ካሊፎርንያ፡ ብቕልጡፍ ዝላባዕ ዘሎ ሓዊ ኣሽሓት ሰባት ካብ ቦታኦም ክወጽኡ የገድድ

ባርዕ ሓዊ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ኣብ ሰሜናዊ ምዕራብ ሎስ ኣንጀለስ ብቕልጡፍ ዝላባዕ ዘሎ ባርዕ ጫካ፡ ሙቐትን ደረቕ ኵነታትን ክብእስ ይገብሮ ብምህላዉ፡ ኣሽሓት ነበርቲ ናይቲ ከባቢ ብግዴታ ክወጽኡ ምኽንያት ኰይኑ ኣሎ።

እቲ ካንዮን ብዝብል ዝፍለጥ ባርዕ ሓዊ፡ ትማሊ ሓሙስ ድሕሪ-ቐትሪ እዩ ኣብ ዶብ ኣውራጃታት ቨንቸራን ሎን ኣንጀለስን ተናኺሱ፣ ክሳዕ ንጽባሒቱ ዓርቢ ንግሆ ድማ ካብ 30 ኤከር ናብ ዳርጋ 5,000 ኤከር ተላቢዑ።

ልዕሊ 2,700 ነበርቲ ካብቲ ቦታ ክወጽኡ ክሕተቱ እንከለዉ፡ ንተወሳኺ 14,000 ሰባት ድማ ናይ ምውጻእ መጠንቀቕታ ከም ዝተዋህቦም ክፍሊ መጥፋእቲ ሓዊ ኣውራጃ ቨንቸራ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ሓቢሩ።

እቲ ባርዕ ብኸፊል ተገቲኡ፡ ክሳብ ዓርቢ 25% ኣብ ትሕቲ ቍጽጽር ከም ዝኣተወ ሰበስልጣን እታ ሃገር ገሊጾም።

ልዑል ሙቐትን ደረቕ ኵነታትን ንጻዕርታት ምጥፋእ ሓዊ ይሓላልኾ ኣሎ። ሃገራዊ ኣገልግሎት ኵነታት ኣየር፡ ኣብ ዝቕጽሉ መዓልታት ሙቐት ናብ 37.7 ደረጃ ሰልሰስ ክዓቢ ምዃኑ ግምቱ ኣቐሚጡ ኣሎ።

እታ ሓንቲ ካብተን ናብቲ ባርዕ ዝቐረባ ከተማ ሳንታ ክላሪታ ኣብ ልዑል መጠንቀቕታ ትርከብ። ሰበስልጣን እታ ከተማ፡ ነበርቲ ካብቲ ብባርዕ ዝተሃስየ ከባቢታት ክርሕቑ ኣተሓሳሲቦም።

"እቲ #CanyonFire ብሓያል ሙቐትን ደረቕ ኵነታትን ኣብ ጥቓ መስመር ኣውራጃታት ቨንቸራ-ኤልኤ ብቕልጡፍ ይዝርጋሕ ኣሎ፡" ክትብል ተቘጻጻሪት ኣውራጃ ኤል.ኤ ካትሪን ባርገር ኣብ ኤክስ ጽሒፋ።

"ኣብ ሳንታ ክላሪታ፡ ሃስሊ ካንዮን ወይ ቫል ቨርደ እንተ ሃሊኹም፡ ንዝወሃብ ትእዛዝ ምውጻእ ብዕቱብ ተመልከቱዎ - እንድሕር 'ውጽኡ' ተባሂልኩም ብቕልጡፍ ውጽኡ። ኣስተውዕሉ! በጃኹም ህይወት ኣብ ሓደጋ ኣይተእትዉ።"

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

ክሳዕ ሓሙስ ምሸት፡ ብሰንኪ እቲ ባርዕ ዝተጐድአ ሰብ ይዅን መንበሪ ከም ዘየሎ ክፍሊ መጥፋእቲ ሓዊ ኤል.ኤ. ሓቢሩ።

ባርዕ ካንዮን ሓደ ካብቶም ኣብ መላእ እታ ኣውራጃ ዘጓንፉ ሓያሎ ንጡፋት ባርዕ ጫካታት ምዃኑ ክፍሊ ኣግራብን ምክልኻል ባርዕን ካሊፎርንያ (ካል ፋየር) ይሕብር።

