ትራምፕ፡ እስራኤል ኣብ ቐጠር ኣብ ልዕሊ ሓማስ ብዝፈጸመቶ መጥቃዕቲ 'ሕጕስ ከም ዘይኰነ' ገሊጹ

እስራኤል፡ ካብ ቅድሚ ሕጂ ብዝተፈለየ ኣብ ካልእ ሃገር ኣንጻር ሓማስ ብዝገበረቶ መጥቃዕቲ፡ ሃገራት ዓለም ብትሪ ይዅንናኣ ኣብ ዘለዋሉ እዋን፡ ትራምፕ በቲ መጥቃዕቲ "ሕጕስ ከምዘይኰነ" ገሊጹ።

ቀዳማይ ምኒስተር እስራኤል በንጃሚን ነታንያሁ፡ እቲ መጥቃዕቲ 7 ጥቅምቲ 2023 ኣብ ልዕሊ እስራኤል ንዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ንዘዋደዱ ላዕለዎት መራሕቲ ሓማስ ዒላማ ዝገበረ ብምዃኑ "ቅኑዕን ፍትሓውን'ዩ" ኢሉ። ሓማስ ኣብ ልዕሊ እስራአል ድሕሪ ዝፈጸሞ ሃንደበታዊ መጥቃዕቲ ኲናት እስራኤል ቓዛ ከም ዝተወልዐ ይፍለጥ።

ፍልስጤማዊ ዕጡቕ ጕጅለ ሓማስ ሓሙሽተ ኣባላቱ፡ እስራኤል ኣብ ቐጠር ብዝፈጸመቶ መጥቃዕቲ ኣየር ከም ዝተቐተሉ ኣፍሊጡ። እቲ ንተዛተይቲ ጕጅለ ንምቕንጻል ዝተገበረ ፈተነ ግን ከም ዝፈሸለ ድማ ሓቢሩ።

ቐጠር ንመጥቃዕቲ እስራኤል "ጀጃዊን ንዓለማዊ ሕጊ ብቕሉዕ ዝጠሓሰን" ብምባል ኰኒናቶ።

እታ ኣብቲ ዞባ ቀንዲ መሻርኽቲ ኣመሪካ ዝዀነት ቐጠር፡ ገዚፍ መደበር ሓይሊ ኣየር ኣመሪካ ኣብታ ሃገር ይርከብ።

እስራኤል ኣብ ልዕሊ ቐጠር ዝፈጸመቶም መጥቃዕቲ ኣመልኪቱ ብጋዜጠኛታት ዝተሓተተ ትራምፕ፡ "ሕጕስ ኣይኰንኩን... ብዅሉ ኵነታት ሕጕስ ኣይኰንኩን፤ ጽቡቕ ኵነታት ኣይኰነን።

እዚ ኢሉ ግን፡ "እቶም ጅሆ ዝተትሓዙ ክምለሱ ንደሊ፣ ሎሚ መዓልቲ ብዝተፈጸመ ግን ሕጕሳት ኣይኰንናን" ዝብል ምላሽ ሂቡ።

ሓማስ፡ ኣብቲ ብኣመሪካ ዝቐረበ ኣብ ወሽመጥ ቓዛ ተዅሲ ደው ናይ ምባል እማመ ንምዝርራብ ተዛተይቲ ኣባላቱ ኣብ ዶውሓ ኣብ ሓደ መንበሪ ህንጻ ኣብ ዝተራኸብሉ እቲ መጥቃዕቲ ከም ዝተፈጸመ ገሊጹ። ብዝተፈጸሙ ተኸታተልቲ ነትጕታት ኣብቲ ህንጻ ጉድኣት ወሪዱ እዩ።

ምኒስተር ውሽጣዊ ጉዳያት ቐጠር፡ ሓደ ኣባል ውሽጣዊ ሓይሊ ጸጥታ ከም ዝተቐተለን ካልኦት ከም ዝተጐድኡን ሓቢሩ። ኣብ ልዕሊ ኣባላት ሓማስ ዘጋጠመ ሞት ወይ ጉድኣት እንተልዩ ካብ ምግላጽ ግን ተቘጢቡ።

ቐጠር ካብ 2012 ጀሚራ መደበር ቤት ጽሕፈት ፖለቲካዊ ክንፊ ሓማስ ክትከውን እንከላ፡ ምስ ኣመሪካን ግብጽን ብምዃን፡ ኣብ መንጐ እስራኤልን ሓማስን ንዝካየዱ ዘይቀጥታዊ ዝርርባት ኣሸማጋሊት ኰይና እያ።

መሰኻኽር ዓይኒ፡ ብሰሉስ ኣብ ሰዓታት ድሕሪ ቀትሪ ሸሞንተ ዝተፈላለዩ ነትጕታት ከም ዝሰምዑን ኣብ ሰሜናዊ ዞባ ካታራ ገዚፍ ትኪ ክዓርግ ከም ዝረኣዩን ተዛሪቦም።

