ስለያኣ ንሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ደቡብ ኣፍሪቃ ከምዘየፈራርሐ እስራኤል ገሊጻ

ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ደቡብ ኣፍሪቃ ናለዲ ፓንዶር፡ ትካል ስለያ እስራኤል ከፈራርሓ ይፍትን ኣሎ ክትብል ምኽሳሳ ንመንግስቲ እስራኤል ኣቖጢዑ።

ማዕከናት ዜና ደቡብ ኣፍሪቃ ከም ጸብጸብኦ፡ እቲ ምፍርራሕ ምስ ኲናት ቓዛ ብዝተሓሓዝ ደቡብ ኣፍሪቃ ኣብ ልዕሊ እስራኤል ብወግዒ ክስታት ድሕሪ ምቕራባ ዝሰዓበ ምዃኑ እታ ሚኒስተር ትገልጽ።

እቲ ናብ ዓለምለኻዊ ቤትፍርዲ ፍትሒ ዝቐረበ ክሲ፡ እስራኤል ኣብ ልዕሊ ፍልስጤማውያን ምጽናት ዓሌት ዝርከብዎም ገበናት ትፍጽም ከም ዘላ ዝምጉት'ዩ።

ሚኒስተር ፓንዶር ንማዕከን ዜና ሜል ኤንድ ጋርድያን ከም ዝበለቶ፡ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ዒላማ ድሕሪ ምዃና፡ ድሕነት ስድራቤታ ከም ዘስግኣ ትዛረብ።

ዘፈራርሕ መልእኽትታት ምስ በጽሓ፡ ኣብ ዙርያኣ ዘሎ ጸጥታዊ ሓለዋ ንምሕያል ምስ ሚኒስተር ፖሊስ በኪ ጸለ ከም ዝተዘራረበት'ውን ጠቒሳ።

"ኣባላት ጸጥታ እስራኤል፡ ትካላት ስለያ፡ ብኸምዚ'ዮም ዝገብሩ፡ ከፈራርሑኻ ይህቅኑ፤ ስለዚ ክንፈርሕ የብልናን። ዝኸይድ ዘሎ ዕላማ ኣለና" ከም ዝበለት እቲ ጸብጻብ ይጠቅስ።

ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ እስራኤል ኣብ ዝሃቦ ተሪር ግብረመልሲ፡ "መሰረት ዘይብሉን ግጉይን" ክብል ንክስታት እታ ሚኒስተር ነጺግዎ'ሎ።

"እዚ መሰረት ዘይብሉን ግጉይን ክስታትን ተወሳኺ ደማዊ ጸለመ ናይታ ሕጋዊ ክንፊ ናይቲ ኣሸባሪ ውድብ ሓማስ ዝኾነት ደቡብ ኣፍሪቃዊት ሚኒስተር እዩ።

"ደቡብ ኣፍሪቃ፡ እስራኤል፡ ነቲ ርእሳን ዜጋታታት ክትከላኸል ዘለዋ መሰል ክትሃስን፡ ንረብሓታት ሓማስን ኢራንን ኣብ ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ንዘለዎም ረብሓታት ከተደንፍዕን ትፍትን ኣላ" ክብል መግለጺ እስራኤል ዓጸፋ ክሲ ዝሓዘ ምላሽ ሂቡ'ሎ።

"መንግስቲ ደቡብ ኣፍሪቃ ንኣሸበርቲ ዝህቦ ደገፍን፡ ብክልተኣዊን ዓለምለኻውን ደረጃታት ኣንጻር እስራኤል ዘካይዶ ዘሎ ተግባራትን ዘይሕከኽ ርስሓት'ዩ"።

ሰበስልጣን ደቡብ ኣፍሪቃ ንፖሊሲ እስራኤል ኣብ ጉዳይ ፍልስጤም ምስቲ ዝተቓለስዎ ዓሌታዊ ስርዓት 'ኣፓርታይድ' ከመሳስልዎ'ዮም ዝስምዑ። እቲ ብኤ-ኤን-ሲ ዝምራሕ መንግስቲ እታ ሃገር ፍልስጤማውያን ናጻ ሃገር ክወሃቦም ዝድግፍ ምዃኑ ይፍለጥ።

ኣብ ሄግ ዝርከብ ቤት ፍርዲ ፍትሒ፡ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ኣብ ዝሃቦ ብይን፡ እስራኤል ኣብ ቓዛ ምጽናት ዓሌት ከይፍጸም ክትከላኸልን ኣብ ውሽጢ ሓደ ወርሒ ጸብጻባ ከተቕርብን ኣዚዙ ነይሩ።

ናለዲ ፓንዶር፡ መንግስቲ ደቡብ ኣፍሪቃ፡ እቲ ቤትፍርዲ ነቲ ጉዳይ ናይ መወዳእታ መደምደምታ ክሳብ ዝህበሉ ክከታተሎ ምዃኑ ሓቢራ'ላ።

ኣብዚ ቀረባ መዓልታት ፕረዚደንት ደቡብ ኣፍሪቃ ስሪል ራማፎዛ፡ ድሕሪ ውሳነ'ቲ ቤት ፍርዲ ኣንጻር ሃገሩ ዝቐንዐ ወፍሪ ክካየድ ከምዝኽእል ኣሚቱ ነይሩ'ዩ።

ሚኒስተር ፓንዶር ንባዕላ፡ ንፖሊሲ ሃገራ ብምድጋፍ፡ ኣንጻር ፖሊሲ እስራኤል ኣብ ጉዳይ ፍልስጤም ተሪር ነቐፌታ ዝሓዘለ መግለጺታት ክትህብ ምጽንሓ ይፍለጥ።