እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ተይለር ስዊፍት፡ ኣመና ብልጽቲ ሰብ ናይዚ ዓመት
ተይለር ስዊፍት ብልጽቲ ሰብ 2023 መጽሄት ታይም ኰይና ተሓሪያ። እታ ጸላዊት ኣሜሪካዊት ሙዚቀኛ ኣብዚ ዓመት ብዝነበራ ‘ኢራስ ቱር’ ዝተሰምየ ዓብይ ምርኢት ሙዚቃ ክብረወሰናት ቦክስ ኦፊስ ከም ዝሰበረት ይፍለጥ።
‘Eras’፡ ሙዘቀኛን ደራሲት ሙዚቃን ተይለር ስዊፍት፡ ክሳብ ሕጂ ኣብ ሙዚቃ ንዝነበራ ጕዕዞ ንምግላጽ ዝተጠቐመትሉ ክኸውን እንከሎ፡ ኣብዚ ዓመት ሽዱሽተ ምርኢት ሙዚቃ ኣቕሪባ።
ንሳ ንመጽሔት ታይም ኣብ ዝሃበቶ ሓበሬታ፡ ልዑል “ሓበንን ሓጐስን” ከም ዝተሰምዓ ገሊጻ።
እቲ ሽልማት ኣብዚ ዓመት ኣብ ዓለማዊ ፍጻመታት ዝለዓለ ጽልዋ ኣሕዲሩ ንዝበሃል ፍጻመ ወይ ሰብ ዝወሃብ እዩ።
ቅድም ኢሉ፡ ፕረዚደንት ኣሜሪካ ነበር ባራክ ኦባማ፡ ተሓላቒት ሰብኣዊ መሰላት ግሬታ ተንበርግን ፕረዚደንት ዩክረይን ቮሎድሚር ዘለንስን በቲ መጽሄት ብሉጽ ሰብ ተባሂሎም ተሓርዮም ነይሮም።
ኣብዚ ሕጂ እዋን፡ እታ ድምጻዊት እቲ 180 ደቓይቕ ዝወሰደ ምርኢት ሙዚቃ ‘ኢራስ’ ኣካላዊ ድኻም ከም ዝስምዓ ተኣሚና።
ድሕሪ እቶም ከተቕርቦም ዝጸንሐት ምርኢታት ሙዚቃ፡ “መግቢ ሒዘ ናብ ዓራተይ ተመሊሰ ኣብኡ ክበልዕ እንተዘይኰይነ ካብ ዓራተይ ኣይወጽእን እየ። ኣብ ሰለስተ ምርኢታት ብተኸታታሊ ክደርፍ ስለ ዝጸናሕኩ ዳርጋ ክዛረብ ኣይክእልን እየ። እግረይ ካብቲ ትልሂትን ታኮ ዘለዎ ጫማን ሓኾምሓኾም’ዩ ዝብል” ኢላ።
እታ ኮኸብ ሙዚቃ፡ ምስ ኣሜሪካዊ ኮኸብ ኩዕሶ እግሪ ትራቪስ ኬልስ ፍቕራዊ ዝምድና ከም ዘለዋ እውን ተዛሪባ ኣላ።
እዞም መጻምድቲ ኣብ ዝሓለፈ መስከረም ስዊፍት ኣብ ሓደ ካብ ጸወታታቱ ምስ ኣደ ኬልስ ኣብ ዝተራእየትሉ እዋን ርእሰ ዜናታት ዓለም ኰይኖም ነይሮም።
ተይለር ስዊፍት፡ ኣብዚ ዓመት ዘቕረበቶ ምርኢት ሙዚቃ ሞያኣ ናብ ሓድሽ ደረጃ ከተብጽሖ እንከላ፡ ኣብዚ መድረኻት፡ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ለይቲ 45 ደርፍታት ተቕርብ ነይራ።
