እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ቓዛ፡ 'ታሪኻዊ' ዝተበሃለ ውሳነ ሓፈሻዊ ጉባኤ ሕቡራት ሃገራት እንታይ እዩ?
ሓፈሻዊ ጉባኤ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ቓዛ ህጹጽ ተዅሲ ደው ክብል ዝጠልብ ውሳነ ኣጽዲቑ።
ብሰሉስ፡ ኣብቲ 193 ዝኣባላቱ ባይቶ ዝርከባ 153 ኣባላት ሃገራት ነቲ እማመ ክድግፋ እንከለዋ፡ ኣመሪካን እስራኤልን ዝርከባአን 10 ኣንጻር እቲ እማመ ድምጸን ሂበን፣ 23 ድማ ድምጸ-ተኣቅቦ ገይረን ሓሊፈናኦ።
ኣብ ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ ወኪል ፍልስጤም ርያድ መንሱር፡ ነቲ ውሳነ ኣመልኪቱ ኣብ ዝሃቦ ርእይቶ፡ ‘ታሪኻዊት መዓልቲ እያ’ ኢሉ።
ልኡኽ እስራኤል ጊላድ ኤርዳን ቅድሚ እቲ ምሃብ ድምጺ፡ "ተዅሲ ደው ምባል ዕድመ ግብረ-ሽበራ ሓማስ ንምንዋሕ ጥራይ እዩ ዘገልግል" ኢሉ።
ላዕለዋይ በዓል ስልጣን ሓማስ ባሰም ነዒም ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ምሕላፍ እቲ ውሳነ "ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ፍልስጤም ዝፍጸም ዘሎ ወራር ደው ንምባል ዓለም ዝድግፍ ምዃኑ" ከምዘረጋገጸ ገሊጹ።
ኣሜሪካ ነቲ ውሳነ ኣንጻሩ እኳ እንተኣድመጸት፡ ፕረዚደንት ኣመሪካ ጆ ባይደን ግን፡ እስራኤል ኣብ ልዕሊ ፍልስጤማውያን "ዒላማ ዘይፈለየ" ደብዳባት ብምፍጻማ ዓለምለኻዊ ደገፍ ትስእን ከምዘላ ኣቐዲሙ ኣጠንቂቑ ነይሩ።
ብዘይካ’ዚ፡ መንግስቲ እስራኤል ምስ ፍልስጤማውያን፡ ነቲ ኣብ ‘ምቛም ክልተ ሃገራት’ ዝብል እማመ ዝተደረኸ ፍታሕ፡ ዝቃወም ይመስል ብምባል፡ ኣብ መጻኢ ዕጫ ቓዛ’ውን ስምመዕ ከምዘየለ ገሊጹ።
እቲ ናይ ትማሊውሳነ፡ እቲ ሓፈሻዊ ባይቶ ነቲ ተጻብኦታት ደው ንምባል ዝገበሮ ካልኣይ ፈተነ እዩ።
ኣብ ጥቅምቲ፡ 121 ደገፍ፣ 14 ተቓውሞ፡ 44 ድምጸ-ተኣቅቦ ብምርካብ ኣብ ዘጽደቐቶ ውሳነ "ሰብኣዊ ደውታ ተዅሲ" ጸዊዓ ነይራ።
ከምዚ ዓይነት ውሳነታት ቀያዲ እኳ እንተዘይኰነ፡ ከም ሓያል መዐቀኒ ዓለማዊ ርእይቶ ከምዝረአ ተንተንቲ ይገልጹ።
ዋና ጸሓፊ ሕቡራት ሃገራት ኣንቶንዮ ጉተረዝ፡ ኣብ ቓዛ "ምሉእ ብምሉእ ስርዓት-ኣልቦነት" ንምክልኻል፡ ንሰብኣውነት-ተዅሲ ደው ክብል፡ ካብ ነዊሕ እዋን ኣትሒዙ ክደፍእ ጸኒሑ እዩ።
ዝሓለፈ ዓርቢ ባይቶ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት፡ ኣብ ቓዛ ሰላም ክወርድ ዝጽውዕ ውሳነ ከጽድቕ ኣይከኣለን።
ካብተን ሓሙሽተ ‘ቬቶ ፓውር’ ዘለዎን ኣባላት ቤት ምኽሪ ፀጥታ ሓንቲ ዝዀነት ኣመሪካ - ነቲ ስጕምቲ ‘ድምጺ ብድምጺ ናይ ምስዓር’ [ቀውፊ] መሰላ ተጠቒማ ዓጊታቶ።
እስራኤል ብ7 ጥቅምቲ ኣብ ልዕሊ እስራኤል መጥቃዕቲ ድሕሪ ምፍፃማ፡ እስራኤል ብመሬት ብኣየርን መጥቃዕቲ ሕነ-ምፍዳይ ከተካይድ ጸኒሓ’ያ።
ገለ ካብቶም ብሓማስ ዝተጨውዩ ሰባት በቲ ንሓጺር እዋን ኣብ ግበሪ ዝወዓለ ስምምዕ ‘ተዅሲ ደው ምባል’ ተፈቲሖም።
ብሓማስ ዝመሓደር ሚኒስትሪ ጥዕና ፍልስጤም፡ እስራኤል ኣብ እተካይዶ ዘላ ወተሃደራዊ ስርሒት፡ ልዕሊ 18 ሽሕን 200 ሰባት ከምዝቐተለትን ብዙሓት ደቂ ኣንስትዮን ህጻናትን ዝርከብዎም ብውሕዱ 50 ሽሕ ከምዝቘሰሉ ይገልጽ።