ቻይና፡ ታይዋን ንኽትፍለ ዝሰርሑ ሓይልታት ንምህዳድ ወተሃደራዊ ልምምድ ከተካይድ'ያ

ምንጪ ስእሊ, Eastern Theater Command
ቻይና ነቶም ኣብ ታይዋን ኰይኖም፡ ታይዋን ካብ ቻይና ክትፍለ ዝሰርሑ ሓይልታት ንምህዳድን ንምጥንቃቕን ኣብ ከባቢ ታይዋን ወተሃደራዊ ልምምድ ክትገብር ምዃና ገሊጻ።
እቲ ሓይልታት ኣየር፡ ባሕርን ምድርን ተላፊኖም ዘካይድዎ ወተሃደራዊ ልምምድ ፍሉያት ሓይልታት ተኰስቲ ሮኬታት'ውን ክሳተፍዎ ምዃኖምን እቲ ልምምድ ብናይ ብሓቂ ምትኳስ ብረታተት ተሰንዩ ሰሉስ ክካየድ ምዃኑ ሰራዊት ቻይና ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ ሓቢሩ።
እቲ 'ጃስቲስ ሚሽን 2025' ዝብል ስም ዝተውሃቦ ወተሃደራዊ ልምምድ፡ ኣመሪካ ንታይዋን 11 ቢልዮን ዶላር ዝዋጋኡ ዝተፈላለየ ወተሃደራዊ መሳርሒታት ከምዝሸጠትላ ድሕሪ ምሕባራ ነዊሕ ከይጸንሐ'ዩ ብቻይና ተኣዊጁ ዘሎ።
ኣመሪካ ንታይዋን ወተሃደራዊ መሳርሒታት ምሻጣ፡ ንቻይና ኣዝዩ'ዩ ኣቘጢዕዋ፣ ከም ውጽኢቱ ኣብ ልዕሊ ወተሃደራዊ ንብረታት ኣመሪካ እገዳ ከተንብር ኣገዲድዋ ኣሎ።
ብዘይካ'ዚ ቻይና እታ ኣካል ግዝኣተይ እያ እትብላ ታይዋን ኣብዚ ዓመት እዚ ወተሃደራዊ ዓቕማ ንምድልዳል ዝገበረቶ ሓያለ ሸመታ ኣጽዋር ኣቘጢዕዋ እዩ።
ቤት ጽሕፈት ፕረዚደንት ታይዋን፡ እቲ ቻይና ኣብ ከባቢ ታይዋን ከካይዶ'የ ዝበለቶ ወተሃደራዊ ልምምድ ንዓለምለኻዊ ሕግታት ዝጥሕስ'ዩ ብምባል ነቒፍዎ።
ምኒስትሪ ምክልኻል ታይዋን ብወገኑ፡ ሎሚ ሰኑይ ወጋሕታ ወተሃደራውያን ነፈርትን መራኽብ ውግእን ቻይና ኣብ ከባቢ ታይዋን ከምዝተራእያ ብምሕባር ስርዓት ሚሳይል ምክልኻል ነፈርቲ ይከታተለን ከምዘሎ ሓቢሩ።
ሰራዊት ኣብ 'ሓያል ተጠንቀቕ' ከምዘሎ ብምሕባር ንህዝቡ ካብ ዝዀነ መጥቃዕቲ ንምክልኻል ድሉው ከምዘሎ እቲ ምኒስትሪ ኣፍሊጡ።
ንኸባቢ ወሽመጥ ታይዋን ዝከታተል ምብራቓዊ እዚ ቻይና ኣብ 'ወይ'ቦ' ዝተባሃለ ማሕበራዊ ሚድያ ኣብ ዝለጠፎ ጽሑፍ፡ ነቲ ወተሃደራዊ ልምምድ "ዕርዲ ፍትሒ" ኢሉ ገሊጽዎ።
ቻይና ንነዊሕ ዓመታት ታይዋን ብሰላማዊ መንገዲ ምስ ቻይና ክትጽንበር'ኳ ክትጽውዕ እንጸንሐት፡ እዚ ምስ ዘይከውን ግን እታ ደሴት [ታይዋን] ካብ ቻይና ከይትንጸል ሰላማዊ ዘይኰነ ኣገባብ ክትጥቀም ከምእትኽእል ሕግታት ብምጥቃስ ክትሕብር ጸኒሓ'ያ።
መንግስቲ ቻይና፡ ፕረዚደንት ታይዋን ላይ ቺንግ ተ ንናጽነት ታይዋን'ዩ ዝሰብኽ ብምባል ብተደጋጋሚ ክትከሶ ጸኒሓ'ያ።
