እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ካርቱም፡ ጋዜጠኛ ቢቢሲ ዝተዓዘበቶ ዕንወትን ተስፋ ሱዳናውያንን
ዝዓነወ ማእከል ካርቱም፡ ድሕሪ እቲ ሰሙናት ዝወሰደ ከቢድ ውግእ፡ ብዘገርም መንገዲ ጸጥታ ዓሲሉዎ ኣሎ።
ሰራዊት ሱዳን ኣብ ማእከላይ ዞባ ንሽዱሽተ ኣዋርሕ ከካይዶ ዝጸንሐ ውግእ፡ ንሓይልታት ዳዕመ-ሰሪዕ ካብ ካርቱም ብምውጻእ ምስ ዛዘሞ ኢና ድሕሪ ሒደት መዓልታት ናብታ ከተማ ኣቲና።
እታ ሓደ እዋን መትኒ ንግዳዊ ንጥፈታትን መዓም መንግስትን ዝነበረት ካርቱም፡ ኣብዚ ግዜ'ዚ ብዘይካ ዕንወት ካልእ የብላን።
ዳግማይ ምቍጽጻር ካርቱም፡ ኣብዚ ንኽልተ ዓመት ክኸይድ ዝጸንሐ ኲናት ነጥበ-መቐይሮ እዩ። እዚ ግጭት፡ ብውሕዱ ህይወት 150,000 ሰባት ከም ዝወሰደ ይግመት።
ግናኸ፡ ዒድ ኣልፈጥር ንምጽንባል ናብ ጐደናታት ካርቱም ዝውሕዙ ዘለዉ ሰባት፡ እቲ ኲናት ከም ዝተዛዘመ ኣብ ዝሓስብሉ ዘለዉ እዋን፡ እቲ ግጭት እንታይ ኣንፈት ከም ዝሕዝ ገና ንጹር ኣይኰነን።
ፈለማ መኪናና ኣልዒልና፡ ናብቲ ዳዕመ-ሰሪዕ ንኽልተ ዓመት ተቘጻጺሩዎ ዝጸንሐ ቤተመንግስቲ ፕረዚደንት ኢና ኣምሪሕና።
እዚ ቦታ'ዚ ንዳዕመ-ሰሪዕ ኣገዳሲ መደበሮም እዩ ነይሩ።
እቲ ምድሪ-ቤት ብፍርስራስን ዝተሰባበሩ ቤትሮታትን መሊኡ ጸኒሑና።
እቶም ኣብ ሓደ እዋን ንወግዓዊ ኣገልግሎታት ዝጥቀምሎም ዝነበሩ መናብር ደሮና ዓሲሉዎም ይርኣዩ። ውሑዳት ቅብኣታት ክሳዕ ሕጂ ኣብ መንደቕ ተሰቒሎም ኣለዉ። ዝኣረጉ መብራህትታት ኣብ ናሕሲ ተንጠልጢሎም ይርከቡ።
ዝተረፈ ካልእ ግን ኵሉ ተራስዩ እዩ - ዋላ እቶም ገመዳት ኤለክትሪክ ካብ መናድቕ ተመዚሒቘም ወጺኦም እዮም።
እቲ ዝለዓለ ጕድኣት ዝወረዶ ቅድሚት ናይቲ ህንጻ ኰይኑ፡ ሰራዊት ሱዳን ነቲ ቤተመንግስቲ ምስ ተቘጻጸሮ ብድሮን ዳዕመ-ሰሪዕ ተሃሪሙ ዝዓነወ እዩ።
እቲ ቀንዲ መእተዊ ዓንዩ፣ ዝነቐጸ ደም ገና ኣብቲ መደያይቦ ይርአ። እቲ ናብ ኒል ዘጠምት መስኮት ተሰባቢሩ ኣሎ።
