሻት ኣይኰኑን። ቡርነሻ ንስድራቤታ ጥራይ እያ ትውፈ፡ ክትሰርሕ፡ ክትነብር፡ ንጽህናኣ ክትዕቅብ" ትብል።

ንብዙሓት ኣብ ዝሓለፈ እዋን ዝተወልዳ ደቂ ኣንስትዮ፡ ጾተአን፣ ምፍራይን ማሕበራውን መንነተን ምልውዋጥ፡ ደቂ ተባዕትዮ ጥራይ ክረኽብዎ ዝኽእሉ ናጽነት ዘስተማቕራሉ መንገዲ እዩ ነይሩ።

“ቡርነሻ” ምዃን ደቂ ኣንስትዮ ከም ደቂ ተባዕትዮ ክኽደና፣ ከም ርእሲ ስድራቤት ክዋስኣ፣ ኣብ ማሕበራዊ ኩነታት ብናጽነት ክጓዓዛን ብባህሊ ንደቂ ተባዕትዮ ጥራይ ክፉት ዝኾነ ስራሕ ክወስዳን ኣኽኢልወን።

ከም ስፖርታዊትን ንጥፍትን መንእሰይ፡ ገስቲኒያ [ብቐረባ ዝፈጡኒ ዱኒ ይብሉዋ] ናጻ ክትከውን ቆሪጻ ተላዒላ።

ንነብሳ ባህላዊ ህይወት ሓዳር ምግባር፡ ስራሕ ገዛ ምስራሕ፡ ክዳን ምኽዳን . . . ዝብሉ ነገራት ሓሲባ ኣይትፈልጥን።

የግዳስ ድሕሪ ሞት ኣቡኣ ንስድራ ቤት ክትመርሕን ብገንዘብ ንክትድግፎም ዘኽእላ ስራሕ ንምርካብን፡ ቃለ መሓላ ዝወሰደት ድንግል ክትከውን ወሰነት።

"ኣዚና ድኻታት ኢና ነይርና . . . ኣቦይ ሞይቱ፡ ኣደይ ድማ ሽዱሽተ ቈልዑ ስለ ዝነበሩዋ፡ ንዓኣ ንምሕጋዝ ቡርነሻ ክኸውንን ኣበርቲዐ ክሰርሕን ወሲነ" ትብል።

ገስቲኒያ፡ ኣገልግሎት ቴሌፎን ኣዝዩ ውሑድ ኣብ ዝዀነሉ፣ ጽንኩር ክረምቲ ኣብ ዘለዎ ገጠር እያ ትነብር።

እዚ ድማ እቲ ናብ ለፑሸ ዝወስድ መንገዲ መብዛሕትኡ ግዜ ብበረድ ይዕጾን ምቁራጽ ኣገልግሎት ኤሌክትሪክ የጋጥሞን ማለት እዩ።

ኣብኡ፡ መዕረፊ ኣጋይሽ ኣለዋ፤ እንስሳ ’ውን ኣለውኣ።

ከም ቡርነሻን ሓላፊት ገዛን፡ ካብ ኣቦኣ ዝወረሰቶ ክእለት ምቅማም መድሃኒት እጽዋት ተጠቒማ፡ ንጥዕና ዝጠቕሙ ሻሂን ዘይትን ትሰርሕ።

“[ኣቦይ] ብዛዕባ መድሃኒታዊ ኣትክልቲ ብዙሕ ይግደስ ነይሩ፤ ነቲ ክእለት ድማ ኣሕሊፉለይ። ሕጂ፡ ጓል ሓው ኣቦይ ቫለርጃና ካልእ መንገዲ እኳ እንተመረጸት ብሓባር ኰይንና ነዚ ልምዲ ክንወርሶ ይደሊ ነይረ” ትብል ዱኒ።

“ሎሚ፡ ማሕላ ዝፈጸመት ድንግል ክትከውን እትፍትን የላን። ንኣሽቱ ኣዋልድ ቃለ መሓላ ዝፈጸማ ደናግል ክዀና ኣይሓስባን እየን። ኣነ ግን ናይዚ ናይ ብሓቂ ኣብነት እየ” ኢላ።

ኣብ ለፑሸ ምስ ኣሞኣ ዝዓበየት ቫለርጃና፡ ኣብቲ ከባቢ ዝርከባ ደቂ ኣንስትዮ እንትርፎ ቈልዑ ኰይነን ምምርዓው፡ ኣብ ህይወተን ዝነበረ ኣማራጺታት ውሑድ ምዃኑ ትዛረብ።