ሰበስልጣን ቐጠር፡ እቲ መጥቃዕቲ ብዙሓት ኣባላት ፖለቲካዊ ክንፊ ሓማስ ንዝነበርሉ መንበሪ ህንጻታት ከም ዝወቕዐ ገሊጾም።

እስራኤል፡ ነዚ መጥቃዕቲ ከም ዝፈጸመት ኣብ ውሽጢ ሒደት ደቓይቕ'ያ ኣፍሊጣ።

ሰራዊት እስራኤልን ኣገልግሎት ጸጥታ ሺን ቤትን፡ "ንላዕለዎት መራህቲ ሓማስ ዒላማ ዝገበረ ልክዕነቱ ዝሓለወ መጥቃዕቲ" ምዃኑ ኣፍሊጦም።

ቀዳማይ ምኒስተር ነታንያሁን ምኒስተር ምክልኻል እስራኤል ካትዝን፡ ኣብ እየሩሳሌምን ቓዛን ብክልተ ፍልስጤማውያን ድሕሪ ዝተፈጸሙ መጥቃዕቲታት፡ ሓይልታት ጸጥታ እስራኤል ንመጥቃዕቲ ክዳለዉ ብሰኑይ መምርሒ ከም ዝሃቡ ኣፍሊጦም።

ኣብ እየሩሳሌም ኣብ ሓደ መዋፈሪ ኣውቶብስ ብዝተኻየደ መጥቃዕቲ ሽድሽተ እስራኤላውያን፣ ኣብ ከተማ ቓዛ ኣብ መዓስከር ሰራዊት ብዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ድማ ኣርባዕተ ወተሃደራት እስራኤል ተቐቲሎም እዮም።

ሓማስ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ እስራኤል ኣብ ቐጠር ንዝፈጸመቶ መጥቃዕቲ "ጨካን ገበን፣ ርኡይ መጥቃዕትን ንዅሎም ዓለማዊ መትከላትን ሕግታትን ዝጠሓሰን'ዩ" ብምባል ኰኒንዎ።

"ጸላኢ ኣብ ተልእኾ ዝተ ንዘለዉ ኣሕዋትና ንምቕንጻል ዝፈጸሞ መጥቃዕቲ ከም ዝፈሸለ ነረጋግጽ" ይብል ሓማስ ኣብ መግለጺኡ።

እቲ ጕጅለ፡ ወዲ ኻህሊል ኣል-ሓያ ዝዀነ ሑማምን ዳይሬክተር ቤት-ጽሕፈት ጂሃድ ላባድን ሓዊሱ፡ ናይ ዝተቐተሉ ሓሙሽተ ሰባት ሽም ወግዓዊ ገይሩ።

"ዶናልድ ትራምፕ ኣብ ዘቕረቦ ሓድሽ እማመ ይዝትዩ ዝነበሩ ልኡኻት ዘተ ዒላማ ምግባር፡ ነታንያሁን መንግስቱን ኣብ ዝዀነ ስምምዕ ክበጽሕ ከም ዘይደልን ንዅሎም ዕድላትን ዓለምለኻዊ ጻዕርታትን ኰነ ኢሎም ንምግታእ ከም ዝደልዩን ዘረጋግጽ እዩ" ኢሉ።

ሓማስ ወሲኹ፡ ምምሕዳር ኣመሪካ፡ ንሰራዊት እስራኤል ስለ ዝድግፍ ነዚ መጥቃዕቲ "ብሓባር ተሓታቲ" ከም ዝዀነ ገሊጹ።

ወሃቢት ቃል ዋይት-ሃውስ ካሮሊን ለቪት ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃበቶ ቃል፡ "ልኡላዊት እሞ ድማ ቀረባ መሻርኽቲ ኣመሪካ ኣብ ዝዀነትን ሰላም ንምምጻእ ምሳና ብትብዓት ትሰርሕ ኣብ ዘላን ሃገር በይነኣዊ ደብዳብ ምክያድ እስራኤል ይዅን ኣመሪካ ንዝደልያኦ ዘዕውት ኣይኰነን" ኢላ።

ንሳ ወሲኻ፡ "ይዅን'ምበር፡ ኣብ ቓዛ ዝሳቐዩ ብዘለዉ ሰባት ይጣላዕ ንዘሎ ሓማስ ምጥፋእ ግና ኣገዳሲ ዕላማ'ዩ" ኢላ።

ፕረዚደንት ትራምፕ፡ "ንፍሉይ ልኡኽ ስቲፍ ዊትኮፍ ብዛዕባ እቲ ዝፍጸም መጥቃዕቲ ንሰብመዚ ቐጠር ከፍልጥ ከም ዝኣዘዞን፡ ንሱ'ውን ነዚ ከም ዘተግበረን" ተዛሪባ።

ከም ኣገላልጻ ለቪት፡ ድሕሪ እቲ መጥቃዕቲ፡ ትራምፕ ንበንጃሚን ነታንያሁ "ሰላም ክገብርን ብቕልጡፍ ተግባራዊ ክገብሮን" ሓቢርዎ።

