ትግራይ: ሞትን ንግደትን ኣብ ሓንቲ ፀሓይ ዘተኣናገደት ከተማ

ቀውዒ ንሓጋይ ዙፋኑ ዘረክበሉ ምስግጋር ወቕቲ ኣኺሉ ይርከብ። በቶም ከም ሰንሰለት ዝተለቛቖሙ ኣኽራናት ትቕልቀል ዘላ ወርቃዊት ፀሓይ: ፅባሕ ገብርኤል እዩ ዝብል ብስራት ትነግር።

ገብርኤል ዓመቱ ብሕልበትን ስልስን ክባረኽ፤ ኣኮን ደቂ ሓፍትን ካብ እንዳባ ገሪማ፣ ማርያም ሸዊቶ፣ ካብ ድድባን ማይጥዑምን ንግደት ኮይኑ ናብ ዓድዋ እንዳ ገብርኤል ይወርዱ።

ደቂ እንዳ ገብርኤል ኣጋይሾም ክቕበሉ ኣብ ደፋእፋእ ሓዲሮም። ወይዘሮ መብርሂት ገብርሄት: ሽሮን ትምትሞን፤ ሕልበትን ስልስን ሰኽቲታ ክተብስል ኣምስያ።

ደጊም ኩሉ ስለዝወገነት ምምፃእ ኣጋይሻ ብሃንቀውታ ትፅበ:: በዓል ቤታ ተኽሊት ኣብርሃ ነቲ ኣብ በዓለ ገብርኤል ዝፍጠር ደብረኽረኽ ምስ መሳትኡ ከህድእ ይሸባብ ነይሩ። ክልተ ደቂ ሓፍቱ ድማ ካብ ዓድዋ እንዳ ጽዮን ምሕዳሮም መፂኦም።

ተኽሊት ኣብርሃ ምድረሰማይ ካብ ፀልመተ ቆልዑ ኣዳሪሩ ፅባሕ ምስ ወገሐ ብሰላም የራኽበና ኢሉ ምሕዳሩ ናብ እንዳ ገብርኤል ከደ።

መብርሂት ዝሰኸተቶ ፀብሒ ኣውሪዳ ኣቑሑት ሓፃፂባ ክትድቅስ ሕትኹቱኽ ትብል ኣምሽያ።

ሰለስቲኦም ደቆም ምስ ደቂ ኣሞኦም ከምዛ ዘይፋለጠ‍ኡ ትፅውት ኣምስዮም። መብራህቲ ገዛ ጠፊኡ: ስድራ ግርማ ለይቲ ለቢሶም ልቦም ንገብርኤል ሂቦም ደቀሱ።

ምውግሑ ኣይቀረየን: ወገግታ ኮይኑ ህዝቢ ናብ ቤተክርስትያን ከይዱ:: ገዛ እንዳ መብርሂት ግን ገና ኣይተኸፈተን:: ህዝቢ ቤተክርስትያ ተሳሊሙ ነናብ መቕርቡ ኣተወ:: ገዛ እንዳ መብርሂት ብውሽጢ ተሃርሂሩ ክሳብ ፋዱስ መን ይኽፈቶ::

ተኽሊት ኣብርሃ መራር ፀሓይ ዓድዋ ክኢሉ ህዝቢ ክኣሊ ጠላዕ ቀትሪ ኮነ::

ብድሕሪ ሓለዋ ኣጋይሹ ከሳሲ ናብ ገዛ መፀ:: ገዛ ቀትሪ ምድሪ ተዓፅዩ ፀነሖ:: ዝኣቱ ኮነ ዝወፅእ ጋሻ ኸ እንተበለ ጋሻ ይመስክር።

ጓል ሓፍትናኣ ንመብርሂት ማዕፆ ምኹሕኳሕ ተመንይዋ ኣብ መረባ ተኾርምያ ኮፍ ኢላ:: ተኽሊት ነቲ ዝርእዮ ዘሎ ብገዛ ኣዐይቱ ተጠራጠሮ።

ገዛ ምዕፃዉ ሕቱም እንቁላሊሕ ኮይኑ ደንፀዎ:: ኳሕኲሑ ክኸፍት ዓቕሊ ኣይረኸበን:: ማዕፆ ፈግ ኣቢሉ ኣተወ::

ስድራ ክሳብ ጠላዕ ቀትሪ ደቂሶም:: "እንታይ ጉዱ ዳኣ ኣጋይሽ ኣብ ዝመፅሉ ግዜ ደቂስኩም? ኢሉ ሓተተ።

ግን መልሲ ዝህቦ ኣይረኸበን። ክብርቲ በዓልቲ ቤቱ ስውንውን ክትብል ፀነሐቶ።

ንዓኣ ደጊፉ ናብቶም ቆልዑ ቆላሕ እንተበለ: ቀልቦም ሰዊሮም:: ረፊዱ ጥራይ እንተይኮነስ ቀቲሩ እዩ እንተበለ ኣልቦ መልሲ።

እንታይ ረኺብዎም ደቀይ ክሳብ ሕዘ ደቂሶም ንዝብል ብጩቕ ዝብል ቆልዓ ተስኣነ:: ተኽሊት ናይ መወዳእታ ዝበሎ መፍትሒ ወሰደ::