ሓደ ወተሃደር ኣብቲ ረሳሕ ቀይሕ ምንጻፍ እናተጓዓዝና ከለና፡ "ኣብ ቤተመንግስቲ ሪፓብሊካን ብምህላወይ ብሓቂ ኣዝየ ተሓጒሰ፡" ኢሉኒ።
"ኣብዚ ቦታ ክህሉ ፋልማየይ እዩ። ነዚ ቦታ ከም ኵሉ ሱዳናዊ ክጽበዮ እየ ጸኒሐ። [እዚ ቦታ] ናጻ ክኸውን ድላይ ጸኒሑዎም፣ ምኽንያቱ፡ ትእምርቲ ክብርና ስለ ዝዀነ።"
ንሰራዊት እውን ኣገዳሲ ምልክት በትረ-ስልጣን እዩ።
ወተሃደራት ደሪፎምን ተላህዮምን፣ ዒድ ኣልፈጥር ምስ ሰዓበ ድማ ሓጐሶም ሰማይ ዓሪጉ።
ኣብታ ርእሰ ከተማ ብዙሓት ከም ጀጋኑ ስለ ዝርእዩዎም፡ ሓደ ኣብቲ ከባቢ ዝርከብ ቤት-ብልዒ መግቢ ጋቢዙዎም።
እንተዀነ፡ እቲ ዓወቶም ብዙሕ ዋጋ ተኸፊሉዎ እዩ።
ኣብ ማእከላይ ካርቱም ዘሎ መጠን ዕንወት ዘደንጹ እዩ። ህንጻታት ምኒስትሪታት፡ ባንክታት፡ ኣብ ነዋሕቲ ህንጻታት ዝርከቡ ኣብያተ ጽሕፈት ወዘተ ጠቐር ተኸዲኖምን ተቓጺሎምን ኣለዉ።
ኣብቲ ኣህጉራዊ መዓርፎ-ነፈርቲ እቲ ነፈርቲ ዝዓልባሉ ጽርግያ፡ ብግላድ-ምላድ ነፈርቲ ዝመልአ ኰይኑ፡ ፖስፖርትታትን መእተዊ ገያሾን ብሓሙኽሽቲ ተሸፊኑ ይርአ።
ኣብቲ ጽርግያ ካብ ዘይተፈንጀረ ቦምባታት እናተኣለና፡ ቀስ ኢልና ብመኪናና ንጓዓዝ ነይርና።
ኣብ ሓደ መስቀላዊ መንገዲ፡ ኵምራ ክፍልታት ኣካላት ስለ ዝነበረ፡ ክልተ ሽክና ርእሲ ብንጹር ይርአ ነይሩ። ካብቲ ጽርግያ ኣስታት 100 ሜትሮ ንቝልቍል፡ ሓደ ሬሳ ኣብ ቅድሚ ሓንቲ ዝተበላሸወት መኪና ተደፊኡ ነበረ።
ኣብታ ብ1908 ብእንግሊዛውያን ዝተሃንጸትን ንውሑዳት ክርስትያን ህዝቢ እታ ሃገር ናይ ኣምልኾ ቦታ ዝዀነትን ካቴድራል ቅዱስ ማቴዎስ ደው ምባል ጽቡቕ ዕረፍቲ እዩ ነይሩ።
እቲ ጽቡቕ ገይሩ ዝተለመጸ ናሕሲ ገና ኣይተበላሸወን።
ኣብ ሓደ መንደቕ ልዕል ኢሉ ዝተፈጥረ ነዃል እቲ ባምባ ኣበይ ከም ዝወደቐ የመልክት፣ መስቀል ከም ዝወደቐ'ውን ዘርኢ ነይሩ።
ካብቶም ብዙሓት ዝረኣናዮም ህንጻታት ግን ኣዝዩ ዝሓሸ ይመስል።
