እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኣብ ሽወደን ፈስቲቫል ኤርትራ ብዘጋጠመ ዕግርግር ልዕሊ 50 ሰባት ቆሲሎም
ሓሙስ 3 ነሓሰ፡ ኣብ መኽፈቲ ዕለት እቲ ክሳብ ሰንበት ክቕጽል ብደገፍቲ መንግስቲ ኤርትራ ዝተዳለወ ዓመታዊ ፈስቲቫል፡ ተቓወምቲ ድሕሪ ዝፈጠርዎ ናዕቢ፡ ዛጊት ልዕሊ 50 ሰባት ተሃስዮም፡ ልዕሊ 100 ተኣሲሮም ከም ዘለዉ ተገሊጹ።
ኣብ ጥቓ እቲ ጽምብል ዝካየደሉ ከባቢ ሰላማዊ ሰልፊ ንምክያድ ፍቓድ ዝተወሃቦም ልዕሊ 1000 ዝዀኑ፡ ካብ ዝተፈላለያ ከተማታት ኣውሮጳ ከምዝተኣኻኸቡ ዝንገረሎም ተቓወምቲ፡ ንሓለዋ ፖሊስ ጥሒሶም ብምእታው ዳሳት እቲ ፈስቲቫል ብምፍራስ መካይን ኣቃጺሎም።
ፖሊስ ሽወደን ነዚ ጉዳይ ኣመልኪቱ ኣቐዲሙ ካብ ዝሃቦ ቃል፡ ሰባት፡ ደጊፎም ይዅን ተቓዊሞም ብዘይ ባእሲ ምትህርራምን ድምጾም ከስምዑን ሓሳባቶም ክገልጹን ሕገመንግስታዊ መሰል ኣለዎም ብምባል፡ ገበን ክሳዕ ዘይፈጸሙ ርእይቶኦም ነኽብረሎም፡ ኢሉ ምንባሩ ማዕከናት ዜና ሽወደን ኣቃሊሐን። ካብዚ ወጻኢ ንዝግበር ምትእኽካብ ይዅን ምንቅስቓስ ንምብታን ግን ፖሊስ ሓይሊ ክጥቀም ምዃኑ ኣጠንቂቝ ነይሩ።
ድሕሪ’ዚ ተጓንፎ ግን፡ "ኣብ ጥቓ እቲ ፈስቲቫል ዝካየደሉ ዝነበረ ከባቢ ካልእ ምትእኽኻብ ነይሩ። ሽዑ ጐነጽ ዝሓወሰ ሓያል ናዕቢ ተላዒሉ" ዝበለ ፖሊስ "ኣስታት 100 ሰባት" ከምዝተኣሰሩ ኣብ መግለጺኡ ሓቢሩ።
ፖሊስ ነቲ ኣብ ሰሜናዊ ክፋል ስቶክሆልም ዝርከብ ያርቫ ዝተባህለ ቦታ ዘጋጠመ ኵነታት ክከታተሎ ከምዘጸንሐ ብምግላጽ፡ "ገበናዊ ተግባራት ናይ ምቍጽጻርን ሕጊ ናይ ምኻባርን ጻዕሮም ቀጺሎም" ኢሉ።
ወሃቢ ቃል ፖሊስ ሽወደን ዳኒኤል ዊክዳል ን ኣሶሽየትድ ፕረስ ኣብ ዝሃቦ ቃል፡ "ካብ 100 ክሳብ 200 ዝዀኑ ሰባት ተኣሲሮም" ኢሉ።
ብተወሳኺ ቁጽሩ ዘይነዓቕ ፖሊስ ክሳብ ሕጂ ኣብቲ ከባቢ ተዋፊሩ ከምዘሎን ምርመራ ከምዝቐጸለን ተዛሪቡ።
ኣብቲ ጐነጽ ዝተፈጠረሉ ከባብን ክሊኒካትን ብወሑድ 52 ሰባት ሕክምና ከምዝተገበረሎም ፖሊስ ብተወሳኺ ገሊጹ ኣሎ።
ብዓርቢ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ ናይ ኣየር ካሜራ ብምጥቃም ነቲ ቦታ ክሳብ ቀዳም ክሕልዎ ምዃኑ ሓቢሩ'ሎ።
ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ዝተዘርግሐ ኣሳእል፡ ብብዝሒ ዝተዋፈሩ ፖሊስ ሽወደን ነቲ ከባቢ ከርዲኖም ብምሓዝ፡ በብኣንፈቱ ንሓያለ ተቓወምቲ መንእሰያት ከጓይዩን ክኣስሩን የርኢ።
