እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
‘ኦቲዝም’ ካብ ጸልማት ከተውጽእ ትቃለስ ዘላ ኣደ
ዒራቓዊት ኣደ ሻይማ ኣልሃሺሚ፡ እቲ ሕብረተሰብ ኣብ ልዕሊ ክልተ ኦቲዝሞ ዝዀኑ ደቃ ዘለዋ ኣረኣእያ ኣጽሊእዋ ነይሩ።
ስለዚ፡ ናይ ገዛእ ርእሳ ህይወታ ዝምልከት ቪድዮታት ብምልጣፍ ገለ ክትገብር ወሰነት፡ ኣብ ጕዕዞኣ ደገፍቲ፡ ከምኡ'ውን ነቐፍቲ ረኺባ።
"ንምንታይ እሞ ትሕበን? ጽሉላት እዮም። ኵነታቶም ተበሊጻ ድማ ብደቃ ገንዘብ ትእክብ ኣላ።"
እዚ ዘይጥዑም ዓይነት ርእይቶ ኰይኑ፡ ኣብ ገጽ ኢንስታግራም ሻይማ ኣልሃሺሚ፡ ከሕፍርዋ ዝደልዩ ሰባት ዝልጥፍዎ ንቡር ዓይነት መልእኽቲ እዩ።
እቶም ዕስለ፡ እታ ኣደ ክልተ ኦቲስቲክን ዓይነ ስዉራንን ቈልዑ ንዝጠቅዓቶ ቪድዮታት ምላሽ ይህቡ ኣለዉ፡ ንሳ ድማ ኣብ ባቕዳድ ብዛዕባ ናይ ገዛ ህይወቶም ርድኢት ብምክፋል ማሕበራዊ ሓጹራት ትሰብር ኣላ።
"ካልኦት ወለዲ ከማይ ክሳቐዩ ኣይደለኹን፡ ንነፍሲ ወከፍ ኣደን ኣቦን ድማ ንእሽቶ ተስፋ ከቕርብ ደልየ” ትብል።
ሻይማ፡ ሕጂ 144 ሽሕ ተኸታተልቲ ኣለዉዋ ግን ኣብዚ ንምብጻሕ ነዊሕ መንገዲ እያ ተጓዒዛ።
"ቅድሚ ዓሰርተ ሸውዓተ ዓመት፡ ብዛዕባ ኦቲዝም ብዙሕ ኣይንፈልጥን ኔርና፡ ርድኢትና ድማ እቲ ቈልዓ ኣብ ሓደ ኵርናዕ ኩርምይ ኢሉ ኮፍ ዝብል'ዩ፣ ኣዝዩ ውሑድ ሰብ 'ውን ብዛዕባኡ ይዛረብ" ትብል እታ ኣደ ሰለስተ ቈልዑ።
ማሕበራዊ ተነጽሎ
ወዲ 17 ዓመት ኣያን ወዲ 11 ዓመት መሓመድን ኦቲስቲክ እዮም። ብተወሳኺ ብሰንኪ ንመትንታቶም ዝጸለወ ዘይምሉእ ምዕባለ ሓንጐል ዓይነ-ስዉራን እዮም።
ሻይማ፡ ኣያ ምልክታት ኦቲዝም ከተርኢ ኣብ ዝጀመረትሉ እዋን ጓል ኣርባዕተ ዓመት ከም ዝነበረት ትዛረብ፣ ከም ንነብሳ ምዝዋርን ብጫፍ እግራ ክትከይድ ምጅማራን።
ኣብ ዒራቕ ክንደይ ህጻናት ኦቲዝም ከምዘለዎም ዝሕብር ዕላዊ ኣሃዝ የለን፤ መብዛሕትኡ ግዜ ድማ መርመራ ንምርካብ ኣጸጋሚ እዩ።