ፕረዚደንት ላይ ቺንግ ተ፡ ታይዋን ድሮ ልኡላዊት ሃገር ምዃና ብምግላጽ ነጻ ሃገር'የ ኢላ ምእዋጅ ከምዘየድልያ'ዩ ዝገልጽ።
ላይ ቺንግ ተ ብሰንበት ኣብ ተለቪዥን ታይዋን ቀሪቡ ኣብ ዝሃቦ ቃል፡ "ቻይና ክትበጽሖ ናብ ዘይክትኽእል ብራኸ ኢና ክንድይብ ዘለና" ድሕሪ ምባል፡ "ንቻይና ናይ ምትዅታኽ ድሌት የብልናን እንተዀነ ሰላም ኣብ ናይ ብሓቂ ሓይሊ'ዩ ዝምርኰስ" ኢሉ።
ክሳብ ሕጂ ብተደጋጋሚ ዝተገበረ ምርጫታት ዝበዝሕ ህዝቢ ታይዋን 'ስታተስ ኮ' ክኸውን'ዩ ዝደሊ፡ እዚ ኸኣ ምስ ቻይና ሓንቲ ሃገር ክዀኑ ኣይደልዩን'ዮም ከም ሃገር ከኣ ብወግዒ ነጻነቶም ክእውጁ ኣይደልዩን።

ምንጪ ስእሊ, CCTV
ቻይና ካብ 2022 ጀሚራ ኣብ ወሽመጥ ታይዋን ብተደጋጋሚ ወተሃደራዊ ልምምዳት ከተካይድ ጸኒሓ'ያ፤ ብፍላይ ከኣ ገለ ንቻይና ባህ ዘየብል ንጥፈታት ምስ ዝካየድ።
ንኣብነት ኣብ 2022 ኣፈ ጉባኤ ባይቶ ኣመሪካ ዝነበረት ናንሲ ፔሎሲ ናብ ታይዋን ምብጻሕ ምስ ፈጸመትን ኣብ 2024 ፕረዚደንት ላይ ቺንግ ተ ቃለ መሓላ ምስ ፈጸመን በይጂን ከይውዓለን ከይሓደረን'ያ ኣብ ከባቢ ታይዋን ወተሃደራዊ ልምምዳት ጀሚራ።
እቲ ናይ ቀረባ ተዘክሮ ከኣ እቲ ኣብ ዝሓለፈ ሚያዝያ ኣብ ወሽመጥ ታይዋን ዘካየደቶ ወተሃደራዊ ልምምድ ምጥቃስ ይክኣል።
ታይዋን'ውን ህዝባ ካብ ቻይና ክመጽኦ ዝኽእል መጥቃዕቲ ንምድላውን ንቻይና ናይ ምክልኻል ዓቕሚ ከምዘለዋ ንምርኣይን ብተደጋጋሚ ወተሃደራዊ ልምምዳት ክትገብር ትርአ'ያ።
ኣብዚ ዓመት ንዓሰርተ መዓልታት ብዘይምቍራጽ ዘካየደቶ ወተሃደራዊ ልምምድ ከኣ እቲ ዝነወሐ ወተሃደራዊ ልምምድ ታይዋን ኰይኑ ተመዝጊቡ'ሎ።
ፕረዚደንት ላይ ቺንግ ተ ናብ ስልጣን ካብ ዝመጽእ፡ ታይዋን ወተሃደራዊ ዓቕማ ኣብ ምድልዳል ሰፍ ዘይብል ወጻኢታት'ያ ገይራ።
ኣብ ጥቅምቲ፡ እቲ ኣብ ታይዋን ተተኺሉ ዘሎ ንኣይሮን ዶም ናይ እስራኤል ዝመሳሰል ስርዓተ ምክልኻል 'ካብ ተጻባእቲ' ንምክልኻል ኢና ተኺልናዮ ኢሉ። እንተዀነ እታ ተጻባኢት ዝበላ ቻይና'ያ ኣይበለን።
ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ፡ ቻይና ንታይዋን እንተ ኣጥቂዓታ፡ ጃፓን ንታይዋን ንምክልኻል ኢዳ ከምእተእቱ መራሒ ጃፓን ኣብ ባይቶ ሃገሩ ድሕሪ ምዝራቡ እቲ ዞባዊ ምትፍናን ካልእ መልክዕ ሕጂ ተራእዩ'ዩ። ከም ውጽኢቱ ቻይና ዜጋታታ ናብ ጃፓን ከይገሹ ኣጠንቂቓ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