‘ስቶክሆልም ሄልዝኬር ኣቶሪቲ’ ዝተባህለ ትካል ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ ኣብ ከባቢ ሰዓት 7 ምሸት፡ 15 ሰባት ናብ ሆስፒታል ከምዝተወሰዱ ሓቢሩ።
እቶም ሸሞንተ "ከቢድ መጉዳእቲ" እቶም ሸውዓተ "ቀሊል መጕዳእቲ" ከምዝወረዶም ዝገለጸ እቲ ትካል፡ ናብቲ ግጭት ዝተኻየደሉ ከባቢ ብዙሓት ጕጅለታት ሕክምና ልኢኹ ምንባሩ ጠቒሱ።
ድሕሪ እቲ ዕግርግር እቲ ዝካየድ ዝነበረ ፌስታቫል ከምዝቐጸለ ማዕከናት ዜና መንግስቲ ኤርትራ ሓቢረን።
"ኣብ’ዚ ብተሳትፎ ኣመሓደርቲ ዞባታት ደቡባዊ ቀይሕ ባሕሪ ኣምባሳደር መሓመድ-ስዒድ ማንታይ፡ ኣመሓዳሪ ዞባ ማእከል ኣቶ ፍስሃየ ሃይለን ኣመሓዳሪ ዞባ ደቡብ ኣቶ ሃብተኣብ ተስፋጼንን ማዕሪጉ ዘሎ ፈስቲቫል፡ ካብ ዝተፈላለያ ከተማታት ሽወደን፡ ኖርወይ፡ ዴንማርክን ፊንላንድን፡ ከምኡ’ውን ካልኦት ሃገራት ኤውሮጳ ዝመጹ ብኣሽሓት ዝቚጸሩ ኤርትራውያንን መሓዙት ኤርትራን ይሳተፉ ኣለዉ" ክብል ሚኒስትሪ ዜና ዘውጽኦ ሓበሬታ ይጠቅስ።
እቲ ካብ 3 ክሳብ 6 ነሓሰ ንኣርባዕተ መዓልታት ክካየድ ዝተወጠነ ፈስቲቫል፡ ብኽልቲኦም ወገናት ብመገዲ ዝተፈላለያ መራኸቢ ብዙሃን ዘመተታት ከካይድሉ ዝጸንሐ ብምዃኑ፡ ልዕሉ ኣቓልቦን ጥንቃቐን ፈጢሩ ጸኒሑ እዩ።
ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ፡ ኣብ ጊሰን ዝተወደበ ዓመታዊ ፈስቲቫል ንምብታን ብዝተኣኻኸቡ ኣስታት ክልተ ሚእቲ ዝዀኑ መንእሰያት፡ 26 ኣባላት ፖሊስ ከምዝሃረሙን ልዕሊ 125 መዝገብ ክሲ ከምዝተኸፍተን ፖሊስ ጀርመን ሓቢሩ ምንባሩ ኣይርሳዕን።
እንተዀነ እቲ ኣብ ውሽጢ ኣዳራሽ ዝካየድ ዝነበረ ፈስቲቫል ኣይተቛረጸን - ንክልተ መዓልቲ ቀጺሉ።
ብድሕሪኡ ግን እቲ ን 15-16 ሓምለ ኣብ ለንደን ማእክል ምዝንጋዕ ሃሮው ክካየድ ተወጢኑ ዝነበረ ተመሳሳሊ ፌስቲቫል ግን፡ ቤት ምኽሪ ሃሮው ብዝወሰዶ ውሳነ ተቛሪጹ።
ፈስቲቫል ኤርትራውያን ስካንድናቭያ፡ ዲያስፖራ ኤርትራውያን ካብ 1990ታት ኣትሒዞም ዘካይድዎ ሓደ ካብ ዓበይቲ ፈስቲቫላቶም ኰይኑ፡ ድሕሪ’ዚ፡ ብሓሙስ ዘጋጠመ ክስተት፡ ወደብቲ ናይቲ ፈስቲቫል፡ “ኩሉ ዝፈረሰን ዝተቓጸለን ጸጊንና እቲ ፈስቲቫል ክቕጽል ጌርና ኣለና፡” ክብሉ ብዝተፈላለየ ማሕበራዊ መራኸቢታት ብኣሳእል ኣሰንዮም ይገልጹ ኣለዉ።