ክኢላ ስነ-ኣእምሮን ዳይረክተር ማእከል ባቢሎን ንኦቲዝም፡ ሻታ ዓሊ ካዱም፡ ኣብ ባቕዳድ ምዝራብን ምምሃርን ጸገማት ዘለዎም፡ ብሐፈሻ ድማ ኣብ ዒራቕ ኣስታት 20 ሽሕ ህጻናት ኦቲዝም ከምዘለዎም ትግምት።
እዚ ግን ምናልባት ትሑት ቍጽሪ ክኸውን ይኽእል እዩ። ምኽንያቱ ኣብ ዒራቕ ምስ ስንክልና ዝተኣሳሰር ናይ ሕፍረት ስምዒት ስለዘሎን ወለዲ ደቆም ከምኡ "ስያመ" ክግበረሎም ስለዘይደልዩን ኣየውጽእዎን።
"ኣብዚ እዋን'ዚ ነዚ ጕጅለ ብፍሉይ ዝሕግዝ መንግስታዊ ደገፍ የለን፡ ንዖኦም ዝተወፈዩ መንግስታዊ ማእከላት ወይ መዕቆቢታት'ውን የለዉን" ትብል ሚስ ካዱም።
ኣያ ጓል 11 ዓመት እንከላ ኣብ ሓንቲ ካብተን ማእከላት ትምህርቲ ሓደ ፍጻመ ኣጋጢምዋ፡ እዚ ድማ ሻይማ ነቲ ጉዳይ ኣብ ኢዳ ሒዛ ኣብ ገዛ ክተምህራ ክትውስን ገበራ።
ሓደ መዓልቲ ሻይማ ንጓላ ክትወስድ ምስ ደንጐየት፡ እታ ጓል ንበይና ኣብ ክፍሊ ዋርድያ ተረፈት። ትንኮያታት ከምዝነበረ እያ እትኣምን።
ኣብ ኣካላት ኣያ ዝዀነ ምልክት መጥቃዕቲ ክትርኢ ምስ ፈተነት፡ ኣብ ገጻ ዘይምቾት ከም ዝረአን ኣያ ኢድ ኣደኣ ከይተረፈ ከም ዝደፍአትን ትዛረብ።
"ክሳብ ሎሚ'ውን ንኣያ ክንሓቍፋ ክንፍትን ከለና ንእሽቶ ትርሕቕ፣ ናባና እንተቐሪብናያ ድማ ትስሕብ።"
ሻይማ፡ ዝዀነ ስፔሻሊስት ቤት ትምህርቲ ደቃ ከምዘይቅበሎም ትዛረብ፡ ምኽንያቱ ክልቲኦም ዓይነ ስዉራን ኦቲስቲክን ስለዝነበሩ።
ካልኦት ኦቲስቲክ ደቆም ከመዝግቡ ዝፈተኑ ወለዲ ከምዘይሰለጦም ትፈልጥ እያ፤ ዓቕሚ'ኳ እንተሃለዋ ናብ ናይ ብሕቲ ቤት ትምህርቲ ክትሰዶም እውን ከምዘይትኽእል ገሊጻ።
"ነብሰይ ይዅን ደቀይ በዚ ኵነታት ክሓልፉ ክገብር ኣይደልን እየ" ትብል ሻይማ። "ንሓደ ኦቲስቲክ ቈልዓ ናብ ቤት ትምህርቲ ምስ ሰደድካዮ እሞ ሓጐስ ምስ ዝስመዖ፡ ድሕሪኡ እቲ ስምዒት ምስ ዝስእን፡ እዚ እንታይ ከም ዝገብሮም ትፈልጥ ዲኻ?"