ኣብዚ ግዜ ኣዝዩ ልዑል ጠለብ ትኬት ብምንባሩ፡ መርበብ ሓበሬታ ‘ቲኬትማስተር’ ድሕሪ ዘጋጠሞ ጸገማት ሰነት ኣሜሪካ ብዛዕባ ንግዳዊ ኣሰራርሓታቱ መብርሂ ክህብር ክሓቶ ምኽንያት ኰይኑ ነይሩ።
እቲ ዑደት ምስ ተጀመረ፡ ትኬት ዘይብሎም ኣፍቀርቲ ሙዚቃ፡ ንሙዚቃ ተይለር ክሰምዑ ጥራይ ኣብ መዕረፊ መካይን ተኣኪቦም ይርኣዩ ነይሮም።
ኣብ ሲያትል ዝነበረ ምርኢት ሙዚቃ ተይለር፡ ምስ 2.3 ሬክተር ዝዓቐኑ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ዝመዓራረ ምንቅጥቃጥ ዘስዓበ እዩ ነይሩ።
“ኣብ 33 ዓመት ዕድመይ ዘጋጠመኒ ፍሉይ ህሞት ኰይኑ’ዩ ዝስምዓኒ” ክትብል ንታይም ተዛሪባ።
ስዊፍት፡ ኣብ ፈሚኒዝምን ፖለቲካን ብዝነበራ መርገጺታት ሓያሎ ነቐፌታት ክቐርበላ ምጽንሑ ይፍለጥ። ንሳ ኣንጻር ዶናልድ ትራምፕን ንመሰል ምንጻል ጥንሲ ዝድግፍን ድሕሪ ምዝራባ እያ ተነቒፋ።
ኣሰናዳኢ ታይም ሳም ጃኮብስ፡ እታ ኣሜሪካዊት ስነጥበባዊት ፖፕ ምልክት “እቲ ብርቂ ሰብ ጸሓፊትን ጅግናን ናይ ገዛእ ርእሳ ዛንታን” ምዃናን፡ ስዊፍት “ምንጪ ዶባት ዝሳገር ብርሃን ክትከውንን እትኽእለሉ መገዲ ረኺባ” እያ ኢሉ።
ብሰኑይ፡ መጽሔት ታይም፡ ዝርዝር ትሽዓተ ሕጹያት ኣውጺኡ ነይሩ፤ እዚኦም ፕረዚደንት ቻይና ሺ ጂንፒንግ፡ ቭላድሚር ፑቲን፡ ተዋሳእቲ ፊልም ‘ባርቢ’ን ተዋሳእትን ጸሓፍትን ሆሊዉድን ይርከብዎም።
ስዊፍት ብዘይካ'ቲ ከተቕርቦ ዝጸንሐት ምርኢት ሙዚቃ፡ ኣብ 2023 ክብረወሰን ዝሰበረ መሸጣ ኣመዝጊባ’ያ፤ እዚ ናይታ ዳግማይ ቅዳሕ ናይታ ዓሰርተታት ዓመታት ዝገበረት ኣልብማ 1989 እዩ።
እታ ሙዚቀኛን ደራሲት ሙዚቃን፡ ንምእማኑ ዘጸግም ግን ኣብ ኣሜሪካ ካልኣይን ሳልሳይን ዝዓበየ መሸጣ ናይዚ ዓመት’ውን ኣለዋ።
ኣብዚ ዓመት ካብ ዝረኸበቶ ካልኦት ዓወታት
- ፊልም ‘ኢራስ ቱር’ ዝዓበየት ፊልም ኮንሰርት ኰይና ኣብ ቦክስ ኦፊስ 249 ሚልዮን ዶላር ረኺባ
- ስዊፍት፡ ብሓደ ግዜ ካብ ኣብ 10 ብሉጻት ኣልበማት ኣሜሪካ እቶም ሓሙሽተ ኣልበማት ዝሓዘት ፈላመይቲ ህያው ስነጥበባዊ ኰይና፤ 1989፡ ሚድናይትስ፡ ፎክሎር፡ ላቨርን ስፒክ ኖውን ዝበሃላ ኣልበማት ካብ 10 ብሉጻት እተን ሓሙሽተ እየን።
