ሬሳኣ ክቃጸል ኣብ ምድላው ዝነበረት ሰብ ብህወይታ ጸኒሓ ተባሂሉ

ብመወዓውዒ ዝተሰለመት ኣምቡላንስ ኣብ ፊት ሬሳ ዝቃጸለሉ ቤተመቕደስ ቡድሂዝም። እቲ ህንጻ ቀይሕ ናሕሲን ሃሳስ መናድቕን ዘለዎ'ዩ።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ሰነዳዊ ስእሊ ናይቲ ዋት ራት ፓርኮንግ ታም ዝተባህለ ቤተመቕደስ ቡድሂዝም ኣብ 2021

ሞይታ ተባሂሉ ሬሳኣ ንምቅጻል (ክረሜሽን) እናተዳለወ እንከሎ፡ ኣብ ውሽጢ ሳንዱቕ ኮይና ብምዂኳሓ ብህይት ከምዘላ ተፈሊጡ።

እቲ ኣብ ታይላንድ ዘጋጠመ ፍጻመ፡ እታ ህይወታ ሓሊፉ ዝተባህለት ሰብ፡ ሬሳኣ ኣብ ሳንዱቕ ኣትዩ ናብቲ ዝቃጸለሉ ቤተመቕደስ እምነት ቡድሂዝም ተወሲዱ።

ነቲ ሬሳ ዘቃጽሉ ሰራሕተኛታት ምድላዋቶም ኣብ ዘካይድሉ ዝነበሩ እዋን ግን፡ ሃንደበት ትሑት ድምጺ ምንኩሕኳሕ ካብ ውሽጢ እቲ ሳንዱቕ ሰሚዖም ይብል ኣገልግሎት ዜና ኣሶሴትድ ፕረስ ዘውጽኦ ጸብጻብ።

እቲ ኩነታት ዝደንጸዎ ዋና ኣካያዲ ናይቲ ቤተመቕደስ ፓይራት ሱድቱፕ፡ ሰራሕተኛታቱ ነቲ ሳንዱቕ ክኸፍትዎ ኣዚዙ።

ወዮ ሳንዱቕ ሬሳ ምስተኸፍተ፡ እታ ጓል 65 ዓመት ብድኹም ሓይላ ንጐኒ ናይቲ ሳንዱቕ ክትኩሕኩሕን ዓይና ንምኽፋት ክትቃለስን ጸንሓቶም።

"ንነዊሕ እዋን ክትኩሕኩሕ ከይጸንሐት ኣይትተርፍን'ያ" ይብል ፓይራት።

ሓዋ፡ ሰብመዚ እቲ ከባቢ ሓፍቱ ከምዝሞተት ከምዘርድእዎ'ዩ ዝዛረብ። እንተኾነ፡ እቲ ዋና ኣካያዲ ከምዝበሎ፡ ምስክር ወረቐት ሞት ኣይነበሮን።

ሰነድ ምስክር ሞት ካበይን ብኸመይን ከምዝረክብ እናሓበርዎ እንከለዉ ድማ'ዩ ሃንደበት ካብ ውሽጢ ሳንዱቕ ሬሳ ትሑት ድምጺ ተሰሚዑ።

ብህይወት ምንባራ ምስተረጋገጸ ድማ፡ መንፈሳዊ መራሒ ናይቲ ደብሪ ብቑልጡፍ ናብ ሆስፒታል ክትውሰድ ኣዚዙ።

ብድሕሪ'ቲ ፍጻመ፡ ሓደ ሓኪም ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ እታ ሰብ በቲ ብሰንኪ ክቱር ዋሕዲ መጠን ሽኮር ደም ዝስዕብ 'ሃይፖግሊሳይሚያ' ዝተባህለ ኩነታት ጥዕና ትሳቐ ምንባራ ኣረጋጊጹ ክብላ ማዕከናት ዜና እታ ሃገር ሓቢረን።

እቲ ሓኪም፡ ምቁራጽ ስርዓተ-ምስትንፋስ ወይ ወቕዒ ልቢ ከምዘይነበራ'ዩ ገሊጹ።

እታ ጓል 65 ዓመት፡ ንዝሓለፈ ክልተ ዓመት ኣብ ዓራት ተደኒሳ ከምዝነበረትን፡ ጥዕናኣ እናንቆልቆለ ክኸይድ ድሕሪ ምጽናሕ ኣብ ዝሓለፈ ዓርቢ ምስትንፋስ ከምዘቋረጸት ምንኣስ ሓዋ ሓቢሩ ይብል እቲ ዋና ኣካያዲ ናይቲ ቤተመቕደስ።

እቲ ኣብ ካልእ ኣውራጃ ዝነብር ስድራቤት፡ ሬሳኣ ንምቅጻል ኣስታት 500 ኪሜ ተጓዓዙ'ዩ ናብቲ ቤተመቕደስ ኣትዩ።

ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ኣመሪካ፡ ክፍለሃገር ነብራስካ፡ ኣብ መንበሪ ኣረጋውያን ከምዝሞተት ዝተገልጸት ሓንቲ ሰበይቲ ንቀብሪ ኣብ እትዳለወሉ እዋን ብህይወት ምጽናሓ ይዝከር።

ሰራሕተኛታት እቲ መንበሪ ኣረጋውያን እታ 74 ዓመት ዝዕድሚኣ ህይወታ ከምዝሓለፈ ድሕሪ ምግላጾም፡ እታ ሰበይቲ ገና ተተንፍስ ከምዘላ ምስ ኣስተብሃሉ ሓገዝ ከምዝገበሩላን ናብ ህጹጽ ረድኤት ከምዝደወሉን ናብ ሆስፒታል ከምዝተወስደትን እቲ ዛንታ ጠቒሱ ነይሩ።