"ተመሃሪት ሻድሻይ ክፍሊ እንከለኹ ኩሉ ግዜ ዝዝክሮ ህሞት ኣሎ። 9ይ ክፍሊ ተመሃሪት ዝነበረት ሓንቲ መሓዛይ ትሕጸ ነይራ። ጓል 14 ዓመት እያ ነይራ። ሰብኣያ ትምህርታ ክትቅጽል ከም ዘይፈቕደላን ንሰብኣያ ክትሰምዖ፡ ምስኡ ክትጸንሕን ክትእዘዞን ከም ዘለዋ ነጊራትኒ”።

ቫለርጃና ግን፡ ዕድሚኣ እንከይኣኸለ ኣብ ክንዲ እትምርዖ ወይ ድማ ቃለ መሓላ ዝወሰደት ድንግል ካብ እትኸውን፡ ኣብ 16 ዓመት ዕድሚኣ ካብ ገዛ ስድራቤታ ወጺኣ ኣብ ርእሰ ከተማ ኣልባንያ ቲራና ዳይሬክቲንግን ፎቶግራፍን ክትመሃር ጀሚራ።

"ኣብ ቲራና፡ ኣዋልድን ደቂ ኣንስትዮን ዝያዳ ብልጫታት ኣለወን፤ ዝያዳ ሓራ ዝወጽኣ እየን። ኣብ ገጠር ግን እቲ ኩነታት፡ ሕጂ'ውን እንተዀነ ሓደገኛ እዩ" ትብል።

ትኽክለኛ ኣሃዛት እኳ እንተዘየሎ፡ ኣብ ሰሜናዊ ኣልባንያን ኮሶቮን 12 ቡርነሻት ጥራይ ከም ዝተረፋ ይግመት።

ድሕሪ ውድቀት ኮሚዩኒዝም ኣብ 1990ታት ጀሚሩ ኣልባንያ ሕብረተሰባዊ ለውጢ ርእያ እያ። እዚ ድማ ንደቂ ኣንስትዮ ዝያዳ መሰላት ክትህብ ክኢላ።

ቫለርጃና፡ ነቲ ብእወንታ እትርእዮ ትውፊት ቡርነሻ ይመውት ኣሎ ትብል።

“ሎሚ፡ ኣዋልድ ደቂ ተባዕትዮ ክንከውን ክንቃለስ የብልናን። ደቂ ተባዕትዮ ንምዃን ዘይኰነ ንማዕረ መሰላት ኢና ክንቃለስ ዘለና” ኢላ።

ኣብ 2019 ተሓላቒት መሰላት ደቂ ኣንስትዮ ሬኣ ኔፕራቪሽታ፡ ኣብ ቲራና ኣብ ዝነበረ ኣህጉራዊ መዓልቲ ደቂ ኣንስትዮ ተቓውሞ ገይራ ነይራ።

ኣብ ዓቢ ቀይሕ መስቀል "ቡርንነሻ" ዝብል ቃል ዝተሰቕሎ ዓቢ ምልክትን ኣብ ትሕቲኡ ድማ "ሓያላት ደቂ ኣንስትዮ" ዝብል ጽሑፍን ሒዛ እያ ናብ ጎደናታት ወጺኣ።

"ብቋንቋ ኣልባንያ፡ ንሓንቲ ጓል ኣንስተይቲ ከም ጽንዕቲ ጓል ኣንስተይቲ ክንገልጻ ምስ እንደሊ፡ 'ቡርነሻ' ዝብል ቃል ንጥቀም። እዚ ክልተ ቃላት ተጻሚዶም ዘቘሙዎ’ዩ፤ 'ቡረ' ማለት ሰብኣይ ማለት'ዩ ... ግን ጥንካረ ደቂ ኣንስትዮ ንምግላጽ ንደቂ ተባዕትዮ ክንውከስ የብልናን።"

ርያ፡ ኣልባንያ ለውጢ ተርኢ ከም ዘላ ብምግላጽ፡ “ኣብ ሓጺር ግዜ ድማ ብዙሕ ስጉምትታት” ከም ዝወሰደት ሓቢራ።

እንተዀነ፡ ኣብ ዙርያ ደሞዝ ደቂ ተባዕትዮን ደቂ ኣንስትዮን ዘሎን ክፍተት ሕጂ’ውን ኣይተፈትሐን።

ኣብ 2017፡ ደቂ ኣንስትዮ 23 ሚኢታዊት ኣባላት ባይቶ፡ 35 ሚኢታዊት ድማ ካብ ኣማኸርቲ ከባቢ ኰይነን ነይረን።

መሰል ደቂ ኣንስትዮ ሕጂ’ውን ዘይስገር ብድሆ ኮይኑ ኣሎ።

"ሕማቕ ኣጋጣሚ ኰይኑ ኣብ ኣልባንያ ጾታዊ ኣፈላላይ፣ ጾታዊ ጽልዋታት... ከምኡ'ውን ጾታ መሰረት ዝገበረ ዓመጽ ክሳብ ሕጂ ኣዝዩ ብዙሕ'ዩ" ትብል ሬኣ።