እዚ ድማ ሻይማን በዓል ቤታን ግዜኦም፡ ጻዕሮምን ገንዘቦምን ኣብ ምምዕባል ደቆም ከውዕሉ ገበሮም።
ሻይማ፡ ምስ ክኢላታት ዓባይ ብሪጣንያ፡ ሽወደንን ኣሜሪካን ተራኺባ፡ ንመሓመድ መምህር ብሬይል እውን ኣምጺኣትሉ።
መሓመድ ዕድመኡ ንኡስ'ኳ እንተዀነ፡ ብፍላይ ኣብ ልዕሊ ሓብቱ ኣያ ክመጽእ ከሎ፡ ኣብ ህይወት ስድራ ዓቢ ግደ ኣለዎ።
"ኣያ እንተተጨኒቓ መሓመድ የህድኣ፡ እንተተረቢሻ ድማ ከጸናንዓ ይፍትን" ትብል ሻይማ።
ጐዳኢ ርክባት
ሻይማን ስድራኣን ናብ ህዝቢ ክወጹ ከለዉ ብዙሕ ሰብ ይጥምታ።
ኣብ ሓደ ናይ ህጻናት መጻወቲ ቦታ፡ መሓመድ ናብቲ ስላይድ ክድይብ ዝፍትነሉ ዝነበረሉ ፍጻመ፡ ግን ከኣ ነቲ መደያይቦ ዘይጥቀመሉ ዝነበረ ፍጻመ ትዝክር። ገሊኦም ወለዲ፡ ደቈም እውን ከምኡ ክገብሩ ኽጽዕሩን ንርእሶም ከይጐድኡን ይጭነቑ ነበሩ።
"ከም ኣደ መጠን፡ ንኸምዚኦም ዝኣመሰሉ ሰባት ብሕጊ ዘሕትት ሕጊ እንተዝህሉ ጽቡቕ ነይሩ፣ ብፍላይ እዚ ኵነታት ንጥዕና ኣእምሮይ ስለዝጸለዎ" ትብል ሻይማ። "ደጊመ ምስ ደቀይ ክወጽእ እናደለኹ፡ ናብ ገዛይ ከይደ።"
ከም ውጽኢቱ ድማ ሻይማ "ኦቲዝም ኣለኒ ተዓገሱኒ" ዝብል ንኣያን መሓመድን ባጅ ገይራትሎም።
ሻይማ ሓደ መዓልቲ ካልእ ኣደ ከመይ ገይራ ናብ መሓመድ ባጁ ከተንብብ ከም ዝቐረበት ክትነግረኒ ከላ ስምዒታዊት ኰይና።
ብድሕሪኡ እታ ኣደ ናብ ሰለስተ ደቃ ተመሊሳ ንመሓመድ እንተደኣ ኣድልይዎ ክትሕግዝዎ ነገረቶም።
እቲ ሕብረተሰብ ከመይ ይቕየር ከምዘሎ ዘርኢ ምልክት እዩ።
ሻይማ ኣብ 2020፡ ብሰንኪ ኮቪድ ኵለን ማእከላት መንግስቲ ድሕሪ ምዕጻወን እያ፡ ናይ ኢንስታግራም ገጻ ከፊታ።
ኣብ መጀመርታ "ስለምንታይ እዛ ጓል ክሳብ ክንድዚ ቀስ ኢላ ትዛረብ?"ዝኣመሰሉ ርእይቶታት ነይሮም።
ሻይማ ሸለል ክትብሎም ፈቲና ድሕሪኡ ግን ሰዓብታ መልሲ ክህቡን ኣያ ኦቲዝም ስፔክትረም ዲስኦርደር ከምዘለዋ ክገልጹን ኣስተብሃለት።
ካልእ ኣወንታዊ ስጕምቲ ናብ ንዅሉ ዝሓቁፍ ዓለም።
ሓደ ካብቲ ሕቡእ ጐድኒ ኦቲዝም፡ ወለዲ ዘጋጥሞም ኣካላውን ኣእምሮኣውን ጸቕጢ እዩ።
መሓመድ ፒያኖ ንምምሃር ክልተ ዓመት ወሲዱሉ፤ ሻይማ ድማ ንኣያ ናይ ምዝርራብ ዓቕማ ንምምዕባል ኣብ መዓልቲ ብዙሕ ግዜ ቃላት ትደግመላ።
"ቅድሚ ሕጂ፡ ብዛዕባ'ቲ ዝመጽእ፡ ‘ኣነ እንተዘይሃልየ ኵነታት ደቀይ እንታይ ክኸውን'ዩ?’ ዝብል ዘይተኣደነ ፍርሒ ነይሩኒ" ትብል።
"እዚ ሓሳባት ንነፍሲ ወከፍ ኣደ መዓልታዊ ይስዕባ። ሕጂ ግን፡ ከምኡ ኣይኮነን። ኣብ ክንድኡ፡ ተስፋን ድርኺትን ኣለኒ። ኣያ 70% ግዜ ኣብ ነብሳ፡ መሓመድ ድማ 90% ኣመሓይሹ"።
ሻይማ ንወለዲ ዝህቦ ዓቢይ ምኽሪ ትዕግስቲ እዩ።
"ክትገንሖም ወይ ከም ዝሓረቕካ ምስ ዝስምዖም ተወዲኡ'ዩ። ሕጂ ምዕባለ ክትገብር ከቢድ ክኸውን ይኽእል'ዩ ግን ድሕሪ ሓደ ወይ ክልተ ዓመት መን ይፈልጥ።"