ትራምፕ ንኣሚርን ቀዳማይ ምኒስተርን ቐጠር'ውን "ከምዚ ዓይነት መጥቃዕቲ ዳግማይ ኣብ መሬቶም ከም ዘይፍጸም" ከም ዝነገሮም፡ እታ ወሃቢትቃል ወሲኻ ገሊጻ።

ቤት-ጽሕፈት ቀዳማይ ምኒስተር እስራኤል፡ "ናይ እስራኤል በይነኣዊ ስርሒት'ዩ። እስራኤል ኣበጊሳቶ፣ እስራኤል ፈጺማቶ፡ እስራኤል ድማ ምሉእ ሓላፍነት ትወስድ" ኢሉ።

ብተግባራት እስራኤል ዝተቘጥዐ መንግስቲ ቐጠር፡ "እዚ ገበናዊ መጥቃዕቲ፡ ንዅሎም ዓለምለኻዊ መትከላትን ሕግታትን ብቕሉዕ ዝጠሓሰ፣ ንጸጥታን ድሕነትን ኣብ ቐጠር ዝነብሩ ዜጋታትን ኣብ ከቢድ ሓደጋ ዘእተወን" ከም ዝዀነ ገሊጹ።

ተመሳሳሊ ቍጥዐን ተቓውሞን ካብ ዓረባዊ ዓለም ዝተሰምዐ ኰይኑ፡ ስዑድ ዓረብ "ኣረሜናዊ ግፍዒ እስራኤል" ብምባል ነቲ መጥቃዕቲ ኰኒና።

ዋና ጸሓፊ ሕቡራት ሃገራት ኣንቶንዮ ጉተረዝ፡ መጥቃዕቲ እስራኤል፡ "ንልኣላውነትን ግዝኣታዊ ሓድነትን ቐጠር ብቕሉዕ ዝጥሕስ'ዩ" ብምባል ኰኒንዎ።

ጉተረዝ፡ "ምቍራጽ ተጻብኦ ክግበርን ጅሆ ዝተትሓዙ ክፍትሑን ቐጠር እወታዊ አበርክቶ ትገብር ኣላ። ኵሎም ኣካላት ኣብ ስምምዕ ዘላቒ ሰላም ንምብጻሕ ክሰርሑ'ምበር ከበላሽውዎ ኣይግባእን" ኢሉ።

ፕረዚደንት ፈረንሳ ኢማኑኤል ማክሮን፡ እዚ መጥቃዕቲ "ክንዲ ድላዩ ምኽንያት ይሃሉ ተቐባልነት የብሉን" ክብል እንከሎ፡ ቀዳማይ ምኒስተር ዓባይ ብሪጣንያ ሰር ከር ስታርመር ብወገኑ፡ "ኣብቲ ዞባ ንዘሎ ግጭት ከጋድዶ" ከም ዝኽእል ኣጠንቂቑ።

ጳጳስ ካቶሊካዊት ቤተ-ክርስትያን ሊዮ መበል 14፡ "ኵሉ እቲ ዝፍጸም ዘሎ ኣዝዩ ሓደገኛን ዘሻቕልን'ዩ" ኢሎም።

እስራኤል ኣብ ዝሓለፉ 23 ኣዋርሕ ንብዙሓት ላዕለዎት መራሕቲ ሓማስ ከም ዝቐተለት ይፍለጥ።

ኣብ ወጻኢ ሃገር ዝነብር ዝነበረ ፖለቲካዊ መራሒ ሓማስ ኢስማዒል ሃንያ፡ ኣብ ሓምለ 2024 ኣብ ኢራን ምብጻሕ ኣብ ዘካይደሉ ዝነበረ እዋን ኣብ ሓደ መዕረፊ ኣጋይሽ ከም ዝተቐተለ ይዝከር።

ንሞት ሃንያ ስዒቡ ንፖለቲካዊ ክንፊ ሓማስ ክመርሕ ዝተሸመ ቀንዲ ኣወሃሃዲ እቲ ብ7 ጥቅምቲ ኣብ ልዕሊ እስራኤል ዝተፈጸመ ሃንደበታዊ መጥቃዕቲ ሓማስ ዝዀነ ያሕያ ሲንዋር'ውን፡ ጥቅምቲ 2024 ኣብ ደቡባዊ ቓዛ ብወተሃደራት እስራኤል ተቐቲሉ።

ሓማስ ኣብ ልዕሊ እስራኤል ድሕሪ ዝፈጸሞ ሃንደበታዊ መጥቃዕቲ፡ ኲናት እስራኤል-ቓዛ ዝተወልዐ ኰይኑ፡ እስራኤል በቲ መጥቃዕቲ 120 ሰባት ከም ዝተቐተሉን 251 ሰባት ብሓማስ ጅሆ ከም ዝተትሓዙን ትገልጽ።

ብውሑዱ 64,605 ፍልስጤማውያን ከም ዝተቐተሉ ድማ ምኒስትሪ ጥዕና ቓዛ ይገልጽ።