ኣብ እስራኤል፡ ፖሊስ ዝተጸንበሮ ግጭት ኤርትራውያን ልዕሊ150 ሰባት ቈሲሎም

ኣብ እስራኤል ከተማ ተልኣቪቭ ኣንጻር መንግስቲ ኤርትራ ተቓውሞኦም ዘስምዑ ሓተትቲ ዑቕባ ምስ ፖሊስን ደገፍቲ እቲ ስርዓትን ኣብ ዝተጋጨዉሉ እዋን፡ 11 ብጥይት ዝተሃርሙ ዝርከብዎም ብውሕዱ 150 ሰባት ከምዝቘሰሉ ማዕከን ዜና እስራኤል ኣቃሊሓን።

ብመሰረት ጸብጻብ ኣገልግሎት ህጹጽ ረድኤት፡ ካብቶም ዝቘሰሉ 30 ኣባላት ፖሊስ ኰይኖም፡ ቀሊልን ማእከላይ መቝሰልቲ ወሪድዎም ኣሎ።

ኣብ ተልኣቪቭ ዝርከብ ሆስፒታል ኢቺሎቭ፡ 11 ሰባት ብጥይት ዝተሃርሙ ከምዝሓከመን ከምኡ’ውን ካልኦት 4 ኣብ ከቢድ ኵነታት ዝነበሩን መጥባሕቲ ከምዝተገብረሎም ኣፍሊጡ።

ካልኦት ዝተጐድኡ ሰልፈኛታት ናብ ካልኦት ሆስፒታላት ተልኣቪቭ ተወሲዶም ኣለው። ብዛዕባ ሃለዋቶም ግን ዝተፈልጠ የለን።

ፖሊስ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ ኤምባሲ ኤርትራ “በዓል” ከካይድ ኣብ ዝሓሰበሉ ቦታ፡ ኣንጻር እቲ ፈስቲቫል ዝዀኑ ኤርትራውያን ሰልፈኛታት፡ ኣብ ጐደና ያድ ሃሩትዚም ንዝነበረ ሓጹር ፖሊስ ሰቢሮም ናዕቢ ምስ ጀመሩ፡ ፖሊስ ኣድላዩ ስጕምቲ ክወስድ ጀሚሩ ኢሉ።

ብመሰረት እቲ መግለጺ፡ እቶም ኣባላት ፖሊስ ህይወቶም ኣብ ሓደጋ ከምዝወደቐ ድሕሪ ምርግጋጾም ነብሶም ንምክልኻል ብረት ተኲሶም ይብል፤ ብረት ዝዓጠቝ ሲቪል ሰባት ምንባሮምን ዘይምንባሮምን ግን ዝተነጸረ ነገር የለን።

ፖሊስ ነቲ ተቓዉሞ ንምብታን ኣብ ዝገበርዎ ፈተነታት ኣደንዛዚ ቦምባታትን ዘንብዕ ጋዝን ከምዝተጠቕሙ ጋዜጣታት እታ ሃገር ሓቢረን።

ፖሊስ ከም ዝሓበሮ፡ ኣብ እዋን ግጭት 39 ጥርጡራት ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ኣእቲዩ።

ኣኽበርቲ ሕጊ እታ ሃገር ነቲ እናተመላለሰ ዝተጓሃሃረ ኵነታት ክቆጻጸርዎ ኣብ ዘይከኣሉሉ ደረጃ ስለዝወረደ፡ ብዘይካ እቶም ድሮ ኣብቲ ቦታ ዝተዋፈሩ ሓይልታት ፖሊስ፡ ኣማኢት ኣባላት ፖሊስ ናብ ደቡብ ተልኣቪቭ ተዋፊሮም ኣለው።

ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ኣብ ካናዳን ሽወደንን ኣብ ዝነበረ ፈስቲቫል ኤርትራውያን ኣብ መንጐ ደገፍትን ንመንግስቲ ኤርትራ ዝቃወሙ ሰባትን ድሕሪ ዝተፈጥረ ዕግርግር ብዙሓት ኤርትራውያን ተጐዲኦም ምንባሮም ይፍለጥ።

ተቓወምቲ መንግስቲ ኤርትራ፡ እቲ ኣብ ዝተፈላለያ ከተማታት ኣውሮጳን ኣመሪካን ከምኡ’ውን ኣብ እስራኤል ዝካየድ ባህላዊ ፈስቲቫላት ኤርትራ፡ ንመንግስቲ ኤርትራ፡ ንፖለቲካዊ ፕሮፓጋንዳን ከም ምንጪ ገንዘብን ኰይኑ የገልግል’ዩ ብምባል'ዮም ብዙሓት ዝቃወምዎ።

ሰብመዚ ኤርትራን ደገፍትን ግን፡ እቲ ፈስቲቫላት ንባህላውን ማሕበራውን ውህደት ህዝቢ ኤርትራ ዘደንፍዕ ክብሉ ይማጐቱ።

ኣብ እስራኤል ልዕሊ 25 ሽሕ ኤርትራውያን ሓተቲ ዑቕባ ከምዘለው ሰነዳት ሕቡራት ሃገራት ይሕብሩ።

ንሶም፡ ካብ ባርነት ዘይፍለ ሃገራዊ ኣገልግሎት ሃዲሞም ንምደረበዳ ሲና ሰጊሮም ድሕሪ ብዙሕ መከራ ናብታ ሃገር ከምዘኣተው ይገልጹ።

ወዲ 77 ዓመት ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፍወርቂ ንኤርትራ ካብ 1991 ኣትሒዙ ክሳብ ሎሚ ብዘይ ዝዀነ ምርጫን ቅዋምን ነታ ሃገር ይመርሕ ኣሎ።

ብዙሓት መንእሰያት ኤርትራ፡ ብሰንኪ’ቲ መወዳእታ ዘይብሉ ወተሃደራዊ ኣገልግሎትን ዝወርዶም ዝተፈላለየ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላትን ካብታ ሃገር ክሃድሙ ይግደዱ ከምዘለዉ ጕጅለታት ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላትን ክኢላታት ሕቡራት ሃገራትን ይገልጹ።

መንግስቲ እስራኤል፡ ነቶም ኤርትራውያን ሓተትቲ ዕቝባ ንምስጓግ ብዙሕ ፈተነታት ስለዝገብር፡ ዘይርጉእ መጻኢ ሂወት እዩ ዘለዎም።