ጀርመን፡ ወዲ ሽዱሽተ ዓመት ቈልዓ ንምርካብ ሰፊሕ ድልያ ይቕጽል

ሰብመዚ ጀርመን ካብ ሰሉስ ኣትሒዞም ኣብ ከተማ ዋይልበርግ ሄሰ ዝጠፍአ ካብ ኤርትራውያን ስድራቤት ዝተወልደ ወዲ ሽዱሽተ ዓመት ቈልዓ ጳውሎስ ዳዊት ንምርካብ ንሰሙን መመላእታ ድልያ ከካይዱ ቀንዮም ኣለዉ።

ወሃቢ-ቓል ፖሊስ፡ ዝከኣሎም ይገብሩ ከም ዘለዉ ብምግላጽ፡ ምሉእ ለይቲ ሓዊሶም ምድላይ ይቕጽሉ ከም ዘለዉ ሓቢሩ።

ጳውሎስ ዳዊት `ኦቲስቲክ ስፔክቱረም` ዘለዎ ኰይኑ፡ ካብ ቤት-ትምህርቱ ወጺኡ ከም ዝኸደ እዩ ዝግለጽ ዘሎ።

ኣብዚ ቀረባ እዋን እቲ ቈልዓ ኣብ ዕሙር ጐደና ደው ኢሉ ዘርኢ ቪድዮ ተረኺቡ ኣሎ።

ኣብቲ ቪድዮ፡ ሓደ ዝሓልፍ ዝነበረ መራሒ መኪና ንድሕነት እቲ ቈልዓ ክብል መንገዲ ክመርሖ ከም ዝርአ 'ዘ ሙኒክ ኣይ` ዝተባህለት መርበብ ሓበሬታ ትገልጽ።

ፓውሎስ ምስቲ ኵነታቱ ኣብ ተኣፋፊ ሃዋሁ ክህሉ ስለ ዝኽእልን ብፍርሒ ግብረመልሲ ምእንቲ ከይህብን፡ ዝረኸቦ ሰብ ብቐጥታ ከይቀርቦ ወይ ከይጽውዖ ፖሊስ ምሕጽንታ ኣቕሪቦም ኣለዉ።

ኣብ ክንድኡ፡ 110 ብምድዋል ወይ ኣብ ቀረባ ናብ ዝርከብ መደበር ፖሊስ ክሕብሩ ተላቢዎም።

ኣብቲ ዝካየድ ዘሎ ናይ ምድላይ ስርሒት፡ ልዕሊ 600 ኣባላት ፖሊስ ምስ ዕሉማት ኣኽላባት፡ ፈረሰኛታት፡ ጀላቡ፡ ክኢላታት ሓምበስትን ሄሊኮፕተራት ዝሓቘፈ ጕጅለ ድልያን ድሕነትን ተዋፊሩ ይርከብ።

ሕብረተሰብ ናይቲ ከባቢ፡ ጳውሎስ ብሰላም ናብ ቤቱ ክምለስ እናተተስፈወ፡ ኣብቲ ድልያ ምትሕብባሩ ይቕጽል ኣሎ።

ቢቢሲ ኣብቲ ከባቢ ንዝርከቡ ሓድሓደ ኤርትራውያን ከም ዘዘራረቦም፡ እቶም ስድራ ኣዝዮም ተጐዲኦም ከም ዘለዉ ብምግላጽ፡ ጳውሎስ ብዝቐልጠፈ ተረኺቡ ናብ ገዛኡ ክምለስ፡ ብምድላይ ኰነ ብጸሎት ኣብ ጐድኒ እቶም ስድራ ከም ዘለዉ ሓቢሮም።