ዓባይ ብሪጣንያ፡ ዝምለሱ ስደተኛታት ንዘይቅበላ ሃገራት ቪዛ ከም እትኽልክል ደጊማ ተጠንቅቕ

ጸሓፊት ውሽጣዊ ጸጥታ ኣመሪካ ክሪስቲ ኖኤም (የ) ምስ ጸሓፊት ውሽጣዊ ጉዳያት ዓባይ ብሪጣንያ ሻባና ማሕሙድ ኢደን ተጨባቢጠን ፍሽኽ ኢለን ናብ ካሜራ እናጠመታ

ምንጪ ስእሊ, Reuters

መግለጺ ስእሊ, ጸሓፊት ውሽጣዊ ጸጥታ ኣመሪካ ክሪስቲ ኖኤም (የ) ምስ ጸሓፊት ውሽጣዊ ጉዳያት ዓባይ ብሪጣንያ ሻባና ማሕሙድ

ዓባይ ብሪጣንያ ንዘይተሓባበሩን ስደተኛታት ንምምላስ ዘይሰማምዑን ሃገራት ቪዛ ደው ከተብል ከም እትኽእል ሓዳስ ጸሓፊት ውሽጣዊ ጉዳያት ሻባና ማሕሙድ ሓቢራ።

ሻባና ነዚ ዝተዛረበት፡ ንኣኼባ 'ፋይቭ ኣይስ' ንምስታፍ ካብ ኣመሪካ፡ ኣውስትራልያ፡ ኒውዚላንድን ካናዳን ናብ ለንደን ንዝመጽኡ ምኒስተራት ኣብ ዘአንገደትሉ እዋን እዩ።

ኣብዚ እዋን'ዚ፡ መንግስቲ ዓባይ ብሪጣንያ ብጀላቡ ገይሮም መትረብ እንግሊዝ ዝሰግሩ ብዝሒ ሰባት ንምግታእ ሓያል ጸቕጢ ገጢሙዎ ኣሎ።

ሻባና ብቐዳም - ኣብ ቀዳመይቲ ናይ ስራሕ መዓልታ - 1,097 ሰባት በቲ መትረብ ናብ ዓዲ እንግሊዝ ኣትዮም። እዚ ቍጽሪ ድማ ሓደ ካብ ዝዓበየ ብዝሒ ኰይኑ ተመዝጊቡ ይርከብ።

ጸሓፊት ውሽጣዊ ጉዳያት ኰይና ድሕሪ ምሻማ ብዓርቢ ኣብ ዝሃበቶ ፈላማይ መግለጺ፡ ቀንዲ ዕላምኣ ዶባት ዓባይ ብሪጣንያ ምሕላው ምዃኑ ገሊጻ።

ብዛዕባ ቪዛ ኣመልኪታ ድማ፡ "ብፍላይ ምስተን ዜጋታተን ዘይቅበላ ሃገራት፡ ከምኡ'ውን እቶም ኣብዚ ክህልዉ ፍቓድ ዘይብሎም ሰባት ኣልጊስና ናብ ዓዶም ክንመልሶም ከም እንኽእል ንምርግጋጽ ብሓባር ኰይና ክንሰርሓሉ እንኽእል ባይታ ዘሎ እመስለኒ፡" ኢላ።

ኣብ ልዕሊ'ተን ዘይተሓባባራ ሃገራት፡ "ኣብ መንጎ እተን 'ፋይቭ ኣይስ' ሃገራት ዝተወዳደ ሓባራዊ ስጕምቲ ክውሰድ ተዛሪብና ኣለና፡" ክትብል ተዛሪባ።

"ሃገራት ክተሓባበራ እንተ ዘይክኢለን፡ ዝስዕብ ቪዛ ምቍራጽ እዩ። ሃገራት ነቲ ሕጊ ክኽተላ ንጽበ። ሓደ ሰብ ኣብ ሃገርና ክህሉ መሰል እንተ ዘይብሉ ድማ ክንመልሶ ኣለና።"

እዛ ጸሓፊት ውሽጣዊ ጉዳያት፡ ኣብ መጻኢ ቪዛ ዝእገዳ ሃገራት ብዓል መን ክዀና ከም ዝኽእላ ግን ኣይገለጸትን።

ቀዳማይ ምኒስተር ዓባይ ብሪጣንያ ሰር ኬር ስታርመር ቅድሚ ሕጂ ዝያዳ ግብራዊ ኣገባብ ቪዛ ከም ዝመርጽ ገሊጹ ነይሩ።

እቲ ቀዳማይ ምኒስተር ኣብ ሰነ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ እቲ ዝወሃብ ቪዛ ብመንጽር እተን ሃገራት ዜጋታተን ክቕበላ ዘርእያኦ ድሌት ክምርኰስ ይሓስበሉ ከም ዘሎ ሓቢሩ ነይሩ።

