እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
መራሕቲ ዕልዋ ጋቦን ሓድሽ መራሒ ሸይሞም
ኣብ ጋቦን ብረቡዕ ዕልዋ መንግስቲ ዘካየዱ ወተሃደራዊ ዛዘዝቲ ንጀነራል ብራይስ ኦሊጉይ ንጕማ መራሒ መሰጋገሪ መንግስቲ ናይታ ምዕራብ ኣፍሪቃዊት ሃገር ገይሮም ሸይሞም።
ጀነራል ንጕማ ወታሃደራቱ ተሰኪሞምዎ ኣብ ጎደናታት ርእሰ ከተማ ጋቦን ሊብረቫይል ብሓጎስ ክጭድሩ ተራእዮም።
ካብ ስልጣኑ ዝተኣለየ ፕረዚደንት ዓሊ ቦንጎ ብወገኑ ኣብ መንበሪ ገዝኡ ኰይኑ "ኣብ መላእ ዓለም ንዝርከቡ መሓዙቱ” ኣብ ዘሕለፎ መልእኽቲ ኣብ ክንድኡ “ድምጺ ከስምዑ” ሓቲቱ።
ባዕዳዊት ግዝኣት ፈረንሳ ዝነበረት ጋቦን ካብተን ብዝበእሒ ነዳዲ ዘፍርያ ሃገራት ኣፍሪቃ እያ።
ዕልዋ ፕረዚደንት ቦንጎ፡ ን 55 ዓመታት ዝዘለቐ ቤተሰባዊ ስልጣኑ ከብቅዕ ገይሩ ኣሎ።
ወተሃደራዊ መራሕቲ ትማሊ ንጉሆ ኣብ ቴሌቪዥን ቀሪቦም ስልጣን ከም ዝሓዙ ዕላዊ ገይሮም።
ንሳቶም ነቲ ፕረዚደንት ቦንጎ ዝተዓወተሉን መራሒ ተቓዋሚ ሰልፊ ስኑዕ ከም ዝዀነ ዝገለጾን ውጽኢት መረጻ እታ ሃገር ከም ዝሰረዝዎ ተዛሪቦም።
ብተወሳኺ ንሓደ ካብ ደቂ ዓሊ ቦንጎ፡ ብሃገራዊ ክሕደት ከም ዝኣሰሩ ገሊጾም።
እቶም ጀነራላት ነቲ ስግግር መን ይምርሓዮ ዝብል ንምውሳን ቅልጡፍ ኣኼባ ዘካየዱ ኰይኖም፡ ብሙሉእ ድምጺ ሓላፊ ሓለዋ ቤተ መንግስቲ ንዝነበረ ጀነራል ንጒማ መሪጾም።
ብዙሓት ነበርቲ ሊብረቫይልን ካልኦት ከተማታትን ነቲ ኣዋጅ ዘለዎም ድጋፍ ገሊጾም።
እንተዀነ እቲ ዕልዋ ካብ ሕቡራት ሃገራት፣ ሕብረት ኣፍሪቃን ምስ ስደራ ቦንጎ ጥቡቕ ርክብ ዘለዋ ፈረንሳን ተቓውሞ ኣጋጢምዎ።
ቤት ጽሕፈት ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ብወገኑ ወታሃደራዊ መራሕቲ ጋቦን “ሲቪላዊ ምምሕዳር ክዕቅቡን” እቶም ዕልዋ ዘካየዱ “ድሕነት ኣባላት መንግስቲ ክሕልዉን ክፈትሑን” ተማሕጺኑ።
ብሪጣንያ ብተመሳሳሊ ዘይሕጋዊ ወታሃደራዊ ስልጣን ኰኒና።
ኣብታ ሃገር ኣብ ልዕሊ እቲ ን 55 ዓመታት ስልጣን ዝበሓተ ስደራ ቦንጎ ዝነበረ ቅረታ እናዓበየ ዝመጽአ ኰይኑ፡ ከም ምኽባር ናብራ ዝበሉ ጸገማት ነቲ ዘይዕግበት ኣጋዲዶምዎ።
ሽሙ ክጥቀስ ዘይደለየ ሓደ ነባራይ ሊብረቫይል “ኣብ መጀመርታ ደንጊጸ ነይረ፤ ዳሓር ግን ታሕጓስ ተሰሚዑኒ” ክብል ንቢቢሲ ተዛሪቡ።
