ጀርመን፡ ብረቂቕ ስልቲ ሓሺሽ ምስ ፒሳ ኣዳቒላ ትሸይጥ ዝጸንሐት እንዳ ፒሳ

ፒሳ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ፖሊስ ጀርመን ኣብ ምዕራብ እታ ሃገር ሓንቲ እንዳ ፒሳ ጎኒ ጎኒ ፒሳ ምሻጥ ንተገልገልታ ብሕቡእን ብረቂቕ ስልትን ኮከይን ዝዓይነቱ ሓሽሽ ክትሸይጥ ምጽንሓ ድሕሪ ምፍላጡ ነታ ትካል ተቖጻጺርዋ።

ዓማዊል እታ እንዳ ፒሳ ናብቲ ትካል መጺኦም 'ቁጽሪ 40' ኢሎም እንተኣዚዞም፡ ምስቲ ፒሳ ሓሺሽ ከምዝውሃቦምን እታ ቁጽሪ 40 ትብል ሽም ነቲ ሓሺሽ ወኪላ ከም መረዳድኢ ኮይና ከተገልግል ምጽንሓን ፖሊስ ጀርመን ኣፍሊጡ።

ፖሊስ ጀርመን እታ እንዳ ፒሳ ተካይዶ ዝጸንሓት ‘ዘይሕጋዊ ንግዲ’ ኣብ ዝሓለፈ መጋቢት’ኳ ኣንተበጽሖም ክከታተልዋ ምጽንሖም ዳይረክተር ምክልኻል ገበናት ጀርመን ሚካኤል ግራፍ ቮን ሞልተክ ብሰኑይ ንማዕከናት ዜና ሓቢሩ።

ፖሊስ ነቲ ‘ማናጀር’ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ከእትውዎ ናብቲ ቤት መግቢ ምስ ኣተዉ፡ ሓሺሽ ዝሓዘ ቦርሳ ብፍኒስትራ ናብ ደገ ከምዝደርበየ ተገሊጹ።

ፖሊስ ኣብታ ቤት መግቢ 1.6 ኪሎግራም ኮከይን 400 ግራም ካናቢስ ዝዓይነቱ ዕጸ-ፋርስን 268 ሽሕ ኤሮ ጥረ ገንዘብን ከምዝረኸቡ ገሊጾም።

እቲ ማናጀር ቤት መግቢ፡ ፖሊስ ብስልቲ ንውሑዳት መዓልታት ኣሲሩ ነጻ ምስ ገደፎ፡ ነታ እንዳ ፒሳ ዳግማይ ከፊቱ ጎኒ ጎኒ ምሻጥ ፒሳ ነቲ ምሻጥ ሓሺሽ’ውን ቀጺልዎ።

መርመርቲ ፖሊስ እቶም ነታ እንዳ ፒሳ ሓሺሽ ዘቅሩቡላ ወገናት ምስ ተኸታተልዎም ምስ ሓደ ኣብ ምዕራብ ጀርመን ዘሎ ሰፊሕ መርበብ ዘይሕጋዊ ምዝውዋር ሓሺሽ ዘለዋ ርክብ ከረጋግጹ ክኢሎም።

ብዘይካ’ዚ ፖሊስ እቲ ሓሺሽ ኣብ ምዕራብ ጀርመን ካብ ከተማ ዱሰልዶርፍ ንምዕራብ ኣብ ዝርከብ ናይ ሕርሻ ቦታ 300 ተኽሊ ሓሺሽ ዝተኣረየ ከምዝኾነን ኣብ ካልእ ምብራቕ እታ ከተማ’ውን ካልእ 60 ዝኸውን ተኽሊ ሓሺሽ ክረኽቡ ክኢሎም።

በቲ ፖሊስ ዘካየዶ ስርሒት ቀንዲ ኣበጻጻሒ እቲ ዕጸ ፋርስ ምዃኑ ዝተጠርጠረ ወዲ 22 ዓመትን ካልኦት ሰለስተን ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ክኣትዉ እንከለዉ ካልኦት 12 ጥርጡራት ትካላት ተዓጽየን ኣለዋ።

ፖሊስ ኣብተን ጥርጡራት ትካላት ኣብ ዝገበርዎ ሃንደበታዊ ተፍትሽ ወተሃደራዊ ብረት፡ ሰልድን ኣዝየን ክቡራት ሰዓታታን ክረኽቡ ክኢሎም’ዮም።

እቲ ብፖሊስ ብፍላጥ ነጻ ዝተገደፈ ማናጀር እታ እንዳ ፒሳ ካብ ጀርመን ብሕቡእ ክወጽእ ኣብ ዝፈተነሉ ዳግማይ ብፖሊስ ተታሒዙ ኣብ ቀይዲ ኣትዩ ተኣሲሩ ከምዘሎ ክፍለጥ ተኻኢሉ።

ዳይረክተር ምክልኻል ገበናት ጀርመን ሚካኤል ግራፍ ቮን ሞልተክ “ኣብታ ገዛ ፒሳ ቁጽሪ 40 እታ ኣዝዩ ጠለብ ዘለዋ ትእዛዝ’ያ” ብምባል ሓሽሽ ደልዮም ናብታ ገዛ ዝመጽእ ሰባት ኣዝዮም ብዙሓት ምዃኖም ኣብሪሁ።

ፖሊስ ዝርዝር ኣስማት ናይቶም ካልኦት ኣብቲ ዓንኬል ምሻጥ ሓሺሺ ተዋፊሮም ዝጸንሑ ኣየቃልዐን።