ኣብ መሬት ዝነበረ ፍርስራስ ዘጽርይ ዝነበረ ወተሃደር፡ ዝበዝሕ ዕንወት ኣብ ዙርያ እቲ ቤተክርስትያን ዝዓለበ ቦምባታት ብዝፈጠሮ ጅላዳት (ስኬጆታት) ዝሰዓበ ዕንወት ምዃኑ ሓቢሩና።
ን"ቤት ኣምላኽ ዘዕኑ ሰብ የሎን፡" ይብል፣ እንተዀነ፡ ኣባላት ዳዕመ-ሰሪዕ ከም ዓይኒ-ምድሪ ብምጥቃም ከም ከምዘራኸስዎ ይወቅስ።
ኣብታ ቀዳመይቲ መዓልቲ ኵናት ዝተወልዓሉ፡ ውላድ ከም ዝወለደ፡ እቲ ውግእ ደው ብዘይምባሉ ግን ክሳዕ ሕጂ ናብ ቤቱ ከይዱ ወዱ ክርእይ ዕድል ከም ዘይረኸበ ይዛረብ።
ዳዕመ-ሰሪዕ፡ ዲፕሎማሰኛታት ናይ ዝተፈላለያ ሃገራት ዝርከብሉ ከባቢታት'ውን ሒዞም ነይሮም።
እቲ ውግእ ምስ ተጀመረ፡ ሃገራትን ኩባንያታትን ሰራሕተኛታት ንምውጻእ ሃታሃታ ኢለን ነይረን።
ኣብ መእተዊ ኤምባሲ ብሪጣንያ፡ ናይ ዳዕመ-ሰሪዕ ጭርሖ ኣብ መንደቕ ተጻሒፉ ኣሎ።
እቲ ጥይት ዘየሕልፍ ቤትሮ ናይቲ ህንጻ ከም ዘለዎ እኳ እንተ ጸንሐ፡ ከም ዝተወቕዐ ግና ሓያሎ ምልክታት ኣለዎ።
ብድሕሪት ኣብ ዝርከብ መዓሸጊ ጋራጅ፡ መካይን ዓንየን ኣለዋ።
ኣብቲ ስግር ጽርግያ፡ ባንዴራ ዓባይ ብሪጣንያ ኣብ ልዕሊ መደያይቦ ናይ ሓደ ዝተሃርመ ህንጻ፡ ተዓማጺጻን ደጊላን ተሰቒላ ትርአ።
እዚ፡ ኣብ 70 ዓመታት ሳልሳይ ሳዕ ዝካየድ ዘሎ ኲናት ሓድሕድ ሱዳን ኰይኑ፡ ብገለ መልክዑ ድማ ካብቲ ቅድሚኡ ዝተኻየደ ዝኸፍአ እዩ - ከምቲ ቅድሚ ሕጂ ኣብ ካልእ ክፋላት እታ ሃገር ዝተኻየዱ ግጭታት።
እዚ ኲናት'ዚ፡ ንቐንዲ ሕመረት ሱዳን ኣነቓኒቑን ምክፍፋላት ኣጽኒዑን ነታ ሃገር ናብ ስግኣት ምብትታን ኣውዲቑዋ ይርከብ።
ተቐማጢ ካርቱም ካብ ዞባ ውግእ ርሒቑ፡ ዒድ ኣልፈጥር ንምጽንባል በብወገኑ ናብቲ ጽርግያ ውሒዙ።
ኣብ ካልእ ቦታታት ኲናት ይቕጽል እኳ እንተ'ሎ፡ ብኣረኣእያ ኣብዚ ዘለዉ ሰባት ግና ኣብቂዑ እዩ።
እቲ ሰራዊት ብግፍዒ ክኽሰስ ዝጸንሐ ኰይኑ፡ ኣብ ዝሓለፈ መዓልታት ዓሰርተታት ኣሽሓት ሰባት ካብቲ ውግእ ከም ዝሃደሙ ጸብጻባት ይሕብሩ። ኣብ ካርቱም ግን ሰባት ኣረሜናዊ ጎበጣ ዳዕመ-ሰሪዕ ኣኽቲሙ ኢሎም ጽንብል ኣካዪዶም።
