እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኣብ ጎረቤት ሃገሩ ዕልዋ ዝተኻየደ መራሒ ወታሃደራዊ ኣዘዝቲ ቀዪሩ
ኣብ ኣፍሪቃ ንነዊሕ እዋን ኣብ ስልጣን ካብ ዝጸንሑ መራሕቲ ሓደ ዝኾነ ፕረዚደንት ካሜሩን ኣብ ጎረቤቱ ጋቦን ወታሃደራዊ ዕልዋ ኣብ ዝተኻየደሉ መዓልቲ፡ ሓደሽቲ ወታሃደራውያን መራሕቲ መዚዙ።
ፕረዚደንት ፖል ቢያ፡ ብረቡዕ ሰፊሕ ምቅይያራት መራሕቲ ሰራዊት ምክልኻልን ሓይልታት መንግስትን ኣካይዱ።
ምኽንያት ናይቲ ምትዕርራይ ዝምልከት ዝተውሃበ ዕላዊ መግለጺ ግን የለን።
ዳይረክተር ኮምዩኒኬሽን ሰራዊት እታ ሃገር ኮሎኔል ሲሪል ጒሞ ንኤጀንሲ ኤና ቱርኪ ኣብ ዝሃቦ ቃል፡ እቲ ሓድሽ ምትዕርራያት እቲ ፕሪዘደንት ክሓስበሉ ዝጸንሐ ከምዝኾነ ተዛሪቡ።
በዓል ሞያ ጸጥታ ደቪድ ኦቶ ግና ምስቲ “ኣብተን ባዕዳዊ ግዝኣታት ፈረንሳ ዝነበራ ሃገራት ተራእዩ ዘሎ ማዕበል ወታሃደራዊ ዕልዋ. . . ንነዊሕ እዋን ኣብ ስልጣን ዝጸንሑ መራሕቲ” ክሻቕሉ ግድን እዩ ይብል።
ዋላኳ መሪሕነት ፖል ቢያ ድሕሪ ናይ መጀመርታ መረጻ ካብ ወታሃደራት ናይ ዕልዋ ፈተነ ተገይሩዎ እንተነበረ፡ ድሕሪኡ ግን ሰራዊት እታ ሃገር ነቲ ስርዓት ተኣማኒ ኮይኑ ጸኒሑ።
እቲ ብረቡዕ ዝተኻየደ ምቅይያር መራሕቲ ሰራዊት ሰፊሕ ከምዝኾነ'ኳ እንተተገልጸ፡ እቲ ዝተውሃበ ሽመት ዕልዋ ንምክያድ ዘኽእል ስልጣንን ዓቕምን ዘለዎ ከምዘይኮነ ተዓዘብቲ ይዛረቡ።
ወዲ 90 ዓመት ፖል ቢያ ካብ 1982 ጀሚሩ ንካሜሩን ይመርሕ ኣሎ።
ብረቡዕ ኣብ ጎረቤት ሃገር ጋቦን ዝተኻየደ ዕልዋ ኣብታ ሃገር ን 55 ዓመታት ዝዘለቐ መሪሕነት ስድራ ቦንጎ ከብቅዕ ምኽንያት ኮይኑ ኣሎ።
ወተሃደራዊ ዛዘዝቲ ንጀነራል ብራይስ ኦሊጉይ ንጕማ መራሒ መሰጋገሪ መንግስቲ ናይታ ምዕራብ ኣፍሪቃዊት ሃገር ገይሮም ሸይሞም።
ጀነራል ንጕማ ወታሃደራቱ ተሰኪሞምዎ ኣብ ጎደናታት ርእሰ ከተማ ጋቦን ሊብረቫይል ብሓጎስ ክጭድሩ እውን ተራእዮም።
ካብ ስልጣኑ ዝተኣለየ ፕረዚደንት ዓሊ ቦንጎ ብወገኑ ኣብ መንበሪ ገዝኡ ኰይኑ "ኣብ መላእ ዓለም ንዝርከቡ መሓዙቱ” ኣብ ዘሕለፎ መልእኽቲ ኣብ ክንድኡ “ድምጺ ከስምዑ” ሓቲቱ።
ካልእ ባዕዳዊት ግዝኣት ፈረንሳ ዝነበረት ኒጀር ቅድሚ ሰሙናት ብዝተኻየደ ዕልዋ ኣብ ትሕቲ ወታሃደራዊ ምሕደራ ምእታዋ ዝዝከር እዩ።