እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኤርትራ፡ 'ኣብ ሱዳን ከም ምሩኻት ካብ ዝተታሕዙ ስደተኛታት ንሓፍተይ ኣለልየያ'
ኣብዚ ቀረባ እዋን፡ ምሕረት ገብሩ፡ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ብብዝሒ ኣብ ዝዘዋወራ ዝነበራ ክልተ ግኑናት ቪድዮ ክሊፕ ኣቓልቦኣ ተሳሕበ። ነቶም ብሱዳናውያን ዕጡቓት ብጭካነ ዝግረፉን ዝጋፍዑን ዝነበሩ ዜጋታት ቀርኒ ኣፍሪቃ ተሰቂቓ እናተዓዘበቶም፡ ንሓፍታ ምስቶም ምሩኻት ምስረኣየታ ኣዝያ ሰንበደት።
“ብቕጽበት ነታ ኣጸቢቐ ዝፈልጣ ኣራንሾኒ ሻርባ ተኸዲና ዝነበረት ልዋም ሓፍተይ ገለ ክፋል ጫማኣን ኣጸቢቐ ኣለልየያ” ክትብል ንቢቢሲ ሓቢራ።
እተን ክልተ ኣሓት ኤርትራውያን እየን። ልዋም ገብሩ ልክዕ ከም ብዙሓት ኤርትራውያን መንእሰያት ካብቲ መጻኢኦም ዝዕንቅፎም ግዜ ገደብ ዘይብሉ ግዱድ ሃገራዊ ዕስክርና ሃዲማ ኣብ 2019 ናብ ኢትዮጵያ ኣትያ። ኣብ ኢትዮጵያ መሰል ዕቝባ'ኳ እንተተዋህባ ኣብታ ሃገር ስደተኛ ኴንካ ምንባር ስለዘየተኣማምን፡ ብዙሓት ሓድሽ ህይወትን ዕድላትን ከናድዩ ሓደገኛ ጕዕዞ ይጅምሩ።
ምሕረት፡ እታ ጓል 24 ዓመት መንእሰይ ሓፍታ ውግእ ሱዳን ድሕሪ ምውልዑ ሒደት ኣዋርሕ ብሱዳን ገይራ ንሊብያ ክትከይድ ንህይወታ ኣብ ሓደጋ ከምዘእተወታ ትገልጽ።
ኣብ ሚያዝያ 2023፡ እቶም ቅድም መሻርኽቲ ዝነበሩ ኣባላት ሰራዊት መንግስትን ሓይልታት ቅልጡፍ ወሃብ ደገፍ (RSF) ኣብ ውግእ ሓድሕድ ምስ ኣተው ሱዳን ኣብ ቅልውላው ኣትያ ትሕመስ ኣላ።
ኣብቲ እዋን ብዙሓት ወጻእተኛታት ካብ ሱዳን ብህጹጽ ይወጽኡ ነይሮም። ሕማቕ ኣጋጣሚ ኰይኑ ግን እቶም ኣቐዲሞም ኣብታ ሃገር ዝጸንሑን ከም ልዋም ዝኣመሰሉ ሓደስቲ ዝኣተው ስደተኛታትን ግን ገሊኦም ብጥርጣረ ከም ምሩኻት ኲናት ተታሒዞም ይርከቡ።
ምሕረት፡ "ንወርሒ ዝኸውን ደሃያ ኣይሰማዕናን” ትብል። "ሓንሳብ ካብ ሱዳን ደዊላ፡ 'ኣይትጨነቑ ፡ ብሰላም ናብ ሱዳን ኣትየ ኣለኹ፣ ኣብዚ ሰሙን እዚ ከኣ ናብ ሊብያ ክንኣቱ ንኽእል ኢና" ኢላትና ነይራ፤ ክትብል እቶም ኣሰጋገርቲ ሓዲግ ከምዘይድርብዩዋ ምሉእ እምነት ከምዝነበራ ትዛረብ።
ይዅን እምበር፡ ዝሓለፈ ሚያዝያ፡ እቲ ዘሰምብድ ቪድዮ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ክሳብ ዝወጽእ፡ ብዛዕባ ሓፍታ ንሓሙሽተ ወርሒ ዝኣክል ደሃይ ኣይነበረን።