ኣብ ምድቃሶም እንከለዉ ጸበል ነፂጉሎም:: ተመጣሊዑ ዝትስእ ቆልዓ ኣይረኣየን:: ቆልዑ ንሓዋሩ እዮም ደቂሶም:: ስትንፋሶም ኣዳሚፁ ምስቀበፀ:: ምድርን ሰማይን ተሓዋዊስዎ ገሃን መሃን ኮነ።

ጓል 14 ለግለግ ጓሉ: ጓል 8 ዓመት ምልዖ ጓሉ: ኣርባዕተ ዓመት ዘይመለኦ ማማይ ወዱ ካብ ሕቑፍኡ ተመንጢሉ:: ክልተ ምጭዋት ደቂ ሓፍቱ ምስ ደቂ ኣኮኦም ሞይቶም ተረኽቡ።

ጠንቂ ሞት?

መብርሂት ኣጋይሻ ብፍሽኽታ ክትቅበል ፀብሒ ዝሰኽተትሉ ፈርኔሎ ፋሓሙ ኣይጠፈአን ሓዲሩ:: ገዛ ብካርቦን ተዓጢኑ ቆልዑ ሳምብኦም ተዓፅዩ።

ባዕላ መብርሂት እውን ኣብ መንጎ ሞትን ህይወትን ኮይና ትንፋሳ ኣይወፀትን::

ህዝቢ ተኣከበ:: ፖሊስ ተፀወዐ:: ብካርበን ተዓፊኑ ዝሓደረ ገዛ ክሳብ ፍርቂ መዓልቲ ሃገፍ ኢሉ ሰብ ከውድቕ በለ።

ኣምቡላንስ መፀት፤ ህዝቢ ንመብርሂትን ንቶም ቆልዑን ኣንጠልጢሉ ናብ ሆስፒታል ዓድዋ:: ፀሓይ እንዳ ተኽሊት ኣብርሃ ዓሪባ:: ፍላይ ጎኑ መብርሂት ሒዙ:: መርዓት ኣዒንቱ ደቁን ደቂ ሓፍቱን ክቐብር ናብታ ዘይሓደረላ ገዝኡ ተመለሰ።

ዓድዋ ገብርኤል መዓልቲ ፀለሎ ለቢሳ ወዓለት:: ናብ ንግደት ዝመፀ ሰብ ቀብርን ብፅሖን ተቐቢልዎ።

ተኽሊት ኣብርሃ ስራሕ እኳ ዘይፍንፍን ፍረ ኣብራኹ ሓላላት ደቁ ከዕቢ ቆላን ደጉዓን ረጊፁ፡ እንዳ ሰብ ተቖፂሩ ገፅ ሰብ ክኢሉ ሸቂሉ ዝኣቱ ተባዕ ኣቦ እዩ።

ሎሚ ኣብ እንዳ መሸጢ ፀባ ተቖፂሩ ይሰርሕ:: ኣብ ልዕሊ ድኽነተን ምራኸን ትሞተን ኮይኑዎ ምስ ዘዝመፁ በፃሕቲ ኣዒንቱ ንብዓት ይፅሞቕ ኣሎ።

ኣዛዚ ፖሊስ ከተማ ዓድዋ ምክትል ኢንስፔክተር መኮነን ኣሰፋ ንቢቢሲ ከምዝገለፆ: ፖሊስ ምስ ህዝቢ ብምዃን ኣብቲ ገዛ ተረኺቡ ጠንቂ እቲ ሓደጋ ካርበን ምዃኑ ኣረጋጊፁ እዩ::

ኮን ዶኾን ትንፋስ እቶም ብካርበን ፋሓም ዝተዓፈኑ ይድሕን ንምፍታን ናብ ሆስፒታል ክበፅሑ ገይሩ እዩ:: ኮይኑ ግና እቲ ፃዕሪ ኣብቶም ቆልዑ ኣይሰመረን::

መብርሂት ግን ህይወት ሰሪዓ ኣብ ቀብሪ ደቃ ፈፈው ክትብል ውዒላ::

ኣብ ታሪኽ ከተማ ዓድዋ ከምዚ ዝበለ ሓደጋ ኣጓኒፉ ኣይፈልጥን:: እንተኾነ ግን እቲ ሕብረተሰብ ብሰንኪ ካርበን ህይወት ሰብ ከምዝጠፍእ እናፈለጠ ሰኣን ግቡእ ጥንቃቐ ምግባር ዘጋጠመ ሓደጋ ምዃኑ ምክትል ኢንስፔክተር መኮነን ይዛረብ::

ዓድዋ ዕሸላት ደቃ ተመሲሓ ወዓለት:: ሰንበትን ገብርኤልን ምግጥጣሙ ክኸብር እናተገበኦ ብብኽያት ፀሚሙ:ንብዓት ተሓፂቡ ወዓለ::