ኣብታ ኣውራጃ፡ እቲ ዝዓበየ ንጡፍ ባርዕ ሓዊ ጊፎርድ ዳርጋ 100,000 ኤከር ዝሽፍን ኰይኑ፡ ኣብ መላእ ኣውራጃታት ሳን ሉዊስ ኦቢስፖን ሳንታ ባርባራን ይቃጸል ኣሎ።

ክኢላታት ጠንቂ ናይቲ ኣብ ካሊፎርንያ ዝርአ ተደጋጋሚ ባርዕ ጫካ ለውጢ ክሊማ ቀንዲ ረቋሒ ምዃኑ ይጠቕሱ። ዝያዳ ውዑይን ዝነቐጸን ኵነታትን ንወቕቲ ሓዊ ዝነውሐን ዝያዳ ኣዕናውን ገይሩዎ ኣሎ።

ኣብ ጥሪ ናይዚ ዓመት፡ ባርዕ ኢተን ካብ ሎስ ኣንጀለስ ንሰሜን ርሒቑ ዝርከብ ከባቢ ኣልታዴና ሰንጢቑ፡ ብውሕዱ 31 ሰባት ሞይቶምን ኣሽሓት መሰረተ-ልምዓት ዓንዩን።

እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ፡ ኣብ ደቡብ ግሪኽ ብዝተወልዐ ባርዕ ጫካ ሓደ ሰብ ሞይቱ።

ኣብ ደቡባዊ ምብራቕ ኣቴንስ ኣብ እትርከብ ከተማ ኬራቴያ ብዘጋጠመ ዓቢይ ባርዕ ጫካ፡ ቀልጢፉ ብምልባዑ ኣባይቲ ኣዕንዩን ሓደ ሰብ ቀቲሉን። ሰባት ካብቲ ቦታ ብህጹጽ ንኽወጽኡ ድማ መጠንቀቕታ ተዋሂቡ።

እቲ ባርዕ ብዓርቢ ድሕሪ-ቐትሪ ማኑትሶ ኣብ ዝተባህለ ከባቢ ዝተናኸሰ ኰይኑ፡ ፈለማ ብደረቕ ሳዕርን ግራውትን ኣቢሉ እዩ ጀሚሩ።

ኣብ መላእ ግሪኽ፡ ኣብ ዝሓለፉ 24 ሰዓታት ኣብ ልዕሊ 50 ግራውቲ ሕርሻን ኣግራብን ባርዕ ሓዊ ተላዒሉ። ኣብ እዋን ክረምቲ ኣብ መዓልቲ ካብ ዝተላዕለ ባርዕ ጫካ ድማ ዝለዓለ ኰይኑ ተመዝጊቡ።

ፖሊስ ሰባት ኣብ ምውጻእ ሓገዝ ይገብሩ ከም ዘለዉን ዛጊት እንተ ወሓደ 10 ኣብ ገዛኦም ዝጸንሑ ከም ዘውጽኡን ተፈሊጡ።

ሰብመዚ ክሳዕ ሕጂ ኣብ ሸውዓተ ከባቢታት ህዝቢ ከም ዝወጽአን እቲ ባርዕ ካብ ጫፍ ክሳብ ጫፍ ከም ዝተላብዐን ይገልጹ። እቲ ሃልሃልታ ግራውቲ ሰጊሩ ናብ መንበሪ ኣባይቲ ብምብጻሑ ጽርግያታት ተቛሪጹ ኣሎ።

ከንቲባ ከተማ ላቭረዮቲኪ ድሚትሪስ ሉካስ ንህዝባዊ ፈነወ ERT ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ እቲ ባርዕ ንምግታእ "ኣዝዩ ኣጸጋሚ" ምዃኑን ንልዕሊ 7 ኪሎ ሜተር ከም ዝዝርጋሕን ገሊጹ።

እዚ ባርዕ፡ ኣብ ቀረባ እዋን እንተ ዘይተዓጊቱ ዝያዳ ክዓቢ ከም ዝኽእል ሰብመዚ የጠንቅቑ።