ካብ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ደቂ ኣንስትዮ ዝተረኽበ ሓበሬታ ከም ዘመልክቶ፡ ዳርጋ 60 ሚኢታዊት ካብ 15-49 ዓመት ዝዕድሚአን ደቂ ኣንስትዮ ኣልባንያ፡ ዘቤታዊ ዓመጽ የጋጥመን።

ከምኡ’ውን ዳታቤዝ ውዕል ሕቡራት ሃገራት፡ መሬት ናይ ምውናን መሰል ዘለወን ደቂ ኣንስትዮ ሸሞንተ ሚእታዊት ጥራይ ኰይነን፡ ኣብ ጉዳይ ውርሻ ድማ ተገሊለን ከም ዝጸንሓ ይሕብር።

ፍሉይ ኩነታት

መበቈል ትውፊት ቡርነሻ ካብቲ ካኑን ዝበሃሉ ሕብረተሰብ ዝጥቀምሉ ዝነበረ እዩ።

እዚኦም፡ ኣብ መበል 15 ክፍለ ዘመን ኣብ ኮሶቮን ሰሜናዊ ኣልባንያን ዝጥቀሙሉ ዝነበሩ ልምዲ እዩ።

ኣብ ትሕቲ እዞም ተባዕታዊ ሕግታት፡ ደቂ ኣንስትዮ ከም ንብረት ሰብኣየን ይቑጸራ ነይረን።

“ደቂ ኣንስትዮ፡ ናይ ባዕለን ዕጫ ናይ ምውሳን ኰነ ናይ ምምራጽ መሰል ኣይነበረንን። ጓል ክትሕጸ እንተዀይና፡ ክትሕጸየሉ እትኽእል ዕድመ ይኹን ዝሕጸያ ሰብ፡ ንሳ ከይተሓተተት እዩ ዝውሰን” ትብል ቡርነሻት ዘጽንዐት ኤትኖግራፊስት ኣፈርዲታ ኦኑዚ።

ሕጂ’ውን ኣብ ዙርያ’ቲ ትውፊት ዝዘውር ብዙሕ ግጉይ ኣረኣእያታት ኣሎ።

ቃለ መሓላ ዝወሰደት ድንግል ምዃን፡ ኣብ ጾታ ወይ ጾታዊ መንነት ዝተመርኮሰ ውሳነ ኣይኰነን። ብኣንጻሩ፡ እተን ማሕላ ዝፍጽማ ፍሉይ ማሕበራዊ ደረጃ ይወሃበን።

“ጓል ቃለ መሓላ ዝወሰደት ድንግል ክትከውን ምምራጽ ምስ ጾታ ዝዀነ ርክብ የብሉን፤ ብቐሊሉ፡ ኣብ ውሽጢ ስድራ ቤትካ ካልእ ተራ ክህልወካ ምስ እትደሊ እትወስዶ ምርጫ’ዩ” ትብል ኣፈርዲታ።

ብተወሳኺ፡ ቡርነሻ ምዃን ንስድራ ቤት መርዓዊ ብዘየናሹ መልክዑ፡ ወለድኻ ካብ ዘዳለውዎ ስነ ስርዓት ሓዳር ንምህዳም ዝሕግዝ መንገዲ እውን እዩ ነይሩ።

"እዚ ውሳነ፡ ኣብ መንጎ ክልተ ስድራ ቤታት ካብ ዝፍጠር ስማዊ ባእሲ ከድሕን ይኽእል’ዩ” ክትብል ኣፈርዲታ ተረድእ።

እቲ ንባእሲ ደም ዝምልከት ሕግታት ኣብ ካኑን ካብ ነዊሕ እዋን ኣትሒዙ ሕጋገ ኰይኑ ጸኒሑ እዩ።

እዚ ድማ ኣብ ሰሜናዊ ኣልባንያ ዝነበሩ ቀቢላታት ስርዓት ንምምጻእ ሓጊዙ እዩ፤ ብፍላይ ኣብ እዋን ግዝኣት ኦቶማን።

ብመሰረት ሕጊ ካኑን፡ ባእሲ ደም ኽብሪ ንምሕላው ዝግበር ማሕበራዊ ግዴታ እዩ ነይሩ።

እቲ ቅርሕንቲ ብምፍርራሕ ወይ ጸርፊ ዝኣመሰለ ነገራት ክጅመር ይኽእል፤ ሓሓሊፉ ግን እዚ ናብ ቅትለት ከምርሕ ይኽእል

ድሕሪኡ ስድራ ቤት እቲ ግዳይ ነቲ ቀታሊ፣ ወይ ኣብ ስድራ ቤት እቲ ገበነኛ ዘሎ ካልእ ወዲ ተባዕታይ ብምቕታል ናይ ገዛእ ርእሶም ፍትሒ ክደልዩ ትጽቢት ይግበር።