ኣብ ከባቢ ምዕራብ ኣልጀራይፍ ኣብ ዝርከብ ብሓባር ዝምገብሉ ቦታ'ውን፡ እቲ ስምዒት ውዕዉዕ ጸኒሑና።
"ዳግማይ ዝተፈጠርኩ ኰይኑ ይስምዓኒ፡" ይብል ዑስማን ኣልበሽር፡ ዝርዝር ጸገማት ናይቲ ኲናት ድሕሪ ምጥቃሱ፡ ኣዕይንቱ በቲ ሓድሽ ክውንነት እናበርሀ። እንግሊዝኛኡ ካብ ቢቢሲ ዎርልድ ሰርቪስ ከም ዝተማህረ ኣዕሊሉኒ።
ዱዓ ጣሪቕ ንደሞክራሲ እትድግፍ ተቓላሲት ኰይና፡ ኣካል ናይቲ ኣብ 2019 ንኣስታት ሰላሳ ዓመታት ንዝጸንሐ ምልካዊ ወተሃደራዊ ምሕደራ ዑመር ኣልበሽር ካብ ስልጣኑ ዝኣለየ ምንቅስቓስ ዝነበረት እያ።
ንጐረባብታ ካብቲ ኲናት ንኽድሕኑ ኣብ ምሕጋዝ ኣተኲራ እያ ክትነጥፍ ጸኒሓ።
"ድሕሪ ክልተ ዓመት ንፈለማ እዋን ዒድ ነብዕል ኣለና፡" ኢላ።
"ኵሉ ሰብ ይኽደን ኣሎ፣ እንተላይ ኣነ! ብሓድሽ ስምዒት ተዋሒጠ ኣለኹ - ልክዕ ከምቲ ከመይ ገይሩ ክነብር ዳግማይ ክመሃር ዝፍትን ሰብ። ናጻ ከም ዝዀንና ይስምዓና፣ ፍዂስና፣ ዋላ እቲ እነተንፍሶ ዘለና ኣየር'ውን ዝተፈልየ እዩ።"
ዱዓ ጣሪቕ ኣብ እዋን ኲናት መግቢ ስለ ዝተወድአ፡ ዝብላዕ ክትክሽን ኣጸጊምዋ ነይሩ። እታ ከተማ ብኣባላት ዳዕመ-ሰሪዕ ተራስያን ኣብ ከበባ ወዲቓን። ሓገዝ ኣመሪካ'ውን ደው ኢሉ ነይሩ።
መግቢ ዛጊት'ውን ሒደት እዩ፣ ሕጂ ግን ተስፋ ኣሎ።
"ጽቡቕ ይስምዓኒ ኣሎ። ውሕስነት ይስምዓኒ። ዋላ'ኳ ጥሜት እንተ ሃለወኒ ጽቡቕ ስምዒት'ዩ ዘለኒ፡" ይብል ቃስም ኣግራ ዝተባህለ ሽማግለ ሰብኣይ።
"ካልእ ቍም ነገር የብሉን፣ እቲ ኣገዳሲ ናጽነት እዩ።"
"ከምዚ ትርእይዎ ዘለኹም ሞባይል ሒዘ ኣለኹ፡" ኢሉኒ ኣብ ጁባኡ ዝነበረት ቴለፎን እናኣመልከተ።
"ቅድሚ ክልተ ሰሙን ኣቢሉ ሞባይል ምሓዝ ኣይከኣልካን ነይሩ።"
እዚ፡ ብዙሓት ኣብ ዝተፈላለየ ከባቢታት ካርቱም ዝረኸብኩዎም ሰባት ዝነገሩኒ እዩ። ሞባይል ቴለፎን ምስ ግዳም ዓለም እተራኽብ መትኒ ህይወት እያ ነይራ፣ ንኣባላት ዳዕመ-ሰሪዕ ድማ ቀንዲ እትራሰ ንብረት።