ኣብ ቢቢሲ ቨሪፋይ ብዛዕባ ሓቀኛነት ቪድዮን ኣሳእልን ዝምርምር ኣካል እቲ ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ዝተዘርግሐ ቪድዮታት ብ7ን 8ን ሚያዝያ ከምዝተጻዕነ ይገልጽ።
ኣብቲ ቪድዮ፡ ሓደ ናይ ሰራዊት ሱዳን ጀነራል፡ ነቶም ኣብ ናይ ጽዕነት መኪና ዝነበሩ ኣስታት 50 ወይ ካብኡ ንላዕሊ ከም ምሩኻት ዝተታሕዙ ሰባት "ካብ ሶማልያን ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝመጽኡ ዕሱባት እዮም" ክብል ይጠቕሶም።
ንሳቶም፡ ሓይልታት ወሃብ ህጹጽ ደገፍ (RSF) ካብ ዝተቘጻጸሮን ከም መዓስከር ዝጥቀመሉን፡ ካብ ርእሰ ከተማ ካርቱም ብሰሜን ኣብ ዝርከብ፡ ኣብ ከባቢ መጻረዪ ነዳዲ ኣል-ጀይሊ፡ ካብ ውግእ ክሃድሙ ከምዝተታሕዙ እዩ ዝገልጽ።
ኣብ ሓንቲ ካብተን ቪድዮታት፡ ሓደ ሓለቓ ሚእቲ፡ እቶም ምሩኻት፡ ናብታ ካብ ርእሰ ከተማ ሱዳን ብሸነኽ ሰሜን እትርከብ ዋዲ ሰይድና ይሰግሩ ከም ዘለዉ ይገልጽ። ዳዕመ ሰሪዕ፡ ኣብቲ ውግእ ናይ ግዳም ተዋጋእቲ ሰራዊት የሳትፍ ኣሎ ዝብል ዘይተረጋገጸ ሓበሬታ ስለዘሎ፡ ኣብቶም ልዋም እትርከቦም ከም ምሩኻት ተታሒዞም ዘለው ስደተኛታት ብሰራዊት መንግስቲ እቲ ዝተራእየ ጸገማት ከምዘጋጠሞም ይእመን።
ኣብቲ ስእሊ፡ እንተላይ እታ ኣራንሾኒ ዝሕብሩ ሻርባ (ስካፍ) ዝገበረት ሉዋም እትርከቦም ሰባት ኣብ ሓደ መኽዘን ተጸፋጺፎም ከም እተዳጐኑ የርኢ። ምሕረት ሓፍቲ ልዋም ኣብቲ ስእሊ ንሓንቲ ጐረቤቶም መንእሰይ ከምዘላለየት እውን ሓቢራ። ንሕና ብዙሕ ንፈልጦ የብልናን፤ [ሓፍተይን ብጾታን] ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ሰበስልጣን ሱዳን ከም ዘለዉ እዩ ተነጊሩና" ክትብል ተዛሪባ።
ካልኦት ኤርትራውያን ብወገኖም፡ ኣብ ሱዳን ከም ስደተኛታት ዝነብሩ ብወተሃደራት ሱዳን ተታሒዞም ከም ዘለዉ ዝንገረሎም ኣዝማድ ከም ዘለዉዎም ንቢቢሲ ሓቢሮም ኣለዉ ።
ክልተ ካብኦም፡ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ካብ ኤርትራ ወጺኦም፡ ኣብ ጥቅምቲ፡ ኣብ ምብራቓዊ ሱዳን ኣብ እትርከብ ግዝኣት ከሰላ ብውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ዝመሓደር መዓስከር ስደተኛታት በጺሖም። ስድራ ቤቶም፡ ሽዑ ወዲ 17 ዓመት ዝነበረ ዮናታን ተስፋስላሰን መኻይድቱ ወዲ 20 ዓመት ዝነበረ ኤድሞን ኪዳነን፡ ኣሰጋገርቲ ደቂ ሰባት ከም ዝረኸቡዎም ይዛረቡ ።