“ኣብ ትሕቲ ዕልዋ ይነብር ከምዘለኹ ምፍላጠይ ኣፍሪሑኒ ነይሩ፤ እቲ ታሕጓስ ግን እዚ ስርዓት ክወድቕ ንነዊሕ እዋን ክንጽበ ጸኒሕና ኢና።”
ወዲ 48 ዓመት ጀነራል ንጒማ ኣብቶም ነቲ ወታሃደራዊ ዕልዋ ኣምልኪቶም ዝተውሃቡ ሰለስተ መግለጺታት ኣይተርኣየን ነይሩ።
ነዊሕ እንተይጸንሐ ግና መራሒ ኰይኑ ተሸይሙን ኣብ ጎደናታት እታ ሃገር ብታሕጓስ ተሰኪሞምዎ እንትኸዱን ተራእዩ።
ሓጋዚ ናይቲ ክሳብ ኣብ 2009 ዝሞተሉ ነታ ሃገር ንዳርጋ 42 ዓመታት ዝመርሐ ዑመር ቦንጎ ነይሩ።
ሓደ ናይ ቀረባ መሓዙኡ ንኤኤፍፒ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ ጀነራል ንጕማ መቕርብ ፕረዚደንት ዑመር ቦንጎ ከም ዝነበረን ካብ 2005 ጀሚሩ ክሳብ ዝመውት ኣብ ሆስፒታል ስፔን ከም ዘገልገሎን ኣረዲኡ።
ኣብ እዋን ዓሊ ቦንጎ ድማ መጀመርታ ኣብ ሃገራት ሞሮኮን ሰኔጋልን ከም ወታሃደራዊ ኣታሸ ኰይኑ ሰሪሑ።
ኣብ 2018 ግና ኣብ ትሕቲ ብሪፐብሊካን ጋርድ ዝፍለጥ ዝሓየለ ክፋል ሰራዊት እታ ሃገር፡ ንሓው ዓሊ ቦንጎ ብምትካእ ሓላፊ ድሕነት ኰይኑ ተሸይሙ። ድሕሪኡ ናብ ጀነራልነት ዓብዩ።
እቲ ብቀዳም ዝተኻየደ መረጻ ጋቦን ልክዕ ከም ካልኦት እዋናት ሻቕሎት ዝፈጠረ እዩ ነይሩ።
ቀንዲ ተነሓናሒ እቲ መረጻ ኣልበርት ኦንዶ ኦሳ፡ ብዙሓት ጣብያታት መረጻ ናቱ ሽም ዝሓዘ ወረቐት ከም ዘይበጸሐን ክገልጽ እንከሎ ካልኦት ድማ ናይቶም ዓርሶም ካብ መረጻ እታ ሃገር ዘግለሉ ኣሽማት እንከይተረፈ ኣብቲ መረጻ ምንባሩ ተዛሪቦም።
ዓሊ ቦንጎ ኣብ 2018 ወቕዒ (ስትሮክ) ኣጋጢምዎ ንልዕሊ ሓደ ዓመት ካብ ስራሕ ርሒቑ ዝነበረ ኰይኑ፡ ካብ ስልጣኑ ክወርድ ጻውዒት ይቀርብ ነይሩ።
ኣብ ቀጻሊ ዓመት ድማ ዘይሰመረ ዕልዋ ዘካየዱ ወታሃደራት ናብ ቤት ማእሰርቲ ተላኢኾም።
መሰረታዊ ነገራት ብዛዕባ እቲ ዕልዋ
ጋቦን ኣበይ ትርከብ? ኣብ ምዕራባዊ ገማግም ማእከላይ ኣፍሪቃ እትርከብ 2.4 ሚልዮን ህዝቢ ዘለዋ ብነዳድን መዓድናትን ዝሃብተመት ሃገር እያ
ዓሊ ቦንጎ መን እዩ? ካብ 2009 ኣኣ ጀሚሩ ነታ ሃገር ዘመሓደረ ፕረዚደንት ኮይኑ ብቀዳም ኣብ ዝተኻየደ ኣካታዒ መረጻ ተዓዊቱ ተባሂሉ ነይሩ። ቅድሚኡ ኣቡኡ ነታ ሃገር ን 41 ዓመታት መሪሕዋ
ንምንታይ ዕልዋ ተኻይዱ? ንውጽኢት መረጻ ዝነጸጉ መራሕቲ ሰራዊት ጋቦን ሰላም ንምሕላው ስልጣን ከም ዝተቖጻጸሩ ገሊጾም