ኣቶ ቃስም ኣግራ፡ ካርቱም ኰነ እታ ሃገር ዳግማይ ህይወት ክዘርኣ ከም ዝኽእላ ተስፋ ኣለዎ።
"መንግስቲ ኣውፈርቲ ከምጽእ'ዩ ዝመስለኒ፤ ኣመሪካውያን፡ ስዑዳውያን፡ ካናዳውያን፡ ቻይናውያን፡ ነዛ ሃገር ዳግማይ ክሃንጹዋ እዮም ዝብል እምነት ኣለኒ።"
ከምዚ ዝኣመሰለ ሰፊሕ ዳግመ ህንጸት እንተ ተኻየደ እውን፡ ካርቱም እቲ ፍሉይ ባህላውን ስነህንጻኣውን መልክዓ ክትዕቅብ ምግማት ኣጸጋሚ እዩ።
ሓያሎ ካብተን ደቂ ኣንስትዮ እውን ኣብ ካልእ ቦታታት ብተደጋጋሚ ዝሰማዕኩዎ ነገር ኣቃሊሐን እየን። ደጊም ሩፍ ኢለን ክድቅሳ ይኽእላ እየን።
ኣባላት ዳዕመ-ሰሪዕ ማዕጾ ሰቢሮም ብምእታው ንብረተን ከይራስዩ ልዋም ለይቲ ኣይነበረንን።
እቲ ዝዓሰለ ፍርሕን ዝወረደ ክሳራን ከቢድ እዩ። ቍጽሪ ኣልቦ ግህሰት፣ ኣብ ሓደጋ ዝወደቐን ዝተበታተነን ህይወት።
"ደቅና ዓሚቝ ስንባደ ኣለዎም፡" ይብል ናጅዋ ኢብራሂም።
"ዝሕግዙዎም ሓካይም ስነ-ኣእምሮ የድልዮም። ሓብተይ መምህር እያ፣ ነቶም ቈልዑ ክትሕግዞም እኳ እንተ ፈተነት፡ እኹል ግን ኣይኰነን።"
ዱዓ ጣሪቕ ብዛዕባ ጽልዋ እቲ ኲናት ሕቶታት'ውን ኣለዋ፣ "እታ ከተማ መዓስ እያ ሰባት ዝበጽሑዋ ክትከውን፧"
"ከም ተቓላሲት [ኣክቲቪስት] ካልእ ውልቃዊ ሕቶ እውን ኣለኒ። ኣብቲ ሰውራ ዘካየድናሉ ሓሙሽተ ዓመታት ዝረኸብናዮ ናጽነትን መሰላትን እንታይ ክኸውን እዩ?" ክትብል ትሓትት፣ ነቲ ድሕሪ ምእላይ ዑመር ኣልበሽር ዝቘመ ስቪላዊ-ወተሃደራዊ መንግስቲ ናብ ስቪላዊ ምሕደራ ንምምላስ ዝስርሓሉ ዝነበረ ዓመታት ብምጥቃስ።
"ህዝባዊ ማሕበራት፡ ነጠፍቲ፡ ደለይቲ ፍትሒ፡ ተቓለስቲ ሓርነት ዳግማይ ከመይ ክዀኑ እዮም? ኣብዚ ግዜ'ዚ ኰይነ ብዛዕባ መጻኢና ርግጸኛ ኣይኰንኩን።"
ብዛዕባ መጻኢ ሱዳን ርግጸኛ ዝዀነ ሰብ የሎን።
ቈልዓ 16 ዓመት ሃዋ ዓብደልሻፊያ፡ ነቲ ሰብኣዊ ቅልውላው ዝኸፍኣሉ፡ ትዅረት እቲ ኲናት ክቕየር ትጽቢት ዝግበረሉ ምዕራባዊ ዕርዲ ዳዕመ-ሰሪዕ ብምጥቃስ፡ "ንህዝቢ ዳርፉር ንጽሊ ኢና፡" ኢላ።
"እግዚኣብሄር ይሓሉዎም።"