ኣብቲ እዋን ንዝነበራ ብዙሓት መንእሰያት ደቂ ኣንስትዮ፡ እቲ ናይ ምናነ ማሕላ ምውሳድ ካብ ከምዚ ዝኣመሰለ ናይ ደም ባእሲ ክናገፋ ሓጊዙወን።

“ንዕአን፡ መህደሚ መገዲ’ዩ ነይሩ” ትብል ኣፈርዲታ።

እቲ ትውፊት ምስ ግዜ እናማዕበለ መጺኡ፡ ካብ ግዱድ ውሳነታት ወጺኡ ናብ ፍቑድ ምርጫታት ተሰጋጊሩ።

"ኣብ መንጎ እቲ ክላሲካልን ስነ ፍልጠታዊ ብርነሻትን ከምኡ’ውን ናይ ሕጂ ቡርነሻት ዘሎ ፍልልይ ምፍላጥ ኣዝዩ ኣገዳሲ'ዩ ... ሎሚ ፍጹም ውልቃዊ ውሳነ'ዩ" ትብል ኣፈርዲታ።

ገስቲኒያ ቡርነሻ ክትከውን ኣይተገደደትን፤ እንታይ ደኣ፡ ነቲ ህይወት ባዕላ እያ መሪጻቶ።

ኣብ ኮሚኒስታዊት ኣልባንያ ዝዓበየት ግጅስቲና፡ ኣብቲ እዋን እቲ ዝነበሩ ደቂ ተባዕትዮ ኣዝዩ ዝያዳ ናጽነት ከም ዘለዎም ይስምዓ።

"ማዕረ ዘይትረኣየሎም ብዙሕ ህሞታት ነይሮም። ደቂ ኣንስትዮ ኣዐርየን ተነጺለን፡ ኣብ ዕዮ ገዛ ተሓጺረን ነይረን። ናይ ምዝራብ መሰል ኣይነበረንን" ትብል።

ስድራኣ - ብፍላይ ድማ ኣዲኣ - ግን ነዚ ውሳንኣ ኣይተቐበሉዎን።

ገስቲኒያ ግን፡ “ቡርነሻ ክኸውን ምስ ወሰንኩ፡ ዝያዳ ክብሪ ረኺበ" ትብል።

ካልኦት ግን ዝያዳ ደቂ ተባዕትዮ ኰይኑ ስለ ዝስምዐን እየን ቡርነሻት ክዀና መሪጸን።

“ኩሉ ግዜ፡ ንርእሰይ ምስ ደቂ ተባዕትዮ እምበር ምስ ደቂ ኣንስትዮ ኣመሳሲለዮ ኣይፈልጥን። ወትሩ ከም ወዲ ተባዕታይ’ዩ ዝስምዓኒ” ይብል ቡርነሻ ድራንደ።

ንድራንደ፡ ነቲ ልምዲ ምቕባል፡ ኣብ ባህሊ ቡርነሻ ሱር ዝሰደደ ባእታታት፡ ከም ሽጋራ ምትካኽን ኣልኮላዊ መስተ ምስታይን ዝኣመሰሉ ናጽነታት ደቂ ተባዕትዮ ዘስተማቕረሉ መንገዲ እዩ ነይሩ።

እዚ ድማ ነቲ ብታሪኽ ንደቂ ተባዕትዮ ጥራይ ዝተሓዝአ ባህላዊ መንፈስ ኣልባንያዊ ‘ራቒያ’ ምስታይ ዘጠቓለለ እዩ።

ሕጂ፡ ድራንደ ራቒያ ይሰቲ ጥራይ ዘይኰነ ይጾምቚ እውን እዩ።

ድራንደ፡ ቡርነሻ ናይ ምዃን ምርጫኡ ኣብ ሕብረተሰብ ዝያዳ ተቐባልነት ክረክብ ከም ዝሓገዞ ይዛረብ።

"ኣብ ዝኸድኩዎ ቦታ ፍሉይ ክብሪ ይረክብ፤ በዚ ጽቡቕ ይስምዓኒ። ከም ወዲ ተባዕታይ እምበር ከም ጓል ኣንስተይቲ ኣይከበርኩን . . . በዚ መንገዲ ዝያዳ ናጻ ኰይኑ ይስምዓኒ" ይብል።