እቶም ኣሰጋገርቲ፡ ሓደ ሓደ ግዜ ካብ ዳዕመ ሰሪዕ ከምዝመጹ ዝንገረሎም ሰባት ኰይኖም፡ መብዛሕቱ ግዜ ነቶም ሓደስቲ ስደተኛታት መንእሰያትን ዕላማ ብምግባር፡ ገንዘብ እንተኸፊሎም ብውሑስ መገዲ ካብ ሱዳን ከምዘውጽኡዎም ቃል ይኣትዉሎም። ጕዕዞ ምስ ጀመሩ ከኣ ነቶም ስደተኛታት ኣብ ወጻኢ ሃገር ንዝነበሩ ኣዝማዶም ተወሳኺ ገንዘብ ንክኸፍሉሎም ይሓትዎም። ኣብ መወዳእታ ከኣ ኣብ ጥራይ መገዲ ሓዲጎምዎ ይኸዱ።
ዮናታንን ኤድሞንን፡ ናብ ደቡብ ሱዳን ምስ ተበገሱ እቶም ኣስገርቲ ኣብ መገዲ ዝገደፉዎም እሞ ዝተፈለላዩ እዮም ዝመስሉ። ግን ክልቲኦም ናብታ ካብ ካርቱም ብሸነኽ ደቡብ 190 ኪ.ሜ. ርሒቓ እትርከብ ወድ መደኒ እትበሃል ኣብ ፈለማ እቲ ውግእ ብዙሓት ሰባት ዝተዓቝቡላ ውሑስቲ ከተማ ብሓባር ኣትዮም ነይሮም። ኣብ ታሕሳስ እታ ከተማ ኣብ ኢድ ሰራዊት ዳዕመ ሰሪዕ ምስ ወደቐት ከኣ ልዕሊ 300,000 ሰባት ካብቲ ከባቢ ሃዲሞም።
ሸዓ ከኣ እዮም ስድራ ቤት ዮናታን ንመጨረሽታ ግዜ ድምጹ ዝሰምዑ። ሽዑ ዮናታን ምስ ካልኦት ስደተኛታት ናብ ደቡብ ሱዳን ይብገስ ከምዘሎ ነጊሩዎም።
ይዅን እምበር ዳሕራይ፡ ሓፍቲ ዮናታን ዊንታ ተስፋስላሰ፡ ሓዋ ምስቶም ኣብታ ብሰራዊት መንግስቲ እትሕሎ ኣብ ደቡባዊ ሸነኽ እትርከብ ንእሽቶ ከተማ ራቤክ ምስ ዝተታሕዙ ብዙሓት ስደተኛታት ተታሒዙ ክኸውን ከም ዝኽእል ካብቶም ብሰላም ዶብ ዝሰገሩ ስደተኛታት ሰሚዓ።
ገሊኦም [እቶም ዝተታሕዙ ስደተኛታት] ናብታ ኣብ ጥቓኦም እትርከብ ከተማ ሲንጃ፡ ከይዶም ክዀኑ ይኽእሉ እዮም ክብሉ እንከለው፡ ገሊኦም ከኣ ናብታ ኣብ ትሕቲ ቍጽጽር ሰራዊት ዘላ ከተማ ሰናር ተወሲዶም ክዀኑ ከም ዝኽእሉ ይዛረቡ።
ኣብ ዓዲ-እንግሊዝ እትነብር ሓፍቲ ዊንታ፡ "መላእ ስድራቤትና ኣብ ጭንቀት ኢና ዘሎና። እንታይ ክንገብር ከም እንኽእል ኣይንፈልጥን ኢና። ሓውና ብደሓን ምህላው ክንፈልጥ ንደሊ ኢና። ንሱ ንእሽቶይ እዩ። ንኸምዚ ዝኣመሰለ ከቢድ ፈተና ክጻወር ኣይክእልን እዩ። ኣብቲ ኣብ ሱዳን ዝካየድ ውግእ ዘሎ ውግእ ምንም ርክብ የብሉን " ክትብል ንቢቢሲ ሓቢራ ።
ስድራቤት ኤድሞን ብወገኖም፡ ውላዶም፡ እታ ከተማ ኣብ ኢድ ሓይልታት ዳዕመ ሰሪዕ ቅድሚ ምእታው ሒደት ሳምንታት ረኺቦምዎ ነይሩ። ግን ከኣ ተኣሲሩ ዝነበረ እዩ ዝመስል።
ኣብ ኣንጎላ እትነብር ሓፍቱ ኣድያም ኪዳነ፡ “ሓደ ኣሰጋጋሪ ሓውና ብሰራዊት ሱዳን ከም እተታሕዘ ነጊሩና" ክትብል ንቢቢሲ ሓቢራ። እቲ እንኮ ምንጪ ሓበሬታኦም እቲ ኣሰጋገሪ ጥራይ እዩ ነይሩ። "ዳሕራይ ግን ዋላ እውን እንተደወልናሉ ምልዓል ኣብዩና” ትብል።