- ኣብ ታሪኽ ቻርት ኣሜሪካ ብዝበዝሐ ቍጽሪ ቀዳሞት ኣልበማት (one albums) ክብረወሰን ዝሰበረት ጓል ኣንስተይቲ’ውን እያ፤ ብድምር 13 ቀዳሞት ኣልበማት ኣለዋ።
- ስዊፍት፡ ንሰር ፖል ማካርትኒን ሊዮነል ሪቺን በሊጻ ንብሉጽ ደርፊ ናይዚ ዓመት ን7 ግራሚ ዝተሓጸየት ፈላመይቲ ደራሲ ሙዚቃ’ውን እያ
- ኣብ ታሪኽ ስፖቲፋይን ኣፕል ሚዩዚክን ድማ፡ ዝበዝሐ ስትሪም ዝረኸበት ጓል ኣንስተይቲ ስነጥበባዊት ተባሂላ
ብሉምበርግ፡ እታ ኰኸብ ሙዚቃ ጽሩይ ሃብታ 1.1 ቢልዮን ዶላር ከም ዝኸውን ብምግላጽ ቢልዮነር ምዃና ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ገሊጹ ነይሩ።
ኣብዚ ሕጂ እዋን፡ ሰለስተ ሙዚቀኛታት ጥራይ እዮም ቢልዮነር ደረጃ ሒዞም ዝርከቡ፤ ሪሃና፡ ቢዮንሰን ጀይ-ዚን።
ይዅን’ምበር፡ ስዊፍት፡ ኣብ ፋሽን፡ ፍርያት ጽባቐን መሳርሒታት ሃይ-ፋይን ንግዳዊ ንጥፈታት ዘጠቓልል ሃብቲ ንዘለዎም መነሓንሕታ ብምብላጽ ብሙዚቃ ጥራይ ተመርኲሳ ኣብቲ ምዕራፍ ዝበጽሐት ፈላመይቲ ሰብ እያ።
ስዊፍት ኣብዚ እዋን ኣብ ዕረፍቲ እያ ዘላ፤ ኣብ ለካቲት ኣብ ዝካየድ ‘ኢራስ ቱር’ ናብ ኤዥያን ኣውስትራልያን ክትጓዓዝ እያ።
ኣብ ዝሓለፉ ዓሰርተ ዓመታት ዝነበሩ ብሉጻት ሰባት
መጽሔት ታይም፡ ኣብ 1927 እዩ 'ብሉጽ ሰብ እዚ ዓመት' ዝብል ኣፍልጦ ምሃብ ዝጀመረ።
መዝገብ ታሪኽ ብሉጻት ሰባት መጽሔት ታይም ምስ እንግንጽል፡ ጀርመናዊ ውልቀ መላኺ ኣዶልፍ ሂትለር ኣብ 1938 ፡ ፕረዚደንት ሩስያ ቭላድሚር ፑቲን ኣብ 2007 ተዓወትቲ ታይም ኰይኖም ንረኽቦም።
ብ2021 - ኤሎን መስክ፡ 2020 - ጆ ባይደንን ካማላ ሃሪስን፡ 2019 - ግሬታ ተንበርግ፡ 2018 - ‘ዘ ጋርድያን’፡ ጀማል ኻሾጊ ዝርከቦም ጕጅለ ጋዜጠኛታት፡ 2017 – “ሰበርቲ ስቕታ” (The silence breakers) ምንቅስቓስ #MeToo ዝጀመራ ደቂኣንስትዮ ተሓርዮም እዮም።
ኣብ 2016 ድማ - ዶናልድ ትራምፕ፣ 2015 - ቻንስለር ጀርመን ነበር ኣንጌላ መርከል፡ 2014 – “ተቓለስቲ ኢቦላ” (Ebola Fighters)፡ ለበዳ ኢቦላ ኣብ ኣፍሪቃ ንምግታእ ዝተቓለሱ ደኳትር፡ 2013 - ጳጳስ ፍራንሲስ፡ 2012 ድማ ባራክ ኦባማ ነይሮም።