ድራንደ ቡርነሻ ንምዃን ብዝኸፈሎ መስዋእቲ እኳ እንተተሓበነ፡ ናይ ጽምዋ ስምዒት ተኣሚኑ። በዚ ምኽንያት ብውሳንኡ ጥርጣረ ሓዲሩዎ ከም ዝፈልጥ ይዛረብ።

" ሓደ ግዜ ዝኣልየኒ ቈልዓ እንተዝህልወኒ ኢለ ሓሲበ ይፈልጥ እየ . . . ኣዝየ ሓሚመ ነይረ፤ ሽዑ ኣብ ጥቓይ ዋላ ሓደ ዝሕግዘኒ ኣይነበረን። ግን ንሓጺር እዋን ጥራይ'ዩ ነይሩ፡ ንሓንቲ ፍርቂ ካልኢት ዝኸውን።"

ኣብቲ፡ ሕብረተሰብ ንደቂ ኣንስትዮ ድሩት ኣማራጺታት ዝህበሉ ዝነበረ እዋን እቶም ቡርነሻት ሰባት፡ ምርጫኦም ከም ሓደ መተባብዒ’ዮም ዝርእዩዎ።

"ናብ መስዋእቲ ናይ ምቕያር ተቓውሞ እዩ ነይሩ" ትብል ኣፈርዲታ።

ይኹን እምበር ደቂ ተባዕትዮ ክዀኑ ኣብ ዝመረጹሉ እዋን፡ ተራ ደቂ ኣንስትዮ ከም ትሑታት ብምቕባል፡ ብዘይፍላጥ ጾታዊ ስርዓታት የሐይሉ ነይሮም።

ኣብ ርእሰ ከተማ ኣልባኒያ’ውን እንተዀነ፡ ኣብዚ እዋን’ዚ ንመንእሰያት ደቂ ኣንስትዮ ህይወት ከቢድ ክኸውን ይኽእል እዩ።

ቫለርጃና፡ መሰላት ደቂ ኣንስትዮ ንምምሕያሽ ብማሕበራዊ መራኸቢታት እትገብሮ ጐስጓስ ጀሚራ።

ይኹን’ምበር፡ እትልእኮ እወንታዊ መልእኽቲ ኣሉታዊ ኣቓልቦ ዓዲሙላ።

"ካብ ደቂ ተባዕትዮ ብዙሕ መልእኽትታት መጺኡኒ፡ ንህይወት ኣብ ሓደጋ ዘእቱ መልእኽትታት ከይተረፈ ... ስለምንታይ ብዛዕባ መሰላት ደቂ ኣንስትዮ ትዛረቢ ዝብል’ዩ” ትብል።

ንሳ፡ ነቲ እናነከየ ዝኸይድ ዘሎ ልምዲ ንምስናድ፡ ንኣሞኣን ካልኦት ቡርነሻታትን ክትስእል ጸኒሓ እያ።

"መጻኢ ወለዶታት ኣብዚ ኣርእስቲ ክግደሱ ተስፋ እገብር፡ ምኽንያቱ ከም ባህሊ ኣካል ታሪኽና ስለ ዝዀነ። ሕጂ ግን ናጽነት ንከተስተማቕር ቡርነሻ ምዃን ኣየድልየካን እዩ። ከም ዘመናዊት ጓል ኣንስተይቲ ማሕላ ምምሓል ኣየድልን'ዩ"።

ገስቲኒያ ኣብቲ ንኽብሪ ዝኸፈለቶ ዋጋ፡ መስዋእቲ ጓል ኣንስተይቲ መንነታ ዘይኰነስ፡ ኣብቲ ውሳነኣ ዝሃባ ናጽነት እያ እተተኩር።

"ድሕሪ ደጊም ቡርነሻት ኣይክህሉን እዩ፤ ኣነ ናይ መወዳእታ ክኸውን እየ" ትብል።

ሕጂ፡ ከምቲ ኣብ ሕሉፍ ዝወሰደቶ ውሳነ ከም ዘይትውስን ብምግላጽ፡ ሓንሳብ ግዜ ንድሕሪት እንተዝምለስ ኩሉ ከም ብሓድሽ ምገብርኩዎ ኢላ ትኣምን።

"ቡርነሻ ብምዃነይ ሓበን ይስምዓኒ። ዝኾነ ጣዕሳ የብለይን።" ከኣ ትብል።