ትማሊ ሰኑይ ወሃቢ-ቓል ቀዳማይ ምኒስተር ኣብ መንጎ መሓዙት 'ፋይቭ ኣይስ' ኣብ ዘይሕጋዊ ስደት ብሓባር ንምስራሕ ዝተገብረ ስምምዕ ነቲ ጉዳይ ንምምካት ካልእ መሳርሒ ምዃኑ፡ መንግስቲ ዘይሕጋዊ ስደት ደው ንምባልን ኣብዚ ክህልዉ ዘይብሎም ሰባት ንምምላስን ኵሉ ኣማራጺታት ንምጥቃም ዘለዎ ቈራጽነት ዘርኢ ምዃኑ ገሊጹ።

ብሰንበት ዝኣተዉ ብዝሒ ስደተኛታት፡ ንጠቕላላ ቍጽሪ ናብ ዓዲ እንግሊዝ ዝኣተዉ ስደተኛታት ልዕሊ 30,000 ከም ዝበጽሕ ገይሩዎ ኣሎ። ነዚ ኣሃዝ ድማ እያ ሻባና፡ "ፍጹም ተቐባልነት ዘይብሉ፡" ክትብል ዝገለጸቶ።

ኣብዚ ዓመት፡ ብዝሒ ናይቶም ብንኣሽቱ ጀላቡ ዝኣተዉ ሰባት ካብ ዝሓለፈ ዓመት ብ37% ከም ዝወሰኸ ፒ.ኤ. ገሊጹ።

ዳይረክተር ትካል ትዕዝብቲ ስደተኛታት ዩኒቨርሲቲ ኦክስፎርድ ዶክተር ማድሊን ሳምፕሽን፡ "ዝምለሱ ሓተትቲ ዕቝባ ምቕባል ዝኣብያን ልዑል ጠለብ ቪዛ ዓባይ ብሪጣንያ ዘለወንን ሃገራት ኣዝየን ውሑዳት ሃገራት ኣለዋ፡" ኢላ። ንህንዲ፡ ባንግላድሽ፡ ፓኪስታንን ኔፓልን ድማ ከም ኣብነት ጠቒሳ።

"እዘን ሃገራት እዚኣተን ቪዛ ንምንካይ ንዝቐርብ ስግኣታት ብኸመይ ምላሽ ከም ዝህባ፡ ኣብቲ ንዜጋታተን ዝኸውን ኣማራጺታት ቪዛ ክሳብ ክንደይ ከም ዝግደሳ ክምርኰስ ይኽእል እዩ።"

ሻባና ማሕሙድ (ማእከል) ምስ ካብ (ጸጋም ናብ የማን) ኒውዚላንድ፡ ካናዳ፡ ኣመሪካን ኣውስትራልያን ዝመጽኡ ሰበስልጣን

ምንጪ ስእሊ, PA Media

መግለጺ ስእሊ, ሻባና ማሕሙድ (ማእከል) ምስ ካብ (ጸጋም ናብ የማን) ኒውዚላንድ፡ ካናዳ፡ ኣመሪካን ኣውስትራልያን ዝመጽኡ ሰበስልጣን

ተመዓዳዊ ጸሓፊ ውሽጣዊ ጉዳያት [ካብ ተቓዋሚ ሰልፊ] ክሪስ ፊልፕ፡ እቲ ብሰልፊ ዕዮ ዝምራሕ መንግስቲ፡ "ብሓይለ-ቓል ምዝራብ ኣቋሪጹ ተግባር ዝጅምረሉ ግዜ ኣኺሉ እዩ፡" ኢሉ። ብተወሳኺ፡ ዓባይ ብሪጣንያ ዜጋታተን ክቕበላ ድልዋት ንዘይኰና ሃገራት እትህቦ ሓገዝ ከተቋርጾ ከም ዘለዋ ሓቢሩ።

ቀጺሉ፡ መንግስቲ ሰልፊ ዕዮ፡ "ዶባትና ንምሕላው ዘድሊ ስጕምትታት ኣብ ምውሳድ ኣዝዩ ድኹም ብምዃኑ፡ ኣብዚ ቀረባ እዋን ክቕየር ዝኽእል ዝዀነ ምልክት ኣይርኣኹን፡" ኢሉ።

ጸሓፊት ውሽጣዊ ጉዳያት ሻባና ማሕሙድ ምስታ ምምሕዳር ትራምፕ ስደተኛታት ንምስጓጕ ኣብ ዝገብሮ ዘሎ ጻዕሪ ቀንዲ ተዋሳኢት ዝዀነት ምኒስተር ድሕነት ኣመሪካ ክሪስቲ ኖኤም ዝርርብ ኣካይዳ።

ኪዳን 'ፋይቭ ኣይስ' ኣብ መንጎ ኣመሪካ፡ ዓባይ ብሪጣንያ፡ ካናዳ፡ ኣውስትራልያን ኒውዚላንድን ንነዊሕ እዋን ዝጸንሐ ናይ ስለያ ምክፍፋል ስምምዕ እዩ። ሓደ ካብ ዕዉታት ምልውዋጥ ስለያዊ ሓበሬታ ተባሂሉ እውን ይግለጽ።