ኣብ ትግራይ 7 ሰባት ብሕማም ሸሮኽ ሞይቶም

ኣብ ክልል ትግራይ ብቕልጡፍ ዝላባዕ ከምዘሎ ዝንገረሉ ሕማም ሽሮኽ [ኮሌራ] ዛጊድ ሸውዓተ ሰባት ከምዝቐተለ ቢሮ ጥዕና ክልል ትግራይ ኣፍሊጡ።

ሓላፊ ርክብ ህዝቢ ቢሮ ጥዕና ትግራይ ኣቶ በሪሁ መስፍን፡ እቲ ሕማም ንፈለማ እዋን ኣብ መወዳእታ ዝሓለፈ ሓምለ ኣብ ሰሜን ምዕራብ ትግራይ ወረዳ ኣስገደ ከምዝተራእየ ንቢቢሲ ትግርኛ ተዛሪቡ።

ስዒቡ ድማ ናብ ወረዳታት ፅምብላ፡ እንዳበጉና፡ ሽረ እናበለ ናብ ብዙሓት ከባቢታት ይዝርጋሕ ከምዘሎ ሓቢሩ።

እቲ ቢሮ ከምዝብሎ፡ ዛጊድ ኣብቲ ክልል ብድምር ኣስታት 250 ሰባት በቲ ሕማም ከምዝተትሓዙ ዝተመዝገበ ኰይኑ፡ ኣብዚ ሕዚ እዋን 105 ድሒኖም። ካልኦት 65 ሕሙማት ድማ ክትትል ሕክምና ይግበረሎም ኣሎ።

ቀንዲ ምንጪ ናይቲ ሕማም ዝተበከለ ሩባ ከምዝዀነ ዘመልከተ ኣቶ በሪሁ፡ ፈለማ ካብቲ ሩባ ማይ ኣብ ዝጥቀሙ ዓደንቲ ወርቂ ከምዝተራእየ ገሊጹ።

ኣብ ሰሜን ምዕራብ ትግራይ ልዕሊ 10 ሽሕ ባህላዊ ዓደንቲ ወርቂ ከምዘለዉን፡ ቅነ ኣውደኣመት ምስ ምዃኑ ድማ ናብ ገዛውቶም ክምለሱ እንከለዉ ብቐሊሉ ክላባዕ ከምዝኸኣለ ኣረዲኡ።

“ክረምቲ ምስ ምዃኑ፡ ሕማም ሽሮክ ሓደ ግዜ እንተተራእዩ ቀልጢፉ እዩ ዝመሓላላፍ” ክብል'ውን ሓቢሩ።

ብሓፈሻ 11 ወረዳታት ዞባ ሰሜን ምዕራብ 204 ሰባት፣ ኣብ 11 ወረዳት ዞባ ማእኸል 15 ሰባት ከምኡ ድማ ኣብ ምብራቕ ትግራእ ወረዳ ሓውዜን ኣብ ሓደ ሰብ ከምዝተራእየ ካብቲ ቢሮ ዝተረኽበ መረዳታ የመልክት።

“ኣብ መቐለ ከይተረፈ ኣብ ክፍለ ከተማ ሰሜን ኣብ ሓደ ሰብ ተራእዩ ኣሎ” ኢሉ ኣቶ በሪሁ።

ኣብ ሰሜን ምዕራብ ትግራይ ብፍላይ ካብ ፀለምትን ዞባ ምዕራብ ትግራይን ብኲናት ዝተመዛበሉ ኣስታት ሓደ ሚልዮን ነበርቲ ዝርከቡ ዀይኖም፡ ኣቶ በሪሁ “ኣብ ውሽጢ እቲ መፅለሊ ከይረአ ሰፊሕ ኣስተምህሮን ክትትልን ይግበር ኣሎ” ኢሉ።

“ሸሮኽ፡ ኣብ ልዕሊ ሓደ ሰብ እውን እንተተራእዩ፡ ለበዳ እዩ ዝበሃል” ዝበለ ኣቶ በሪሁ፡ ንሚኒስትር ጥዕና ኢትዮጵያ ሓዊሱ ንኩሎም ዝምልከቶም ኣካላት መንግስቲ ክፈልጡ ከምዝተገብረ’ውን ተዛሪቡ።

“በቲ ዝነበረና ውሽጣዊ ዓቕሚ እናተሰርሐ ፀኒሑ እዩ። ብፍላይ ምስቲ ክረምቲ ምዃኑ፡ ቍጽሪ ሕሙማት እናወሰኸ ከይዱ ልዕሊ ዓቕምና ከይኸውን ንዝምልከቶ ኩሉ ኣፍሊጥና ኣለና” ኢሉ።

ንሱ፡ እቲ ሕማም ፈለማ ምስተራእየ፡ ኣስታት 60 ሓደሽቲ ማእከላት ጥዕና ከምዝተጣየሱን ካልኦት ድማ ኣብ ዓበይቲ ሆስፒታላት ክትትል ይግበረሎም ከምዘሎን ኣረዲኡ።

እቲ ሕማም ቅድም ክብል ኣብ መዳበውቲ ክልላት ኣምሓራን ዓፋርን ተራእዩ ምስ ምንባሩ ገለ ግምታት ከምዝነበሩ ዝገለፀ እቲ በዓል ሞያ ርክብ ህዝቢ፡ ኣብ ነበርቲ ግንዛበ ኣብ ምፍጣርን ኣድለይቲ ዝበሃሉ ናውቲ ሕክምና ኣብ ምድላውን ፅቡቕ ከምዝተሰርሐ ይዛረብ።

“ቀንዲ መከላኸሊ ሕማም ሸሮክ ውልቃውን ማሕበራውን ጽሬት ምሕላው እዩ” ዝበለ እቲ ክኢላ፡ ሕብረተሰብ ዝጥቀመሉ ማይ ብኣጋኡ ምሕካም፡ ምግቢ ኣብሲልካ ብምጥቃም፡ ዓይኒ-ምድሪ ድሕሪ ምጥቃም ብግቡእ ኢድካ ብምሕፃብን ብቐሊሉ ክትከላኸሎ እትኽእል ሕማም ምዃኑ ኣብሪሁ።