ኣብ ታሕሳስ፡ ዳዕመ ሰሪዕ፡ ነታ ከተማ ቅድሚ ምቍጽጻሩ ብኣማኢት ኣሽሓት ዝቝጸሩ ስደተኛታት ካብ ወድ-መድኒ ሃዲሞም። ጸብጻባት ከምዝሕብርዎ ልዕሊ 200 ዝዀኑ ስደተኛታት ዝተፈላለያ ሃገራት፡ RSF ናብታ ከተማ ቅድሚ ምእታዊ ኣብ ወድ መደኒ ኣብ ዝርከብ ወተሃደራዊ መናሃርያ ተኣሲሮም ከምዝነበሩን ሰራዊት መንግስቲ ካብታ ከተማ ምስተደፍአ ምስኡ ከም ዝወጽኡን ይሕበር። ቢቢሲ ግን ብመገዱ ከረጋግጾ ኣይከኣለን።
ወኪል ስደተኛታት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ብሰራዊት መንግስቲ ዝተኣስሩ ሓተትቲ ዕቝባን ስደተኛታትን ከምዘለው ጸብጻባት ከምዝረኸበ ይገልጽ። ብመሰረት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብታ ሃገር ልዕሊ 147,000 ኤርትራውያንን ከባቢ 70,000 ኢትዮጵያውያንን ስደተኛታትን ኣለዉ።
እቲ ትካል ስደተኛታት፡ ኣብ ግዝኣት ሲናር ከተማ ሲንጃን ራቤክን ናይ ምጽራይ ተልእኾ ከምዝነበሮ ብምግላጽ፡ ስድራቤታት እቶም እሱራት፡ብመገዲ ገጻት መርበብ UNHCR ሓበሬታ ክህቡ ከምእተማሕጸነ ንቢቢሲ ሓቢሮም።
ከምኡ እውን ኣህጉራዊ ኮሚተ ቀይሕ መስቀል (ICRC)፡ ስድራ ቤታት እቶም ኣብ ኣብ ሱዳን ደሃይ ዘጥፍኡ ደቆም በቲ ኣብታ ሃገር ዘሎ ኣብያተ-ጽሕፈቱ ኣቢሎም ክሕብሩ ኣተሓሳሲቡ።
"ደሃይ ንዘጥፍኡ ኣባላት ስድራቤት ምስ ስድራ ቤታት ንምርኻብ ሓደ ካብቲ ቀዳምነት እንህቦ ነገራት እዩ ። ይዅን እምበር ከምኡ ንኽንገብር ዘሎና ዓቕምን ኣብ ናይ ጸጥታን ድሕነትን ኵነታት እተመርኰሰ’ዩ "ይብል ICRC ንቢቢሲ ።
ኣብ ለንደን ዝርከብ ኤምባሲ ሱዳን ብዛዕባ ኣብ ልዕሊ ወጻእተኛታት ዘጋጥም ዘሎ ማእሰርቲ ንኽምልስ ብቢቢሲ ንዝቐረበሉ ሕቶ መልሲ ኣይሃበን ።
እቲ ዛጊት ልዕሊ 15,000 ሰባት ከምዘህለቐ ዝንገረሉ ውግእ ሓድሕድ ሱዳን ደው ንኽብል ብኣህጉራዊ ማሕበረሰብ ዝካየድ ዘሎ ጻዕርታት ክልቲኦም ወገናት ስለዘይተሰማምዑ እቲ ግጭት ደው ኣይበለን።
እተን ብዛዕባ ሃለዋት ኣሕዋተን ንቢቢሲ ዝተዛረባ ሰለስተ ኣሓት፡ ካብ ቀይሕ መስቀል፡ ው.ሕ.ሃ. ይዅን ካብ ሰራዊት መንግስቲ ሱዳን ሓበሬታ ምርካብ ኣዝዩ ተስፋ ዘቝርጽ መስርሕ ምዃኑ ይገልጻ።
ዊንታ፡ "ትካላት ሕቡራት ሃገራት በጃኻትኩም ሓግዙና። [ደሃይ ኣሕዋትና ጠፊኡና] ተስፋ ቘሪጽና ኣሎና" ኢላ። “ ሰበ-ስልጣን ሱዳን ከኣ በጃኻትኩም ኣሕዋትና ንኽድውሉልና ፍቐዱሎም። እቲ ሰራዊት ንኽፍትሖም ንምሕጽን። እዞም መንእሰያት ካብ ሃገሮም ወጺኦም ናብ ውሑስ ቦታ ናብ ደቡብ ሱዳን ክኸዱ ኣብ ጕዕዞ ዝነበሩ እዮም" ኢላ።