ስነስርዓት ቀብሪ 5ይ ፓትሪያርክ ኦርቶዶክሳዊት ቤተክርስትያን ኤርትራ ሎሚ ተፈጺሙ

ምንጪ ስእሊ, Yemane G. Meskel/Twitter
ስነስርዓት ቀብሪ 5ይ ፓትሪያርክ ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስትያን ኣቡነ ቄርሎስ ሎሚ ሓሙስ 8 ታሕሳስ 2022 ተፈጺሙ።
ኣብቲ ኣብ ኣስመራ ዝርከብ ቤተክርስትያን ቅድስቲ ማርያም ዝተኻየደ ውግዓዊ ስነ-ስርዓት፡ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፍወርቂ ዝርከቦም ላዕለዎት ሰበስልጣን መንግስቲ፡ ካህናትን ምእመናንን ከምዝተሳተፉ ማዕከናት ዜና መንግስቲ ሓቢረን።
ግብኣተ መሬት ናይቶም ፓትርያርክ ኣብ ጎደይቲ ኣብ ዝርከብ ገዳም ደብረ ምእዋም ኣቡነ ብጹእኣምላኽ ተፈጺሙ።
ብጹእ ወቅዱስ ኣቡን ቀዳማዊ ቄርሎስ - ሓሙሻይ ፓትሪያርክ ወ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተ ክርስትያን ኤርትራ ንሓጺር መዓልታት ድሕሪ ምሕማሞም'ዮም ብ2 ታሕሳስ 2022 ኣብ መበል 96 ዓመቶም ዓሪፎም
ካብ ኣሓት ኣብያተክርስትያናት ግብጽን ኢትዮጵያን፡ ከምኡ'ውን መራሕቲ ካልኦት ሃይማኖታት ኤርትራ ተረኺቦም ነይሮም።
ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ለካቲት ንዓመታት ኣብ ማሕዩር ዝነበሩ 3ይ ፓትሪያርክ ኦርቶዶክሳዊት ቤተክርስትያን ኤርትራ ኣቡነ ኣንጦንዮስ ኣብ መበል 94 ዓመቶም ከምዝዓረፉ ይዝከር።
ብጹእ ወቅዱስ ኣቡን ቀዳማዊ ቄርሎስ - ሊቀ ጳጳስ ሃገረ ስብከት ዓዲ-ቐይሕ ኰይኖም ከገልግሉ ድሕሪ ምጽናሕ፡ ብመሰረት ሲነዶስ ዘካየዶ ጉባኤን ምርጫን፡ ኣብ ግንቦት 2021፡ 5ይ ሊቃነ-ጳጳስ ፓትሪያርክ ኦርቶዶክስ ተዋሃዶ ቤተ-ክርስትያን ኤርትራ ኮይኖም ተሸይሞም።

ምንጪ ስእሊ, Yemane G. Meskel/Twitter
እቶም ሊቃነ-ጳጳስ፡ ኣብ 2021/22 ናብ ግብጺ፡ ግሪኽ፡ ጀርመን ብምጋሽ፡ ከምኡ'ዉን ንልኡኻን ሶሪያ፡ ዮርዳኖስ፡ ካልኦትን ብምቅባል፡ ምስ ላዕለዎት መራሕቲ ቤተ ክርስቲያን ተራኺቦም፡ መንፈሳዊ ዕማም ከምዘሰላሰሉ ይፍለጥ።
ሲኖዶስ ኦርቶክስ ተዋህዶ ቤተ-ክርስትያን ኤርትራ፡ ንኣቡነ ቄርሎስ መበል 5ይ ፓትርያርክ ንክኾኑ ኣብ ወርሒ ግንቦት 2021 እዩ ሸይማቶም።
ብሰንኪ ምእጋድን፡ ምውጋዝን ምሕያርን 3ይ ፓትርያርክ፡ ኣቡነ ኣንጦንዮስ፡ እታ ቤተ-ክርስትያን ብዘይ ፓትርያርክ ንዓመታት ምጽንሓ ይፍለጥ።
ኣቡነ ኣንጦንዮስ ኣብ ጥሪ 2006 ንፈለማ እዋን ካብ መዝነቶም ክወርዱ ድሕሪ ምግዳዶም፡ ንዕኦም ተኪኦም 4ይ ፓትሪያርክ ኮይኖም ዝተመርጹ፡ ኣቡነ ድዮስቆሮስ ኣብ ታሕሳስ 2015 ካብ ዝሞቱ ንድሓር፡ እታ ቤተክርስትያን ክሳብ 2021 በዘይ ፓትርያርክ'ያ ጸኒሓ።

ምንጪ ስእሊ, Yemane G. Meskel/Twitter




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







